Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

14 bible verses about

repentance


2ይ ዜና መዋእል 7:14 | 7 Helpful votes

እዚ ብስመይ እተሰምየ ህዝበይ ከኣ ትሕት እንተ በለ፡ እንተ ለመነ፡ ገጸይውን እንተ ደለየ፡ ካብ ክፉእ መገዱ ድማ እንተ ተመልሰ፡ ሽዑ ኣነ ኻብ ሰማይ ክሰምዕ እየ፡ ሓጢኣቶም ከኣ ይቕረ ኽብለሎም፡ ምድሮምውን ክፍውሰሎም እየ።

Translation | Context
1ይ ዮሃንስ 1:9 | 6 Helpful votes

ሓጢኣትና እንተ ተናዘዝና፡ ንሓጢኣትና ይቕረ ኺብለልና፡ ካብ ኵሉ ዓመጻውን ኬንጽሃና እሙንን ጻድቕን እዩ።

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 3:19 | 5 Helpful votes

እምበኣርስኸ ሓጢኣትኩም ምእንቲ ኺድምስሰልኩም፡ ካብ ገጽ እግዚኣብሄር ከኣ ዘመን ዕረፍቲ ምእንቲ ኺመጻልኩም፡

Translation | Context
ሉቃስ 13:3 | 4 Helpful votes

ኣይፋሎም፡ እንተ ዘይተነሳሕኩምሲ፡ ኵላትኩም ድማ ከምኡ ኽትጠፍኡ ኢኹም፡ እብለኩም አሎኹ።

Translation | Context
ህዝቅኤል 18:21-23 | 4 Helpful votes

ግናኸ እቲ ረሲእ ካብቲ ዝገበሮ ዅሉ ሓጢኣት እንተ ተመለሰ፣ ኵሉ ሕጋጋተይ ከኣ እንተ ሐለወ፣ ቅንዕናን ጽድቅን ድማ እንተ ገበረ፣ ንሱ ብርግጽ ብህይወት ኪነብር፣ ኣይኪመውትን ከኣ እዩ። ካብቲ ዝገሀሶ ምግሃስሲ ሓንቲ እኳ ኣይክትዝከረሉን፣ በቲ ዝገበሮ ጽድቂ ብህይወት ኪነብር እዩ። ንሞት ረሲእዶ እፈቱ እየ፡ ፍታወይሲ ካብ መገዱ ኺምለስ፣ ብህይወት ከኣ ኪነብርዶ ግዳ ኣይኰነን፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 17:30 | 3 Helpful votes

ኣምላኽ ነቲ ዘመን ድንቊርና ኣሕሊፉ፡ በቲ ኻብ ምዉታት ዘተንስኦ እሞ ብእኡ ንዂሉ እምነት እናሃበ ዝመደቦ ሰብኣይ ንዓለም ብጽድቒ ዚፈርደላ መዓልቲ ወሲኑ ስለ ዘሎ፡ ሕጂ ኣብ ኲሉ ቦታ ንብዘሎ ሰብ ኪንስሑ ይነግር አሎ።

Translation | Context
2ይ ጴጥሮስ 3:9 | 3 Helpful votes

ጐይታስ፡ ኵላቶም ናብ ንስሓ ኺበጽሑ እምበር፡ ሓደ እዃ ኺጠፍእ ዘይፈቱ ስለ ዝዀነ፡ ምእንታኻትኩም ይዕገስ አሎ እምበር፡ ከምቲ ንገሊኣቶም ዚድንጒ ዚመስሎም፡ ንተስፋኡ ኣየድንጒዮን እዩ።

Translation | Context
ምሳሌ 28:13 | 3 Helpful votes

ገበኑ ዚኽውሎ ኣይሰልጦን፡ እቲ ዚናዘዘሉ እሞ ዚሐድጎ ግና ምሕረት ይረክብ።

Translation | Context
ያእቆብ 4:8-10 | 3 Helpful votes

ንኣምላኽ ቅረብዎ፡ ንሱውን ኪቐርበኩም እዩ። ኣቱም ሓጥኣን፡ ኣእዳውኩም ኣጽርዩ፡ ኣቱም ሰብ ክልተ ልቢውን፡ ልብኹም ኣንጽሁ። ተሽገሩን ጕሀዩን ብኽዩን። ሰሓቕኩም ናብ ብኽያት፡ ሓጐስኩምውን ናብ ሓዘን ይለወጥ። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ትሕት በሉ፡ ንሱውን ልዕል ኬብለኩም እዩ።

Translation | Context
ራእይ 2:5 | 2 Helpful votes

እምብኣርሲ ኻበይ ከም ዝወደቕካ ዘክር እሞ ተነሳሕ፡ ነቲ ቐዳማይ ግብሪውን ግበሮ። እንተ ዘይኰነስ ክመጸካ፡ እንተ ዘይተነሳሕካውን፡ ነቲ ቐዋሚ ቐንዴልካ ኻብቲ ስፍራኡ ኸዝብሎ እየ።

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 2:38 | 2 Helpful votes

ጴጥሮስ ከኣ፡ እቲ ተስፋ ንኣኻትኩምን ንደቅኹምን ነቶም ኣብ ርሑቕ ዘለዉ ዂሎም፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ዚጽውዖም ዘበሉን እዩ እተዋህበ እሞ፡ ተነስሑ ነፍሲ ወከፍኩም ከኣ ብስም የሱስ ክርስቶስ ንሕድገት ሓጢኣት ይጠመቕ፡ ህያብ መንፈስ ቅዱስውን ክትቅበሉ ኢኹም በሎም።

Translation | Context
2ይ ቈረንቶስ 7:9-11 | 2 Helpful votes

ካባና ገለ ጕድኣት ምእንቲ ኸይትረኽቡስ፡ ከም ፍቓድ ኣምላኽ ኢኹም ዝጐሄኹም፡ ንንስሓ ስለ ዝጕሄኹም እምበር፡ ሕጂ ስለ ዝጕሄኹም ኣይኰንኩን ዝሕጐስ ዘሎኹ። ማለት፥ ጓሂ ኸም ፍቓድ ኣምላኽሲ ንምድሓን ዚኸውን ዘይትጠዓሰሉ ንስሓ የምጽእ፡ ጓሂ ዓለም ግና ሞት እዩ ዜምጽእ። እንሆ፡ እዚ ኸም ፍቓድ ኣምላኽ ዝጕሄኹምዎ ኽንደይ ጸዓት ዘየምጽኣልኩም፡ ክንደይ ምምጽራይ፡ ክንደይ ምንጽርጻር፡ ክንደይ ፍርሃት፡ ክንደይ ናፍቖት፡ ክንደይ ቅንኣት፡ ክንደይ መግናሕቲ ዘየምጽኣልኩም። በዚ ነገርዚ ብዅሉ ንጹሃት ምዃንኩም ርእስኹም ኣርኤኹም።

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 8:22 | 2 Helpful votes

እምብኣርሲ ኻብዚ ኽፍኣትካ እዚ ተነሳሕ፡ ምናልባሽ ሓሳብ ልብኻ እንተ ሐደገልካ፡ ንእግዚኣብሄር ለምኖ።

Translation | Context
ሉቃስ 18:10-14 | 2 Helpful votes

ክልተ ሰብኣይ፡ እቲ ሓደ ፈሪሳዊ፡ እቲ ኻልኣይ ከኣ ተጋዊ፡ ኪጽልዩ ናብ ቤት መቕደስ ደየቡ። እቲ ፈሪሳዊ ደው ኢሉ ብልቡ፥ ዎ ኣምላኽ፡ ኣብ ሰሰሙን ክልተ መዓልቲ እጸውም፡ ካብ ኵሉ ገንዘበይ ከኣ ዕሽር ኤውጽእ፡ ከምቶም ካልኦት ሰባት፡ ከተርቲ፡ ዓመጽቲ፡ ዘመውቲ፡ ወይ ከምዚ ተጋዊ እዚ ስለ ዘይኰንኩ፡ ኤምስግነካ አሎኹ፡ ኢሉ ጸለየ። እቲ ተጋዊ ግና ኣብ ርሑቕ ደው ኢሉ፤ ኣምላኸይ፡ ንኣይ ንሓጥእ ምሐረኒ፡ እናበለ ኣፍ ልቡ ይወቅዕ ነበረ እምበር፡ ዓይኑ ናብ ሰማይ ቋሕ ኬብል እኳ ኣይደፈረን። ርእሱ ልዕል ዜብል ኵሉ ይዋረድ፡ ርእሱ ዜትሕት ግና ልዕል ይብል እዩ እሞ፡ እዚ ሓለፋ እቲ ጸዲቑ ናብ ቤቱ ኸም ዝወረደ፡ እብለኩም አሎኹ።

Translation | Context