Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

15 bible verses about

renewal


2ይ ቈረንቶስ 5:17 | 14 Helpful votes

ስለዚ ሓደ እኳ ብክርስቶስ እንተ አልዩ፡ ንሱ ሓድሽ ፍጥረት እዩ፡ እቲ ብሉይ ሐሊፉ፡ እንሆ፡ ኵሉ ሓድሽ ኰይኑ።

Translation | Context
መዝሙር 51:10 | 13 Helpful votes

ዎ ኣምላኽ፣ ጽሩይ ልቢ ፍጠረለይ፣ ጽኑዕ መንፈስ ከኣ ኣብ ውሽጠይ ሐድስ።

Translation | Context
መዝሙር 51:12 | 9 Helpful votes

ሓጐስ ምድሓንካ ምለሰለይ፣ ብፍቓደኛ መንፈስውን ደግፈኒ።

Translation | Context
ሮሜ 12:1-2 | 7 Helpful votes

እምብኣርሲ ኣሕዋተየ፡ ንስጋኹም ህያውን ቅዱስን ንኣምላኽ ባህ ዜብልን መስዋእቲ ጌርኩም ከተቕርብዎ፡ ብምሕረት ኣምላኽ እምዕደኩም አሎኹ፡ እዚ ማለት እቲ ናይ ኣእምሮ መንፈሳዊ ኣገልግሎትኩም እዩ። እቲ ሰናይን ባህ ዜብልን ምሉእን ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ምእንቲ ኽትምርምሩስ፡ ብምሕዳስ ሓሳብኩም ተለወጡ እምበር፡ ነዛ ዓለም እዚኣ ኣይትምሰልዋ።

Translation | Context
ሮሜ 12:2 | 7 Helpful votes

እቲ ሰናይን ባህ ዜብልን ምሉእን ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ምእንቲ ኽትምርምሩስ፡ ብምሕዳስ ሓሳብኩም ተለወጡ እምበር፡ ነዛ ዓለም እዚኣ ኣይትምሰልዋ።

Translation | Context
ቈሎሴ 3:10-12 | 5 Helpful votes

ንስኻትኩም፡ ነቲ ኣረጊት ሰብ ምስ ግብሩ ቐንጢጥኩም፡ ከምቲ ምስሊ እቲ ዝፈጠሮ ጌርኩም፡ ነቲ ንፍልጠት ዚሕደስ ሓድሽ ሰብ ዝለበስኩም፡ ንሓድሕድኩም ኣይትተሓሳሰዉ። ክርስቶስ ኵሉን ኣብ ኵሉን እዩ እምበር፡ ኣብኡስ ጽርኣውን ኣይሁዳውን፡ ግዝረትን ዘይግዝረትን፡ ባርባርን ስኪትን፡ ባርያን ጭዋን የልቦን። እምብኣርሲ ኸም ሕሩያት ኣምላኽን ቅዱሳንን ፍቁራትን ኴንኩም፡ ምሕረት ልቢ፡ ለውሃት፡ ትሕትና፡ ዓቕሊ፡ ትዕግስቲ ልበሱ።

Translation | Context
ራእይ 21:4 | 4 Helpful votes

ኣምላኽ ከኣ ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ። እቲ ቐዳማይ ሐሊፉ እዩ እሞ፡ ድሕሪ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን፡ ድሕሪ ደጊምውን ሓዘን፡ ወይ ጫውጫው፡ ወይ ጻዕሪ ኣይኪኸውንን እዩ፡ ኪብል ከሎ ሰማዕኩ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 10:13 | 3 Helpful votes

ሰብ ኪጾሮ ዘይኽእል ፈተና ኣይበጽሓኩምን። ኣምላኽ እሙን እዩ እሞ፡ ምስቲ ፈተናኹም ምጽዋሩ ምእንቲ ኽትክእሉስ፡ መውጽኢ ገይሩልኩም አሎ፡ ካብ ዓቕምኹም ንንየው ክትፍተኑ ኣይሐድገኩምን እዩ።

Translation | Context
ኢሳይያስ 40:31 | 3 Helpful votes

እቶም ንእግዚኣብሄር ዚጽበዩ ግና ሓይሎም ይሕደስ። ከም ንስሪ በኽናፍ ይድይቡ፡ ይጐዩ እሞ ኣይሕለሉን፡ ይኸዱ እሞ ኣይደኽሙን።

Translation | Context
ሉቃስ 6:37 | 3 Helpful votes

ኣይትፍረዱ ኣይክትፍረዱን ኢኹም፡ ኣይትዀንኑ ኣይክትኵነኑን ድማ ኢኹም፡ ሕደጉ ኺሕደገልኩም እዩ።

Translation | Context
ኤፌሶን 4:23 | 2 Helpful votes

በቲ ናይ ኣእምሮኹም መንፈስ ክትሕደሱ እሞ፡

Translation | Context
2ይ ጢሞቴዎስ 1:6 | 2 Helpful votes

በዚ ምኽንያት እዚ፡ ኣምላኽሲ መንፈስ ሓይልን ፍቕር ቅጽዓትን እምበር፡ መንፈስ ፍርሃት ኣይሃበናን እሞ፡ ነቲ ብምንባር ኢደይ ኣባኻ ዘሎ ውህበት ኣምላኽ ክትሕድሶ ኤዘክረካ አሎኹ።

Translation | Context
ገላትያ 2:20 | 2 Helpful votes

ግናኸ ክርስቶስ እዩ ኣባይ ዚነብር ዘሎ እምበር፡ ደጊም ኣነ ኣይኰንኩን ዝነብር ዘሎኹ። እዚ ሕጂ ብስጋ ዝነብሮ ዘሎኹ ድማ፡ ብእምነት በቲ ዘፍቀረኒ ምእንታይውን ነፍሱ ዘሕለፈለይ ወዲ ኣምላኽ እየ ዝነብር ዘሎኹ።

Translation | Context
ራእይ 2:4-5 | 2 Helpful votes

ግናኸ ነታ ቐዳመይቲ ፍቕርኻ ሐዲግካያ ኢኻ ኣሞ እዚ ረኺበልካ አሎኹ። እምብኣርሲ ኻበይ ከም ዝወደቕካ ዘክር እሞ ተነሳሕ፡ ነቲ ቐዳማይ ግብሪውን ግበሮ። እንተ ዘይኰነስ ክመጸካ፡ እንተ ዘይተነሳሕካውን፡ ነቲ ቐዋሚ ቐንዴልካ ኻብቲ ስፍራኡ ኸዝብሎ እየ።

Translation | Context
እብራውያን 10:22 | 2 Helpful votes

ልብና ኻብ ክፉእ ሕሊና ተነጺጉ፡ ስጋናውን ብጹሩይ ማይ ተሐጺቡ፡ ምሉእ ብተረዳእናዮ እምነት ብቕኑዕ ልቢ ንቕረብ።

Translation | Context