Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

3 bible verses about

relax


ፊልጲ 4:6-7 | 16 Helpful votes

ድሌትኩም ዘበለስ ብጸሎትን ልማኖን ምስናይ ምስጋና ኣብ ኣምላኽ ይፈለጥ ኣምበር፡ ብገለ እኳ ኣይትጨነቑ። እቲ ኻብ ኵሉ ኣእምሮ ዚበልጽ ሰላም ኣምላኽ ድማ ንልብኹምን ሓሳብኩምን ብክርስቶስ የሱስ ኪሕልዎ እዩ።

Translation | Context
ማቴዎስ 6:33 | 8 Helpful votes

ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ድለዩ፡ እዚ ዅሉ ድማ ይውሰኸልኩም።

Translation | Context
መዝሙር 116:1-19 | 7 Helpful votes

ድምጸይን ምህለላይን ሰሚዑ እዩ እሞ፣ ንእግዚኣብሄር ኤፍቅሮ እየ። እዝኑ ናባይ ኣድኒኑ እዩ እሞ፣ ኵለን መዓልትታተይ ናብኡ ኽምህለል እየ። መኣስር ሞት ከበበኒ፣ ጸበባ ሲኦል ሐዘኒ፣ ጭንቀትን መከራን ረኸብኩ። ሽዑ ኣነ፣ ዎ ጐይታይ፣ ንነፍሰይ ኣድሕና፣ ኢለ ስም እግዚኣብሄር ጸዋዕኩ። እግዚኣብሄር ርሕሩሕን ጻድቕን እዩ፣ ኣምላኽና ኸኣ መሓሪ እዩ። እግዚኣብሄር ንገርህታት ይሕልዎም፣ ኣነ ተሸገርኩ፣ ንሱውን ኣድሐነኒ። ነፍሰየ፣ እግዚኣብሄር ሰናይ ገይሩልኪ እዩ እሞ፣ ናብ ዕረፍትኺ ተመለሲ። ንነፍሰይ ካብ ሞት፣ ነዒንተይ ካብ ንብዓት፣ ነእጋረይ ካብ ምውዳቕ ኣድሒንካየን ኢኻ እሞ፣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣብ ሃገር ህያዋን ክመላለስ እየ። ኣመንኩ፣ ስለዚ ተዛረብኩ፣ ኣዝየ ተጨኒቐ ነበርኩ። ኣነ ብስምባደይ፣ ኵሉ ሰብ ሓሳዊ እዩ፣ በልኩ። ኣብ ክንዲ እቲ ሰናይ ዝገበረለይ ኵሉስ፣ ንእግዚኣብሄር እንታይ ውሬታ ኽመልሰሉ እየ፧ ጽዋእ ምድሓን ክወስድ፣ ስም እግዚኣብሄር ድማ ክጽውዕ እየ። ንእግዚኣብሄር ኣብ ቅድሚ ዅሉ ህዝቡ መብጽዓይ ክፍጽም እየ። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሞት ቅዱሳኑ ኽቡር እዩ። ዎ እግዚኣብሄር፣ ኣነ ባርያኻ እየ፣ ባርያኻ፣ ወዲ እታ ባርያኻ እየ፣ መኣስረይ ፈታሕካ። መስዋእቲ ምስጋና ኽስውኣልካ፣ ስም እግዚኣብሄር ከኣ ክጽውዕ እየ። ንእግዚኣብሄር ኣብ ቅድሚ ዅሉ ህዝቡ፣ ኣብ ኣጸድ ቤት እግዚኣብሄር፣ ኣብ ማእከልኪ፣ ዎ የሩሳሌም፣ መብጽዓይ ክፍጽም እየ። ሃሌሉያ።

Translation | Context