Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

18 bible verses about

redemption


ኤፌሶን 1:7 | 13 Helpful votes

ብእኡ ብደሙ ምድሓን፡ ማለት፡ ከምቲ ሃብቲ ጻጋኡ ሕድገት ሓጢኣት አሎና።

Translation | Context
ገላትያ 2:20 | 8 Helpful votes

ግናኸ ክርስቶስ እዩ ኣባይ ዚነብር ዘሎ እምበር፡ ደጊም ኣነ ኣይኰንኩን ዝነብር ዘሎኹ። እዚ ሕጂ ብስጋ ዝነብሮ ዘሎኹ ድማ፡ ብእምነት በቲ ዘፍቀረኒ ምእንታይውን ነፍሱ ዘሕለፈለይ ወዲ ኣምላኽ እየ ዝነብር ዘሎኹ።

Translation | Context
ቈሎሴ 1:14 | 7 Helpful votes

ኣብኡ ምድሓንና፡ ማለት ሕድገት ሓጢኣት፡ ዘሎና፡

Translation | Context
ቈሎሴ 1:20-22 | 5 Helpful votes

ብእኡ ብደም መስቀሉ ገይሩ ሰላም ምስ ገበረ ኸኣ፡ ነቲ ኣብ ምድሪ ዘሎን ኣብ ሰማያት ዘሎን ዘበለ ዅሉ ንርእሱ ተዓሪቕዎ እዩ። ንኣኻትኩም፡ ቀደም ፍሉያት ብሓሳብኩም ብኽፉእ ግብሩኹምን ጸላእቲ ዝነበርኩም ከኣ፡ ካብቲ ዝሰማዕኩምዎ ተስፋ ናይቲ ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንዘሎ ዅሉ ፍጡር እተሰብከ ወንጌል፡ ኣነ ጳውሎስ ዘገልጋሊኡ፡ ከይተናቓነቕኩም፡ ተሰሪትኩምን ደልዲልኩምን ብእምነት እንተ ጸናዕኩምሲ፡ ኣበርን ነቐፋን ዜብሎም ቅዱሳን ገይሩ፡ ኣብ ቅድሚኡ ምእንቲ ኬቝመኩም፡ ሕጂ ብሰብነት ስጋኡ ብሞቱ ገይሩ ዓረቐኩም።

Translation | Context
1ይ ዮሃንስ 3:16 | 3 Helpful votes

ንሱ ንህይወቱ ኣብ ክንዳና ስለ ዘሕለፈ፡ በዚ ንፍቕሪ ንፈልጣ አሎና። ንሕናውን ኣብ ክንዲ ኣሕዋት ህይወትና ከነሕልፍ ይግብኣና እዩ።

Translation | Context
ሮሜ 10:10 | 3 Helpful votes

እቲ ጽሑፍ፡ ብእኡ ዚኣምን ዘበለ ኣይሐፍርን፡ ይብል እዩ እሞ፡ ሰብ ብልቡ ኣሚኑ ይጸድቕ፡ ብኣፉ ተኣሚኑውን ይድሕን እዩ፡ ስለዚ ብኣፍካ የሱስ ጐይታ ምዃኑ እንተ ነገርካ፡ ብልብኻውን ኣምላኽ ካብ ምዉታት ከም ዘተንስኦ እንተ ኣመንካ፡ ክትድሕን ኢኻ።

Translation | Context
ሮሜ 3:24-26 | 3 Helpful votes

በቲ ብየሱስ ክርስቶስ በጃ ምሕላፍ ብኸምኡ ብጸጋኡ ይጸድቁ። ንእኡ ኸኣ፡ ነቲ ቐደም ብትዕግስቲ ኣምላኽ እተገብረ ሓጢኣት ይሕለፍ ስለ ዝሐደጎ፡ ኣምላኽ ጽድቁ ምእንቲ ኼርኢ፡ ብእምነት ብደሙ መተዓረቒ ገይሩ ኣቘሞ። ንሱ ጻድቕ ኪኸውን፡ ካብ እምነት የሱስ ንዝበለውን ኬጽድቕ፡ ሕጂ ኣብዚ ዘመን እዚ ጽድቁ ኺገልጽ እዩ።

Translation | Context
ቲቶስ 2:14 | 3 Helpful votes

የሱስ ክርስቶስ ካብ ዓመጻ ዘበለ ምእንቲ ሓራ ኼውጽኣና፡ ንርእሱውን ንሰናይ ግብሪ ዚቐንእን ገንዘብ ዚዀኖን ህዝቢ ምእንቲ ኼንጽህ ኢሉ፡ ነፍሱ በጃና ኣሕለፈ።

Translation | Context
1ይ ጴጥሮስ 1:18-19 | 3 Helpful votes

ካብቲ ኻብ ኣቦታትኩም እተቐበልኩምዎ ኸንቱ ንብረትኩም፡ ከም ብደም እቲ ኣበርን ርኽሰትን ዜብሉ ገንሸል፡ ብኽቡር ደም ክርስቶስ እምበር፡ ብጠፋኢ ነገር፡ ብብሩር ወይስ ወርቂ፡ ከም ዘይደሐንኩም፡ ትፈልጡ ኢኹም።

Translation | Context
መዝሙር 107:2 | 3 Helpful votes

እቶም እግዚኣብሄር እተበጀዎም፣ ካብ ኢድ ገፋዒ እተበጀዎም፣ ካብ ሃገራት፣ ካብ ምብራቕን ምዕራብን ካብ ሰሜንን ደቡብን ዝአከቦም፣ ከምዚ ይበሉ።

Translation | Context
መዝሙር 111:9 | 2 Helpful votes

ንህዝቡ በጃ ሰደደሎም፣ ኪዳኑ ንዘለአለም አዘዘ፣ ስሙ ቅዱስን ዜፍርህን እዩ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 6:20 | 2 Helpful votes

ብዋጋ ተዐዲግኩም ኢኹም እሞ፡ ስጋኹም ቤተ መቕደስ እቲ ኣባኻትኩም ዘሎ፡ ካብ ኣምላኽ እተቐበልኩምዎ መንፈስ ቅዱስ ምዃኑ፡ ናይ ርእስኹምውን ከም ዘይኰንኩምዶ፡ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ስለዚ ብስጋኹም ንኣምላኽ ኣኽብርዎ።

Translation | Context
መዝሙር 130:7 | 2 Helpful votes

ሳህሊ ኣብ እግዚኣብሄር፣ ብዙሕ ምድሓን ከኣ ኣብኡ እዩ እሞ፣ ዎ እስራኤል፣ ንእግዚኣብሄር ተጸበዮ።

Translation | Context
ኢሳይያስ 44:22 | 2 Helpful votes

ንገበንካ ኸም ደበና፡ ንሓጢኣትካውን ከም ገመ ኣጥፊኤዮ እየ። ኣነ እየ ዝብጀወካ እሞ፡ ናባይ ተመለስ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 7:23 | 2 Helpful votes

ብዋጋ ተዓዲግኩም ኢኹም፡ ባሮት ሰብ ኣይትኹኑ።

Translation | Context
ዮሃንስ 3:16 | 2 Helpful votes

ኣምላኽ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዝአመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ፡ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ።

Translation | Context
ገላትያ 4:5 | 2 Helpful votes

ምልኣት ዘመን ምስ መጸ ግና፡ ነቶም ትሕቲ ሕጊ ዘለዉ፡ ተሻዪጡ ምእንቲ ኼውጽኦም፡ ንሕናውን ውልድነት ምእንቲ ኽንረክብሲ፡ ኣምላኽ ነዚ ኻብ ሰበይቲ እተወልደ ትሕቲ ሕጊውን ዝዀነ ወዱ ለኣኾ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 1:30 | 2 Helpful votes

ግናኸ እቲ ጽሑፍ፡ ዚምካሕ ብእግዚኣብሄር ይመካሕ፡ ዚብሎ ምእንቲ ኺፍጸም፡ ንስኻትኩም ካብኡ ኣብቲ ኻብ ኣምላኽ ንጥበብን ጽድቅን ምቕዳስን ምድሓንን ዝዀነልና ክርስቶስ የሱስ ኢኹም።

Translation | Context