Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

7 bible verses about

rebuilding


2ይ ቈረንቶስ 5:1 | 13 Helpful votes

እዛ ምድራዊት ናይ ድንኳን ቤትና እንተ ፈረሰት እኳ፡ ሓንቲ ህንጻ ካብ ኣምላኽ፡ ብኢድ ዘይተገብረት ናይ ዘለኣለም ቤት ኣብ ሰማያት ከም ዘላትና፡ ንፈልጥ ኢና።

Translation | Context
ኢሳይያስ 9:10 | 8 Helpful votes

ኲሉ እቲ ህዝብን እቶም ብትዕቢት ብዂርዓት ልቦምን፡ ጡብ ፈረስ፡ ግናኸ ብውቑር እምኒ ኽንሀንጽ፡ ኦም ሳግላ ተቘርጸ፡ ግናኸ ጽሕዲ ኽንትክአሉ ኢና፡ ዚብሉ ኤፍሬምን እቶም ኣብ ሰማርያ ዚነብሩን ኪፈልጡ እዮም።

Translation | Context
1ይ ጴጥሮስ 2:5 | 7 Helpful votes

ንስኻትኩምውን፡ ከም ህያዋን ኣእማን ኴንኩም፡ ነቲ ብየሱስ ክርስቶስ ኣብ ኣምላኽ ቅቡል ዝዀነ መንፈሳዊ መስዋእቲ ኸተቕርቡ፡ ንቕዱስ ክህነት ዚኸውን፡ መንፈሳዊ፡ ቤት ተሀነጹ።

Translation | Context
መዝሙር 91:1-16 | 4 Helpful votes

አብ ጸግዒ እቲ ልዑል ዚሐድር፣ ኣብ ጽላል እቲ ዅሉ ዚኽእል ይነብር። ንእግዚኣብሄር፣ ጸግዔይን ዕርደይን ዝውከሎ ኣምላኸይን እዩ፣ እብሎ አሎኹ። ካብ መጻወድያ ሃዳናይ፣ ካብ ዜጥፍእ ፌራ ኼናግፈካ እዩ እሞ፣ ብግልግሌኡ ኼጐልብበካ፣ ኣብ ትሕቲ አኽናፉ ኸኣ መጸግዒ ኽትረክብ ኢኻ፣ ሓቁ ዋልታን ጸግዕን እዩ። ካብ ስምባድ ለይቲ፣ ካብቲ ብመዓልቲ ዚውርወር ፍላጻ፣ ካብቲ ብጸልማት ዚኸይድ ፌራ፣ ብቐትሪ ዜባድም ሕማም ኣይክትፈርህን ኢኻ። ኣብ ጥቓኻ ሽሕ፣ ኣብ የማንካውን እልፊ ኺወድቁ እዮም፣ ኣባኻ ግና ኣይኪበጽሕን እዩ። በዒንትኻ ጥራይ ክትጥምቶ፣ ረሲኣን ዚረኽብዎ መስጣውን ክትርኢ ኢኻ። ጐይታይ፣ ንስኻ መዕቈብየይ ኢኻ፣ ኢልካ ኢኻ እሞ፣ ንልዑልሲ መጸግዒኻ ስለ ዝገበርካዮ፣ እከይ ዘበለ ኣይኪረኽበካን፣ ስቓይውን ኣብ ድንኳንካ ኣይኪቐርብን እዩ። አብ ኵሉ መገድኻ ኺሕልዉኻ፣ ንመላእኽቱ ኺእዝዘልካ እዩ እሞ፣ እግርኻ ብእምኒ ኸይትዕንቀፍሲ፣ ኣብ ልዕሊ ኣእዳዎም ኪጾሩኻ እዮም። ኣብ ልዕሊ ኣንበሳን ተመንን ክትከይድ፣ ሽደን አንበሳን ገበልን ክትረግጽ ኢኻ። ኣጥቢቑ ስለ ዘፍቀረኒ፣ ከናግፎ፣ ንስመይ ስለ ዝፈለጦ፣ ከልዕሎ እየ። ኪጽውዓኒ ኣነውን ክመልሰሉ፣ ብጸበባ ምስኡ ክኸውን፣ ከናግፎን ከኽብሮን እየ። ነዊሕ ዕድመ ኸጽግቦ፣ ምድሓነይውን ከርእዮ እየ።

Translation | Context
ቲቶስ 3:5 | 3 Helpful votes

ንሱ ብምሕረት ብምሕጻብ ሓድሽ ልደትን ብምሕዳስ መንፈስ ቅዱስን እዩ ዘድሓነና እምበር፡ ንሕና ብዝገበርናዮ ግብሪ ጽድቂ ኣይኰነን።

Translation | Context
ኤርምያስ 31:3-4 | 3 Helpful votes

እግዚኣብሄር ካብ ርሑቕ ተራእየኒ፡ ብናይ ዘለኣለም ፍቕሪ ኣፍቀርኩኺ፡ ስለዚ ኸኣ ብምሕረት ሰሐብኩኺ። ኣቲ ድንግል እስራኤል፡ ከም ብሓድሽ ክሀንጸኪ እየ እሞ ኽትህነጺ ኢኺ። ከም ብሓድሽ ድማ ብኸበሮ ኣጋይጽኪ፡ ብሳዕስዒት ሕጉሳት ክትወጺ ኢኺ።

Translation | Context
ነህምያ 1:1-11 | 3 Helpful votes

ዘረባ ነህምያ ወዲ ሓካልያ። ኮነ ድማ፡ ካብ መበል ዕስራ ዓመት ኣብ ወርሒ ከስለው፡ ኣነ ኣብ ግምቢ ሱሳን ነበኩ። ሓናኒ ሓደ ኻብ ኣሕዋተይን ገለ ሰብ ካብ ይሁዳን መጹ። ኣነ ድማ ብዛዕባ እቶም ዘምለጡን ካብ ምርኮ ዝተረፉ ኣይሁድን ብዛዕባ ዮርሳሌምን ሐተትክዎም። ንሳቶም ድማ፡ እቶም ዝደሐኑን እቶም ካብ ምርኮ ዝተረፉን፡ ኣብኡ ኣብታ ሃገር፡ ብብዙሕ መከራን ጸርፍን እዮም ዚነብሩ ዘለዉ፡ መከባብያ ዮርሳሌም ከአ ፈሪሱ ደጌታታውን ብሓዊ ነዲዱ በሉኒ። ኮነ ድማ፡ እዚ ዘረባ እዚ ምስ ሰማዕኩ፡ ሓያሎ መዓልቲ ሐዚነ እነበኼኹ ተቐመጥኩ። ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሰማይ ድማ እጽውምን እጽልን ነበርኩ። በልኩ ኸኣ፡ ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰማይ፡ ዓብዩን መፍርህን ኣምላኽ፡ ነቶም ዚፈትውኻን ትእዛዝካ ድማ ንዚሕልውን ኪዳንካን ምሕረትካን እትሕሉ፡ እቲ ንኣኻ ዝበደልናዮ ሓጢኣት ደቂ እስራኤል ዝእመኖ ዘሎኹ፡ ኣነን ቤት ኣቦይንሲ በዲልና ኢና እሞ እዚ ኣነ ባርያኻ ሕጂ ብዛዕባ ባሮትካ ደቂ እስራኤልን ለይትን መዓልትን ኣብ ቅድሜኻ ዝጽልዮ ዘሎኹ ጸሎትን ክትሰምዕ፡ በጃኻ ኣእዛንካ ጽን ይበላ፡ ኣዒንትኻውን ይከፈታ። ንሕና ኣዚና ንኣኻ ዐጊብና እቲ ንባርያኻ ሙሴ ዛአዘዝካዮ ትእዛዛትን ሕጋጋትን ፍርድታትን ድማ ኣይሐሎናዮን። በጃኻ እቲ ንባርያኻ ሙሴ ኸምዚ ኢልካ ዝአዘዝካዮ ዘክር፡ እንተን በደልኩምኒ፡ ኣነ ኸኣ ናብ ኣህዛብ ፋሕ ከብለኩም እየ። ናባይ እንተ ተመለስኩምን ትእዛዛተይ ከአ እንተ ሓሎኹምን እንተ ገበርኩምዎን ግና፡ እቶም እተዘርዉኹም፡ ኣብ ወሰን ሰማይ እኳ እንተ ዚህልው፡ ካኡ ኽእክቦም እየ፡ ናብታ ስመይ ኣብኣ ኺሓድር ዝሓሬኽዋ ቦታ ድማ ከምጽኦም እየ። ንሳቶም ብዓብዩ ሓይልኻን ብጽንዕቲ ኢድካን እተበጀኻዮም ባሮትካን ህዝብኻን እዮም። ዎ ጐይታይ፡ በጃኻ ጸሎት ባርያኻን ጸሎት እቶም ስምካ ብምፍራህ ዚፍስሁ ባሮትካን ስማዕ፡ በጃኻ፡ ሎሚ ንባርያኻ ኣቕንዓሉ፡ ኣብ ቅድሚ እዚ ሰብኣይ እዚ ኸኣ ንባርያኻ ምሕረት ሀቦ። - ኣነ ሽዑ ኣሰላፍ ሜስ ንጉስ ነበርኩ።

Translation | Context