Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

9 bible verses about

raising the dead


ህዝቅኤል 37:13 | 4 Helpful votes

ኣቱም ህዝበይ፣ መቓብራትኩም ምስ ከፈትኩ፣ ካብ መቕባራትኩም ከኣ ምስ ኣውጽእኩኹም፣ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም።

Translation | Context
ዮሃንስ 11:25 | 3 Helpful votes

የሱስ ከኣ፡ ትንሳኤን ህይወትን ኣነ እየ። እቲ ብኣይ ዝኣምን እንተ ሞተ እኳ፡ ብህይወት ኪነብር እዩ።

Translation | Context
ሉቃስ 7:11-17 | 2 Helpful votes

ንጽቢሒቱ ድማ ዀነ፡ ናይን ናብ እትብሀል ከተማ ኸደ፡ ምስኡ ኸኣ ሓያሎ ኻብ ደቀ መዛሙርቱን ብዙሕ ህዝብን ከዱ። ናብ ኣፍ ደገ እታ ኸተማ ምስ ቀረቡ፡ እንሆ፡ ምዉት ተጾይሩ ወጸ፡ ንሱ ነዲኡ ሓደ ወዳ ነበረ፡ ንሳ ኸኣ መበለት እያ። ብዙሓት ደቂ እታ ኸተማ ኸኣ ምስኣ ነበሩ። ጐይታ ምስ ረኣያ፡ ደንገጸላ እሞ፥ ኣይትብከዪ፡ በላ። ቀሪቡ ነቲ ቓሬዛ ተንከዮ፡ እቶም ጸወርቲውን ደው በሉ። ንሱ ኸኣ፡ ኣታ ጐበዝ፡ ተንስእ፡ እብለካ አሎኹ፡ በሎ። እቲ ምዉት ተንስኡ ተቐመጠ፡ ምዝራብውን ጀመረ፡ ነዲኡ ድማ ሃባ። ንዅሎም ፍርሃት ሐዞም፥ ዓብዪ ነብዪ ተንሲኡልና፡ ኣምላኽ ንህዝቡ በጽሔ፡ እናበሉ ኸኣ ንኣምላኽ ኣመስገንዎ። እዚ ወረዚ ድማ ብዛዕባኡ ኣብ ኵላ ይሁዳን ኣብ ጐደቦታታን ተሰምዔ።

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 20:7-12 | 2 Helpful votes

ብቐዳመይቲ መዓልቲ ሰሙን፡ እንጌራ ኽንቈርስ ተኣኪብና ኸሎና፡ ጳውሎስ ንጽብሒቱ ኺብገስ ሐሲቡስ ይዛረቦም ነበረ፡ ዘረባኡ ድማ ክሳዕ ፈረቓ ለይቲ ኣንውሔ። ኣብቲ ተኣኪብናሉ ዝነበርና ላዕላይ ደርቢ ብዙሕ መብራህትታት ይበርህ ነበረ። ኣውጢኮስ ዝስሙ ጐበዝ ኣብ መስኰተ ተቐሚጡ ኸሎ፡ ከቢድ ድቃስ ወሰዶ። ጳውሎስ ዘረባኡ ምስ ኣንውሔ ኸኣ፡ ድቃስ ከቢድዎ፡ ካብ ሳልሰይቲ ደርቢ ናብ ታሕቲ ወደቐ፡ ሞይቱ ድማ ኣልዐልዎ። ጳውሎስ ወሪዱ ኣብ ልዕሊኡ በጥ በለ፡ ሐቚፍዎ ኸኣ፡ ነፍሱ ኣብኡ አላ እሞ፡ ዋይዋይ ኣይትበሉ፡ በሎም። ደዪቡ ድማ እንጌራ ቘሪሱ በልዔ፡ ክሳዕ ምድሪ ዚወግሕ ብዙሕ ምስ ተዛረቦም ከኣ፡ በዚ ኸምዚ ኻብኡ ነቐለ። ነቲ ወዲ ኸኣ ብህይወቱ ኣምጽእዎ እሞ ኣዝዮም ተጸናንዑ።

Translation | Context
ማቴዎስ 10:7-8 | 2 Helpful votes

ኬድኩም ድማ፡ መንግስተ ሰማያት ቀሪባ አላ፡ ኢልኩም ስበኹ። ሕሙማት ኣሕውዩ፡ ምዉታት ኣተንስኡ፡ ለምጻማት ኣንጽሁ፡ ኣጋንንቲ ኣውጽኡ። ብኸምኡ ተቐበልኩም፡ ብኸምኡ ሀቡ።

Translation | Context
ዮሃንስ 5:21 | 2 Helpful votes

ኣቦ ንምዉታት ከም ዜተንስኦም ህያዋንውን ከም ዚገብሮም፡ ወዲ ድማ ከምኡ ነቶም ዝደለዮም ህያዋን ይገብሮም እዩ።

Translation | Context
ሮሜ 8:11 | 2 Helpful votes

ናይ እቲ የሱስ ካብ ምዉታት ዘተንስኤ መንፈስ ኣባኻትኩም ሐዲሩ እንተ ኣልዩ ግና፡ እቲ ንክርስቶስ የሱስ ካብ ምዉታት ዘተንስኦ፡ ንሱ ነቲ መዋቲ ስጋኹምውን፡ በቲ ኣባኻትኩም ሐዲሩ ዘሎ መንፈሱ ገይሩ፡ ህያው ኪገብሮ እዩ።

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 2:24 | 2 Helpful votes

ሞት ሒዙ ኼጽንዖ ስለ ዘይከኣለ ኸኣ፡ ኣምላኽ ካብ ማእሰረ ሞት ፈቲሑ ኣተንስኦ።

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 17:31 | 2 Helpful votes

ኣምላኽ ነቲ ዘመን ድንቊርና ኣሕሊፉ፡ በቲ ኻብ ምዉታት ዘተንስኦ እሞ ብእኡ ንዂሉ እምነት እናሃበ ዝመደቦ ሰብኣይ ንዓለም ብጽድቒ ዚፈርደላ መዓልቲ ወሲኑ ስለ ዘሎ፡ ሕጂ ኣብ ኲሉ ቦታ ንብዘሎ ሰብ ኪንስሑ ይነግር አሎ።

Translation | Context