Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

7 bible verses about

racial equality


ገላትያ 3:28 | 50 Helpful votes

ኵላትኩም ብክርስቶስ የሱስ ሓደ ኢኹም እሞ፡ በዚ ኣይሁዳዊ ወይስ ጽርኣዊ የልቦን፡ በዚ ባርያ ወይስ ጭዋ የልቦን፡ በዚ ተባዕታይ ወይስ ኣንስተይቲ የልቦን።

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 10:34-35 | 14 Helpful votes

ሽዑ ጴጥሮስ ኣፉ ኸፊቱ በለ፡ ኣብ ኲሉ ህዝቢ ንኣምላኽ ዚፈርሆን ቅንዕና ዚገብርን እንተሎ፡ ኣብኡ ቕቡል እዩ እምበር፡ ኣብ ኣምላኽ ኣድልዎ ኸም ዜልቦ፡ ብሓቂ ኣስተብሀልኩ።

Translation | Context
ሮሜ 2:9-11 | 10 Helpful votes

እከይ ንትገብር ዘበለት ኲላ ነፍሲ ሰብ፡ ጭንቀትን ጸበባን ኪወርዳ እዩ፡ ቅድም ንኣይሁዳዊ ኸምኡ ኸኣ ንጽርኣዊ። ሰናይ ንዚገብር ዘበለ ዂሉ ግና ግርማን ክብርን ሰላምን ኪውሀቦ እዩ፡ ቅድም ንኣይሁዳዊ ኸምኡ ኸኣ ንጽርኣዊ። ኣብ ኣምላኽሲ ኣድልዎ ገጽ የልቦን።

Translation | Context
ቈሎሴ 3:11 | 9 Helpful votes

ክርስቶስ ኵሉን ኣብ ኵሉን እዩ እምበር፡ ኣብኡስ ጽርኣውን ኣይሁዳውን፡ ግዝረትን ዘይግዝረትን፡ ባርባርን ስኪትን፡ ባርያን ጭዋን የልቦን።

Translation | Context
ዮሃንስ 13:34 | 8 Helpful votes

ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ፡ ከምቲ ኣነ ዘፍቀርኩኹም፡ ከምኡ ጌርኩም ከኣ ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ፡ ሓድሽ ትእዛዝ እህበኩም አሎኹ።

Translation | Context
ዘፍጥረት 1:27 | 5 Helpful votes

ኣምላኽ ድማ ብመልክዑ ሰብ ፈጠረ። ብመልክዕ ኣምላኽ ፈጠሮ። ተባዕታይን ኣንስተይትን ገይሩ ፈጠሮም።

Translation | Context
ራእይ 5:9-10 | 3 Helpful votes

ንሳቶም ከኣ፡ ተሐሪድካስ ብደምካ ኻብ ብዘሎ ዓሌታትን ቋንቋታትን ህዝብን ኣህዛብን ንኣምላኽ ዚዀኑ ሰባት ዐዲግካሉ ኢኻ፡ ንኣምላኽና ዚዀኑ መንግስትን ካህናትን ገቢርካዮም፡ ኣብ ምድሪ ድማ ኪነግሱ እዮም እሞ፡ ንስኻ ነቲ መጽሓፍ ክትወስዶ፡ ነቲ መሓትሙውን ክትፈሖ ብቑዕ ኢኻ፡ እናበሉ ሓድሽ መዝሙር ዘመሩ።

Translation | Context