Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

19 bible verses about

purpose in life


መዝሙር 138:8 | 8 Helpful votes

እግዚኣብሄር ኪፍጽመለይ እዩ፣ ጐይታየ፣ ጸጋኻ ንዘለአለም ይነብር፣ ንተግባር ኣእዳውካ ኣይትሕደጎ።

Translation | Context
ሮሜ 12:2 | 7 Helpful votes

እቲ ሰናይን ባህ ዜብልን ምሉእን ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ምእንቲ ኽትምርምሩስ፡ ብምሕዳስ ሓሳብኩም ተለወጡ እምበር፡ ነዛ ዓለም እዚኣ ኣይትምሰልዋ።

Translation | Context
ማቴዎስ 5:13-16 | 6 Helpful votes

ንስኻትኩም ጨው ምድሪ ኢኹም። ጨው መቐረቱ እንተ ኸደኸ፡ ብምንታይ ይምቅር፧ ብሰብ ኪርገጽ ንግዳም ምድርባዩ እንተ ዘይኰይኑ እምበር፡ ዚጠቅም የብሉን። ንስኻትኩም ብርሃን ዓለም ኢኹም። ኣብ ከረን ዘላ ኸተማ ኽትክወል ኣይከኣላን እዩ። መብራህቲ፡ ኣብ ቤት ንዘሎ ዅሉ ኼብርህ፡ ኣብ ቀዋሚ ቐንዴል ኪሰቕልዎ እምበር፡ ኣብ ትሕቲ ኸፈር ኬንብርዎ ኣየብርሁን እዮም። ከምኡ ኸኣ ነቲ ጽቡቕ ግብርኹም ርእዮም፡ ኣብ ሰማያት ንዘሎ ኣቦኹም ምእንቲ ኼመስግንዎ፡ ብርሃንኩም ኣብ ቅድሚ ሰብ ይብራህ።

Translation | Context
ሮሜ 8:28 | 6 Helpful votes

ነቶም ንኣምላኽ ዜፍቅሩ፡ ከም ምኽሩውን እተጸውዑ ግና ኵሉ ንሰናዮም ከም ዚድግፎም፡ ንፈልጥ ኢና።

Translation | Context
ኣንባቆም 2:3 | 4 Helpful votes

እግዚኣብሄር ድማ፣ እቲ ራእይ ንምዱብ ጊዜ እዩ፣ ናብ መወዳእታ ይቕልጥፍ አሎ፣ ኣይሕሱን ከኣ እዩ። ብርግጽ ኪመጽእ ኣይኪድንጕን ድማ እዩ እሞ፣ እንተ ደንጐየ እኳ ተጸበዮ። ስለዚ ብጕያ ኺንበብሲ፣ ነቲ ራእይ ጽሐፎ፣ ኣብ ሰሌዳታትውን ቅረጾ፣ ኢሉ መለሰለይ።

Translation | Context
እዮብ 22:21 | 4 Helpful votes

እምበኣር ምስኡ ተፋቐር ብሰላምውን ንበር፡ በዚ ጽቡቕ ክትረክብ ኢኻ።

Translation | Context
ፊልጲ 4:13 | 3 Helpful votes

በቲ ሓይሊ ዚህበኒ ንዅሉ እኽእሎ እየ።

Translation | Context
ኤርምያስ 1:5 | 3 Helpful votes

ኣብ ከርሲ ኣዴኻ ኸይሀነጽኩኻ ፈለጥኩኻ፡ ካብ ማሕጸን ከይወጻእካ ኸኣ ቀደስኩኻ፡ ነህዛብ ነብዪ ኽትከውን ድማ መደብኩኻ፡ በለ።

Translation | Context
ማቴዎስ 6:33 | 3 Helpful votes

ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ድለዩ፡ እዚ ዅሉ ድማ ይውሰኸልኩም።

Translation | Context
ማቴዎስ 28:19-20 | 3 Helpful votes

ስለዚ ኺዱ ንዅሎም ኣህዛብ ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን እናኣጥመቕኩም፡ ዝኣዘዝኩኹም ኵሉ ኺሕልዉ ኸኣ እናመሀርኩም፡ ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም። እንሆ ድማ፡ ኣነ ኽሳዕ መወዳእታ ዓለም ኵሉ መዓልቲ ምሳኻትኩም እየ።

Translation | Context
ሮሜ 12:1-5 | 2 Helpful votes

እምብኣርሲ ኣሕዋተየ፡ ንስጋኹም ህያውን ቅዱስን ንኣምላኽ ባህ ዜብልን መስዋእቲ ጌርኩም ከተቕርብዎ፡ ብምሕረት ኣምላኽ እምዕደኩም አሎኹ፡ እዚ ማለት እቲ ናይ ኣእምሮ መንፈሳዊ ኣገልግሎትኩም እዩ። እቲ ሰናይን ባህ ዜብልን ምሉእን ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ምእንቲ ኽትምርምሩስ፡ ብምሕዳስ ሓሳብኩም ተለወጡ እምበር፡ ነዛ ዓለም እዚኣ ኣይትምሰልዋ። ከምቲ ኣምላኽ ንነፍሲ ወከፍ ዝዓደሎ መስፈር እምነት ገይሩ ደኣ፡ ብዛዕባ ርእሱ ብልክዕ ይሕሰብ እምበር፡ ካብቲ ዚግብኦ ኣዕዚዙ ኸይሐስብሲ፡ ንነፍሲ ወከፍ ኣብ ማእከልኩም ዘሎ፡ በቲ እተዋህበኒ ጸጋ እብሎ አሎኹ። ከምቲ ኣብ ሓደ ስጋ ብዙሕ ኣካላት ዘሎና እሞ፡ ብዘሎ ኣካላት ከኣ ተግባሩ ሓደ ዘይኰነ፡ ንሕና ብዙሓት ከኣ ከምኡ ብክርስቶስ ሓደ ስጋ ኢና፡ በብሓደ ግና ነንሓድሕድና ኣካላት ኢና።

Translation | Context
መዝሙር 73:26 | 2 Helpful votes

ስጋይን ልበይን እንተ ማህመነ እኳ፣ ኣምላኽ ንዘለአለም ከውሒ ልበይን ክፍለይን እዩ።

Translation | Context
መዝሙር 57:2 | 2 Helpful votes

ናብ ልዑል ኣምላኽ፣ ናብቲ ዚፍጽመለይ ኣምላኽ ኤእዊ አሎኹ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 10:31 | 2 Helpful votes

እምብኣርሲ እንተ በላዕኩም፡ ወይስ እንተ ሰቴኹም፡ ወይስ ዝዀነ ይኹን እንተ ገበርኩም፡ ኲሉ ንኽብሪ ኣምላኽ ግበርዎ።

Translation | Context
ኤፌሶን 1:11 | 2 Helpful votes

ንሕና ቐደም ብክርስቶስ ተስፋ ዝገበርና ንውዳሴ ክብሩ ምእንቲ ኽንከውን፡ ንሕና በቲ ዅሉ ኸምቲ ምኽሪ ፍቓዱ ብሓሳብ ዚገብር ቀደም እተመደብና፡ ነቲ ዕድል ርስቲ ብእኡ ረኸብናዮ።

Translation | Context
2ይ ቈረንቶስ 12:9-10 | 2 Helpful votes

ንሱ ኸኣ፡ ሓይለይ ብድኻም እዩ ዝፍጸም እሞ፡ ጸጋይ ይኣኽለካ፡ በለኒ። ስለዚ ሓይሊ ክርስቶስ ኣብ ልዕለይ ምእንቲ ኺሐድር፡ ብብዙሕ ታሕጓስ ብድኻመይ ክምካሕ እየ። እምብኣርከ ምስ ዝደክም፡ ሽዑ እየ ዝብርትዕ እሞ፡ ምእንቲ ክርስቶስ ኢለ ብድኻም፡ ብጸርፊ፡ ብሓሳር፡ ብምስጓጕ፡ ብጸበባ እሕጐስ እየ።

Translation | Context
እዝራ 10:4 | 2 Helpful votes

እዚ ነገር እዚ ተግባርካ እዩ እሞ ተንስእ፡ ተቢዕካ ግበሮ ንሕናውን ምሳኻ ኢና።

Translation | Context
ማርቆስ 12:30-31 | 2 Helpful votes

ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብዅሉ ንፍስኻን ብዅሉ ሓሳብካን ብዅሉ ሓይልኻን ኣፍቕሮ። እታ ቐዳመይቲ ትእዛዝ እዚኣ እያ። እታ ኻልአይታ እትመልሳ ድማ፥ ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቕሮ፡ እያ። ካብ እዚኣተን እትዐቢ ኻልእ ትእዛዝ የልቦን።

Translation | Context
ራእይ 4:11 | 2 Helpful votes

እቶም ዕስራን ኣርባዕተን ሽማግሌታት ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ዝፋን ተቐሚጡ ዘሎ ፍግም ኢሎም፡ ዎ ጐይታናን ኣምላኽናን፡ ንብዘሎ ንስኻ ፈጠርካዮ፡ ስለ ፍቓድካውን ኰይኑን ተፈጢሩን እዩ እሞ፡ ንስኻ ኽብርን ስብሓትን ስልጣንን ንምውሳድ ብቑዕ ኢኻ፡ እናበሉ፡ ነቲ ንዘለኣለመ ኣለም ህያው ኰይኑ ዚነብር እናሰገዱ ኣኽሊላቶም ናብ ቅድሚ እቲ ዝፋን ይድርብዩ አለዉ።

Translation | Context