Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

12 bible verses about

punishment for murder


ሮሜ 12:19 | 27 Helpful votes

ፍቁራተይ፡ ምፍዳይ ሕነ ናተይ እዩ፡ ኣነ ኽፈድዮ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ጽሑፍ እዩ እሞ፡ ነቲ መዓትሲ ስፍራ ሕደጉሉ እምበር፡ ባዕላትኩም ሕነ ኣይትፍደዩ።

Translation | Context
ዘፍጥረት 9:6 | 10 Helpful votes

ኣምላኽ ንሰብ ብመልክዑ ገይርዎ እዩ እሞ፡ እቲ ደም ሰብ ዜፍስስ፡ ደሙ ብሰብ ኪፈስስ እዩ።

Translation | Context
ዘሌዋውያን 24:17 | 9 Helpful votes

ንዝዀነ ሰብ ዝቐተለ ሰብ፡ ሞት ይሙት።

Translation | Context
ዘጸአት 20:13 | 8 Helpful votes

ኣይትቕተል።

Translation | Context
ዘጸአት 21:12 | 6 Helpful votes

እቲ ንሰብ ወቒዑ ዝቐተለ ሞት ይሙት።

Translation | Context
ዘሁልቍ 35:30-31 | 5 Helpful votes

ነፍሲ ዝቐተለ ዘበለ እቲ ቐታሊ ብኣፍ ምስክር ይቀተል፡ ምስክር ሓደ ግና ንሞት ነፍሲ ምስክር ኣይኹን። ካብቲ ሞት ዚግብኦ ቐታሊ ጋር ነፍሲ ኣይትቀበሉ፡ ርግጽ ሞት ደኣ ይሙት።

Translation | Context
ሮሜ 13:1-14 | 3 Helpful votes

ብኣምላኽ ዘይኰነስ ስልጣን የልቦን፡ እቶም ዘለዉ ስልጣናት ከኣ ብኣምላኽ እተሰርዑ እዮም እሞ፡ ነፍሲ ወከፍ ነቲ ኣብ ልዕሊኡ ስልጣን ዘለዎ ይገዝኣዮ። ስለዚ ኸኣ ነቲ ብዓል ስልጣን ዚቃወም ነቲ ስርዓት ኣምላኽ እዩ ዚቃወሞ። እቶም ዚቃወምዎ ድማ፡ ባዕላቶም ፍርዲ ኪቕበሉ እዮም። እቶም ገዛእቲ ንእኩይ ግብሪ እምበር፡ ንሰናይ ግብሪ ዜፍርሁ ኣይኰኑን። ነቲ ብዓል ስልጣን ከይትፈርሆዶ ትደሊ ኢኻ፧ ንሱ ንሰናይካ ኢሉ ኣገልጋሊ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ሰናይ ግበር ንሱውን ኪንእደካ እዩ። እኩይ እንተ ገበርካ ግና፡ ኣገልጋሊ ኣምላኽ፡ ነቲ ገባር እኩይሲ መቕጻዕቲ ዜምጽኣሉ ፈዳይ ሕነ ስለ ዝዀነ፡ ሰይፊ ንኸንቱ ኣይዕጠቕን እዩ እሞ፡ ፍራህ። ስለዚ ኸኣ ስለ ሕሊና ኢልኩም እምበር፡ ስለ መቕጻዕቲ ጥራይ ኣይኰነን፡ ክትግዝእዎም ዚግብኣኩም። ገላዉ ኣምላኽ እዮም እሞ፡ በዚ ተግባር እዚ ኸየብኰሩ የገልግሉ አለዉ። ስለዚውን ኢኹም ግብሪ እትህቡ ዘሎኹም። እምብኣርስ ግብሪ ንዚግብኦ ግብሪ፡ ተጎ ንዚግብኦ ተጎ፡ ፍርሃት ንዚግብኦ ፍርሃት፡ ክብረት ንዚግብኦ ኽብረት፡ ንዂሉ እቲ ዘዚግብኦ ሃብዎ። እቲ ንብጻዩ ዜፍቅር ንሕጊ ፈጺምዎ እዩ እሞ፡ እታ ንሓድሕድኩም ምፍቓር እንተ ዘይኰይና፡ ንገለ እኳ ዕዳ ኣይሃሉኹም። እዚ፡ ኣይትዘሙ፡ ኣይትቕተል፡ ኣይትስረቕ፡ ብሓሶት ኣይትመስክር፡ ኣይትመነ፡ እተባህለ፡ ካልእ ትእዛዝውን እንተ ዀነ፡ በዚ፡ ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅሮ፡ ዚብል ቃል ክቱት እዩ። ፍቕሪ ንብጻያ እከይ ኣይገብሮን፡ እምብኣርሲ ፍቕሪ መደምደምታ ሕጊ እያ። ምድሓን ካብቲ ዝአመንናሉ ጊዜስ ሕጂ ኣዝዩ ናባና ቐሪቡ አሎ እሞ፡ ሕጂ ኻብ ድቃስ ኣትባራበሩሉ ጊዜ ኸም ዝበጽሔ፡ ነዛ ዘመን ፍለጥዋ። ለይቲ ሐሊፋ፡ መዓልቲ ቐሪባ እያ እሞ፡ ግብሪ ጸልማት ካባና ደርቢናስ፡ ኣጽዋር ብርሃን ንልበስ። ከም ብመዓልቲ ብቕንዕና ንመላለስ፡ ብጓይላን መስተን ኣይኰነን፡ ብምንዝርናን ዕብዳንን ኣይኰነን፡ ብባእስን ቅንኣትን ኣይኰነን። ንጐይታ የሱስ ክርስቶስ ደኣ ልበስዎ እምበር፡ ነቲ ሓልዮት ስጋስ መለዓዓል ትምኒት ኣይትግበርዎ።

Translation | Context
ማቴዎስ 26:52 | 3 Helpful votes

ሽዑ የሱስ በሎ፡ ሰይፊ ዜልዕሉ ዅሎም ብሰይፊ ይጠፍኡ እዮም እሞ፡ ንሰይፍኻ ናብ ቤታ ምለሳ።

Translation | Context
ማቴዎስ 5:21 | 3 Helpful votes

ነቶም ቀዳሞት፡ እቲ ዝቐተለ ኺፍረዶ እዩ እሞ፡ ኣይትቕተል፡ ከም እተባህለሎም ሰሚዕኩም አሎኹም።

Translation | Context
ዮሃንስ 8:3-11 | 2 Helpful votes

ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ድማ ኣብ ዝሙት እተረኽበት ሰበይቲ ናብኡ ኣምጺኦም፡ ኣብ ማእከል ደው ኣቢሎም፥ መምህር፡ እዛ ሰበይቲ እዚኣ ኽትዝሙ ኸላ ተትሒዛ። ከምዚኣ ዝበለት ከኣ ብዳርባ እምኒ ኽትመውት፡ ሙሴ ብሕጊ ኣዚዙና አሎ፡ ንስኻኸ ብዛዕባኣ እንታይ ትብል፡ በልዎ። መኽሰሲ ምእንቲ ኺረኽቡሉ፡ እዚ ኢሎም ፈተንዎ። የሱስ ከኣ ደኒኑ በጻብዑ ኣብ ምድሪ ጸሐፈ። ደጋጊሞም ምስ ሐተትዎ ኸኣ፡ ቅንዕ ኢሉ፡ ካባኻትኩም ሓጢኣት ዜብሉ፡ ንሱ ቕድም እምኒ የውድቐላ፡ በሎም። ከም ብሓድሽ ከኣ ደኒኑ ኣብ ምድሪ ጸሐፈ። ንሳቶም ግና እዚ ምስ ሰምዑ፡ ብሕሊናኦም ተረትዑ እሞ፡ ካብ ዓበይቲ ጀሚሮም ክሳዕ እቶም ዳሕሮት፡ ኵሎም በብሓደ ወጹ። የሱስ ምስታ ኣብ ማእከል ደው ኢላ ዘላ ሰበይቲ በይኑ ተረፈ። የሱስ ከኣ ቅንዕ ኢሉ ብዘይ እታ ሰበይቲ ሓደ እኳ ኸም ዜልቦ ምስ ረአየ፡ ኣቲ ሰበይቲ፡ እቶም ከሰስትኺ ደኣ ኣበይ አለዉ፡ ዝፈርደኪዶ የልቦን፡ በላ። ንሳ ኸኣ፡ ሓደ እኳ፡ ጐይታይ፡ በለቶ። የሱስ ድማ፡ ኣነውን ኣይፈርደክን እየ፡ ኪዲ እሞ ደጊም ኣይትበድሊ፡ በላ።

Translation | Context
ራእይ 21:8 | 2 Helpful votes

እቶም ፈራሃትን ዘይኣምኑን ፍንፉናትን ቀተልቲ ነፍስን ኣመናዝርን ጠንቈልትን መምለኽቲ ጣኦትን ብዘለዉ ሓሰውትን ግና፡ ግዲኦም ኣብቲ ብሓውን ዲንን ዚነድድ ቀላይ እዩ፡ እዚ እቲ ኻልኣይ ሞት እዩ፡ በለኒ።

Translation | Context
ዘፍጥረት 9:5-6 | 2 Helpful votes

እቲ ነፍስኹም ዘለዎ ደምኩምሲ ኣነ ኽደልዮ እየ። ካብ ኢድ ኵሉ ኣራዊት ክደልዮ እየ። ነፍሲ ሰብ ድማ ካብ ኢድ ሰብ፡ ካብ ኢድ ሓዉ፡ ክደልያ እየ። ኣምላኽ ንሰብ ብመልክዑ ገይርዎ እዩ እሞ፡ እቲ ደም ሰብ ዜፍስስ፡ ደሙ ብሰብ ኪፈስስ እዩ።

Translation | Context