Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

18 bible verses about

punishment for adultery


ምሳሌ 6:32 | 13 Helpful votes

እቲ ምስ ሰበይቲ ዚምንዝር ግና ልቢ የብሉን፡ ንነፍሱ ኼጥፍኣ ዚደሊ እዩ ኸምዚ ዚገብር።

Translation | Context
ዘሌዋውያን 20:10 | 13 Helpful votes

ኣብ ሰበይቲ ሰብኣይ ዝዘመወ ሰብ፡ ኣብ ሰበይቲ ብጻዩ ዝዘመወ፡ እቲ ዝዘመወን እታ ዝዘመወትን ሞት ይሙቱ።

Translation | Context
ዮሃንስ 8:3-11 | 7 Helpful votes

ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ድማ ኣብ ዝሙት እተረኽበት ሰበይቲ ናብኡ ኣምጺኦም፡ ኣብ ማእከል ደው ኣቢሎም፥ መምህር፡ እዛ ሰበይቲ እዚኣ ኽትዝሙ ኸላ ተትሒዛ። ከምዚኣ ዝበለት ከኣ ብዳርባ እምኒ ኽትመውት፡ ሙሴ ብሕጊ ኣዚዙና አሎ፡ ንስኻኸ ብዛዕባኣ እንታይ ትብል፡ በልዎ። መኽሰሲ ምእንቲ ኺረኽቡሉ፡ እዚ ኢሎም ፈተንዎ። የሱስ ከኣ ደኒኑ በጻብዑ ኣብ ምድሪ ጸሐፈ። ደጋጊሞም ምስ ሐተትዎ ኸኣ፡ ቅንዕ ኢሉ፡ ካባኻትኩም ሓጢኣት ዜብሉ፡ ንሱ ቕድም እምኒ የውድቐላ፡ በሎም። ከም ብሓድሽ ከኣ ደኒኑ ኣብ ምድሪ ጸሐፈ። ንሳቶም ግና እዚ ምስ ሰምዑ፡ ብሕሊናኦም ተረትዑ እሞ፡ ካብ ዓበይቲ ጀሚሮም ክሳዕ እቶም ዳሕሮት፡ ኵሎም በብሓደ ወጹ። የሱስ ምስታ ኣብ ማእከል ደው ኢላ ዘላ ሰበይቲ በይኑ ተረፈ። የሱስ ከኣ ቅንዕ ኢሉ ብዘይ እታ ሰበይቲ ሓደ እኳ ኸም ዜልቦ ምስ ረአየ፡ ኣቲ ሰበይቲ፡ እቶም ከሰስትኺ ደኣ ኣበይ አለዉ፡ ዝፈርደኪዶ የልቦን፡ በላ። ንሳ ኸኣ፡ ሓደ እኳ፡ ጐይታይ፡ በለቶ። የሱስ ድማ፡ ኣነውን ኣይፈርደክን እየ፡ ኪዲ እሞ ደጊም ኣይትበድሊ፡ በላ።

Translation | Context
እብራውያን 13:4 | 5 Helpful votes

ነመንዝራታትን ንዘመውትንሲ ኣምላኽ ኪፈርዶም እዩ እሞ፡ መውስቦ ኣብ ኵሉ ኽቡር፡ እቲ መደቀስ ኣሚን ከኣ ዘይረኽስ ይኹን።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 6:9 | 5 Helpful votes

ዓመጽቲ ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይወርስዋዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ኣይትስሐቱ፡ ኣመንዝራታት፡ ወይ መምለኽቲ ጣኦት፡ ዘመውቲ፡ ወይ ሕንቁቓት፡ ወይ ግብሪ ሶዶም ዚገብሩ፡

Translation | Context
ዘዳግም 22:22 | 5 Helpful votes

ሰብኣይ ምስ ምርዕውቲ ሰበይቲ ደቂሱ እንተ ተረክበ፡ እቲ ምስታ ሰበይቲ ዝደቀሰ ሰብኣይን እታ ሰበይትን ክልቲኦም ይሙቱ። ነቲ ኽፉእ ካብ እስራኤል ኣርሕቆ።

Translation | Context
ሉቃስ 16:18 | 5 Helpful votes

ንሰበይቱ ዚፈትሓ ዘበለ ኻልእውን ዜእቱ ይዝሙ፡ ካብ ሰብኣያ ንተፈትሔት ዜእቱውን ይዝሙ።

Translation | Context
ራእይ 2:22 | 4 Helpful votes

እንሆ፡ ኣነ ኣብ ዓራት ሕማም ከውድቓ እየ፡ ነቶም ምስኣ ዚዝምዉ ኸኣ፡ ካብቲ ግብራ እንተ ዘይተነስሑስ፡ ናብ ብርቱዕ ጸበባ ኸእትዎም እየ።

Translation | Context
ያእቆብ 4:17 | 4 Helpful votes

እምበኣርስኸ እቲ ሰናይ ምግባር ዚፈልጥ እሞ ዘይገብሮ፡ ንእኡ ሓጢኣት ይዀኖ እዩ።

Translation | Context
ሚልክያስ 2:16 | 3 Helpful votes

ምፍትሕን ንኺዳኑ ብዓመጽ ዚኸድኖን እጸልእ አሎኹ፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል። ስለዚ ኸይትጠልሙ መንፈስኩም ሐልዉ፣ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።

Translation | Context
ሮሜ 7:1-3 | 3 Helpful votes

ወይስ ኣሕዋተየ፡ ነቶም ሕጊ ዚፈልጡ እየ ዝዛረብ ዘሎኹ እሞ፡ ሰብ ብህይወቱ ኽሳዕ ዘሎ ምሉእ ዕድሜኡ ሕጊ ኸም ዚመልኮዶ፡ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ሰበይቲ፡ ሰብኣያ ብህይወቱ ኽሳዕ ዘሎ፡ ብሕጊ ኣብኡ እስርቲ እያ። ሰብኣያ እንተ ሞተ ግና፡ ካብቲ ሕጊ ሰብኣያ ፍትሕቲ እያ። እምብኣርሲ ሰብኣያ ብህይወቱ ኸሎስ፡ ንኻልእ ሰብኣይ እንተ ዀነት፡ ዘማዊት እያ እትብሀል። ሰብኣያ እንተ ሞተ ግና፡ ካብቲ ሕጊ ሓራ ወጺኣ እያ እሞ፡ ንኻልእ ሰብኣይ እንተ ዀነት፡ ኣይዘማዊትን እያ።

Translation | Context
ማቴዎስ 5:28 | 2 Helpful votes

ኣነ ግና ንሰበይቲ ኺብህጋ ዚጥምታ ዅሉ ብልቡ ፈጺሙ ኣብኣ ዘመወ፡ እብለኩም አሎኹ።

Translation | Context
ሮሜ 10:13 | 2 Helpful votes

ማለት፡ ነፍሲ ወከፍ ስም እግዚኣብሄር ዚጽውዕ ዘበለ ኺድሕን እዩ፡ ንሱስ ሓደ ጐይታ እዩ፡ ነቶም ዚጽውዕዎ ዂሎምውን ሃብታም እዩ እሞ፡ ኣብ መንጎ ኣይሁዳውን ጽርኣውን ሌላን ጒሌላን የልቦን።

Translation | Context
ማቴዎስ 19:9 | 2 Helpful votes

ኣነ ግና፡ እቲ ንሰበይቱ ብዘይ ምኽንያት ዝሙት ዚፈትሓ ኻልእውን ዜእቱ ይዝሙ፡ እቲ ፍትሕቲ ዜእትውን ይዝሙ፡ እብለኩም አሎኹ።

Translation | Context
1ይ ዮሃንስ 2:4 | 2 Helpful votes

ኣነ እፈልጦ እየ፡ ዚብል ንትእዛዛቱ ኸኣ ዘይሕልዎ፡ ንሱ ሓሳዊ እዩ፡ እታ ሓቂውን ኣብኡ የላን።

Translation | Context
ዘሌዋውያን 20:13 | 2 Helpful votes

ሰብኣይ ከም ምስ ሰበይቲ ምስ ሰብኣይ እንተ ደቀሰ፡ ክልቲኦም ነውሪ ገይሮም እዮም፡ ሞት ይሙቱ፡ ደሞም ኣብ ልዕሊኦም እዩ።

Translation | Context
ሉቃስ 13:3 | 2 Helpful votes

ኣይፋሎም፡ እንተ ዘይተነሳሕኩምሲ፡ ኵላትኩም ድማ ከምኡ ኽትጠፍኡ ኢኹም፡ እብለኩም አሎኹ።

Translation | Context
1ይ ጢሞቴዎስ 3:1-16 | 2 Helpful votes

እዚ ቓል እዚ እሙን እዩ፡ ሓደ እኳ መዓርግ ኤጲስቆጶስ እንተ ደለየ፡ ሰናይ ግብሪ ይምነ አሎ። እምብኣርሲ እቲ ኤጲስቆጶስ መንቅብ ዜብሉ፡ ሰብኣይ ሓንቲ ሰበይቲ፡ ጥንቁቕ፡ ቀጻዕ ነፍሱ፡ ኣገባብ ዚፈልጥ፡ ተቐባል ጋሻ፡ ንምስትምሀር ብቑዕ ኪኸውን ይግባኦ። ዘይሰክር፡ ዘይዋቓዕ፡ ግናኸ ልኡም፡ ዘይብኣስ፡ ፈታው ገንዘብ ዘይኰነ። ነታ ቤቱ ኼስተናብራ ኻብ ዘይክእል ግና፡ ነታ ማሕበር ኣምላኽ ደኣ ኸመይ ገይሩ ኺኣልያ ይዀነሉ፧ ስለዚ ቤቱ ጽቡቕ ገይሩ ዜስተናብርን፡ ብዅሉ ምርዛን እዙዛት ውሉድ ዘለውዎን ይኹን። ተነፊሑ ናብ ፍርዲ ድያብሎስ ምእንቲ ኸይወድቕ፡ ሓድሽ ተኽሊ ኣይኹን። ኣብ ጸርፍን መፈንጠራ ድያብሎስን ምእንቲ ኸይወድቕ ከኣ፡ ካብቶም ኣብ ወጻኢ ዘለዉ ጽቡቕ ምስክር ኪህልዎ ይግባእ። ዲያቆናትውን ከምኡ፡ ነቲ ምስጢር እምነት ኣብ ንጹህ ሕሊና ሒዞም፡ ረዘንቲ፡ ሰብ ክልተ ልሳን ዘይኰኑ፡ ብዙሕ ወይኒ ንምስታይ ዘየድህቡ፡ ርኹስ ረብሓ ዘይደልዩ ኪዀኑ ይግባእ። እዚኣቶምውን ቅድም ይመርመሩ፡ መንቅብ ዜብሎም እንተ ዀኑ፡ ሽዑ የገልግሉ። ኣንስቲውን ከምኡ ረዘንቲ፡ ዘይሐምያ፡ ጥንቁቓት፡ ብዅሉውን እሙናት ኪዀና ይግባእ። እቶም ዲያቆናት ኣጸቢቖም ምስ ኣገልገሉ፡ ዓብዪ መዓርግን ብእምነት የሱስ ክርስቶስ ብዙሕ ትብዓትን ይረኽቡ እዮም እሞ፡ ሰብ ሓንቲ ሰበይቲ፡ ደቆምን ኣባይቶምን ኣጸቢቆም ዜስተናብሩ ይኹኑ። ናባኻ ቐልጢፈ ኸም ዝመጽእ ተስፋ እናገበርኩ፡ እዚ እጽሕፈልካ አሎኹ፡ እንተ ደንጔኹ ግና፡ ኣብታ ቤት ኣምላኽ፡ ማለት፡ ናይታ ሓቂ ዓንድን መሰረትን ዝዀነት ማሕበር ህያው ኣምላኽ፡ ከመይ ክትገብር ከም ዚግብኣካ ኽትፈልጥ እፈቱ አሎኹ። ብሓቂ እቲ ምስጢር ኣምልኾ ዓብዪ እዩ፥ ንሱ እቲ ብስጋ እተገልጸ፡ ብመንፈስ ጸደቐ፡ ንመላእኽቲ ተራእየ፡ ኣብ ኣህዛብ ተሰብከ፡ ኣብ ዓለም ተኣምነ፡ ናብ ክብሪ ዓረገ።

Translation | Context