Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

6 bible verses about

proverbs


ምሳሌ 23:9 | 5 Helpful votes

ዓሻ ነቲ ጥበብ ዘረባኻ ይንዕቆ እዩ እሞ፡ ኣብ እዝኑ ኣይትዛረብ።

Translation | Context
ምሳሌ 29:11 | 5 Helpful votes

ዓሻ ንዅሉ ዅራኡ ይድርጕሖ፡ ጥበበኛ ግና ይዐግቶ የህድኦውን።

Translation | Context
ምሳሌ 24:1-34 | 5 Helpful votes

ልቦም ግፍዒ እዩ ዚሐስብ፡ ከናፍሮም ድማ ክፋኣት እየን ዚዛረባ እሞ፡ በቶም እኩያት ኣይትቕናእ፡ ምሳታቶም ክትነብርውን ኣይትድለ። ቤት ሳላ ጥበብ ይህነጽ፡ ሳላ ምስትውዓል ከኣ ይጸንዕ። ክፍልታት ቤት ሳላ ፍልጠት እዩ ኽቡርን ጽቡቕን ዘበለ ዅሉ ጥሪት ዚመልእ። ጥበበና ሰብ ብርቱዕ እዩ፡ ኣእምሮ ዘለዎ ኸኣ ሓይሉ የጽንዕ። እምብኣርሲ ብጥበብ ተመሪሕካ ተዋጋእ፡ ደሓን ከኣ ብምብዛሕ መኸርቲ እዩ። ጥበብ ነቲ ዓሻ ኣዝያ ላዕሊ እያ፡ ኣፉ ኣብ ደገ ኣይከፍትን። እከይ ኪገብር ዚሐስብ ሰብሲ፡ ሰራሕ ነገር እዩ ዚበሀል። ምህዞ ዓሻ ሓጢኣት እዩ፡ መላገጺ ኸኣ ብሰብ ፍንፉን እዩ። ብመዓልቲ መከራ እንተ ተሐለልካ፡ ሓይልኻ ቕሩብ እዩ። ነቶም ናብ ሞት ዚጕተቱ ኣናግፎም፡ ነቶም ሰንከልከል እናበሉ ናብ ማሕረዲ ዚኸዱ ኸኣ ኣይትሕደጎም። እንሆ፡ እዝስ ኣይፈለጥናን፡ እንተ በልካ፡ እቲ ልቢ ዚመዝንዶ ኣየስተብህሎን እዩ፡ እቲ ንነፍስኻ ዚጥንቀቐላስ ኣይፈልጦን ድዩ፡ ንሱ ኸኣ ንነፍሲ ወከፍ ከከም ግብሩ ኺፈድዮ እዩ። ወደየ፡ ጽቡቕ እዩ እሞ፡ መዓር ብላዕ፡ ወለላ መዓር ንትንሓግካ ጥዑም እዩ። ከምኡውን ንነፍስኻ ጥበብ ተምሀር፡ እንተ ረኸብካያስ ጻማ አሎ፡ ትጽቢትካውን ኣይኪቝረጽን እዩ። ኣታ ረሲእ፡ ንቤት ጻድቕ ኣይተድብየላ፡ ነታ መዕረፊኡ ኣይትሀውካ። እቲ ጻድቕ ሾብዓተ ሳዕ ይወድቕ እሞ ይትንስእ፡ ረሲኣን ግና ናብ መከራ ይጸድፉ። እግዚኣብሄር ነዚ ርእዩ ኸይጕሂ እሞ ዅራኡ ኻብኡ ኸይመልስሲ፡ ጸላኢኻ እንተ ወደቐ፡ ኣይትተሐጐስ፡ እንተ ጸደፈ ኸኣ፡ ልብኻ ደስ ኣይበሎ። እኩይ ሰብ ውሬታ የብሉን፡ ቀንዴል ረሲኣን ከኣ ይጠፍእ እዩ እሞ፡ በቶም እከይ ዚገብሩ ኣይተንጽርጽር፡ በቶም ረሲኣን ኣይትቕናእ። ወደየ፡ ንእግዚኣብሄርን ንንግስን ፍርሃዮም፡ ምስ ዓለወኛታት ኣይትጸንበር። ብድንገት መዓት ኪወርዶም እዩ እሞ፡ ንጥፍኣት ክልቲኦም መን እዩ ዚፈልጦ፡ እዚውን ካብ ጠቢባን እዩ፡ ኣብ ፍርዲ ኣድልዎ ምግባር ሰናይ ኣይኰነን። ነቲ በደለኛስ፡ ጻድቕ ኢኻ ዚብሎ፡ ህዝብታት ኪረግምዎ፡ ኣህዛብውን ኪፍንፍንዎ እዮም። እቶም ዚግስጽዎ ግና ደሓን ኪዀኑ እዮም፡ ኣብ ልዕሊኦም በረኸትን ጽቡቕ ዕድልን ኪወርድ እዩ። ቅኑዕ ምላሽ ዚህብ፡ ከናፍር ይስዕም። ናይ ወጻኢ ዕዮኻ ኣሰናዱ፡ ኣብ ግራት ከኣ ንኣኻ ኣዳሉ፡ ደሓር ቤትካ ስራሕ። ንብጻይካ ብዘይ ምኽንያት መስኪርካ ኣይትጕድኣዮ፡ ብኸናፍርካ ድማ ኣይትጠበር። ከምታ ዝገበረኒ ኽገብሮ፡ ንሰብ ከም ግብሩ ኽፈድዮ እየ፡ ኣይትበል። ኣነ ብግራት ሃካይ፡ ብናይቲ ኣኣምሮ ዜብሉ ኣታኽልቲ ወይኒ ሐለፍኩ፡ እንሆ ድማ፡ ተዀርባ በቝልዎ፡ ቈጥቋጥ ውሒጥዎ፡ እቲ መካበብያ እምኒውን ፈሪሱ። ልበይ ኣውዲቐ ኣብኡ ተመልከትኩ፡ ንእኡ ርእየ ድማ ትምህርቲ ረኸብኩ፡ ቅሩብ ድቃስ፡ ቅሩብ ትኽስታ፡ ምእንቲ ኽትዐርፍ ቅሩብ ኣእዳውካ ምምስቃል፡ ሽዑ ድኽነትካ ገስጊሱ፡ ንዴትካ ኸኣ ከም እተሰለፈ ሰብኣይ ይመጸካ።

Translation | Context
ምሳሌ 12:15 | 4 Helpful votes

እቲ ዓሻ፡ መገዱ ኣብ ኣዒንቱ ቕንዕቲ እያ፡ ጥበበኛ ግና ምኽሪ ይሰምዕ።

Translation | Context
ምሳሌ 3:5 | 3 Helpful votes

ብምሉእ ልብኻ ብእግዚኣብሄር ተኣመን፡ ኣብ ልቦናኻ ኣይትጸጋዕ።

Translation | Context
ያእቆብ 1:5 | 3 Helpful votes

ሓደ ኻባኻትኩም ጥበብ እንተ ጐደለቶ ግና፡ ነቲ ኸየስተሐፈረ ንዅሉ ብልግሲ ዚህብ ኣምላኽ ይለምኖ፡ ኪውሀቦውን እዩ።

Translation | Context