Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

11 bible verses about

prisoners


እብራውያን 13:3 | 15 Helpful votes

ንእሱራት ከም መተኣስርቶም ኴንኩም፡ መከራ ይጸግቡ ንዘለዉ ኸኣ ንስኻትኩምውን ኣብቲ ስጋ ኸም ዘሎኹም ኴንኩም ዘክርዎም።

Translation | Context
ማቴዎስ 25:35-46 | 11 Helpful votes

ጠምየ ነበርኩ እሞ፡ ኣብላዕኩምኒ። ጸሚኤ፡ ኣስቴኹምኒ። ገይሸ፡ ተቐበልኩምኒ። ዐሪቀ፡ ከደንኩምኒ። ሐሚመ፡ በጻሕኩምኒ። ተኣሲረ፡ መጻእኩምኒ። ሽዑ እቶም ጻድቃን ይመልስሉ፡ ጐይታይ፡ መኣዝ ጠሚኻ ርኤናካ እሞ ኣብላዕናካ፧ ወይ ጸሚእካስ ኣስቴናካ፧ መኣዝከ ጋሻ ኴንካ ርኤናካ ኣሞ ተቐበልናካ፧ ወይ ዐሪቕካስ ከደንናካ፧ መኣዝከ ሐሚምካ ርኤናካ ወይ ትአሲርካስ በጻሕናካ፧ ይብሉ። እቲ ንጉስ ከኣ፡ እቲ ኻብዞም ናእሽቱ ኣሕዋተይ ንሓደ ዝገበርኩምሉ ንኣይ ከም ዝገበርኩምለይ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ፡ ኢሉ ይመልሰሎም። ድሕርዚ ኣብ ጸጋሙን ዘለዉ ይብሎም፡ ኣቱም ርጉማት፡ ካባይ ርሐቑ፡ ናብቲ ንሰይጣንን ንመላእኽቱን እተዳለወ ናይ ዘለኣለም ሓዊ። ጠምየ ነበርኩ እሞ፡ ኣየብላዕኩምንን። ጸሚኤ፡ ኣየስቴኹምንን። ገይሸ፡ ኣይተቐበልኩምንን። ዐሪቐ፡ ኣይከደንኩምንን። ሐሚመ፡ ተኣሲረ፡ ኣይበጻሕኩምንን። ሽዑ ንሳቶም፡ ጐይታይ፡ መኣዝ ጠሚኻ ርኤናካ፡ ወይ ጸሚእካ፡ ወይ ጌሽካ፡ ወይ ዐሪቕካ፡ ወይ ሐሚምካ፡ ወይ ተኣሲርካ፡ ዘየገልገልናካ፧ ኢሎም ይመልስሉ። ሽዑ ንሱ፡ እቲ ኻብዞም ናእሽቱ ንሓደ ዘይገበርኩምሉ ንኣይ ከም ዘይገበርኩምለይ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ፡ ኢሉ ይመልሰሎም። እዚኣቶም ናብ ናይ ዘለኣለም ስቓይ፡ ጻድቃን ግና ናብ ዘለኣለም ህይወት ኪኸዱ እዮም።

Translation | Context
መዝሙር 69:33 | 9 Helpful votes

እግዚኣብሄር ንድኻታት ይሰምዖም፣ ንእሱራትውን ኣይንዕቕን እዩ እሞ፣ ትሑታት ነዚ ርእዮም ይሕጐሱ፣ ኣቱም ንኣምላኽ እትደልይዎ፣ ልብኹም ብህይወት ይንበር።

Translation | Context
ኢሳይያስ 61:1 | 5 Helpful votes

ንትሑታት ብስራት ከበስርሲ እግዚኣብሄር ቀቢኡኒ እዩ እሞ፡ መንፈስ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣብ ልዕለይ እዩ። ንስቡራት ልቢ ኽዘንን፡ ንምሩኻት ሓርነት፡ ንእሱራት ከኣ ምፍታሕ ክእውጅ ለኣኸኒ።

Translation | Context
መዝሙር 146:7 | 5 Helpful votes

ንጥቑዓት ፍትሒ ዜውጽኣሎም፣ ንጥሙያት እንጌራ ዚህቦም ንሱ እዩ፣ እግዚኣብሄር ንእሱራት ይፈትሖም።

Translation | Context
መዝሙር 102:20 | 4 Helpful votes

ኵሎም ኣህዛብን መንግስትታትን ኣብ ጽዮን ንስም እግዚኣብሄር ኣብ የሩሳሌም ድማ ንምስጋናኡ ኺነግሩ ኢሎም፣ ንእግዚኣብሄር ኬገልግልዎ ምስተኣከቡ፣ እግዚኣብሄር ንብኽያት እሱራት ኪሰምዕ፣ ነቶም ንሞት እተመደቡ ምእንቲ ኺፈትሖም ካብ ልዕልና መቕደሱ ረአየ፣ ካብ ሰማይ ናብ ምድሪ ኣንቈልቊሉ ጠመተ።

Translation | Context
ዘፍጥረት 39:20-23 | 3 Helpful votes

ጐይታ ዮሴፍ ድማ ወሲዱ ናብታ ቤት ማእሰርቲ፡ እቶም እሱራት ንጉስ ዚእሰሩላ ቦታ፡ ኣእተዎ። ኣብኣ ኸኣ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ነበረ። እግዚኣብሄር ግና ምስ ዮሴፍ ነበረ፡ ምሕረት ድማ ገበረሉ፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ሓለቓ ቤት ማእሰርቲ ኸኣ ሞገስ ሀቦ። እቲ ሓለቓ ቤት ማእሰርቲ ድማ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ንዝነበሩ ዅሎም እሱራት ኣብ ኢድ ዮሴፍ ኣሕሊፉ ሀቦ። ኣብኡ ዝገበርዎ ዘበለ ዅሉ፡ ገባሪኡ ንሱ ነበረ። እግዚኣብሄር ምስኡ ስለ ዝነበረ፡ እቲ ሓለቓ ቤት ማእሰርቲ በቲ ኣብ ኢዱ ዝነበረ ብገለኳ ኣይሐልን ነበረ። ዝገበሮ ዅሉ ድማ እግዚኣብሄር የቕንዓሉ ነበረ።

Translation | Context
ኢሳይያስ 42:7 | 3 Helpful votes

ኣዒንቲ ዕውራት ምእንቲ ኽትከፍት፡ ንእሱራት ካብ ቤት ማእሰርቲ፡ ነቶም ኣብ ጸልማት ዚነብሩ ኸኣ ካብ ማእሰርቶም ምእንቲ ኸተውጽኦምስ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ብጽድቂ ጻዋዕኩኻ፡ ብኢድካ ኽሕዘካን ክሕልወካን ኪዳን ህዝቢ፡ ብርሃን ኣህዛብ ክገብረካን እየ።

Translation | Context
ሉቃስ 4:18 | 2 Helpful votes

ንድኻታት ከበስሮም ስለ ዝቐብኣኒ፡ መንፈስ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕለይ እዩ። ንምሩኻት ከምልስ፡ ንዕዉራት ምርኣይ፡ ንግፉዓት ከኣ ምውጻእ ሓራ ኽሰብኽ፡

Translation | Context
መዝሙር 79:11 | 2 Helpful votes

ምንኣኽ እቶም እሱራት ናብ ቅድሜኻ ይምጻእ፣ ነቶም ንሞት እተመደቡ ብስልጣን ቅልጽምካ ኣድሕኖም።

Translation | Context
1ይ ዮሃንስ 1:9 | 2 Helpful votes

ሓጢኣትና እንተ ተናዘዝና፡ ንሓጢኣትና ይቕረ ኺብለልና፡ ካብ ኵሉ ዓመጻውን ኬንጽሃና እሙንን ጻድቕን እዩ።

Translation | Context