Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

16 bible verses about

presence of god


መዝሙር 16:11 | 10 Helpful votes

ንመገዲ ህይወት ትሕብረኒ፣ ኣብ ቅድሚ ገጽካ ናይ ሓጐስ ጽጋብ፣ ኣብ የማናይካውን ንዘለአለም ብጽእና አሎ።

Translation | Context
ዘጸአት 33:14 | 7 Helpful votes

እግዚኣብሄር ድማ፡ ገጸይ ምሳኻ ይኸይድ፡ ከዕርፈካ ኸኣ እየ፡ በሎ።

Translation | Context
መዝሙር 27:8 | 4 Helpful votes

ልበይ ኣብ ክንዳኻ ዀይኑ፣ ንገጸይ ድለይዎ ይብለኒ አሎ። ዎ እግዚኣብሄር፣ ንገጽካ እደልዮ እኔኹ።

Translation | Context
ኤርምያስ 29:13 | 3 Helpful votes

ብምሉእ ልብኹም እንተ ደሌኹምንስ፡ ክትደልዩኒ ክትረኽቡኒውን ኢኹም።

Translation | Context
ዮሃንስ 14:26 | 3 Helpful votes

እቲ ኣቦይ ብስመይ ዚሰዶ መጸናንዒ፡ መንፈስ ቅዱስ፡ ንሱ ዅሉ ኺምህረኩም፡ ዝነገርኩኹም ዘበለውን ኬዘክረኩም እዩ።

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 3:20-21 | 3 Helpful votes

ነቲ ቕድም ንኣኻትኩም እተሐርየ ክርስቶስ ከኣ ምእንቲ ኺሰደልኩምሲ፡ ተነስሑን ተመለሱን። ክሳዕ እቲ፡ ኣምላኽ ካብ ጥንቲ ብኣፍ ቅዱሳን ነብያቱ እተዛረቦ ዘመን ምቕናዕ ኲሉ፡ ሰማይ ንየሱስ ክትቅበሎ ይግባእ እዩ።

Translation | Context
መዝሙር 145:18 | 3 Helpful votes

እግዚኣብሄር ንዚጽውዕዎ ዅሎም፣ ብሓቂ ንዚጽውዕዎ ዅሎም ቀረባኦም እዩ።

Translation | Context
ማቴዎስ 5:8 | 3 Helpful votes

ጹሩያት ልቢ፡ ንኣምላኽ ኪርእይዎ እዮም እሞ፡ ብጹኣን እዮም።

Translation | Context
መዝሙር 25:5-9 | 3 Helpful votes

ንስኻ ኣምላኽ ምድሓነይ ኢኻ እሞ፣ ብሓቅኻ ምርሓንን ኣስተምህረንን። ኵሉ መዓልቲ እጽበየካ አሎኹ። ዎ እግዚኣብሄር፣ ምሕረትካን ሳህልኻን ካብ ዘለአለም እየን እሞ፣ ዘክረን። ዎ እግዚኣብሄር፣ ንሓጢኣት ንእስነተይን ኣበሳይን ኣይትዘክሮ፣ ከም ለውሃትካ፣ ስለ ሳህልኻ ኢልካ ዘክረኒ። እግዚኣብሄር ሰናይን ቅኑዕን እዩ፣ ስለዚ ንሓጥኣን መገዱ ኺምህሮም እዩ። ንትሑታት ብፍርዲ ኺመርሖም፣ ንትሑታትውን መገዱ ኼስተምህሮም እዩ።

Translation | Context
መዝሙር 37:7-9 | 3 Helpful votes

ንእግዚኣብሄር ሀዲእካ ተጸበዮ፣ በቲ ብመገዱ ዚሰልጠሉ፣ በቲ ሕሱም ሃቐና ዚፍጽም ሰብ ኣይትዀሪ። እኩያት ኪጸንቱ እዮም፣ ንእግዚኣብሄር ዚጽበይዎ ግና ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም እሞ፣ ኵራ ግደፍ ሓርቖትውን ሕደግ፣ ኣይተንጸርጽር፣ እዝስ ናብ እከይ ጥራይ እዩ ዜብጽሕ።

Translation | Context
ራእይ 3:20 | 2 Helpful votes

እንሆ፡ ኣብ ደገ ቤት ደው ኢለ ኳሕኳሕ ኤብል አሎኹ። ሓደ እኳ ድምጸይ ሰሚዑስ ማዕጾ እንተ ኸፈተለይ፡ ናብኡ ኽኣቱ ምስኡ ኸኣ ክድረር እየ፡ ንሱውን ምሳይ።

Translation | Context
እብራውያን 13:5 | 2 Helpful votes

ንሱ ባዕሉ፡ ኣይክሐድገካን ዕሽሽውን ከቶ ኣይብለካን እዩ፡ ኢሉ እዩ እሞ፡ ንብረትኩም ብዘይ ፍቕሪ ገንዘብ ይኹን፡ በቲ ዘሎኹም ዕገቡ።

Translation | Context
መዝሙር 25:4-5 | 2 Helpful votes

ዎ እግዚኣብሄር፣ ጐደናታትካ ኣፍልጠኒ፣ መገድታትካ ምሀረኒ። ንስኻ ኣምላኽ ምድሓነይ ኢኻ እሞ፣ ብሓቅኻ ምርሓንን ኣስተምህረንን። ኵሉ መዓልቲ እጽበየካ አሎኹ።

Translation | Context
እብራውያን 4:16 | 2 Helpful votes

ስለዚ ምሕረት ምእንቲ ኽንቕበል፡ ብጊዜ ጸበባውን ንረዲኤትና ዚኸውን ጸጋ ኽንረክብ፡ ብትብዓት ናብ ዝፋን ጸጋ ንቕረብ።

Translation | Context
2ይ ጴጥሮስ 3:9 | 2 Helpful votes

ጐይታስ፡ ኵላቶም ናብ ንስሓ ኺበጽሑ እምበር፡ ሓደ እዃ ኺጠፍእ ዘይፈቱ ስለ ዝዀነ፡ ምእንታኻትኩም ይዕገስ አሎ እምበር፡ ከምቲ ንገሊኣቶም ዚድንጒ ዚመስሎም፡ ንተስፋኡ ኣየድንጒዮን እዩ።

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 17:27 | 2 Helpful votes

ካብቶም ተቐነይትኹም ድማ ሓያሎ፡ ንሕና ኻብ ዓሌት ኣምላኽ ኢና፡ ኢሎም ከም ዘለዉ፡ ብእኡ ኢና እንነብርን እንዋሳወስን ብእኡ ኸኣ ኢና ዘሎና እሞ፡ ንሱ ኻብ ሓደ ሰብ ኣብ ርእሲ ዂላ ምድሪ ኺነብሩ ዂሉ ዓሌት ሰብ ፈጠረ። ንሱ ኻብ ነፍሲ ወከፍና ዘይረሐቐ ኽነሱ፡ ምናልባሽ ሃሰስ ኢሎም እንተ ረኸብዎ፡ ንኣምላኽ ምእንቲ ኺደልዩ፡ ንመናበሪኦም ድማ ውሱን ዘመናትን ድዉብ ደረትን ሐገገሎም።

Translation | Context