Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

21 bible verses about

premarital sex


እብራውያን 13:4 | 12 Helpful votes

ነመንዝራታትን ንዘመውትንሲ ኣምላኽ ኪፈርዶም እዩ እሞ፡ መውስቦ ኣብ ኵሉ ኽቡር፡ እቲ መደቀስ ኣሚን ከኣ ዘይረኽስ ይኹን።

Translation | Context
1ይ ተሰሎንቄ 4:3-5 | 11 Helpful votes

ፍቓድ ኣምላኽ እዚ እዩ፡ ቅድስናኹም። ካብ ምንዝርና ኽትርሕቁ እሞ፡ ከምቶም ንኣምላኽ ዘይፈልጡ ኣህዛብ ብፍትወት ትምኒት ዘይኰነስ፡ ነፍሲ ወከፍኩም ንሰበይቲ ኺዳኑ ብቕድስናን ክብርን ምሕላይ ኪፈልጥ፡ እዚ ፍቓድ ኣምላኽ እዩ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 6:18-20 | 5 Helpful votes

ካብ ምንዝርና ህደሙ። ሰብ ዚገብሮ ዘበለ ሓጢኣት ካብ ስጋኡ ብወጻኢ እዩ፡ ዚንምዝር ግና ኣብ ገዛእ ስጋኡ እዩ ሓጢኣት ዚገብር። ብዋጋ ተዐዲግኩም ኢኹም እሞ፡ ስጋኹም ቤተ መቕደስ እቲ ኣባኻትኩም ዘሎ፡ ካብ ኣምላኽ እተቐበልኩምዎ መንፈስ ቅዱስ ምዃኑ፡ ናይ ርእስኹምውን ከም ዘይኰንኩምዶ፡ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ስለዚ ብስጋኹም ንኣምላኽ ኣኽብርዎ።

Translation | Context
ይሁዳ 1:7 | 4 Helpful votes

ከምኡውን ሶዶምን ጎሞራን እተን ኣብ ከባቢኤን ዝነበራ ኸተማታትን፡ ከማታቶም ብመገዶም ዝመንዘራ ደድሕሪ ስጋ ጓናውን ዝሰዐባ፡ በቲ ዝወረደን ቅጽዓት ናይ ዘለኣለም ሓዊ ንመሰክሒ ዀይነን አለዋ።

Translation | Context
ዘጸአት 22:16-17 | 4 Helpful votes

ሰብ ዘይተሐጽየት ጓል እንተ ኣስሐተ፡ እሞ ምስኣ እንተ ደቀሰ፡ ሰበይቱ ኽትከውን ገዝሚ የግዝማ። ኣቦኣ፡ ኣይህበካን፡ ኢሉ እንተ ኸልኦ፡ ከም ገዝሚ ኣዋልድ ገንዘብ ይኽፈል።

Translation | Context
ዘዳግም 27:20-23 | 4 Helpful votes

ምስ ሰበይቲ ኣቦኡ ዚድቅስ፡ ጫፍ ክዳን ኣቦኡ ቐሊዑ እዩ እሞ፡ ርጉም ይኹን። ኵሉ ህዝቢ ድማ፡ ኣሜን ይበል። ምስ ዝዀነ እንስሳ ዚድቅስ ርጉም ይኹን። ኵሉ ኸኣ፡ ኣሜን ይበል። ምስ ሓብቱ፡ ጓል ኣቦኡ ወይ ጓል ኣዲኡ፡ ዚድቅስ ርጉም ይኹን። ኵሉ ህዝቢ ድማ፡ ኣሜን፡ ይበል። ምስ ሓማቱ ዚድቅስ ርጉም ይኹን። ኵሉ ህዝቢ ኸኣ፡ ኣሜን ይበል።

Translation | Context
ህዝቅኤል 16:26-29 | 4 Helpful votes

ምስቶም ስጋኦም ዚገዚፍ ጐረባብትኺ ግብጻውያን ዘሞኺ፣ ኵራይ ንምልዕዓል ከኣ ዝሙትኪ ኣብዛሕኪ። ስለዚ እንሆ፣ ኢደይ ኣብ ልዕሌኺ ዘርጋሕኩ፣ ንመግብኺ ኸኣ ኣጕደልክዎ፣ ንፍቓድ እተን ዝጸልኣኺ፣ በቲ ርኹስ መገድኺ ዚሐፍራ ዘለዋ ኣዋልድ ፍልስጥኤማውያን ወፌኹኺ። ኣይጸገብክን እሞ፣ ምስ ደቂ ኣሶራውያን ዘሞኺ። ምሳታቶም ድማ ዘሞኺ፣ ኣይጸገብክን ከኣ። ምስናይ እዚ ኸኣ ዝሙትኪ ናብ ምድሪ ኸንኣን ክሳዕ ምድሪ ከለዳውያን ኣብዛሕኪ ግናኸ በዚውን ኣይጸገብክን።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 5:1 | 4 Helpful votes

ምንዝርና ብሱሩ፡ ከምኡ ዘመሰለ ምንዝርናስ ኣብቶም ኣህዛብ እኳ ዜልቦ፡ ማለት፡ ሓደ ኻባኻትኩም ነታ ሰበይቲ ኣቦኡ ኸም ዘእተወ፡ ይውረየኩም አሎ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 6:9-10 | 4 Helpful votes

ዓመጽቲ ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይወርስዋዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ኣይትስሐቱ፡ ኣመንዝራታት፡ ወይ መምለኽቲ ጣኦት፡ ዘመውቲ፡ ወይ ሕንቁቓት፡ ወይ ግብሪ ሶዶም ዚገብሩ፡ ሰረቕቲ፡ ወይ ስሱዓት፡ ወይ ሰካራት፡ ወይ ተጻረፍቲ፡ ወይ ዘረፍቲ ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣይኪወርስዋን እዮም።

Translation | Context
ዘሌዋውያን 20:11-14 | 3 Helpful votes

ምስ ሰበይቲ ኣቦኡ ዝደቀሰ ሰብ፡ ሕፍረት ኣቦኡ ቐልዔ፡ ክልቲኦም ሞት ይሙቱ። ደሞም ኣብ ልዕሊኦም እዩ። ምስ ሰበይቲ ወዱ ዝደቀሰ ሰብ፡ ክልቲኦም ሞት ይሙቱ። ነውሪ ገይሮም እዮም፡ ደሞም ኣብ ልዕሊኦም እዩ። ሰብኣይ ከም ምስ ሰበይቲ ምስ ሰብኣይ እንተ ደቀሰ፡ ክልቲኦም ነውሪ ገይሮም እዮም፡ ሞት ይሙቱ፡ ደሞም ኣብ ልዕሊኦም እዩ። ሓደ ሰብ ድማ ጓልን ኣዲኣን እንተ ኣእተወ፡ እዚ ርኽሰት እዩ፡ ርኽሰት ኣብ ማእከልኩም ከይርከብሲ፡ ንሱን ንሳተንን ብሓዊ ይንደዱ።

Translation | Context
ዘዳግም 22:20-21 | 2 Helpful votes

እቲ ነገር ሓቂ እንተ ዀነ ግና፡ እታ ጓል ድንግልና እንተ ዘይተረኽባ፡ ሽዑ ነታ ጓል ናብ ደገ ቤት ኣቦኣ የውጽእዋ፡ ኣብ ቤት ኣቦኣ ብምምንንዛራ ኣብ እስራኤል ነውሪ ስለ ዝገበረት፡ እቶም ሰብ እታ ኸተማኣ ብዳርባ እምኒ ይቕተልዋ፡ ትሙት። ክፉእ ዘበለስ ካብ ማእከልካ ኣርሕቆ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 7:2 | 2 Helpful votes

ስለ ኻብ ምንዝርና ምርሓቕ ግና ነፍሲ ወከፍ ሰብኣይ ገዛእ ሰበይቱ ትሀልዎ፡ ነፍሲ ወከፍ ሰበይቲውን ገዛእ ሰብኣያ ይሀልዋ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 7:8-9 | 2 Helpful votes

ንዘይተመርዓዉን ንሓያማትን ግና፡ ከምዚ ኸማይ እንተ ነበሩ፡ ጽቡቕ እዩ፡ እብል አሎኹ። ነፍሶም ኪመልኩ እንተ ዘይተኻእሎም ግና፡ ብፍትወት ካብ ምንዳድሲ ምምርዓው ይሐይሽ እሞ፡ ይመርዓዉ።

Translation | Context
ዘሌዋውያን 20:13 | 2 Helpful votes

ሰብኣይ ከም ምስ ሰበይቲ ምስ ሰብኣይ እንተ ደቀሰ፡ ክልቲኦም ነውሪ ገይሮም እዮም፡ ሞት ይሙቱ፡ ደሞም ኣብ ልዕሊኦም እዩ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 6:15-17 | 2 Helpful votes

እቲ ስጋኹም ኣካል ክርስቶስ ምዃኑዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ እምብኣርስኸ ንኣካል ክርስቶስ ወሲደዶ ኣካል ኣመንዝራ ኽገብሮ እየ፧ ያእ ኣይፋለይን። እቶም ክልተ ሓደ ስጋ ኪዀኑ እዮም፡ ብሁል እዩ እሞ፡ ምስ ኣመንዝራ ዝለገበ ምስኣ ሓደ ስጋ ምዃኑዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ እቲ ምስ ጐይታ ዚለግብ ግና ምስኡ ሓደ መንፈስ እዩ።

Translation | Context
ዘዳግም 22:23-24 | 2 Helpful votes

ኣብ ሰብኣይ እተሐጽየት ድንግል ጓል እንተላ፡ ሰብኣይ ከኣ ኣብ ከተማ ረኺብዋ ምስኣ እንተ ደቀሰ፡ እታ ጓል፡ ኣብ ከተማ ኽነሳ ስለ ዘየእወየት፡ እቲ ሰብኣይ ከኣ፡ ሰበይቲ ብጻዩ ስለ ዘነወረ፡ ንኽልቲኦም ናብ ደገ እታ ኸተማ እቲኣ ኣውጺእኩም፡ ኪሞቱ ብዳርባ እምኒ ቕተልዎም። ነቲ ኽፉእ ካብ ማእከልካ ኣርሕቆ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 10:13 | 2 Helpful votes

ሰብ ኪጾሮ ዘይኽእል ፈተና ኣይበጽሓኩምን። ኣምላኽ እሙን እዩ እሞ፡ ምስቲ ፈተናኹም ምጽዋሩ ምእንቲ ኽትክእሉስ፡ መውጽኢ ገይሩልኩም አሎ፡ ካብ ዓቕምኹም ንንየው ክትፍተኑ ኣይሐድገኩምን እዩ።

Translation | Context
ማቴዎስ 1:18-20 | 2 Helpful votes

ልደት የሱስ ክርስቶስ ከምዚ እዩ፡ ኣዲኡ ማርያምን ዮሴፍ ተሐጽያ ኸላ፡ ከይተራኸቡ፡ ብመንፈስ ቅዱስ ጠኒሳ ተረኽበት። ዮሴፍ ሕጹያ፡ ጻድቕ ሰብኣይ ነበረ እሞ፡ ብሕቡእ ኪሐድጋ ሓሰበ እምበር፡ ኪገልጻ ኣይፈተወን። ንሱ እዚ ኺሐስብ ከሎ፡ እንሆ፡ መልኣኽ እግዚኣብሄር ብሕልሚ ተራእዮ፡ ከምዚ ኢሉ፡ ዮሴፍ ወዲ ዳዊት፡ እቲ ሕጽይትኻ ማርያም ጠኒሳቶ ዘላ ኻብ መንፈስ ቅዱስ እዩ እሞ፡ ንምውሳዳ ኣይትፍራህ።

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 15:20 | 2 Helpful votes

ካብ ቀዳሞት ወለዶ ጀሚሩ ኣብ ቤት ጸሎቶም በብሰንበት ንሙሴ እናኣንበብዎ፡ ኣብ ከከተማኡ ዚሰብክዎ አለዉዎ እሞ፡ ካብ ርኽሰት ጣኦታትን ዝሙትን ካብ ሕኑቕን ደምን ደኣ ኪኽልከሉ፡ ንልኣኸሎም እምበር፡ ነቶም ካብ ኣህዛብ ናብ ኣምላኽ ዚምለሱ ዘለዉ ኸይነኽብደሎም ይርኣየና አሎ።

Translation | Context
ቈሎሴ 3:5 | 2 Helpful votes

ስለዚ ነቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ኣካላትኩም ቅተሉ፡ ምንዝር፡ ርኽሰት፡ ፍትወት ስጋ፡ ክፉእ ትምኒት፡ ስስዔ፡ እዚ ድማ ኣምልኾ ጣኦት እዩ፡

Translation | Context
ዘዳግም 22:22 | 2 Helpful votes

ሰብኣይ ምስ ምርዕውቲ ሰበይቲ ደቂሱ እንተ ተረክበ፡ እቲ ምስታ ሰበይቲ ዝደቀሰ ሰብኣይን እታ ሰበይትን ክልቲኦም ይሙቱ። ነቲ ኽፉእ ካብ እስራኤል ኣርሕቆ።

Translation | Context