Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

11 bible verses about

praying for yourself


ማቴዎስ 7:7 | 26 Helpful votes

ዝለመነ ዅሉ ይቕበል እዩ፡ ዝደለየ ድማ ይረክብ፡ ማዕጾ ዃሕዃሕ ንዘበለውን ይኽፈተሉ እዩ እሞ፡ ለምኑ ይውሀበኩም። ድለዩ፡ ትረኽቡ። ማዕጾ ዃሕኳሕ ኣብሉ፡ ይኽፈተልኩም እዩ።

Translation | Context
ማቴዎስ 26:39 | 12 Helpful votes

ቅሩብ ርሕቕ ኢሉ ብገጹ ተደፊኡ ጸለየ በለውን፡ ኣቦይ፡ ዚከኣል እንተ ዀይኑስ፡ እዛ ጽዋእ እዚኣ ኻባይ ትሕለፍ። ግናኸ ንስኻ ኸም እትደልዮ እምበር፡ ኣነ ኸም ዝደልዮ ኣይኩን።

Translation | Context
ኤፌሶን 3:14-21 | 10 Helpful votes

ምእንትዚውን ናብቲ ኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን ዘሎ ዅሉ ወለዶታት ካብኡ ዚስመ ኣቦ ብብርከይ እምብርከኽ አሎኹ። ብመንፈሱ ኣብቲ ናይ ውሽጢ ሰብ ብሓይሊ ምእንቲ ኽትብርትዑ፡ ከምቲ ሃብቲ ኽብሩ ኺህበኩም እጽሊ አሎኹ። ክርስቶስ ኣብ ልብኹም ብእምነት ምእንቲ ኺሐድር፡ ኣብ ፍቕሪ ሱር ሰዲድኩምን ተሰሪትኩምን፡ ምስ ኵሎም ቅዱሳን ምግፋሑን ምንዋሑን ምዕማቑን ቍመቱን እንታይ ምዃኑ ምስትውዓል ክትክእሉ፡ እሞ ነታ ንፍልጠት ሓለፍ እትብላ ፍቕሪ ክርስቶስ ክትፈልጥዋ፡ ክሳዕ ኵሉ ምልኣት ኣምላኽ ምእንቲ ኽትመልኡ፡ እጽሊ አሎኹ። ግናኸ ከምቲ ኣባና ዚገብር ሓይሊ፡ ካብቲ ንሕና እንልምኖን እንሐስቦን ዘበለ እምብዛ ኣዕዚዙ ኺገብር ዚከኣሎ፡ ካብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ንዅሉ ውሉድ ወለዶታት ኣብታ ማሕበር ብክርስቶስ የሱስ ንእኡ ኽብሪ ይኹኖ። ኣሜን።

Translation | Context
1ይ ተሰሎንቄ 5:16-18 | 8 Helpful votes

ኵሉ ሳዕ ተሐጐሱ። ከየባተኽኩም ጸልዩ። እዚ ምእንታኹም ብክርስቶስ የሱስ ፍቓድ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ብዅሉ ኣመስግኑ።

Translation | Context
1ይ ዜና መዋእል 4:9-10 | 8 Helpful votes

ያዕቤጽ ድማ ካብ ኣሕዋቱ ዚኸብር ነበረ። ኣዲኡ ኸኣ፡ ብጻዕሪ ወሊደዮ፡ ኢላ እያ እሞ፡ ስሙ ያዕቤጽ ኣውጽኣትሉ። ያዕቤጽ ድማ ንኣምላኽ እስራኤል፡ ብርግጽ እንተ ትባርኸኒ፡ ዶባተይ ከኣ እንተ ተግፍሓለይ፡ ኢድካውን ምሳይ እንተ ትኸውን፡ ከይጭነቕ ድማ ካብ ክፋእ ከም ዝድሕን እንተ ትገብረኒ፡ ኢሉ ለመኖ። ኣምላኽ ከኣ እቲ ዝለመኖ ገበረሉ።

Translation | Context
2ይ ቈረንቶስ 12:8 | 7 Helpful votes

እዚ ኻባይ ኪርሕቕ፡ ብዛዕባኡ ንጐይታ ሰለስተ ሳዕ ለመንክዎ፡

Translation | Context
ቈሎሴ 1:9-12 | 6 Helpful votes

ስለዚ ንሕና ኸኣ ካብታ ዝሰማዕናላ መዓልቲ ጀሚርና፡ በቲ ፍልጠት ፍቓዱ ብዅሉ መንፈሳዊ ጥበብን ኣእምሮን ኪመልኣኩም፡ ምእንታኹም ጸሎትን ልማኖን ኣየብኰርናን። ብሰናይ ግብሪ ዘበለ ዅሉ፡ ፍረ እናፈሬኹምን ብፍልጠት ኣምላኽ እናዓቤኹምን ብዅሉ ንእግዚኣብሄር ባህ ከተብሉ ንእኡ ብቑዓት ኴንኩም ክትመላለሱ፡ ንጽሊ አሎና። ብሓጐስ ብጽንዓት ዘበለ ዅሉ፡ ንብዘሎ ትዕግስትን ዓቕልን ብሓይሊ ኽብሩ በርቲዕኩም፡ ነቲ ናብ ግደ ርስቲ ቅዱሳን ኣብ ብርሃን ዘብቅዓና ኣቦ እናኣመስገንኩም፡

Translation | Context
ኤፌሶን 1:15-23 | 5 Helpful votes

ስለዚ ኸኣ ኣነ እታ ብጐይታና የሱስ ኣባኻትኩም ዘላ እምነትን ንዅሎም ቅዱሳን ዘሎኩም ፍቕርን ምስ ሰማዕኩ፡ ብጸሎተይ እናዘከርኩኹም ከየብኰርኩ ስሌኹም ኤመስግን አሎኹ። ኣምላኽ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ኣቦ ኽብሪ ብፍልጠቱ መንፈስ ጥበብን መንፈስ ምግላጽን ምእንቲ ኺህበኩም፡ እሞ ኣዒንቲ ልብኹም በሪሁ፡ ተስፋ ጽውዓኡ እንታይ ምዃኑ፡ ሃብቲ ርስቲ ኽብሩ ኣብ ቅዱሳንውን እንታይ ምዃኑ ኽትፈልጡ፡ እጽሊ አሎኹ። ኣምላኽ ንክርስቶስ ካብ ምዉታት ኣተንሲኡ፡ ኣብ የማኑ ኣብ ሰማያት ምስ ኣቐመጦ፡ ኣብታ እትመጽእውን እምበር፡ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ጥራይ ዘይኰነ፡ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ሽመትን ስልጣንን ሓይልን ጐይትነትን ዚስመ ዘበለ ስምን ምስ ኣርኣሶ፡ ነቲ ሕልፊ ዘለዎ ዓብዪ ሓይሊ ኣባና እንኣምን ዘሎና ኸም ስልጣን ሓይሉ ኣብ ክርስቶስ ዝገበሮ ግብሪ ንስኻትኩም እንታይ ምዃኑ ኽትፈልጥዎ፡ እጽልየልኩም አሎኹ። ንብዘሎ ኸኣ ኣብ ትሕቲ ኣእጋሩ ኣግዝኦ፡ ኣብ ልዕሊ ዅሉስ ርእሲ ምእንቲ ኪኸውን ድማ፡ ነታ ማሕበር ወፈዮ። ንሳ ኸኣ ስጋኡ ናይቲ ዅሉ ኣብ ኵሎም ዚመልእ ምልኣቱ እያ።

Translation | Context
ኤፌሶን 1:17 | 4 Helpful votes

ኣምላኽ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ኣቦ ኽብሪ ብፍልጠቱ መንፈስ ጥበብን መንፈስ ምግላጽን ምእንቲ ኺህበኩም፡

Translation | Context
ፊልጲ 1:9-11 | 4 Helpful votes

ንኽብሪ ኣምላኽን ምስጋናኡን እቲ ብየሱስ ክርስቶስ ዚርከብ ፍረ ጽድቂ መሊእኩም፡ ክሳዕ እታ መዓልቲ ክርስቶስ መዓንቀፊ ዜብሎምን ንጹሃትን ምእንቲ ኽትኰኑ፡ እቲ ዚሐይሽ ክትምርምሩ፡ እቲ ፍቕርኹምውን ብፍልጠት ብምስትውዓል ዘበለ ዅሉን ኣዝዩ እናበዝሔ ኪኸይድ፡ እዚ እልምን አሎኹ።

Translation | Context
እብራውያን 12:1 | 3 Helpful votes

ምእንትዚ ንሕና ድማ ብኽንድዚ ዚኣክል ደበና ምስክር ተኸቢብና ኸሎና፡ ንዅሉ ዚኸብደናን ነቲ ዚጠብቀናን ሓጢኣትን ነርሕቕ፡ በቲ ኣብ ቅድሜና ተሐንጺጹልና ዘሎ መቀዳደሚ ኸኣ ብትዕግስቲ ንጕየ።

Translation | Context