Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

19 bible verses about

praying for government


1ይ ጢሞቴዎስ 2:1-4 | 15 Helpful votes

እምብኣርከ ስለ ዅሉ ሰብ፡ ብዅሉ ኣምልኾን ምርዛንን ሃዲእና ብዘይ ህውከት ምእንቲ ኽንነብርሲ፡ ስለ ነገስታትን ስለ ዅሎም መኳንንትን ልማኖን ጸሎትን ምህልላን ምስጋናን ኪግበር፡ ቅድሚ ዅሉ እምዕድ አሎኹ። እዚ ኣብ ቅድሚ እቲ ዅሉ ሰብ ኪድሕን ናብ ፍልጠት ሓቂውን ኪመጽእ ዚፈቱ እግዚኣብሄር መድሓኒና ጽቡቕን ቅቡልን እዩ።

Translation | Context
ሮሜ 13:1 | 10 Helpful votes

ብኣምላኽ ዘይኰነስ ስልጣን የልቦን፡ እቶም ዘለዉ ስልጣናት ከኣ ብኣምላኽ እተሰርዑ እዮም እሞ፡ ነፍሲ ወከፍ ነቲ ኣብ ልዕሊኡ ስልጣን ዘለዎ ይገዝኣዮ።

Translation | Context
1ይ ጢሞቴዎስ 2:1-15 | 6 Helpful votes

እምብኣርከ ስለ ዅሉ ሰብ፡ ብዅሉ ኣምልኾን ምርዛንን ሃዲእና ብዘይ ህውከት ምእንቲ ኽንነብርሲ፡ ስለ ነገስታትን ስለ ዅሎም መኳንንትን ልማኖን ጸሎትን ምህልላን ምስጋናን ኪግበር፡ ቅድሚ ዅሉ እምዕድ አሎኹ። እዚ ኣብ ቅድሚ እቲ ዅሉ ሰብ ኪድሕን ናብ ፍልጠት ሓቂውን ኪመጽእ ዚፈቱ እግዚኣብሄር መድሓኒና ጽቡቕን ቅቡልን እዩ። ማለት፥ ኣምላኽ ሓደ በይኑ እዩ እሞ እቲ ኣብ መንጎ ኣምላኽን ሰብን ዘሎ ማእከላይውን፡ እቲ ሰብ፡ ክርስቶስ የሱስ፡ ሓደ በይኑ እዩ። ብጊዜኡ ንዚኸውን ምስክር ንሱ ኣብ ክንዲ ዅሉ ኪኸውን ኢሉ ነፍሱ በጃ ሃበ፡ ነዚ ነገርዚ ኸኣ ኣነ ኣዋጅን ሃዋርያን፡ ሓቂ እብል አሎኹ፡ ኣይሕሱን እየ፡ ብእምነት ብሓቅን መምህር ኣህዛብ ንምዃን ተሸምኩ። እምብኣርሲ ሰብኡት ብዘይ ኵራን ውልውልን ቅዱሳት ኣእዳው ኣልዒሎም፡ ኣብ ኵሉ ስፍራ ኪጽልዩ፡ እደሊ አሎኹ። ኣንስቲውን ከምኡ ብስሩሕ ርእስን ብወርቂ ወይስ በዕናቝ ወይስ ብብዙሕ ዝዋጋኡ ኽዳውንቲ ዘይኰነስ፡ ብግቡእ ክዳውንትን ብሕንክን ብምቕጻዕ ነፍስንን፡ ፍርሃት እግዚኣብሄር ንዘለወን ኣንስቲ ኸም ዚግባእ፡ ብሰናይ ግብሪ ኺስለማ፡ እደሊ አሎኹ። ሰበይቲ ብዅሉ እናተኣዘዘት ደኣ ብህድኣት ትመሃር። ኣዳም ቅድም ተፈጢሩ እዩ፡ ደሓር ከኣ ሄዋን እሞ፡ ሰበይቲ ብህድኣት ክትነብር ደኣ እምበር፡ ክትምህር ወይስ ኣብ ሰብኣይ ስልጣን ኪህልዋ፡ ኣይፈቅድን እየ። ኣዳም ኣይተሐብለን፡ ሰበይቲ ግና ተሐቢላ ኣብ ኣበሳ በጽሔት። ብእምነት ብፍቕርን ብቕድስናን ምስ ምቕጻዕ ነፍሲ እንተ ጸንዓ ግና፡ ብምውላድ ውሉድ ክትድሕን እያ።

Translation | Context
2ይ ዜና መዋእል 7:14 | 6 Helpful votes

እዚ ብስመይ እተሰምየ ህዝበይ ከኣ ትሕት እንተ በለ፡ እንተ ለመነ፡ ገጸይውን እንተ ደለየ፡ ካብ ክፉእ መገዱ ድማ እንተ ተመልሰ፡ ሽዑ ኣነ ኻብ ሰማይ ክሰምዕ እየ፡ ሓጢኣቶም ከኣ ይቕረ ኽብለሎም፡ ምድሮምውን ክፍውሰሎም እየ።

Translation | Context
ኤርምያስ 29:7 | 6 Helpful votes

ደሓን እታ ኣነ ናብኣ ዘማረኽኩኹም ከተማ ድለዩ። ብደሓና ደሓን ክትረኽቡ ኢኹም እሞ፡ ስሊኣ ንእግዚኣብሄር ለምኑ።

Translation | Context
1ይ ጴጥሮስ 2:17 | 5 Helpful votes

ንዅሉ ሰብ ኣኽብሩ፡ ሕውነት ኣፍቅሩ፡ ንኣምላኽ ፍርህዎ፡ ንንጉስ ኣኽብርዎ።

Translation | Context
ዳንኤል 2:20-23 | 3 Helpful votes

ዳንኤል ድማ ከምዚ ኢሉ ተዛረበ፡ ጥበብን ስልጣንን ናቱ እዩ እሞ፡ ስም ኣምላኽ ካብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ይባረኽ። ንሱ ዘመናትን ወርሓትን ይለዋውጥ፣ ነገስታት ይስዕር ነገስታት ከኣ ይሸይም፣ ነቶም ጠቢባን ጥበብ ነቶም ኣስተውዓልቲ ኸኣ ምስትውዓል ይህቦም። ንሱ ዓሚቝ ሕቡእን ይገልጽ፡ እቲ ኣብ ጸልማት ዘሎ ይፈልጥ፡ ብርሃንውን ምስኡ እዩ ዚነብር። ዎ ኣምላኽ ኣቦታተይ፣ ነቲ ነገር ንጉስ ኣፍሊጥካኒ ኢኻ እሞ፣ ጥበብን ሓይልን ስለ ዝሀብካኒ፣ ሕጂውን እቲ ዝለመንናካ ስለ ዝገለጽካለይ፣ ኤመስግነካን እውድሰካን አሎኹ።

Translation | Context
ምሳሌ 21:1 | 3 Helpful votes

ልቢ ንጉስ ኣብ ኢድ እግዚኣብሄር ከም ወሓዚ ማይ እዩ፡ ንሱ ናብ ዝደለዮ ይመልሶ።

Translation | Context
መዝሙር 22:28 | 3 Helpful votes

መንግስቲ ናይ እግዚኣብሄር እያ እሞ፣ ንሱውን ኣብ ኣህዛብ ኪጕይተት እዩ።

Translation | Context
1ይ ጢሞቴዎስ 2:1-2 | 3 Helpful votes

እምብኣርከ ስለ ዅሉ ሰብ፡ ብዅሉ ኣምልኾን ምርዛንን ሃዲእና ብዘይ ህውከት ምእንቲ ኽንነብርሲ፡ ስለ ነገስታትን ስለ ዅሎም መኳንንትን ልማኖን ጸሎትን ምህልላን ምስጋናን ኪግበር፡ ቅድሚ ዅሉ እምዕድ አሎኹ።

Translation | Context
እዮብ 12:23-25 | 2 Helpful votes

ንህዝብታት የብዝሖም የብርሶም ከኣ፡ ንህዝብታት የስፍሖም የባርሮምውን። ነሕሉቕ ኣህዛብ ምድርስ ኣእምሮ የሕድጎም፡ መገዲ ብዜብሉ በረኻ የዀብልሎም። ንሳቶም ብርሃን ስኢኖም፡ ኣብ ጸልማት ሃሰስ ይብሉ፡ ንሱውን ከም ሰካራት ሰንከልከል የብሎም።

Translation | Context
ምሳሌ 11:14 | 2 Helpful votes

ጥበበኛ ምምራሕ ኣብ ዜብሉስ፡ ህዝቢ ይወድቕ፡ ብምብዛሕ መኸርቲ ግና ደሓን ይርከብ።

Translation | Context
መዝሙር 2:1-4 | 2 Helpful votes

ስለምንታይ እዮም ኣህዛብ ጫውጫው ዚብሉ፣ ህዝብታትሲ ከንቱ ዚሐስቡ፧ ነገስታት ምድሪ ይትንስኡ፣ መሳፍንቲ ኸኣ ሐቢሮም፣ ንመቓውሖም ንስበሮ፣ ንማእሰሪኦምውን ካባና ንደርብዮ፣ ኢሎም ኣብ እግዚኣብሄርን ኣብ መሲሁን ይመኽሩ። እቲ ኣብ ሰማይ ዚነብር ይስሕቆም፣ ጐይታ የላግጸሎም።

Translation | Context
ቲቶስ 3:1-2 | 2 Helpful votes

ንሓላቑን ንስልጣናትን ኪግዝኡ፡ ንመራሕቶም ኪእዘዙ፡ ንሰናይ ግብሪ ዘበለ እተዳለዉ ኪዀኑ፡ ንሓደ እኳ ኸይጸርፉ፡ ተባኣስቲ ኸይኰኑ፡ ልኡማት፡ ለውሃት ዘበለ ንዅሉ ሰብ ዜርእዩ ኪዀኑ ኣዘክሮም።

Translation | Context
ዳንኤል 9:18-19 | 2 Helpful votes

እቲ ኣብ ቅድሜኻ እነቕርቦ ዘሎና ምህለላስ ስለ ብዝሒ ምሕረትካ ኢና እምበር፣ ስለ ጽድቅና ኣይኰናን እሞ፣ ዎ ኣምላኸይ፣ እዝንኻ ኣድንን ስማዕ ከኣ፣ ኣዒንትኻ ቛሕ ኣብል እሞ ምዕናውናን ነታ ብስምካ እተሰምየት ከተማን ጠምት። ጐይታየ፣ ስማዕ፣ ጐይታየ፣ ይቕረ በል፣ ጐይታየ ኣድህብ፣ ከተማኻን ህዝብኻን ብስምካ ተሰምዮም እዮም እሞ፣ ኣምላኸየ፣ ስለ ርእስኻ ኢልካ ግበር፣ ኣይትደንጕ።

Translation | Context
ማቴዎስ 12:25 | 2 Helpful votes

የሱስ ሓሳባቶም ፈሊጡ በሎም፡ ንሓድሕዳ እተፈላለየት ኵላ መንግስቲ ትዖኑ፡ ንሓድሕዳ እተፋላለየት ኵላ ኸተማ ወይስ ቤት ድማ ኣይትነብርን እያ።

Translation | Context
2ይ ቈረንቶስ 4:4 | 2 Helpful votes

እቲ ብርሃን ወንጌል ናይ ክብሪ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ ምስሊ ኣምላኽ፡ ምእንቲ ኸየብርሃሎምሲ፡ ኣምላኽ እዛ ዓለም እዚኣ ንሓሳብ እቶም ዘይኣምኑ ኣዖሮ።

Translation | Context
ምሳሌ 28:2 | 2 Helpful votes

ብሰሪ ኣበሳ ሃገርሲ ሓለቓታታ ይበዝሑ፡ ብሳላ ኣስተውዓልን ጥበበኛን ሰብ ግና ህልዋታ ይነውሕ።

Translation | Context
1ይ ጢሞቴዎስ 2:1 | 2 Helpful votes

እምብኣርከ ስለ ዅሉ ሰብ፡ ብዅሉ ኣምልኾን ምርዛንን ሃዲእና ብዘይ ህውከት ምእንቲ ኽንነብርሲ፡ ስለ ነገስታትን ስለ ዅሎም መኳንንትን ልማኖን ጸሎትን ምህልላን ምስጋናን ኪግበር፡ ቅድሚ ዅሉ እምዕድ አሎኹ።

Translation | Context