Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

18 bible verses about

praying for each other


ያእቆብ 5:16 | 13 Helpful votes

እምብኣርሲ፡ ምእንቲ ኽትፍወሱ፡ ንሓድሕድኩም ሓጢኣትኩም ተአመኑ፡ ምእንቲ ንሓድሕድኩምውን ጸልዩ። ጸሎት ጻድቕ ብግብራ ብዙሕ ተስልጥ እያ።

Translation | Context
1ይ ጢሞቴዎስ 2:1 | 7 Helpful votes

እምብኣርከ ስለ ዅሉ ሰብ፡ ብዅሉ ኣምልኾን ምርዛንን ሃዲእና ብዘይ ህውከት ምእንቲ ኽንነብርሲ፡ ስለ ነገስታትን ስለ ዅሎም መኳንንትን ልማኖን ጸሎትን ምህልላን ምስጋናን ኪግበር፡ ቅድሚ ዅሉ እምዕድ አሎኹ።

Translation | Context
ኤፌሶን 6:18 | 7 Helpful votes

ብዅሉ ጸሎትን ልማኖን ኵሉ ሳዕ ብመንፈስ እናጸሌኹም እሞ፡ ምስናይ እዚውን ብኵሉ እናተጸመምኩም፡ ስለ ዅሎም ቅዱሳን ብጸሎት ንቕሑ፡

Translation | Context
ፊልጲ 4:6 | 5 Helpful votes

ድሌትኩም ዘበለስ ብጸሎትን ልማኖን ምስናይ ምስጋና ኣብ ኣምላኽ ይፈለጥ ኣምበር፡ ብገለ እኳ ኣይትጨነቑ።

Translation | Context
መክብብ 4:9-12 | 5 Helpful votes

ብጻዕሮም ጽቡቕ ጻማ ስለ ዘለዎም፡ እንተ ወደቑ፡ እቲ ሓደ ንብጻዩ የተንስኦ እዩ እሞ፡ ካብ ሓደስ ክልተ ምኳን ይሃይሽ። እቲ በይኑ ዘሎ ግና እንተ ወደቐ፡ ዜተንስኦ የብሉን እዩ እሞ፡ ወይለኡ። ከምኡ ኸኣ ክልተ ብሓደ እንተ ደቀሱ፡ ይማሙቑ፡ ሓደ በይኑ ግና ከመይ ኢሉ ይመውቕ፡ ገለ ነቲ በይኑ ዘሎ ሓደጋ እንተ ወደቖ፡ ክልተ እዮም ዚቃወምዎ፡ ብሰለስተ ዝኸረረ ገመድ ቀልጢፉ ኣይብተኽን።

Translation | Context
ቈሎሴ 1:9 | 5 Helpful votes

ስለዚ ንሕና ኸኣ ካብታ ዝሰማዕናላ መዓልቲ ጀሚርና፡ በቲ ፍልጠት ፍቓዱ ብዅሉ መንፈሳዊ ጥበብን ኣእምሮን ኪመልኣኩም፡ ምእንታኹም ጸሎትን ልማኖን ኣየብኰርናን።

Translation | Context
1ይ ተሰሎንቄ 5:16-18 | 3 Helpful votes

ኵሉ ሳዕ ተሐጐሱ። ከየባተኽኩም ጸልዩ። እዚ ምእንታኹም ብክርስቶስ የሱስ ፍቓድ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ብዅሉ ኣመስግኑ።

Translation | Context
ማቴዎስ 5:44 | 3 Helpful votes

ኣነ ግና እብለኩም አሎኹ፡ ጸላእትኹም ፍተዉ፡ ንዚረግሙኹም መርቑ። ውሉድ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦኹም ምእንቲ ክትኰኑ፡ ንሱ ንኽፉኣትን ንሕያዎትን ጸሓይ የብርቕ፡ ንጻድቃንን ንሓጥኣንን ድማ ዝናም የዝንብ እዩ እሞ፡ ንዚጸልእኹም ጽቡቕ ግበሩ፡ ስለቶም ዚጸርፉኹምን ዚሰጉኹምን ጸልዩ።

Translation | Context
ማቴዎስ 18:19 | 3 Helpful votes

ክልተ ወይ ሰለስተ ዀይኖም ብስመይ ኣብ እተኣከቡሉ ኣነ ኸኣ ኣብኡ ኣብ ማእከሎም እየ እሞ፡ ክልተ ኻባኻትኩም ኣብ ምድሪ ብዚልምንዎ ነገር ኵሉ እንተ ተሳማምዑ፡ ካብቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ኪውሀቦም እዩ፡ ኢለ ኸም ብሓድሽ እብለኩም አሎኹ።

Translation | Context
እብራውያን 4:16 | 2 Helpful votes

ስለዚ ምሕረት ምእንቲ ኽንቕበል፡ ብጊዜ ጸበባውን ንረዲኤትና ዚኸውን ጸጋ ኽንረክብ፡ ብትብዓት ናብ ዝፋን ጸጋ ንቕረብ።

Translation | Context
ሮሜ 15:30 | 2 Helpful votes

ኣሕዋተየ፡ ካብቶም ኣብ ኣይሁድ ዘለዉ ዘይኣምኑ ኽድሕን፡ ኣገልግሎተይ ንየሩሳሌምውን ኣብቶም ቅዱሳን ስሙር ምእንቲ ኪኸውን፡ ምሳኻትኩም ምእንቲ ኽዓርፍሲ፡ ብፍቓድ ኣምላኽ ብሓጐስ ናባኻትኩም ክመጽእ፡ ብጐይታና የሱስ ክርስቶስን ብፍቕሪ መንፈስን ብጸሎትኩም ምእንታይ ምሳይ ናብ ኣምላኽ ክትጋደሉ፡ እምዕደኩም አሎኹ።

Translation | Context
ሮሜ 8:26 | 2 Helpful votes

መንፈስ ድማ ከምኡ ንድኻምና ይድግፎ እዩ። ከመይ ጌርና ኽንጽሊ ኸም ዚግብኣና፡ ኣይንፈልጥን ኢና፡ ስለዚ እቲ መንፈስ ባዕሉ እዩ ብዘይንገር እህህታ ዚልምነልና።

Translation | Context
ቈሎሴ 4:2 | 2 Helpful votes

ጸሎት ኣዘውትሩ፡ ብእኡውን ብምስጋና ንቕሑ።

Translation | Context
1ይ ተሰሎንቄ 5:25 | 2 Helpful votes

ኣቱም ኣሕዋትና፡ ምእንታና ጸልዩ።

Translation | Context
ፊልጲ 1:9-11 | 2 Helpful votes

ንኽብሪ ኣምላኽን ምስጋናኡን እቲ ብየሱስ ክርስቶስ ዚርከብ ፍረ ጽድቂ መሊእኩም፡ ክሳዕ እታ መዓልቲ ክርስቶስ መዓንቀፊ ዜብሎምን ንጹሃትን ምእንቲ ኽትኰኑ፡ እቲ ዚሐይሽ ክትምርምሩ፡ እቲ ፍቕርኹምውን ብፍልጠት ብምስትውዓል ዘበለ ዅሉን ኣዝዩ እናበዝሔ ኪኸይድ፡ እዚ እልምን አሎኹ።

Translation | Context
2ይ ተሰሎንቄ 3:1 | 2 Helpful votes

ብዝተረፈስ፡ ኣቱም ኣሕዋትና፡ እምነት ናይ ኵሉ ሰብ ኣይኰነትን እሞ፡ እቲ ቓል እግዚኣብሄር ከምቲ ኣባኻትኩም ዚዀኖ ዘሎ ምእንቲ ኺጐይን ኪኸብርንሲ፡ ካብቶም ዓመጽትን እኩያትን ሰባት ክንድሕን ጸልዩልና።

Translation | Context
ዮሃንስ 15:7 | 2 Helpful votes

ኣባይ እንተ ጸናዕኩም፡ ቃለይውን ኣባኻትኩም እንተ ሐደረ፡ እትደልይዎ ዘበለ ትልምኑ እሞ ይዀነልኩም።

Translation | Context
2ይ ቈረንቶስ 10:4 | 2 Helpful votes

ኣጽዋር ውግእና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንምፍራስ ጽኑዕ ዕርድታት ብርቱዕ እዩ እምበር፡ ስጋዊ ኣይኰነን፡

Translation | Context