Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

17 bible verses about

pray


1ይ ተሰሎንቄ 5:17 | 11 Helpful votes

ከየባተኽኩም ጸልዩ።

Translation | Context
ኤርምያስ 33:3 | 10 Helpful votes

ጸውዓኒ እሞ ክመልሰልካ፡ ዘይትፈልጦ ዓብይን ስውርን ነገር ከኣ ክነግረካ እየ።

Translation | Context
ያእቆብ 5:16 | 9 Helpful votes

እምብኣርሲ፡ ምእንቲ ኽትፍወሱ፡ ንሓድሕድኩም ሓጢኣትኩም ተአመኑ፡ ምእንቲ ንሓድሕድኩምውን ጸልዩ። ጸሎት ጻድቕ ብግብራ ብዙሕ ተስልጥ እያ።

Translation | Context
ፊልጲ 4:6 | 9 Helpful votes

ድሌትኩም ዘበለስ ብጸሎትን ልማኖን ምስናይ ምስጋና ኣብ ኣምላኽ ይፈለጥ ኣምበር፡ ብገለ እኳ ኣይትጨነቑ።

Translation | Context
ኤፌሶን 6:18 | 7 Helpful votes

ብዅሉ ጸሎትን ልማኖን ኵሉ ሳዕ ብመንፈስ እናጸሌኹም እሞ፡ ምስናይ እዚውን ብኵሉ እናተጸመምኩም፡ ስለ ዅሎም ቅዱሳን ብጸሎት ንቕሑ፡

Translation | Context
1ይ ጢሞቴዎስ 2:8 | 4 Helpful votes

እምብኣርሲ ሰብኡት ብዘይ ኵራን ውልውልን ቅዱሳት ኣእዳው ኣልዒሎም፡ ኣብ ኵሉ ስፍራ ኪጽልዩ፡ እደሊ አሎኹ።

Translation | Context
ማቴዎስ 6:9-13 | 4 Helpful votes

ንስኻትኩምሲ ኸምዚ ኢልኹም ደኣ ጸልዩ፡ ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና፡ ስማካ ይቀደስ። መንግስትኻ ትምጻእ። ፍቓድካ ኸምቲ ኣብ ሰማይ፡ ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን። ናይ ዕለት እንጌራና ሎሚ ሀበና። ንሕና ንዝበደሉና ኸም ዝሐደግናሎም፡ በደልና ሕደገልና። ካብ ክፉእ ኣድሕነና እምበር፡ ናብ ፈተና ኣይተእትወና። መንግስትን ሓይልን ክብርን ንዘለኣለም ናትካ እዩ እሞ፡ ኣሜን።

Translation | Context
ማርቆስ 11:24 | 3 Helpful votes

ስለ፥ እትጽልይዎን እትልምንዎን ዘበለ ኸም ዝረኸብኩም እመኑ እሞ ኪዀነልኩም እዩ፡ እብለኩም አሎኹ።

Translation | Context
ያእቆብ 5:13 | 3 Helpful votes

ኣብ ማእከልኩምዶ ሓሳረ መከራ ዚጸግብ አሎ፧ ይጸሊ። ሕጉስዶ አሎ፧ ይዘምር።

Translation | Context
ያእቆብ 4:3 | 3 Helpful votes

ትልምኑ ኢኹም እሞ፡ ብፍትወት ስጋኹም ምእንቲ ኽትዘርውዎ፡ ብኽፉእ ስለ ዝለመንኩም፡ ኣይትቕበሉን ኢኹም።

Translation | Context
1ይ ዮሃንስ 3:22 | 3 Helpful votes

ንትእዛዛቱ እንሕሉን ኣብ ቅድሚኡ ባህ ዜብሎ እንገብርን ስለ ዝዀንና፡ ነቲ እንልምኖ ዘበለ ኻብኡ ንቕበል ኢና።

Translation | Context
ያእቆብ 5:18 | 2 Helpful votes

ከም ብሓድሽ ድማ ጸሎት ጸለየ፡ ሰማይ ከኣ ዝናም ሀበ፡ ምድሪውን ፍሪኣ ኣብቈለት።

Translation | Context
ያእቆብ 1:5 | 2 Helpful votes

ሓደ ኻባኻትኩም ጥበብ እንተ ጐደለቶ ግና፡ ነቲ ኸየስተሐፈረ ንዅሉ ብልግሲ ዚህብ ኣምላኽ ይለምኖ፡ ኪውሀቦውን እዩ።

Translation | Context
1ይ ዮሃንስ 1:9 | 2 Helpful votes

ሓጢኣትና እንተ ተናዘዝና፡ ንሓጢኣትና ይቕረ ኺብለልና፡ ካብ ኵሉ ዓመጻውን ኬንጽሃና እሙንን ጻድቕን እዩ።

Translation | Context
ያእቆብ 5:20 | 2 Helpful votes

እቲ ንሓጥእ ካብ መገዲ ጌጋኡ ዚመልሶ፡ ንነፍሱ ኻብ ሞት ከም ዜድሕን፡ ብዝሒ ሓጢኣትውን ከም ዚኸድን፡ ይፍለጥ።

Translation | Context
ማቴዎስ 18:18-20 | 2 Helpful votes

ኣብ ምድሪ ዝኣሰርኩምዎ ዅሉ ኣብ ሰማይ እሱር ኪኸውን እዩ። ኣብ ምድሪ ዝፈታሕኩምዎ ዅሉ ድማ ኣብ ሰማይ ፍቱሕ ከም ዚኸውን፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ። ክልተ ወይ ሰለስተ ዀይኖም ብስመይ ኣብ እተኣከቡሉ ኣነ ኸኣ ኣብኡ ኣብ ማእከሎም እየ እሞ፡ ክልተ ኻባኻትኩም ኣብ ምድሪ ብዚልምንዎ ነገር ኵሉ እንተ ተሳማምዑ፡ ካብቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ኪውሀቦም እዩ፡ ኢለ ኸም ብሓድሽ እብለኩም አሎኹ።

Translation | Context
ዮሃንስ 16:24 | 2 Helpful votes

ክሳዕ ሕጂ ሓንቲ እኳ ብስመይ ኣይለመንኩምዎን። ሓጐስኩም ምሉእ ምእንቲ ኪኸውን፡ ለምኑ ኽትረኽቡ ድማ ኢኹም።

Translation | Context