Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

17 bible verses about

pornography


ማቴዎስ 5:28 | 10 Helpful votes

ኣነ ግና ንሰበይቲ ኺብህጋ ዚጥምታ ዅሉ ብልቡ ፈጺሙ ኣብኣ ዘመወ፡ እብለኩም አሎኹ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 6:18-20 | 9 Helpful votes

ካብ ምንዝርና ህደሙ። ሰብ ዚገብሮ ዘበለ ሓጢኣት ካብ ስጋኡ ብወጻኢ እዩ፡ ዚንምዝር ግና ኣብ ገዛእ ስጋኡ እዩ ሓጢኣት ዚገብር። ብዋጋ ተዐዲግኩም ኢኹም እሞ፡ ስጋኹም ቤተ መቕደስ እቲ ኣባኻትኩም ዘሎ፡ ካብ ኣምላኽ እተቐበልኩምዎ መንፈስ ቅዱስ ምዃኑ፡ ናይ ርእስኹምውን ከም ዘይኰንኩምዶ፡ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ስለዚ ብስጋኹም ንኣምላኽ ኣኽብርዎ።

Translation | Context
መዝሙር 119:37 | 8 Helpful votes

ነዒንተይ ካብ ምርኣይ ከንቱነት ምለሰን፣ ብመገድኻ ህያው ግበረኒ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 10:13 | 7 Helpful votes

ሰብ ኪጾሮ ዘይኽእል ፈተና ኣይበጽሓኩምን። ኣምላኽ እሙን እዩ እሞ፡ ምስቲ ፈተናኹም ምጽዋሩ ምእንቲ ኽትክእሉስ፡ መውጽኢ ገይሩልኩም አሎ፡ ካብ ዓቕምኹም ንንየው ክትፍተኑ ኣይሐድገኩምን እዩ።

Translation | Context
1ይ ዮሃንስ 3:4-10 | 5 Helpful votes

ነፍሲ ወከፍ ሓጢኣት ዚገብር፡ ምፍራስ ሕጊ እዩ ዚገብር። ሓጢኣት ምፍራስ ሕጊ እዩ እሞ፡ ንሱ ንሓጢኣት ኬርሕቖ ኢሉ ኸም እተገልጸ፡ ትፈልጡ ኢኹም። ኣብኡውን ሓጢኣት የልቦን። እቲ ኣብኡ ዚነብር ዘበለ ዅሉ፡ ሓጢኣት ኣይገብርን እዩ። ነፍሲ ወከፍ ሓጢኣት ዚገብር ኣይረኣዮን ኣይፈልጦንውን። ደቀየ፡ ሓደ እኳ ኣየስሕትኩም። ከምቲ ንሱ ጻድቕ ዝዀነ፡ እቲ ጽድቂ ዚገብር ከኣ ጻድቕ እዩ። ድያብሎስ ካብ መጀመርታ ሓጢኣት ይገብር እዩ እሞ፡ ሓጢኣት ዚገብር ካብ ድያብሎስ እዩ። ወዲ ኣምላኽ ከኣ ግብሪ ድያብሎስ ምእንቲ ኼፍርስ ኢሉ እዩ ነዚ እተገልጸ። ካብ ኣምላኽ እተወልደ ዘበለ፡ ዘርኡ ኣብኡ ይነብር እዩ እሞ፡ ሓጢኣት ኣይገብርን እዩ። ካብ ኣምላኽ ስለ እተወልደውን፡ ሓጢኣት ኪገብር ኣይኰነሉን እዩ። ጽድቂ ዘይገብር ንሓዉ ዘየፍቅርን ካብ ኣምላኽ ኣይኰነን፡ ውሉድ ኣምላኽን ውሉድ ድያብሎስን በዚ እዮም ዚግለጹ።

Translation | Context
1ይ ዮሃንስ 2:16 | 5 Helpful votes

ኵሉ እቲ ኣብ ዓለም ዘሎ፡ ፍትወት ስጋን ፍትወት ኣዒንትን ንብረት ትዕቢትን፡ እዚ ኻብ ዓለም እዩ እምበር፡ ካብ ኣቦስ ኣይኰነን።

Translation | Context
ፊልጲ 4:8 | 3 Helpful votes

ብዝተረፈስ፡ ኣሕዋተየ፡ ሓቂ ዘበለ፡ ርዝነት ዘለዎ ዘበለ፡ ቅኑዕ ዘበለ፡ ንጹህ ዘበለ፡ ተፈታዊ ዘበለ፡ ጽቡቕ ወረ ዘለዎ ዘበለ፡ ገለ ደግነት እንተ ዀይኑ፡ ገለ ንእዶውን እንተ ዀይኑ፡ ብእኡ ሕሰቡ።

Translation | Context
እብራውያን 13:4 | 3 Helpful votes

ነመንዝራታትን ንዘመውትንሲ ኣምላኽ ኪፈርዶም እዩ እሞ፡ መውስቦ ኣብ ኵሉ ኽቡር፡ እቲ መደቀስ ኣሚን ከኣ ዘይረኽስ ይኹን።

Translation | Context
ኤፌሶን 6:11-17 | 3 Helpful votes

እቲ ቕልስና ምስ ሕልቅነትን ስልጣናትን ምስ ናይ ጸልማት ገዛእቲ ዓለምን ምስ መናፍስቲ እከይን ኣብ ሰማያት እዩ እምበር፡ ምስ ስጋን ደምን ኣይኰነን እሞ፡ ንፍሕሶ ሰይጣን ምቅዋሙ ምእንቲ ኽትክእሉስ፡ ኵሉ ኣጽዋር ኣምላኽ ልበሱ። ስለዚ በታ እክይቲ መዓልቲ ምቅዋም ምእንቲ ኽትክእሉ፡ ኵሉ ምስ ኣስለጥኩምውን ደው ክትብሉስ፡ ብዘሎ ኣጽዋር ኣምላኽ ኣልዕሉ። ደጊም ሕቜኹም ብሓቂ ተዐጢቕኩም ድርዒ ጽድቂውን ተኸዲንኩም ቁሙ። ነቲ ናይ ወንጌል ሰላም ምድላዉ ኣብ ኣእጋርኩም ከም ኣሳእን ኣእቲኹም ደው በሉ። ምስናይ እዚ ዅሉ ነቲ ናይቲ ኽፉእ ርሱን መንትግ ዘበለ ኸተጥፍኡሉ እትኽእሉ ዋልታ እምነት ኣልዕሉ። ናይ ምድሓን ቍራዕ ርእሲ ኣእትዉ፡ ናይ መንፈስ ሰይፊውን፡ ማለት ቃል ኣምላኽ፡ ሐዙ።

Translation | Context
መዝሙር 119:9-10 | 3 Helpful votes

ጐበዝ ንመገዱ ብምንታይ የንጽሃ፧ ከም ቃልካ ንነፍሱ ብምጥንቃቕ እዩ። ብምሉእ ልበይ እደልየካ አሎኹ፣ ካብ ትእዛዛትካ ኸየግልስ ኣይትሕደገኒ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 6:18 | 2 Helpful votes

ካብ ምንዝርና ህደሙ። ሰብ ዚገብሮ ዘበለ ሓጢኣት ካብ ስጋኡ ብወጻኢ እዩ፡ ዚንምዝር ግና ኣብ ገዛእ ስጋኡ እዩ ሓጢኣት ዚገብር።

Translation | Context
ምሳሌ 7:21-27 | 2 Helpful votes

ብብዙሕ ጥበራ ኣስሐተቶ፡ ብልዙብ ከናፍራ ስሐበቶ። ከምቲ ናብ ማሕረዲ ዚዅብኰብ ብዕራይ፡ ከምቲ ዓሻ፡ ፍላጻ ንኸብዱ ኽሳዕ ዚስንጥቖ፡ ብቕጽዓት ዚእሰር፡ ከምቲ ንጥፍኣት ነፍሱ ምዃኑ ኸይፈለጠ፡ ናብ መጻወድያ ዚሸብብ ዑፍ ኰይኑ ብኡብኡ ሰዐበ። እምበኣርሲ ደቀየ ስምዑኒ፡ ናብ ዘረባ ኣፈይ ከኣ ኣቕልቡ። ንሳ ንብዙሓት ወጊኣ ኣውዲቓቶም፡ ዝቐተለቶም ከኣ መሊኦም እዮም፡ ቤታ ናብ ውሻጠ ሞት ዜውርድ፡ መገዲ ሲኦል እዩ እሞ፡ ንልብኻ ናብ ጐደናኣ ኣቢልካ ኣይተዘምብሎ፡ ብመገዳ ኣይትስሐት።

Translation | Context
ገላትያ 5:19 | 2 Helpful votes

እቲ ግብሪ ስጋ ግሁድ እዩ፡ ንሱ ኸኣ ምንዝር፡ ርኽሰት፡ ዕብዳን፡

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 6:9 | 2 Helpful votes

ዓመጽቲ ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይወርስዋዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ኣይትስሐቱ፡ ኣመንዝራታት፡ ወይ መምለኽቲ ጣኦት፡ ዘመውቲ፡ ወይ ሕንቁቓት፡ ወይ ግብሪ ሶዶም ዚገብሩ፡

Translation | Context
እዮብ 31:1 | 2 Helpful votes

ምስ ኣዒንተይ ኪዳን ተኣታቶኹ፡ ከመይ ኢለ ደኣ ናብ ቈንጆ ግልጽ ክብል፧

Translation | Context
ማቴዎስ 6:22-23 | 2 Helpful votes

ናይ ስጋ መብራህቲ ዓይኒ እያ። ዓይንኻ ጥዕይቲ እንተ ዀነት፡ ብዘሎ ስጋኻ ብሩህ ይኸውን። ዓይንኻ ሕምምቲ እንተ ዀነት ግና፡ ብዘሎ ስጋኻ ጸልማት ይኸውን። እምብኣርሲ እቲ ኣባኻ ዘሎ ብርሃን ካብ ጸልመተ፡ ጸልማቱስ ክንደይ ዓብዪ ይኸውን።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 6:13 | 2 Helpful votes

ብልዒ ንኸብዲ፡ ከብዲ ኸኣ ንብልዒ እዩ፡ ኣምላኽ ግና ነዝን ነትን ኬጥፍኦም እዩ። ስጋ ንጐይታ፡ ጐይታውን ንስጋ እዩ እምበር፡ ስጋስ ንምንዝርና ኣይኰነን።

Translation | Context