Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

17 bible verses about

popularity


ሉቃስ 9:25 | 21 Helpful votes

ሰብከ ንብዘላ ዓለም ረቢሑስ፡ ንነፍሱ እንተ ጐድኣ ወይስ እንተ ኣጥፍኣ፡ እንታይ ይጠቕሞ፡

Translation | Context
ምሳሌ 13:20 | 9 Helpful votes

ምስ ጠቢባን ዚመላለስ ጠቢብ ይኸውን፡ ምስ ዓያሱ ዚመላለስ ግና ሕሱም ይኸውን።

Translation | Context
ሉቃስ 14:7-14 | 7 Helpful votes

ነቶም ናብ ምሳሕ እተጸውዑ ድማ ኣውራ መቐመጢ ኸም ዚሐርዩ ምስ ረአየ፡ ምስላ መሰለሎም፡ ከምዚ ኢሉ፥ ሓደ ናብ መርዓ እንተ ዓደመካ፡ ኣብቲ ኣውራ መቐመጢ ኣይትቀመጥ። ካባኻ ዚኸብር ካልእ ጸዊዑ እንተ ዀነ፡ እቲ ንእኡን ንኣኻን ዝጸውዔ መጺኡ፥ እዛ ስፍራ እዚእ ነዚ ሕደገሉ፡ ኪብለካ እዩ እሞ፡ ሽዑ እናሐፈርካ ናብ ታሕታይ መቐመጢ ኽትወርድ ትጅምር። ርእሱ ዜዕቢ ዅሉ ኺዋረድ፡ እቲ ርእሱ ዜዋርድ ከኣ ኪኸብር እዩ እሞ እንተ ተዓደምካ፡ እቲ ዝዓደመካ መጺኡ፡ ዓርከይ፡ ናብ ላዕላይ ደይብ፡ ምእንቲ ኺብለካስ፡ ኬድካ ኣብ ታሕታይ ስፍራ ተቐመጥ። ሽዑ ኣብ ቅድሚ እቶም ምሳኻ ዚምስሑ ዅሎም መቓምጥኻ ኽብረት ኪዀነልካ እዩ። ነቲ ዝጸውዖ ሰብኣይ ድማ፥ ምሳሕ ወይስ ድራር እንተ ገበርካ፡ ንሳቶም ድማ ምናልባሽ መሊሶም ከይጽውዑኻ እሞ፡ ምፍዳይ ለቕሓ ኸይኰነካስ፡ ኣዕሩኽካ ዀነ ወይ ኣሕዋትካ፡ ወይ ኣዝማድካ፡ ወይ ሃብታማት ጐረባብትኻ ኣይትጸውዕ። ምሳሕ እንተ ገበርካስ፡ ድኻታትን ቈራያትን ሓንካሳትን ዕዉራትን ደኣ ጸውዕ። ዚፈድዩኻ የብሎምን እሞ ብጹእ ክትከውን፡ ብትንሳኤ ጻድቃንውን ክትፍደ ኢኻ፡ በሎ።

Translation | Context
ሮሜ 12:2 | 5 Helpful votes

እቲ ሰናይን ባህ ዜብልን ምሉእን ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ምእንቲ ኽትምርምሩስ፡ ብምሕዳስ ሓሳብኩም ተለወጡ እምበር፡ ነዛ ዓለም እዚኣ ኣይትምሰልዋ።

Translation | Context
ሉቃስ 6:26 | 5 Helpful votes

ኵሉ ሰብ ጽቡቕ እንተ ተዛረበልኩም፡ ኣቦታቶም ንነብያት ሓሶት ከምኡ ይገብርዎም ነይሮም እዮም እሞ፡ ወይለኹም።

Translation | Context
ያእቆብ 2:1-13 | 5 Helpful votes

ኣቱም ኣሕዋተይ፡ እምነት ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ፡ ጐይታ ኽብሪ፡ ብዘይ ኣድልዎ ሐዙ። ኣብ ቤት ጸሎትኩም ሓደ ብዓል ቀለቤት ወርቂ፡ ባዕባዕ ዚብል ክዳን እተኸድነ ሰብኣይ እንተ አተወ፡ ሓደ ድኻ ድማ ረሳሕ ክዳን ተኸዲኑ እንተ አተወ፡ እሞ ነቲ ባዕባዕ ዚብል ክዳን እተኸድነ እንተ ርኤኹም፡ ንስኻ ኣብዚ ጽቡቕ ስፍራ ተቐመጥ፡ እንተ በልኩምዎ፡ ነቲ ድኻ ድማ፡ ንስኻስ ኣብቲ ደው በል፡ ወይስ ኣብዚ ትሕቲ ድኳ እግረይ ተቐመጥ፡ እንተ በልኩምዎ፡ ኣብ ንሓድሕድኩም ኣድልዎ ምግባር ደይኰነን፡ ብኽፉእ ሓሳብዶኸ ፈራዶ ኣይኰንኩምን፧ ኣቱም ፍቁራት ኣሕዋተየ፡ ስምዑ፡ ብእምነት ኪህብትሙ ነቶም ዜፍቅርዎ ተስፋ ዘግበረላ መንግስቲ ኸኣ ኪወርሱ ኢሉዶ፡ ኣምላኽ ነቶም ድኻታት እዛ ዓለም እዚኣ ኣይሐረዮምን እዩ፧ ንስኻትኩም ግና ነቲ ድኻ ነዐቕኩምዎ። እቶም ሃብታማትዶ ኣይኰኑን ዚሕይሉኹምን ናብ መጋባእያ ዚስሕቡኹምን፧ ንሳቶምዶ ኣይኰኑንከ ነቲ እተጸዋዕኩምሉ ኽቡር ስም ዚጸርፉ ዘለዉ፧ ሕጂ ግና ከምቲ ጽሑፍ፡ ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ጌርካ ኣፍቅሮ፡ ዚብል፡ ነቲ ንጉሳዊ ሕጊ ብሓቂ እንተ ፈጸምኩምዎ፡ ሰናይ ትገብሩ አሎኹም። እንተ ኣድሎኹም ግና፡ ሓጢኣት ትገብሩ አሎኹም፡ እቲ ሕጊ ኸኣ መፍረስቲ ምዃንኩም ይረትዓኩም እዩ። ንብዘሎ እቲ ሕጊ ሐልዩ ኣብ ሓንቲ ዚብድል ብዅሉ እዩ በደለኛ ዚኸውን። እቲ፡ ኣይትዘሙ፡ ዝበለ፡ ኣይትቕተል፡ ድማ በለ። ስለዚ እንተ ዘይዘሞኻ እኳ፡ ካብ እትቐትልሲ መፍረስ ሕጊ ኢኻ። ነቲ ምሕረት ዘይገበረስ ምሕረት ዜብሉ ፍርዲ ኪዀኖ እዩ፡ ምሕረትሲ ኣብ ፍርዲ ትምካሕ እያ እሞ፡ ከምቶም ብናይ ሓርነት ሕጊ ዚፍረዶም፡ ከምኡ ተዛረቡ ኸምኡውን ግበሩ።

Translation | Context
ምሳሌ 29:25 | 5 Helpful votes

ንሰብ ምፍራህ ኣብ መፈንጠራ የእርቱ፡ ብእግዚኣብሄር ዚእመን ግና ኣብ ደሓን ይነብር።

Translation | Context
1ይ ሳሙኤል 16:7 | 4 Helpful votes

እግዚኣብሄር ግና ንሳሙኤል፡ ኣነ ንዒቐዮ እየ እሞ፡ ኣብ ትርኢቱን ኣብ ምንዋሕ ቊመቱን ኣይትጠምት። እግዚኣብሄርሲ ሰብ ከም ዚርእዮ ኣይርእን፡ ሰብ ነቲ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ዘሎ እዩ ዚርኢ፡ እግዚኣብሄር ግና ልቢ እዩ ዚርኢ፡ በሎ።

Translation | Context
ምሳሌ 3:1-4 | 3 Helpful votes

ወደየ፡ ምንዋሕ መዓልትታትን ዓመታት ህይወትን ሰላምን ኪውሰኸልካ እዩ እሞ፡ ንሕገይ ኣይትረስዓዮ፡ ልብኻውን ንትእዛዛተይ ይሐልወን። ሕያውነትን ሓቅን ካባኻ ኣይፈለያ፡ ኣብ ክሳድካ እሰረን፡ ኣብ ጽላት ልብኻውን ጽሐፈን። ሽዑ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ሰብን ሞገስን ጽቡቕ ልቦናን ክትረክብ ኢኻ።

Translation | Context
1ይ ጴጥሮስ 5:8 | 3 Helpful votes

ድያብሎስ፡ እቲ መጻርርትኹም፡ ዚውሕጦ ደልዩ ኸም ዝጓዝም ኣንበሳ ዀይኑ ይዘውር አሎ እሞ፡ ተጠንቀቑ፡ ንቕሑ።

Translation | Context
ያእቆብ 4:4 | 3 Helpful votes

ኣትን ዘመውቲ፡ ፍቕሪ ንዓለምሲ ንኣምላኽ ጽልኢ ምዃኑዶ ኣይትፈልጣን ኢኽን፧ እምበኣርከ ፈታው ዓለም ምዃን ዚደሊ፡ ንሱ ጸላእ ኣምላኽ እዩ ዚኸውን።

Translation | Context
2ይ ሳሙኤል 3:36 | 2 Helpful votes

ኲሎም እቶም ህዝቢ ኸኣ እዚ ምስ ፈለጡ፡ ጽቡቕ ኰይኑ ተራእዮም። ኲሎም እቶም ህዝቢ ኸምቲ ንጉስ ዝገበሮ ዂሉ ጽቡቕ ኰይኑ ተራእዮም።

Translation | Context
ምሳሌ 29:23 | 2 Helpful votes

ንሰብ ትዕቢት የዋርዶ፡ ብመንፈሱ ትሑት ዝዀነ ግና ክብረት ይረክብ።

Translation | Context
ገላትያ 5:19-21 | 2 Helpful votes

እቲ ግብሪ ስጋ ግሁድ እዩ፡ ንሱ ኸኣ ምንዝር፡ ርኽሰት፡ ዕብዳን፡ ኣምልኾ ጣኦት፡ ጥንቈላ፡ ጽልኢ፡ ባእሲ፡ ቅንኢ፡ ቍጥዓ፡ ሻራ፡ ምፍልላይ፡ ዝርግርግ፡ ቅንኣት፡ ቅትለት፡ ስኽራን፡ ጓይላ፡ ከምዚ ዘመሰለ ኻልእውን እዩ። እቶም ከምዚ ዘመሰለ ዚገብሩ ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይወርስዋ፡ ከምቲ ቐደም ዝበልክዎ ኣቐዲመ እብለኩም አሎኹ።

Translation | Context
ሮሜ 8:28 | 2 Helpful votes

ነቶም ንኣምላኽ ዜፍቅሩ፡ ከም ምኽሩውን እተጸውዑ ግና ኵሉ ንሰናዮም ከም ዚድግፎም፡ ንፈልጥ ኢና።

Translation | Context
ምሳሌ 18:24 | 2 Helpful votes

ብዙሓት ፈተውቲ ዘለውዎ ሰብ ይጠፍእ፡ ግናኸ ካብ ሓው ኣብሊጹ ጥብቂ ዝዀነ ፈታዊ አሎ።

Translation | Context
እዮብ 29:1-25 | 2 Helpful votes

እዮብ መሊሱ ብምሰላኡ ኸምዚ ኢሉ ተዛረበ፡ አየ፡ ከም በተን ቀዳሞት ኣዋርሕ፡ ከም በተን ኣምላኽ ዝሐለወኒ መዓልትታት እንተ ዝኸውን እሞ መን ምሀበኒ። መብራህቱ ኣብ ርእሰይ ኪደምቕ ከሎ፡ ብብርሃኑውን ንጸልማት ክሐልፎ ኸሎኹ፡ ከምቲ ብዘመን ጒብዝናይ ዝነበርክዎ፡ ምስጢር ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ድናኳነይ ኪዐርፍ ከሎ፡ እቲ ዂሉ ዚኽእል ምሳይ ኪነብር ከሎ፡ ደቀይውን ኣብ ዙርያይ ኪቘሙ ኸለው፡ ስጒምተይ ኣብ ጠስሚ ኽሐጽብ ከሎኹ፡ ርባታት ዘይቲ ኻብቲ ኸውሒ ኺውሕዘለይ ከሎ፡ ከምተን መዓልትታት እቲኤን እሞ መን ምሀበኒ። ኣብ ደገ ኸተማ ኽወጽእ፡ ኣብ ኣደባባይውን መንበረይ ክተክል ከሎኹ፡ መንእሰያት ርእዮምኒ ይሕብኡ፡ ሽማግሌታትውን ተንሲኦም ይቘሙ ነበሩ፡ መኳንንቲ ኸኣ ምዝራብ ይሐድጉ፡ ኣፎም ከኣ ብኢዶም ይኸድኑ ነበሩ። ድምጺ መሳፍንቲ ተሐብኤ፡ መልሓሶምውን ኣብ ትንሓጎም ተጣበቐ። ነቲ ዚጠርዕ ጥቑዕ፡ ነቲ ረዳኢ ዜብሉ ዘኽታምውን ኤናግፎ ነበርኩ እሞ፡ ዝሰምዓትኒ እዝኒ ትምርቐኒ፡ ዝረአየትኒ ዓይኒ ኸኣ ትምስክረለይ ነበረት። ምርቓ እቶም ውጹዓት በጺሑኒ፡ ንልቢ መበለታትውን እልል ኣቢለዮ። ንጽድቂ ለቢሰያ፡ ንሳውን ለቢሳትኒ። ፍትሔይ ከም ባርኖስን ዘውድን ነበረት። ዓይኒ ንዝዖረ፡ እግሪውን ንዝሐንከሰ እዀኖ ነበርኩ። ንድኻታትውን ኣቦኦም ነበርኩ፡ ነቲ ኣነ ዘይፈለጥክዎ ኸኣ ነገሩ መርመርኩሉ። ንምንጋጋ ዓማጺ ሰበርኩ፡ ነቲ ዝዘረፎ ድማ ካብ ኣስናኑ መንጠልክዎ። ኣነ ሽዑ፡ ኣብ ቤተይ ክመውት፡ ንመዓልትታተይውን ከም ሑጻ ኸብዝሔን እየ፡ ሱረይ ናብ ማይ ኪዝርጋሕ፡ ኣውሊ ኣብ ጨናፍረይ ኪሐድር እዩ። ክብረይ ኣባይ ክትሕደስ፡ ቀስተይ ከኣ ኣብ ኢደይ ክትልምልም እያ፡ በልኩ። ንኣይ ጽን ኢሎም ይጽበዩ፡ ንምኽረይውን ስቕ ኢሎም ይሰምዕዎ ነበሩ። ድሕሪ ዘረባይ መሊሶም ኣይተዛረቡን፡ ዘረባይ ኣብ ልዕሊኦም የንጠብጥብ ነበረ። ከም ንዝናም ይጽበዩኒ፡ ከም ንዝናም ጽብሓት ኣፎም ሃህ ኣቢሎም ነበሩ። ክምስ ምስ በልክዎም፡ ኣይአመኑንን፡ ንፍሽሕውነት ገጸይ ኬጸውግዎ ኣይከኣሉን። መገዶም መርመርኩ እሞ ከም ሓለቓ ተቐመጥኩ፡ ኣብ ማእከል ሰራዊቱ ኸም ዚቕመጥ ንጉስ፡ ከምቲ ንሕዙናት ዜጸናንዕ እቕመጥ ነበርኩ።

Translation | Context