Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

25 bible verses about

polygamy


ዘጸአት 21:10 | 8 Helpful votes

ካልእ ሰበይቲ እንተ ኣምጽኣሉ ድማ፡ ቀለባን ክዳናን ከም ሰብይቱ ዚግባእን ኣየጕድለላ።

Translation | Context
ማቴዎስ 25:1-46 | 7 Helpful votes

ሽዑ መንግስተ ሰማያት፡ ቀቀንዴለን ሒዘን መርዓዊ ኪቕበላ ዝወጻ ዓሰርተ ደናግል ትመስል። ካባታተን ከኣ እተን ሓሙሽተ ዓያሱ፡ እተን ሓሙሽተ ግና ለባማት እየን። እተን ዓያሱ፡ ቀቀንዴለን ወሲደን፡ ዘይቲ ኣይተማልኣን። እተን ለባማት ግና መምስ ቀንዴለን ዘይቲ ኣብ ጢናኤን ተማልኣ። መርዓዊ ምስ ደንጐየ ግና፡ ኵለን ትኽስ በላ ደቀሳውን። ፍርቒ ለይቲ ግና ጭራሕ ምራሕ ኰነ፡ እንሆ፡ መርዓዊ ኽትቅበላ ውጻ። ሽዑ እተን ደናግል ኵለን ተንሲኤን፡ ቀቀንዴለን ኣዳለዋ። እተን ዓያሱ ነተን ለባማት፡ ቀንዲልና ኺጠፍእ ኢሉ እሞ፡ ካብ ዘይትኽን ሀባና፡ በላኤን። እተን ለባማት ከኣ፡ ኣይፋልናን፡ ንኣናን ንኣኻትክንን እንተ ዘይኣኸለኸ። ናብቶም ዚሸጡ ደኣ ኺዳ እሞ ንርእስኽን ዐድጋ፡ ኢለን መለሳለን። ኪዕድጋ ምስ ከዳ፡ እቲ መርዓዊ መጸ። እተን ተዳልየን ዝጸንሓ ምስኡ ናብ መርዓ ኣተዋ፡ ማዕጾ ድማ ተዐጸወ። ደሓር እተን ዝተረፋ ደናግል መጺኤን፡ ጐይታይ፡ ጐይታይ፡ ክፈተልና ዀታ፡ በላ። ንሱ ግና መሊሱ፡ ብሓቂ እብለክን አሎኹ፡ ኣይፈልጠክንን እየ፡ በለን። እምብኣርሲ እታ ወዲ ሰብ ዚመጸላ መዓልትን ሰዓትን ኣይትፈልጡን ኢኹም እሞ፡ ንቕሑ። መገሻ ኸም ዝደለየ ሰብ እሞ፡ ንገላዉኡ ጸዊዑ ገንዘቡ ዝሀቦም እዩ። ንነፍሲ ወከፎም ከከም ዓቕሞም፡ ንሓደ ሓሙሽተ መክሊት፡ ንኻልኣይ ክልተ፡ ነቲ ሳልሳይ ድማ ሓደ ሂቡዎም ገሸ። እቲ ሓሙሽተ መክሊት ዝወሰደ፡ ብኣብኣ ኸይዱ ብእኡ ነገደ፡ ሓሙሽተ መክሊት ኻልእ መክሊት ድማ ወሰኸ። እቲ ብዓል ክልተ ኸኣ ከምኡ ኽልተ ኻልእ ረብሔ። እቲ ሓደ ዝወሰደ ግና ከይዱ ምድሪ ዅዒቱ ወርቂ ጐይታኡ ሐብኤ። ድሕሪ ብዙሕ ዘመን ከኣ ጐይታ እቶም ባሮት መጸ፡ ምሳታቶምውን ተጸባጸበ። እቲ ሓሙሽተ መክሊት ዝወሰደ ካልእ ሓሙሽተ መክሊት ኣምጽኤ፡ ጐይታይ፡ ሓሙሽተ መክሊት ሂብካኒ፡ እንሆ፡ ካልእ ሓሙሽተ መክሊት ረባሕኩ፡ እናበለ ቐረበ። እቲ ጐይታኡ፡ ሕራይ፡ ኣታ ሕያዋይ እሙን ባርያ፡ ብሒደት ተእሚንካ ኢኻ እሞ፡ ኣብ ብዙሕ ክሸመካ እየ፡ ናብ ሓጐስ ጐይታኻ እቶ፡ በሎ። እቲ ኽልተ መክሊት ዝወሰደ ድማ ቀሪቡ፡ ጐይታኡ፡ ክልተ መክሊት ሀብካኒ፡ እንሆ፡ ክልተ ኻልእ መክሊት ረባሕኩ፡ በለ። ጐይታኡ ኸኣ፡ ሕራይ፡ ኣታ ሕያዋይ፡ እሙን ባርያ፡ ብሒደት ተአሚንካ ኢኻ እሞ፡ ኣብ ብዙሕ ክሸመካ እየ፡ ናብ ሓጐስ ጐይታኻ እቶ። እቲ ሓደ መክሊት ዝወሰደ ድማ ቀሪቡ፡ ጐይታይ፡ ዘይዘራእካዮ እትዐጽድ፡ ዘይበተንካዮውን እትእክብ ጽኑዕ ሰብኣይ ምዃንካ ፈሊጠ እሞ፡ ፈሪሄ ኸድኩ፡ ነቲ መክሊትካ ኣብ ምድሪ ሐባእክዎ፡ እንሆ ገንዘብካ፡ በሎ። እቲ ጐይታኡ ግና መሊሱ በሎ፡ ኣታ ኽፉእ ሃካይ ባርያ፡ ዘይዘራእክዎ ኸም ዝዐጽድ፡ ዘይበተንክዎ ኸኣ ከም ዝእክብ ፈሊጥካ አሎኻ። እምብኣርሲ እቲ ገንዘበይ ንሰረፍቲ ክትህቦም ምተገብኣካ ነይሩ፡ ኣነ ኸኣ መጺኤ ምስ ወለዱ ምወሰድክዎ። ደጊም እቲ መክሊት ኣግድፍዎ እሞ፡ ነቲ ዓሰርተ መክሊት ዘለዎ ሀብዎ። ንዘለዎ ዘበለ ዅሉ ይውሀቦ ይወሰኾውን። ነቲ ዜብሉ ግና እታ ዘላቶ እኳ የግድፍዎ ደኣ። ነዚ ዘይተቅም ባርያ ግና ኣብ ናይ ወጻኢ ጸልማት ደርብይዎ። ኣብኡ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ኪኸውን እዩ። ግናኸ ወዲ ሰብ ብኽብሩ ምስ መጸ፡ ኵሎም መላእኽቲውን ምስኡ፡ ሽዑ ኣብ ዝፋን ክብሩ ይቕመጥ። ኵሎም ኣህዛብ ድማ ኣብ ቅድሚኡ ይእከቡ። ንሱ ኸኣ፡ ጓሳ ነባጊዕ ካብ ኣጣል ከም ዚፈላልየን፡ ካብ ነንሓድሕዶም ይፈላልዮም። ነተን ኣባጊዕ ኣብ የማን፡ ነተን ኣጣል ድማ ኣብ ጸጋሙ የቑመን። ሽዑ እቲ ንጉስ ኣብ የማኑ ንዘለዉ ይብሎም፡ ኣቱም ናይ ኣቦይ ብሩኻት፡ ንዑ፡ እቲ ኻብ ምስራት ዓለም እተዳለወልኩም መንግስቲ ውረሱ። ጠምየ ነበርኩ እሞ፡ ኣብላዕኩምኒ። ጸሚኤ፡ ኣስቴኹምኒ። ገይሸ፡ ተቐበልኩምኒ። ዐሪቀ፡ ከደንኩምኒ። ሐሚመ፡ በጻሕኩምኒ። ተኣሲረ፡ መጻእኩምኒ። ሽዑ እቶም ጻድቃን ይመልስሉ፡ ጐይታይ፡ መኣዝ ጠሚኻ ርኤናካ እሞ ኣብላዕናካ፧ ወይ ጸሚእካስ ኣስቴናካ፧ መኣዝከ ጋሻ ኴንካ ርኤናካ ኣሞ ተቐበልናካ፧ ወይ ዐሪቕካስ ከደንናካ፧ መኣዝከ ሐሚምካ ርኤናካ ወይ ትአሲርካስ በጻሕናካ፧ ይብሉ። እቲ ንጉስ ከኣ፡ እቲ ኻብዞም ናእሽቱ ኣሕዋተይ ንሓደ ዝገበርኩምሉ ንኣይ ከም ዝገበርኩምለይ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ፡ ኢሉ ይመልሰሎም። ድሕርዚ ኣብ ጸጋሙን ዘለዉ ይብሎም፡ ኣቱም ርጉማት፡ ካባይ ርሐቑ፡ ናብቲ ንሰይጣንን ንመላእኽቱን እተዳለወ ናይ ዘለኣለም ሓዊ። ጠምየ ነበርኩ እሞ፡ ኣየብላዕኩምንን። ጸሚኤ፡ ኣየስቴኹምንን። ገይሸ፡ ኣይተቐበልኩምንን። ዐሪቐ፡ ኣይከደንኩምንን። ሐሚመ፡ ተኣሲረ፡ ኣይበጻሕኩምንን። ሽዑ ንሳቶም፡ ጐይታይ፡ መኣዝ ጠሚኻ ርኤናካ፡ ወይ ጸሚእካ፡ ወይ ጌሽካ፡ ወይ ዐሪቕካ፡ ወይ ሐሚምካ፡ ወይ ተኣሲርካ፡ ዘየገልገልናካ፧ ኢሎም ይመልስሉ። ሽዑ ንሱ፡ እቲ ኻብዞም ናእሽቱ ንሓደ ዘይገበርኩምሉ ንኣይ ከም ዘይገበርኩምለይ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ፡ ኢሉ ይመልሰሎም። እዚኣቶም ናብ ናይ ዘለኣለም ስቓይ፡ ጻድቃን ግና ናብ ዘለኣለም ህይወት ኪኸዱ እዮም።

Translation | Context
ዘዳግም 21:15-17 | 6 Helpful votes

ንሓደ ሰብኣይ ክልተ ኣንስቲ እንተ ኣለዋኦ፡ እታ ሓንቲ ፍትውቲ እታ ሓንቲ ኸኣ ጽልእቲ፡ እታ ፍትውትን እታ ጽልእትን ደቂ እንተ ወለዳሉ፡ እቲ በዅሪ ኸኣ ወዲ እታ ጽልእቲ እንተ ዀነ፡ ኪኸውን ድማ እዩ፡ በታ ገንዘቡ ንደቁ ዜውርሰላ መዓልቲ፡ ወዲ እታ ጽልእቲ፡ ንሱ በዅሪ ኸሎ፡ ካብኡ ኣምሪሑ ንወዲ እታ ፍትውቲ በዅሪ ኺገብር ኣይኽእልን። ንወዲ እታ ጽልእቲ ካብ ዂሉ ዘለዎ ዕጽፊ ብምሃቡ በዅሪ ምዃኑ የፍልጦ፡ ንሱ መጀመርታ ሓይሉ እዩ እሞ፡ ብዅርነት ንእኡ ይግብኦ።

Translation | Context
2ይ ዜና መዋእል 24:1-3 | 6 Helpful votes

ዮኣስ ኪነግስ ከሎ፡ ወዲ ሾብዓተ ዓመት ነበረ፡ ኣብ የሩሳሌም ከኣ ኣርብዓ ዓመት ገዝኤ። ስም ኣዲኡ ድማ ጺብያ፡ ንሳ ኻብ ብኤር-ሸባዕ እያ። ዮኣስ ከኣ ብዂሉ ዘመን እቲ ኻህን ዮያዳ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ዘበለ ገበረ። ዮያዳ ድማ ክልተ ኣንስቲ ኣምጽኣሉ እሞ፡ ኣወዳትን ኣዋልድን ወለደ።

Translation | Context
ኢሳይያስ 4:1 | 6 Helpful votes

በታ መዓልቲ እቲኣ ሾብዓተ ኣንስቲ፡ እንጌራና ንበልዕ፡ ክዳንናውን ንኽደን፡ ሓንትስ ብስምካ ኽንጽዋዕ ሕደገና፡ ጸርፍና ኸኣ ኣርሕቕ፡ እናበላ ንሓደ ሰብኣይ ኪሕዛኦ እየን።

Translation | Context
2ይ ሳሙኤል 12:8 | 5 Helpful votes

ቤት ጐይታኻ ድማ ሀብኩኻ፡ ኣነስቲ ጐይታኻውን ኣብ ሕቚፍኻ ኣንበርኩልካ፡ ቤት እስራኤልን ይሁዳን ድማ ሀብኩኻ። እዚ እንተ ውሒዱ ኸኣ፡ ከምኡ ኻልእ ምወሰኽኩልካ ነይረ።

Translation | Context
2ይ ዜና መዋእል 13:21 | 3 Helpful votes

ኣቢያ ግና እናበርትዔ ኸደ። ዓሰርተው ኣርባዕተ ኣንስቲ ኣእትዩ ድማ፡ ዕስራን ክልተን ኣወዳትን ዓሰርተው ሹድሽተ ኣዋልድን ወለደ።

Translation | Context
መሳፍንቲ 8:30 | 3 Helpful votes

ጊዴዎን ድማ፡ ብዙሓት ኣንስቲ ነበራኦ እሞ፡ ካብ ሕቜኡ ዝወጹ ሰብዓ ኣወዳት ነበርዎ።

Translation | Context
ዘፍጥረት 4:19 | 3 Helpful votes

ላሜክ ክልተ ኣንስቲ ኣእተወ፡ ስም እታ ሓንቲ ዓዳ፡ ስም እታ ኻልኣይቲ ድማ ጺላ ነበረ።

Translation | Context
1ይ ዜና መዋእል 3:1-9 | 3 Helpful votes

እቶም ኣብ ሔብሮን እተወልዱሉ ደቂ ዳዊት እዚኣቶም እዮም፡ እቲ ኻብ ኣሒኖዓም ይዝርኤላዊት እተወልደ በዂሩ ኣምኖን፡ ካልኣይ ዳኒኤል ካብ ኣቢጋይል ቀርሜሎሳዊት፡ ሳልሳይ ኣቤሴሎም ወዲ ማዓካ፡ ጓል ታልማይ ንጉስ ገሹር፡ ራብዓይ ኣዶንያስ ወዲ ሓጊት፡ ሓምሳይ ሸፋጥያ ኻብ ኣቢጣል፡ ሳድሳይ ዪትረዓም ካብ ዔግላ ሰበይቱ። ሹድሽቲኦም ኣብ ሔብሮን ተወልዱሉ። ኣብኣ ኸኣ ሾብዓተ ዓመትን ሹድሽተ ወርሕን ነገሰ፡ ኣብ የሩሳሌም ድማ ሰላሳን ሰለስተን ዓመት ነገሰ። ኣብ የሩሳሌም ከኣ እዚኣቶም ተወልዱሉ፡ ሺምዓን ሾባብን ናታንን ሰሎሞንን፡ ኣርባዕቲኦም ካብ ባት-ሸዓ፡ ጓል ዓሚኤል። ድማ ዮብሓርን ኤሊሻማዕን ኤሊፈለጥን፡ ኖጋዕን ነፈግን ያፊዓን፡ ኤሊሻማዕን ኤልያዳዕን ኤሊፈለጥን፡ ትሽዓተ። እዚኣቶም ኲሎም፡ ብዘይ እቶም ደቂ ኣንስቲ ወሰን፡ ደቂ ዳዊት እዮም። ታማር ከኣ ሓብቶም እያ።

Translation | Context
2ይ ዜና መዋእል 11:21 | 3 Helpful votes

ሮብዓም ከኣ ዓሰርተው ሾሞንተ ኣንስትን ስሳ ኣንስቲ ወሰንን ኣእትዩ ነበረ፡ ዕስራን ሾሞንተን ኣወዳትን ስሳ ኣዋልድን ድማ ወሊዱ ነበረ፡ ንማዓካ ጓል ኣበሴሎም ግና ሓለፋ ዂለን ኣንስቱን ናይ ወሰን ኣንስቱን ይፈትዋ ነበረ።

Translation | Context
2ይ ዜና መዋእል 24:3 | 3 Helpful votes

ዮያዳ ድማ ክልተ ኣንስቲ ኣምጽኣሉ እሞ፡ ኣወዳትን ኣዋልድን ወለደ።

Translation | Context
ዘፍጥረት 30:9 | 3 Helpful votes

ልያ ኸኣ ካብ ምላድ ከም ዘቛረጸት ምስ ረአየት፡ ዚልጳ ግዝእታ ወሲዳ፡ ንያእቆብ ሰበይቱ ኽትከውን ሀበቶ።

Translation | Context
1ይ ዜና መዋእል 4:5 | 3 Helpful votes

ኣሽሑር ኣቦ ተቆዓ ድማ ክልተ ኣንስቲ ሔልኣን ናዓራን ዚብሀላ ነበራኦ።

Translation | Context
ዘፍጥረት 30:4 | 3 Helpful votes

ንቢልሃ ግዝእታ ኸኣ ሰበይቱ ኽትከውን ሀበቶ። ያእቆብ ድማ ኣእተዋ።

Translation | Context
ህዝቅኤል 23:1-4 | 3 Helpful votes

ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ከኣ መጸኒ፣ ኣታ ወዲ ሰብ፣ ክልተ ኣንስቲ፣ ሓንቲ ዘዲኤን ኣዋልድ፣ ነበራ። እዚኣተን ኣብ ግብጺ ኣመንዘራ። ገና በዋልደን ከለዋ ኣመንዘራ፡ ኣጥባተን ተጸቕጠ፡ እቲ ድንግል ሕጽነን ኣብኡ ተደርቀቐ። ኣስማተን ከኣ፣ እታ ዓባይ ኦሆላ፣ እታ ሓብታ ድማ ኦሆሊባ ይበሀላ ነበራ። ናተይ ኰና፣ ኣወዳትን ኣዋልድን ድማ ወለዳ። ስማተን ከኣ ኦሆላ ሰማርያ እያ፣ ኦሆሊባ ድማ የሩሳሌም እያ።

Translation | Context
2ይ ሳሙኤል 5:13 | 3 Helpful votes

ዳዊት ድማ ድሕርቲ ኻብ ኬብሮን ምምጻኡ መሊሱ ኣንስቲ ወሰንን ኣንስትን ካብ የሩሳሌም ወሰደ። ንዳዊት ከኣ ካልኦት ኣወዳትን ኣዋልድን ተወልዱሉ።

Translation | Context
1ይ ሳሙኤል 1:1-2 | 3 Helpful votes

ኣብ ራማታይም-ጾፊም፡ ካብ ከረን ኤፍሬም፡ ኤልቃና ዝስሙ ኤፍራታዊ ሰብኣይ፡ ወዲ የሩሓም፡ ወዲ ኤሊሁ፡ ወዲ ቶሑ፡ ወዲ ጹፍ፡ ነበረ። ንሱ ኽልተ ኣንስቲ ነበራኦ፡ ስም እታ ሓንቲ ሃና፡ ስም እታ ኻልኣይቲ ኸኣ ጵኒና ነበረ። ጵኒና ድማ ውሉድ ነበርዋ፡ ሃና ግና ውሉድ ኣይነበርዋን።

Translation | Context
ዘሁልቍ 12:1 | 3 Helpful votes

ሙሴ ኢትዮጵያዊት ሰበይቲ ኣእትዩ ነበረ እሞ፡ ሚርያምን ኣሮንን ብዛዕባ እታ ዘእተዋ ኢትዮጵያዊት ሰበይቲ ኣብ ልዕሊኡ ተዛረቡ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 7:1-5 | 2 Helpful votes

ብዛዕባ እቲ ዝጸሐፍኩምለይ ግና ከምዚ እዩ፡ ሰብኣይ ኣብ ሰበይቲ እንተ ዘይቀረበ ጽቡቕ እዩ። ስለ ኻብ ምንዝርና ምርሓቕ ግና ነፍሲ ወከፍ ሰብኣይ ገዛእ ሰበይቱ ትሀልዎ፡ ነፍሲ ወከፍ ሰበይቲውን ገዛእ ሰብኣያ ይሀልዋ። ሰብኣይ ንሰበይቱ ዚግባኣ ይግበረላ፡ ከምኡውን ሰበይቲ ንሰብኣያ ትግበረሉ። ሰበይቲ፡ ሰብኣያ እምበር፡ ኣብ ገዛእ ስጋኣ ኣይትመልኽን እያ፡ ከምኡ ኸኣ ሰብኣይ፡ ሰበይቱ ደኣ እምበር፡ ኣብ ገዛእ ስጋኡ ኣይመልኽን እዩ። ንጸሎት ጊዜ ምእንቲ ኽትረኽቡ፡ ንጊዜኡ ብምስምማዕ ክልቴኹም እምበር፡ እቲ ሓደ ኻብቲ ሓደ ኣይፈለ። ብምኽንያት እቲ ንነፍስኹም ዘይምምላኽኩም ሰይጣን ምእንቲ ኸይፍትነኩም ከኣ፡ ከም ብሓድሽ ተራኸቡ።

Translation | Context
1ይ ነገስት 11:1-4 | 2 Helpful votes

ንጉስ ሰሎሞን ብዘይ ጓል ፈርኦን ድማ ብዙሓት ጓኖት ኣንስቲ፡ ሞኣባውያን፡ ዓሞናውያን፡ ኤዶማውያን፡ ሲዶናውያን፡ ሔታውያን ፈተወ፡ ካብቶም እግዚኣብሄር ንደቂ እስራኤል ብዛዕባኦም፡ ንሳቶም ንልብኹም ብርግጽ ናብ ኣማልኽቶም ኬዘንብልዎ እዮም እሞ፡ ናባታቶም ኣይትኺዱ፡ ንሳቶም ከኣ ናባኻትኩም ኣይምጽኡ፡ ዝበሎም ህዝብታት፡ ሰሎሞን ብፍቕሪ ምሳታተን ጠበቐ። ሾብዓተ ሚእቲ ንግስታት ኣንስትን ሰለስተ ሚእቲ ኣንስቲ ወሰንን ነበራኦ። እተን ኣንስቱ ኸኣ ልቡ ኣዘንበላኦ። ኰነ ድማ፡ ብጊዜ እርግና ሰሎሞን እተን ኣንስቱ ንልቡ ደድሕሪ ኻልኦት ኣማልኽቲ ኣዘንበላኦ። ስለዚ ልቡ፡ ከም ልቢ ኣቦኡ ዳዊት፡ ፍጹም ምስ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ኣይኰነን።

Translation | Context
ዘዳግም 25:5-10 | 2 Helpful votes

ኣሕዋት ብሓንሳእ እንተ ተቐመጡ እሞ፡ ሓዲኦም ውሉድ ዜብሉ እንተ ሞተ፡ ሰበይቲ እቲ ዝሞተ ናብ ወጻኢ ጓና ኣይትተአቶ። እቲ ሓሙታ ናብኣ አትዩ ንርእሱ ይውረሳ እሞ ናይ ሓሙት ግቡእ ይፈጽመላ። ይኸውን ድማ፡ ስም እቲ ምዉት ሓዉ ካብ እስራኤል ምእንቲ ኸይድምሰስ፡ እቲ ዝወለደቶ በዅሪ ብስሙ ይጸዋዕ። እቲ ሰብኣይ ንሰበይቲ ሓዉ ኺወርሳ እንተ ዘይፈተወ፡ እታ ሰበይቲ ሓዉ ናብ ደገ፡ ናብቶም ዓበይቲ ትደይብ፡ እዚ ሓሙተይ ስም ሓዉ ኣብ እስራኤል ከየቕውም ኣብዩ፡ እቲ ኸም ሓሙት ዚግብኦ ኺፍጽመለይ ኣይደለየን፡ ድማ ትበሎም። ሽዑ እቶም ዓበይቲ ኸተማኡ ናባታቶም ጸዎዖም ይዛረብዎ። ንሱ ከኣ፡ ክወርሳ ኣይፈቱን እዩ፡ ኢሉ እንተ ጸንዔ። እታ ሰበይቲ ሓዉ ድማ ኣብ ቅድሚ እቶም ዓበይቲ ናብኡ ቐሪባ፡ ሳእኑ ካብ እግሩ ተውጽእ፡ ናብ ገጹውን ጡፍ ትበለሉ፡ ቤት ሓዉ ንዘይሰሕ ሰብ ከምዚ ይግበሮ፡ ኢላ ድማ ትምለስ። ስሙ ኸኣ ኣብ እስራኤል፡ ቤት ፍቱሕ ሳእኑ፡ ይበሀል።

Translation | Context
መሃልየ መሃልይ 6:8 | 2 Helpful votes

ንግስታት ስሳ፡ ዕቁባት ሰማንያ፡ ኣዋልድ ከኣ ቊጽሪ ዜብለን እየን።

Translation | Context
ዘዳግም 17:14-20 | 2 Helpful votes

ናብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚህበካ ምድሪ ኣቲኻ ምስ ወረስካያን ምስ ተቐመጥካያን፡ ከምቶም ኣብ ዙርያይ ዘለዉ ዅሎም ህዝብታት፡ ንጉስ ኣብ ልዕለይ ከንግስ እየ፡ እንተ በልካ፡ ሽዑ ነቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚሐርዮ ኣብ ልዕሌኻ ኣንግሶ። ሓደ ኻብ ማእከል ኣሕዋትካ ንጉስ ኣብ ልዕሌካ ኣንግስ። ሓውካ ዘይኰነ ጓና ሰብ ኣብ ልዕሌካ ኣይተንግስ። ሓንትስ፡ ኣፍራስ ደኣ ኣየብዝሕ፡ ኣፍራስ ምእንቲ ኼብዝሕ ኢሉ ኸኣ፡ ነቲ ህዝቢ ናብ ግብጺ ኣይምለሶ። እግዚኣብሄር፡ ድሕሪ ደጊም ነዛ መገዲ እዚኣ ኣይትመለስዋ፡ ኢሉኩም እዩ። ልቡ ኸይሰድዕ ድማ ኣንስቲ ኣየብዝሕ። ወርቅን ብሩርን ከኣ እምብዛ ኣየብዝሕ። ይኸውን ድማ፡ ኣብ ልዕሊ ዝፋን መንግስቱ ምስ ተቐመጠ። ካብቲ ኣብ ቅድሚ ሌዋውያን ካህናት ዘሎ ሕጊ ንእኡ ዚኸውን ቀዲሑ ኣብ መጽሓፍ ይጽሐፍ። ፍርሃት እግዚኣብሄር ኣምላኹ ምእንቲ ኺመሀር፡ ልቡ ኣብ ልዕሊ ኣሕዋቱ ምእንቲ ኸይልዐል፡ ካብቲ ትእዛዝ ከኣ ንየማን ኰነ ንጸጋም ከይዘብል፡ ንሱን ደቁን ኣብ ማእከል እስራኤል መዓልትታት መንግስቱ ምእንቲ ኺነውሕ፡ ናይ እዚ ሕጊ እዚ ቓላትን እዚ ትእዛዛት እዝን ተጠንቂቑ ኺገብሮስ፡ ምስኡ ይኹን፡ ኵሉ መዓልቲ ህይወቱ ኸኣ የንብቦ።

Translation | Context
ቲቶስ 1:5-8 | 2 Helpful votes

ከምቲ ኣነ ዝኣዘዝኩኻ ጌርካ ዝተረፈ ምእንቲ ኽትሰርዕ፡ ኣብ ከከተማኡውን ሽማግሌታት ክትሸይም፡ በዚ ምኽንያት እዚ እየ ኣብ ቅሬጥስ ዝሐደግኩኻ፡ እቲ ኤጶስቆጶስ ከኣ መንቅብ ዜብሉ፡ ሰብኣይ ሓንቲ ሰበይቲ፡ ብርኽሰት ወይስ ብዘይ ምእዛዝ ዘይሕመዩ ኣመንቲ ውሉድ ዘለውዎ፡ ተቐባል ጋሻ፡ ሰናይ ዚፈቱ፡ ለባም፡ ቅኑዕ፡ ቅዱስ፡ ይአኽለኒ በሃሊ፡ መንቅብ ዜብሉ፡ ከም ናይ ኣምላኽ መጋቢ እምበር፡ ፈታው ርእሱ ዘይኰነ፡ ዘይኵሪ፡ ናብ መስተ ዘየድህብ፡ ዘይዋቓዕ፡ ርኹስ ረብሓ ዘይደሊ ሰብ ኪኸውን ይግባእ።

Translation | Context