Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

18 bible verses about

pleasure


2ይ ጢሞቴዎስ 2:22 | 8 Helpful votes

ካብ ትምኒት ጕብዝና ህደም፡ ምስቶም ብንጹህ ልቢ ንእግዚኣብሄር ዚጽውዕዎ ኸኣ ኣሰኣሰር ጽድቅን እምነትን ፍቕርን ሰላምን ስዓብ።

Translation | Context
ምሳሌ 21:17 | 6 Helpful votes

ጣዕሚ ንብረት ዚፈቱ ይደኪ፡ ወይንን ዘይትን ዚፈቱ ኸኣ ኣይህብትምን።

Translation | Context
መዝሙር 16:11 | 5 Helpful votes

ንመገዲ ህይወት ትሕብረኒ፣ ኣብ ቅድሚ ገጽካ ናይ ሓጐስ ጽጋብ፣ ኣብ የማናይካውን ንዘለአለም ብጽእና አሎ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 6:18-20 | 5 Helpful votes

ካብ ምንዝርና ህደሙ። ሰብ ዚገብሮ ዘበለ ሓጢኣት ካብ ስጋኡ ብወጻኢ እዩ፡ ዚንምዝር ግና ኣብ ገዛእ ስጋኡ እዩ ሓጢኣት ዚገብር። ብዋጋ ተዐዲግኩም ኢኹም እሞ፡ ስጋኹም ቤተ መቕደስ እቲ ኣባኻትኩም ዘሎ፡ ካብ ኣምላኽ እተቐበልኩምዎ መንፈስ ቅዱስ ምዃኑ፡ ናይ ርእስኹምውን ከም ዘይኰንኩምዶ፡ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ስለዚ ብስጋኹም ንኣምላኽ ኣኽብርዎ።

Translation | Context
መክብብ 2:1-11 | 4 Helpful votes

ኣነ ብልበይ፡ እምበአርሲ ብታሕጓስ ክፍትነካ እሞ፡ ባህ ይበልካ፡ በልኩ። ግናኸ እንሆ እዚውን ከንቱነት እዩ። ንሰሓቕ፡ ዕሽነት ኢኻ፡ ንታሕጓስ ከአ፡ እንታይ ትጠቅም፡ በልክዎም። ኣነ ብልበይ፡ ነቲ ደቂ ሰብ ብመዓልትታት ህይወቶም ኣብ ትሕቲ ሰማይ ኪገብርዎ ዚግብኦም ሰናይ ክሳዕ ዝርኢ፡ ልበይ ብጥበብ እነመርሓንስ፡ ንስጋይ ወይኒ ኸይከልኦ፡ ንድንቁርና ኸኣ ክሕዛ ሐሰብኩ። ዓበይቲ ዕዮ ገበርኩ፡ ኣባይቲ ንኣይ ኣስራሕኩ፡ ኣታኽልቲ ወይንታት ንኣይ ተኸልኩ። ኣታኽልትን ገነታትን ንኣይ ገብርኩ። በብዓይነቱ ፍሬታት ዚፈሪ ኣእዋም ከአ ተኸልኩሉ። ነቲ ኣብ ዱር ዝበቖለ ኣእዋም ምእንቲ ኽስተየሉስ፡ ንኣይ ሓጽቢ ገበርኩ። ተባዕትዮን ኣንስትዮን ባሮት ዐደግኩ፡ ኣብ ቤተይ እተወልዱ ባሮት ከአ ነበሩኒ፡ ብዙሕ እንስሳ፡ ካብ ናይቶም ቅድመይ ኣብ ዮርሳሌም ዝነበሩ ኹሎም ዚበዝሕ ኣሓን ኣባጊዕን ድማ ነበራኒ። ብሩር፡ ወርቂ ናይ ነገስታትን ሃገራትን ከአ መዝገባት ኣከብኩ፡ ደራፎን ዚደርፋን፡ እቲ ተድላ ደቂ ሰብ ከአ፡ ብዙሓት ኣንስትን ገበርኩ። በዚ ኸምዚ ዓብዩ ኾንኩ፡ ሐለፋ እቶም ቅድመይ ኣብ ዮርሳሌም ዝነበሩ ኹሎም ድማ እናዐቤኹ ኸድኩ። ጥበበይውን ምሳይ ጸንዔት። ኣዒንተይ ዝደለያኦ ዅሉ ኣይከልከልክወንን፡ ሓጐስ ዘበለ ንልበይ ኣይከላእክዎን። ልበይ ብኹሉ ጻዕረይ ይሕጎስ ነይሩ እዩ እሞ፡ ጻማ ዅሉ ጻዕረይ እዚ ኾነ። ሽዑ ነቲ ኣእዳወይ ዝገበራኦ ዅሉ ዕዮን ነቲ እናዐየኹ ዝጸዐርኩሉ ጻዕርን ተመልከትክዎ፡ እንሆ ኸኣ፡ እዚ ዅሉ ኸንቱነትን ደድሕሪ ንፋስ ምጉያይን እዩ፡ ኣብ ትሕቲ ጸሓይሲ ረብሓ የልቦን።

Translation | Context
ገላትያ 5:19-21 | 4 Helpful votes

እቲ ግብሪ ስጋ ግሁድ እዩ፡ ንሱ ኸኣ ምንዝር፡ ርኽሰት፡ ዕብዳን፡ ኣምልኾ ጣኦት፡ ጥንቈላ፡ ጽልኢ፡ ባእሲ፡ ቅንኢ፡ ቍጥዓ፡ ሻራ፡ ምፍልላይ፡ ዝርግርግ፡ ቅንኣት፡ ቅትለት፡ ስኽራን፡ ጓይላ፡ ከምዚ ዘመሰለ ኻልእውን እዩ። እቶም ከምዚ ዘመሰለ ዚገብሩ ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይወርስዋ፡ ከምቲ ቐደም ዝበልክዎ ኣቐዲመ እብለኩም አሎኹ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 10:13 | 4 Helpful votes

ሰብ ኪጾሮ ዘይኽእል ፈተና ኣይበጽሓኩምን። ኣምላኽ እሙን እዩ እሞ፡ ምስቲ ፈተናኹም ምጽዋሩ ምእንቲ ኽትክእሉስ፡ መውጽኢ ገይሩልኩም አሎ፡ ካብ ዓቕምኹም ንንየው ክትፍተኑ ኣይሐድገኩምን እዩ።

Translation | Context
ሉቃስ 8:14 | 4 Helpful votes

እቲ ኣብ እሾኽ ዝወደቐ እዚኣቶም እዮም፥ ምስ ሰምዑ፡ መገዶም ከይዶም ብሓልዮትን ሃብትን ጣዕሚ ንብረትን ይሕነቑ እሞ ፍረ ኣይፈርዩን።

Translation | Context
እብራውያን 13:4 | 4 Helpful votes

ነመንዝራታትን ንዘመውትንሲ ኣምላኽ ኪፈርዶም እዩ እሞ፡ መውስቦ ኣብ ኵሉ ኽቡር፡ እቲ መደቀስ ኣሚን ከኣ ዘይረኽስ ይኹን።

Translation | Context
1ይ ጢሞቴዎስ 6:17 | 3 Helpful votes

ነቶም ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዘለዉ ሃብታማት ከይዕበዩ፡ በቲ ኽንሕጐስ ኢሉ ዅሉ ብልግሲ ዚሃበና ኣምላኽ እምበር፡ በዚ ሓላፊ ሃብቲ ኸይእመኑ አዝዞም።

Translation | Context
1ይ ተሰሎንቄ 4:4 | 3 Helpful votes

ከምቶም ንኣምላኽ ዘይፈልጡ ኣህዛብ ብፍትወት ትምኒት ዘይኰነስ፡ ነፍሲ ወከፍኩም ንሰበይቲ ኺዳኑ ብቕድስናን ክብርን ምሕላይ ኪፈልጥ፡ እዚ ፍቓድ ኣምላኽ እዩ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 10:7 | 2 Helpful votes

እምብኣርከ፡ እቲ ህዝቢ ኺበልዕን ኪሰትን ተቐመጠ ኺሰሐቕውን ተንስኤ፡ ዚብል ከም እተጻሕፈ፡ ከምቶም ገሊኣቶም መምለኽቲ ጣኦት ኣይትኹኑ።

Translation | Context
ሮሜ 13:12-14 | 2 Helpful votes

ለይቲ ሐሊፋ፡ መዓልቲ ቐሪባ እያ እሞ፡ ግብሪ ጸልማት ካባና ደርቢናስ፡ ኣጽዋር ብርሃን ንልበስ። ከም ብመዓልቲ ብቕንዕና ንመላለስ፡ ብጓይላን መስተን ኣይኰነን፡ ብምንዝርናን ዕብዳንን ኣይኰነን፡ ብባእስን ቅንኣትን ኣይኰነን። ንጐይታ የሱስ ክርስቶስ ደኣ ልበስዎ እምበር፡ ነቲ ሓልዮት ስጋስ መለዓዓል ትምኒት ኣይትግበርዎ።

Translation | Context
ቈሎሴ 3:5 | 2 Helpful votes

ስለዚ ነቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ኣካላትኩም ቅተሉ፡ ምንዝር፡ ርኽሰት፡ ፍትወት ስጋ፡ ክፉእ ትምኒት፡ ስስዔ፡ እዚ ድማ ኣምልኾ ጣኦት እዩ፡

Translation | Context
1ይ ጢሞቴዎስ 5:6 | 2 Helpful votes

እታ ሕንቅቕቲ ግና፡ ብህይወታ ኸላስ ምውቲ እያ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 6:18 | 2 Helpful votes

ካብ ምንዝርና ህደሙ። ሰብ ዚገብሮ ዘበለ ሓጢኣት ካብ ስጋኡ ብወጻኢ እዩ፡ ዚንምዝር ግና ኣብ ገዛእ ስጋኡ እዩ ሓጢኣት ዚገብር።

Translation | Context
ገላትያ 2:20 | 2 Helpful votes

ግናኸ ክርስቶስ እዩ ኣባይ ዚነብር ዘሎ እምበር፡ ደጊም ኣነ ኣይኰንኩን ዝነብር ዘሎኹ። እዚ ሕጂ ብስጋ ዝነብሮ ዘሎኹ ድማ፡ ብእምነት በቲ ዘፍቀረኒ ምእንታይውን ነፍሱ ዘሕለፈለይ ወዲ ኣምላኽ እየ ዝነብር ዘሎኹ።

Translation | Context
ሮሜ 12:1 | 2 Helpful votes

እምብኣርሲ ኣሕዋተየ፡ ንስጋኹም ህያውን ቅዱስን ንኣምላኽ ባህ ዜብልን መስዋእቲ ጌርኩም ከተቕርብዎ፡ ብምሕረት ኣምላኽ እምዕደኩም አሎኹ፡ እዚ ማለት እቲ ናይ ኣእምሮ መንፈሳዊ ኣገልግሎትኩም እዩ።

Translation | Context