Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

18 bible verses about

pleasing god


1ይ ዮሃንስ 3:22 | 10 Helpful votes

ንትእዛዛቱ እንሕሉን ኣብ ቅድሚኡ ባህ ዜብሎ እንገብርን ስለ ዝዀንና፡ ነቲ እንልምኖ ዘበለ ኻብኡ ንቕበል ኢና።

Translation | Context
እብራውያን 13:16 | 7 Helpful votes

ኣምላኽ ነዚ ኸምዚ ዘመሰለ መስዋእቲ ይሰምሮ እዩ እሞ፡ ሰናይ ምግባርን ምምቓልን ኣይትረስዑ።

Translation | Context
እብራውያን 11:6 | 5 Helpful votes

ብዘይ እምነት ግና ንኣምላኽ ኬስምርዎ ኣይከኣልን እዩ። እቲ ናብ ኣምላኽ ኪመጽእ ዚደሊ፡ ንሱ ኸም ዘሎን ነቶም ዚደልይዎ ዓስቢ ኸም ዚህቦምን፡ ኪኣምን ይግብኦ እዩ።

Translation | Context
ሮሜ 8:8 | 4 Helpful votes

እቶም ብስጋ ዘለዉ ንኣምላኽ ኬስምርዎ ኣይኰነሎምን እዩ።

Translation | Context
ሮሜ 12:2 | 4 Helpful votes

እቲ ሰናይን ባህ ዜብልን ምሉእን ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ምእንቲ ኽትምርምሩስ፡ ብምሕዳስ ሓሳብኩም ተለወጡ እምበር፡ ነዛ ዓለም እዚኣ ኣይትምሰልዋ።

Translation | Context
ሮሜ 8:5 | 4 Helpful votes

ስጋውያን ዘበሉ ነቲ ናይ ስጋ እዮም ዚሐስቡ፡ መንፈሳውያን ግና ነቲ ናይ መንፈስ እዮም ዚሐስቡ።

Translation | Context
ምሳሌ 16:7 | 4 Helpful votes

እግዚኣብሄር ብመገዲ ሓደ ሰብ ባህ እንተ በሎ፡ ነቶም ጸላእቱ እኳ ምስኡ ብሰላም የንብሮም።

Translation | Context
ሮሜ 12:1-2 | 3 Helpful votes

እምብኣርሲ ኣሕዋተየ፡ ንስጋኹም ህያውን ቅዱስን ንኣምላኽ ባህ ዜብልን መስዋእቲ ጌርኩም ከተቕርብዎ፡ ብምሕረት ኣምላኽ እምዕደኩም አሎኹ፡ እዚ ማለት እቲ ናይ ኣእምሮ መንፈሳዊ ኣገልግሎትኩም እዩ። እቲ ሰናይን ባህ ዜብልን ምሉእን ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ምእንቲ ኽትምርምሩስ፡ ብምሕዳስ ሓሳብኩም ተለወጡ እምበር፡ ነዛ ዓለም እዚኣ ኣይትምሰልዋ።

Translation | Context
መዝሙር 19:14 | 3 Helpful votes

ዎ እግዚኣብሄር፣ ከውሔይን መድሓንየይን፣ ቃላት ኣፈይን ሓሳባት ልበይን ኣብ ቅድሜኻ ብሁግ ይኹን።

Translation | Context
ማርቆስ 12:33 | 3 Helpful votes

ብምሉእ ልብኻን ብምሉእ ኣእምሮኻን ብዅሉ ሓይልኻን ከተፍቅሮ ንብጻይካውን ከም ነፍስኻ ኸተፍቅሮ፡ እዚ ኻብ ኵሉ ዚሐርር መስዋእትን ካብ መስዋእቲ ሕሩድን ዚዓቢ እዩ፡ በሎ።

Translation | Context
ቈሎሴ 1:9-10 | 3 Helpful votes

ስለዚ ንሕና ኸኣ ካብታ ዝሰማዕናላ መዓልቲ ጀሚርና፡ በቲ ፍልጠት ፍቓዱ ብዅሉ መንፈሳዊ ጥበብን ኣእምሮን ኪመልኣኩም፡ ምእንታኹም ጸሎትን ልማኖን ኣየብኰርናን። ብሰናይ ግብሪ ዘበለ ዅሉ፡ ፍረ እናፈሬኹምን ብፍልጠት ኣምላኽ እናዓቤኹምን ብዅሉ ንእግዚኣብሄር ባህ ከተብሉ ንእኡ ብቑዓት ኴንኩም ክትመላለሱ፡ ንጽሊ አሎና።

Translation | Context
መዝሙር 40:8 | 2 Helpful votes

ሽዑ፣ እኔኹ መጻእኩ፣ ኣብቲ ጥቕሉል መጽሓፍ ስለይ ተጽሒፉ አሎ። ኣምላኸየ፣ ፍቓድካ ንምግባር ባህጊ አሎኒ፣ ሕግኻውን ኣብ ውሽጢ ልበይ እዩ፣ በልኩ።

Translation | Context
ሆሴዕ 6:6 | 2 Helpful votes

ኣነስ ምሕረት እየ ዝፈቱ፣ መስዋእቲ ኣይኰነን፣ ካብ ዚሐርር መስዋእቲ ድማ ፍልጠት ኣምላኽ እፈቱ።

Translation | Context
ዮሃንስ 8:29 | 2 Helpful votes

እቲ ዝለአኸኒ ኸኣ ምሳይ አሎ። ኵሉ ሳዕ ባህ ዜብሎ እገብር እየ እሞ፡ በይነይ ኣይሐድገንን እዩ፡ በሎም።

Translation | Context
ዮሃንስ 5:30 | 2 Helpful votes

ካብ ርእሰይ ገለ ኽገብር ኣይክእልን። ፍቓድ እቲ ዝለአኸኒ እምበር፡ ፍቓደይ ኣይደልን እየ እሞ፡ ኣነ ከማቲ ዝሰማዕክዎ እየ ዝፈርድ፡ ፍርደይ ከኣ ቅኑዕ እዩ።

Translation | Context
1ይ ተሰሎንቄ 2:4 | 2 Helpful votes

እቲ ምዕዶና ኸኣ ነቲ ልብና ዚምርምር ኣምላኽ እምበር፡ ንሰብ ባህ ከም እነብል ኣይኰንናን፡ ከምቲ ንወንጌል እሙናት ክንከውን ብኣምላኽ እተመርመርና፡ ከምኡ ንዛረብ አሎና እምበር፡ ካብ ስሕተት፡ ወይስ ካብ ርኽሰት፡ ወይስ ብተንኰል ኣይኰንናን እሞ፡

Translation | Context
ፊልጲ 2:12-16 | 2 Helpful votes

ደጊም፡ ኣቱም ፍቁራተይ፡ እቲ ምእንቲ ጽቡቕ ፍቓዱ ኢሉ፡ ኣባኻትኩም ድሌትን ግብርን ዚገብርሲ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ከየሎኹ ግዳ እቲ ዚበዝሕ እምበር፡ ከሎኹ ጥራይ ዘይኰነ፡ ከምቲ ዅሉ ሳዕ እተኣዘዝኩም፡ ብፍርሃትን ራዕድን ንምድሓንኩም ፈጽሙ። ንኸንቱ ኸም ዘይጐየኹ ወይስ ንኸንቱ ኸም ዘይጸዓርኩ፡ ነቲ ቓል ህይወት ሒዝኩም በታ መዓልቲ ክርስቶስ ንትምክሕተይ ምእንቲ ኽትኰኑ፡ ኣብ ማእከል እዚ ቔናንን ጠዋይን ወለዶ እዚ መንቅብ ዜብሎምን ግሩሃትን ሕፍቲ ዜብሎም ውሉድ ኣምላኽ ኴንኩም፡ ከም ብርሃናት ኣብ ዓለም እትበርሁ ምእንቲ ኽትኰኑ፡ ንዅሉ ብዘይምጕርምራምን ብዘይውልውልን ግበርዎ።

Translation | Context
1ይ ዜና መዋእል 29:17 | 2 Helpful votes

ኣታ ኣምላኸየ፡ ንስኻ ልቢ ኸም እትፍትን ቅንዕናውን ከም እትፈቱ እፈልጥ አሎኹ። ኣነ ኸኣ እዚ ዂሉ ብቕንዕና ልበይ ብፍታው ኣቕሪበልካ አሎኹ። ሕጂ ድማ እዚ ኣብዚ ዘሎ ህዝብኻ ፈትዩ ኬቕርበልካ ብሓጐስ ርእየ እየ።

Translation | Context