Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

5 bible verses about

planning ahead


ምሳሌ 11:14 | 15 Helpful votes

ጥበበኛ ምምራሕ ኣብ ዜብሉስ፡ ህዝቢ ይወድቕ፡ ብምብዛሕ መኸርቲ ግና ደሓን ይርከብ።

Translation | Context
ሉቃስ 14:28-33 | 14 Helpful votes

ካባኻትኩምከ፡ ምስራሕ ግምቢ ዚደሊ እሞ መሰረት ምስ ሰረተ፡ ምውዳኡ እንተ ሰኣነ፡ ዝረአይዎ ዅሎም፡ እዚ ሰብኣይዚ ምንዳቕ ጀሚሩስ ምውዳኡ ስኢኑ፡ ኢሎም ምእንቲ ኼላግጹሉ ኸይጅምሩ፡ ንመወድኢኡ ዚኣኽሎ ገንዘብ እንተለዎ፡ ቅድም ተቐሚጡ ዘይጽብጽብ፡ እንታዋይ እዩ፧ ወይስ ኣየናይ ንጉስ እዩ፡ ምስ ካልእ ንጉስ ኪዋጋእ ዚኸይድ እሞ ነቲ ብኽልተ እልፊ ዚመጾስ ብእልፊ ኺገጥመሉ ዚኽእል እንተ ዀይኑ፡ ተቐሚጡ ቕድም ዘይመክር፧ እንተ ዘይኰነስ፡ ገና ኻብኡ ርሑቕ ከሎ፡ ልኡኻት ናብኡ ልኢኹ ዕርቂ ይልምኖ። ከምኡ ድማ ነፍሲ ወከፍኩም ዘለዎ ዅሉ ዘይቀበጸ፡ ወደ መዝሙረይ ኪኸውን ኣይክእልን እዩ።

Translation | Context
1ይ ጢሞቴዎስ 5:8 | 10 Helpful votes

ሓደ እኳ ነቶም ናቱ፡ ምናዳ ግና ንስድራ ቤቱ፡ ዘይሐሊ እንተሎ፡ እምነት ዝኸሐደ ካብቲ ዘይኣምንውን ዝገደደ እዩ።

Translation | Context
ማቴዎስ 7:24-27 | 7 Helpful votes

ነዚ ነገረይ ሰሚዑ ዚገብሮ ዅሉ፡ ቤቱ ኣብ ከውሒ ዝሰርሔ ብልሂ ሰብኣይ ይመስል። ዝናም ዘነመ፡ ውሒዝ ወሐዘ፡ ንፋስውን ነፈሰ፡ ነታ ቤት ከኣ ደፍእዋ። ኣብ ከውሒ ተሰሪታ እያ እሞ፡ ኣይወደቐትን። ነዚ ነገረይ ሰሚዑ ዘይገብሮ ዅሉ ኸኣ ቤቱ ኣብ ሑጻ ዝሰርሔ ዓሻ ሰብኣይ ይመስል። ዝናም ዘነመ፡ ውሒዝ ወሐዘ፡ ነፋስውን ነፈሰ፡ ነታ ቤት ደፍእዋ፡ ወደቐት፡ ኣዋዳድቓኣ ድማ ዓብዪ ዀነ።

Translation | Context
ምሳሌ 21:5 | 5 Helpful votes

ሃቐና እቲ ትጉህ ናብ ረብሓ የብጽሕ፡ እቲ ዚህወኽ ዘበለ ግና ስእነት ጥራይ ይህወኽ።

Translation | Context