Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

9 bible verses about

pets


ምሳሌ 12:10 | 18 Helpful votes

ጻድቕ ንነፍሲ እንስሳኡ ይርሕርሓሉ፡ ልቢ ረሲኣን ግና ጨካን እዩ።

Translation | Context
ሉቃስ 12:6 | 13 Helpful votes

ሓሙሽተ ዑፍዶ ንኽልተ ኣሳርዮን ይሽየጣ ኣይኰናን፧ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ካባታተን ሓንቲ እኳ ኣይትርሳዕን እያ።

Translation | Context
መዝሙር 136:25 | 13 Helpful votes

ምሕረቱ ንዘለአለም ይነብር እዩ እሞ፣ እቲ ንዅሉ ስጋ ዚምግብ፣

Translation | Context
መዝሙር 36:6 | 12 Helpful votes

ጽድቅኻ ኸም ኣኽራን ኣምላኽ እዩ፣ ፍርድታትካ ገፊሕ መዓሙቝ እዩ። ጐይታየ፣ ንሰብን እንስሳን ትባልሆም ኢኻ።

Translation | Context
መዝሙር 145:9-10 | 8 Helpful votes

እግዚኣብሄር ንዅሉ ሰናይ እዩ፣ ርሕራሔኡ ኸኣ ኣብ ኵሉ ግብርታቱ እዩ። ዎ እግዚኣብሄር፣ ኵሉ ግብርታትካ ኼማስወካ፣ ቅዱሳንካውን ኪባርኹኻ እዮም።

Translation | Context
ኢሳይያስ 11:6 | 7 Helpful votes

ተዂላ ምስ ዕየት ኪሰፍር፡ ነብሪ ኸኣ ምስ ማሕስእ ኪድቅስ፡ ምራኽን ኲርኲር ኣንበሳን ሰባብሕትን ሐቢሮም ኪውዕሉ፡ ንእሽቶ ወዲውን ኪጓስዮም እዩ።

Translation | Context
2ይ ሳሙኤል 12:1-6 | 5 Helpful votes

እግዚኣብሄር ድማ ንናታን ናብ ዳዊት ለአኾ። ንሱ ኸኣ ናብኡ አትዩ በሎ፡ ኣብ ሓንቲ ኸተማ ኽልተ ሰብኣይ ነበሩ፡ እቲ ሓደ ሃብታም፡ እቲ ሓደ ድማ ድኻ። እቲ ሃብታም ኣዝየን ብዙሓት ኣባጊዕን ኣሓን ነበራኦ። እቲ ድኻ ግና፡ ብጀካ ዝዐደጋ ሓንቲ ንእሽቶ ሽበን፡ ገለ እኳ ኣይነበራኦን። ንሱ ኣዕበያ፡ ምስኡን ምስ ደቁን ከኣ ብሓደ ዐበየት፡ ካብ ቊራሱ ትበልዕ፡ ካብ ዋንጫኡውን ትሰቲ፡ ኣብ ሕቚፉ ድማ ትድቅስ፡ ንእኡ ኸም ጓሉ ነበረት። እቲ ሃብታም ሰብኣይ፡ በዓል መገዲ ምስ መጾ ኸኣ፡ ነቲ ዝመጾ በኦኣል መገዲ ኻብተን ኣባጊዑን ካብተን ኣሓኡን ወሲዱ ኸየዳልወሉስ፡ በቐቐን፡ ነታ ሽበን እቲ ድኻ ወሲዱ ግና ነቲ ዝአተዎ ሰብአይ ኣዳለወሉ። ሽዑ ዂራ ዳዊት ኣብቲ ሰብአይ ኣዝዩ ነደደ፡ ንናታን ከኣ፡ እቲ እዚ ዝገበረ ሰብአይ ወዲ ሞት ከም ዝዀነ፡ ህያው እግዚኣብሄር እዩ፡ እዚ ነገር እዚ ስለ ዝገበረን፡ ድንጋጽዉን ስለ ዘይገበሮን፡ ኣብ ክንዲ እታ ሽበን ኣርባዕተ ገይሩ ይኽሐስ፡ በሎ።

Translation | Context
ዘፍጥረት 1:24-25 | 5 Helpful votes

ኣምላኽ ድማ፥ ምድሪ ህያው ነፍሲ ዘለዎ በብዓይነቱ እንስሳን ለመምታን ኣራዊት ምድርን በብዓይነቱ ተውጽእ፡ በለ። ከምኡውን ኰነ። ኣምላኽ ከኣ ኣራዊት ምድሪ በብዓይነቱን እንስሳ በብዓይነቱን ኵሉ ለመምታ ምድሪ ኸኣ በብዓይነቱ ገበረ። ኣምላኽ ድማ ጽቡቕ ከም ዝዀነ ረአየ።

Translation | Context
ዘፍጥረት 1:26 | 3 Helpful votes

ኣምላኽ ከኣ፥ ብመልክዕና ኸም ምስልና ሰብ ንግበር፡ ንዓሳ ባሕርን ነዕዋፍ ሰማይን ንእንስሳን ንብዘላ ምድርን ኣብ ምድሪ ለመም ንዚብል ኵሉ ለመምታን ይግዝኡ፡ በለ።

Translation | Context