Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

16 bible verses about

persistence


ገላትያ 6:9 | 14 Helpful votes

እንተ ዘይተጸልኣናስ፡ ብጊዜኡ ክንዓጽድ ኢና እሞ፡ ንሰናይ ግብሪ ኣይንሰልኪ።

Translation | Context
ሉቃስ 11:9-10 | 13 Helpful votes

ኣነ ኸኣ፡ ዚልምን ዘበለ ይቕበል፡ ዚደሊ ይረክብ፡ ማዕጾ ዃህዃሕ ንዘበለውን ይኽፈተሉ እዩ እሞ፡ ለምኑ ኺውሃበኩም፡ ድለዩ ኽትረኽቡ ኢኹም፡ ማዕጾውን ኳሕኳሕ ኣብሉ፡ ኪኽፈተልኩም እዩ እብለኩም አሎኹ

Translation | Context
ሉቃስ 18:1-8 | 9 Helpful votes

ከይቀበጹ ዅሉ ሳዕ ኪጽልዩ ኸም ዚግብኦም ድማ፡ ብምስላ ተዛረቦም፡ ከምዚ ኡሉ፡ ኣብ ሓንቲ ኸተማ፡ ንኣምላኽ ዘይፈርህ ንሰብ ድማ ዘይሐፍር ፈራዲ ነበረ። ኣብታ ኸተማ እቲኣ ድማ መበለት ነበረት፡ ናብኡ እናመጸት ከኣ፡ ምስ እዚ መባእስተይ ፍትሒ ኣውጽኣለይ፡ ትብሎ ነበረት። እናኣበያ ኸኣ ሓያሎ መዓልቲ ኣደንጐያ። ድሕርቲ ግና ብልቡ፥ ኣምላኽ እንተ ዘይፈራህኩ ሰብውን እንተ ዘይሐፈርኩ፡ እዛ መበለት እዚኣ ላሕ ኣቢላትኒ እያ እሞ፡ መመሊሳ እናመጸት ከይተሰልክየንስ፡ ፍትሒ ደኣ ኸውጽኣላ፡ በለ። ጐይታ በለ፥ እዚ ዓመጸኛ ፈራዲ ዚብሎ ዘሎ ስምዑ። ኣምላኽዶ ግዳ ነቶም ለይትን መዓልትን ናብኡ ዚጠርዑ ሕሩያቱ ፍትሒ ኣየውጽአሎምን እዩ፧ ይጽመሞዶኸ፧ ቀልጢፉ ፍትሒ ኸም ዜውጽአሎም፡ እብለኩም አሎኹ። ወዲ ሰብ ምስ ዚመጽእ ግና፡ እንድዒ እምነት ደዀን ኣብ ምድሪ ኺረክብ እዩ፧

Translation | Context
ምሳሌ 24:16 | 7 Helpful votes

እቲ ጻድቕ ሾብዓተ ሳዕ ይወድቕ እሞ ይትንስእ፡ ረሲኣን ግና ናብ መከራ ይጸድፉ።

Translation | Context
2ይ ተሰሎንቄ 3:13 | 5 Helpful votes

ኣቱም ኣሕዋትና፡ ንስኻትኩም ግና ሰናይ ንምግባር ኣይትሰልክዩ።

Translation | Context
ሉቃስ 11:5-10 | 5 Helpful votes

በሎም ድማ፥ መን እዩ ካባኻትኩም ዓርኪ ዘለዎ፡ ፈረቃ ለይቲ ናብኡ ኸይዱ፥ ዓርከይ፡ ፈታዊ ካብ መገዲ መጺኡንስ፡ ዝቕርበሉ ስኢነ እሞ፡ ሰለስተ እንጌራ ኣለቅሓኒ፡ እንተ በሎ፡ እቲ ኸኣ ካብ ውሽጢ መሊሱ፡ ኣይተድክመኒ፡ ሕጂ ማዕጾ ተሸጕሩ፡ ደቀይ ከኣ ምሳይ ኣብ ዓራት እዮም ዘለዉ፡ ተንሲኤ ኽህበካ ኣይዀነለይን፡ ይብሎ። ዓርኩ ስለ ዝዀነ ኺህቦ እኳ እንተ ዘይተንስኤ፡ ምእንቲ ድቃስ ከይኸልኦ ኢሉ ይትንስእ እሞ ዝደለዮ ይህቦ፡ እብለኩም አሎኹ። ኣነ ኸኣ፡ ዚልምን ዘበለ ይቕበል፡ ዚደሊ ይረክብ፡ ማዕጾ ዃህዃሕ ንዘበለውን ይኽፈተሉ እዩ እሞ፡ ለምኑ ኺውሃበኩም፡ ድለዩ ኽትረኽቡ ኢኹም፡ ማዕጾውን ኳሕኳሕ ኣብሉ፡ ኪኽፈተልኩም እዩ እብለኩም አሎኹ

Translation | Context
እብራውያን 12:1-2 | 4 Helpful votes

ምእንትዚ ንሕና ድማ ብኽንድዚ ዚኣክል ደበና ምስክር ተኸቢብና ኸሎና፡ ንዅሉ ዚኸብደናን ነቲ ዚጠብቀናን ሓጢኣትን ነርሕቕ፡ በቲ ኣብ ቅድሜና ተሐንጺጹልና ዘሎ መቀዳደሚ ኸኣ ብትዕግስቲ ንጕየ። ናብቲ፡ ሕፍረት ንዒቑ፡ ስለቲ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ሓጐስ ኢሉ መስቀል እተዓገሰ ኣብ የማን ኣምላኽ እተቐመጠን ጀማር እምነትናን ደምዳሚኣን የሱስ ንጠምት።

Translation | Context
ያእቆብ 1:1-27 | 3 Helpful votes

ያእቆብ ናይ ኣምላኽን ናይ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ባርያ ነቶም ፋሕ ኢሎም ዘለዉ ዓሰርተው ክልተ ነገድ ሰላም ይብሎም አሎ። ኣሕዋተየ፡ በበይኑ ዝዀነ ፈተና እንተ በጽሓኩም፡ ንዅሉ ኸም ሓጐስ ቍጸርዎ። እቲ ምፍታን እምነትኩም ትዕግስቲ ኸም ዚገብር ፈሊጥኩምሲ፡ ብሓንቲ እኳ ኸይጐደልኩም ፍጹማትን ምሉኣትን ምእንቲ ኽትኰኑ፡ እታ ትዕግስቲ ፍጹም ግብሪ ይሀልዋ። ሓደ ኻባኻትኩም ጥበብ እንተ ጐደለቶ ግና፡ ነቲ ኸየስተሐፈረ ንዅሉ ብልግሲ ዚህብ ኣምላኽ ይለምኖ፡ ኪውሀቦውን እዩ። እቲ ዚጣራጠርሲ ኸምቲ ንፋስ ዚደፍኦን ዚመልሶን ማዕበል ባሕሪ እዩ ዚመስል እሞ፡ ከይተጣራጠረ ደኣ ብእምነት ይለምን። ክልተ ዝልቡ ሰብኣይ ብዅሉ መገዱ ጽኑዕ ኣይኰነን እሞ፡ እቲ ኸምዚ ዘመሰለ ሰብ ካብ ጐይታ ገለ ዚቕበል ኣይምሰሎ። እቲ ለጠቕ ዝበለ ሓው ግና ልዕል ብምባሉ ይመካሕ። እቲ ሃብታምውን፡ ከም ዕምባባ ሳዕሪ ኺሐልፍ እዩ እሞ፡ ብውርደቱ ይመካሕ። ጸሓይ ምስ ዋዒኣ ትወጽእ እሞ፡ ነቲ ሳዕሪ ተንቅጾ፡ እቲ ዕምባባኡ ኸኣ ይረግፍ፡ ደመት ትርኢቱ ድማ ይጠፍእ፡ ከምኡውን እቲ ሃብታም ብመገዱ ኺሐርር እዩ። ተፈቲኑ ምስ ወጸ፡ ነቲ እግዚኣብሄር ነቶም ዜፍቅርዎ ዘተስፈዎም ኣኽሊል ህይወት ኪቕበል እዩ እሞ፡ እቲ ብፈተና ዚዕገስ ሰብኣይ ብጹእ እዩ። ኣምላኽሲ ብእኩይ ኣይፍተንን ባዕሉውን ንሓደ እኳ ኣይፍትንን እዩ እሞ፡ ሓደ እኳ ምስ ተፈተነ፡ ኣምላኽ ፈቲኑኒ ኣይበል። ነፍሲ ወከፍ ግና ብገዛእ ትምኒቱ ተስሒቡን ተሐቢሉን እዩ ዚፍተን። ደሓር፡ ትምኒት ምስ ጠነሰት፡ ንሓጢኣት ትወልዶ፡ ሓጢኣት ምስ ተፈጸመ ድማ፡ ንሞት ይወልዶ። ኣቱም ፍቁራት ኣሕዋተይ፡ ኣይትስሐቱ። ጽቡቕ ውህበትን ምሉእ ውህበትን ካብ ላዕሊ እዩ፡ ካብቲ ለውጢ ወይስ ምምልላስ ጽላሎት ዜብሉ ኣቦ ብርሃናት እዩ ዚወርድ። በዅሪ ፍጥረቱ ምእንቲ ኽንከውን ኢሉ እዩ ኸም ፍቓዱ ብቓል ሓቂ ዝወለደና። ፍቁራት ኣሕዋተየ፡ እዚ ትፈልጡ ኢኹም። ኵራ ሰብኣይሲ ጽድቂ ኣምላኽ ኣይገብርን እዩ፡ ስለዚ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ንምስማዕ ቅልጡፍ፡ ንምዝራብ ደንጓዪ፡ ንዂራ ደንጓዪ ይኹን። ስለዚ ንርኽሰት ዘበለን ብዝሒ ኽፍኣትን ኣርሕቑ፡ ነቲ ንነፍስኹም ኬድሕና ዚከኣሎ ትኹል ቃልውን ብገርህነት ተቐበልዎ። ገበርቲ ቓል ኩኑ፡ ርእስኹም እናጠበርኩም ሰማዕቲ ጥራይ ኣይትኹኑ። ሓደ እኳ ሰማዕ ቃል ኰይኑ ገባሪ እንተ ዘይኰነ፡ ንሱ ነቲ ንገጽ ፍጥረቱ ብመስትያት ዚርኢ ሰብኣይ እዩ ዚመስል። ነፍሱ ይርኢ እሞ፡ ይኸይድ ብኡብኡውን ከመይ ምዃኑ ይርስዕ። እቲ ኣብቲ ምሉእ ሕጊ፡ ንሱ ድማ ሕጊ ሓርነት፡ ኣጸቢቑ ዚጥምትን ዚጸንዕን፡ ግብሪ ዚገብር እምበር፡ ዘይርስዕ ሰማዒ ግና፡ እዚ ብግብሩ ብጹእ ኪኸውን እዩ። ሓደ እኳ፡ ንልቡ ደኣ ዜስሕቶ እምበር፡ ልሳኑ ዘይለጕም እንተሎ፡ ንኣምላኽ ዜምልኽ ከም ዘሎ እንተ መሰሎ፡ ኣምልኾኡ ኸንቱ እዩ። ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ኣቦን ንጹህን ርኽሰት ዜብሉን ኣምልኾ እዚ እዩ፡ ርእስኻ ኻብ ርኽሰት ዓለም እናሐሎኻ፡ ንዘኽታማትን መበለታትን ኣብ መከራኦምን ጸበባኦምን ምብጻሕ እዩ።

Translation | Context
ፊልጲ 3:14 | 3 Helpful votes

ናብቲ ሕንጹጽ ዕላማ ኣቢለ፡ ናብቲ ዓስቢ ዓወት ናይ ላዕሊ ጽውዓ ኣምላኽ ብክርስቶስ የሱስ እጐዪ አሎኹ።

Translation | Context
ራእይ 2:10 | 3 Helpful votes

እንሆ፡ ምእንቲ ኽትፍተኑስ ድያብሎስ ንገሌኻትኩም ናብ ቤት ማእሰርቲ ኺድርብዮም እዩ፡ ዓሰርተ መዓልቲውን ጸበባ ኺረኽበኩም እዩ እሞ፡ ነቲ ዚመጸካ መከራ ኣይትፍርሀዮ። ክሳዕ ሞት እሙን ኩን፡ ኣነውን ኣኽሊል ህይወት ክህበካ እየ።

Translation | Context
1ይ ተሰሎንቄ 5:17 | 3 Helpful votes

ከየባተኽኩም ጸልዩ።

Translation | Context
ፊልጲ 1:6 | 2 Helpful votes

እቲ ኣባኻትኩም ሰናይ ግብሪ ዝጀመረ ኸኣ፡ ንሱ ኽሳዕ እታ መዓልቲ የሱስ ክርስቶስ ከም ዚፍጽሞ፡ እዚ ተረዲኤዮ አሎኹ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 15:58 | 2 Helpful votes

ስለዚ፡ ፍቁራት ኣሕዋተየ፡ ጻዕርኹም ብጐይታ ኸንቱ ኸም ዘይኰነ ፈሊጥኩም፡ ብዕዮ ጐይታ ጽኑዓት፡ ዘይትናቓነቑ፡ ኲሉ ጊዜ ዕዙዛት ኩኑ።

Translation | Context
እብራውያን 11:6 | 2 Helpful votes

ብዘይ እምነት ግና ንኣምላኽ ኬስምርዎ ኣይከኣልን እዩ። እቲ ናብ ኣምላኽ ኪመጽእ ዚደሊ፡ ንሱ ኸም ዘሎን ነቶም ዚደልይዎ ዓስቢ ኸም ዚህቦምን፡ ኪኣምን ይግብኦ እዩ።

Translation | Context
1ይ ዮሃንስ 5:15 | 2 Helpful votes

ነቲ ዝለመንናዮ ዘበለ ኸም ዚሰምዓና ኻብ እንፈልጥ ድማ፡ እቲ ካብኡ ዝለመንናዮ ልማኖ ድሮ ኸም ዝረኸብናዮ፡ ንፈልጥ ኢና።

Translation | Context
ዮሃንስ 14:26 | 2 Helpful votes

እቲ ኣቦይ ብስመይ ዚሰዶ መጸናንዒ፡ መንፈስ ቅዱስ፡ ንሱ ዅሉ ኺምህረኩም፡ ዝነገርኩኹም ዘበለውን ኬዘክረኩም እዩ።

Translation | Context