Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

19 bible verses about

paying tithes


2ይ ቈረንቶስ 9:6-7 | 10 Helpful votes

ግናኸ እዚ እብል አሎኹ፡ እቲ ቈጢቡ ዚዘርእ ቈጢቡ ይዓጽድ፡ እቲ ብበረኸት ዚዘርእ ግና ብበረኸት እዩ ዚዓጽድ። ኣምላኽ ሕጕስ ወሃቢ እዩ ዚፈቱ እሞ፡ ነፍሲ ወከፍ ብጓሂ ወይስ ብግዲ ዘይኰነስ፡ ከምቲ ብልቡ ዝሕለኖ ይሃብ፡

Translation | Context
ሚልክያስ 3:10 | 9 Helpful votes

ኣብ ቤተት ምግቢ ኪኸውንሲ፣ ዕሽር ዘበለ ዅሉ ናብ ቤት መዝገብ ኣምጽእዎ፣ ሽዑ መሳዅቲ ሰማይ እንተ ዘይከፊተልኩም፣ በረኸት ድማ ብዘይ ልክዕ እንተ ዘየፍሲሰልኩም፣ በዚ ተዐዘቡኒ፣ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።

Translation | Context
ሚልክያስ 3:8 | 7 Helpful votes

ሰብዶ ንኣምላኽ ኪሰርቆ ይዀነሉ እዩ፧ ንስኻትኩም ግና ሰሪቕኩምኒ። ብምንታይ እሞ ኢና ዝሰረቕናካ፧ ከኣ ትብሉ። ብዕሽርን ብመባእን ኢኹም።

Translation | Context
2ይ ቈረንቶስ 9:7 | 6 Helpful votes

ኣምላኽ ሕጕስ ወሃቢ እዩ ዚፈቱ እሞ፡ ነፍሲ ወከፍ ብጓሂ ወይስ ብግዲ ዘይኰነስ፡ ከምቲ ብልቡ ዝሕለኖ ይሃብ፡

Translation | Context
ሉቃስ 11:42 | 5 Helpful votes

ኣቱም ፈሪሳውያን፡ ካብ ሽላንን ጨና ኣዳምን ኵሉ ኣሕምልትን ዕሽር እተውጽኡ፡ ፍትሕን ፍቕሪ ኣምላኽን ግና ሸለል እትብሉ ኢኹም እሞ፡ ወይለኹም። እቲ ኸይሐደግኩምሲ እዚውን ክትገብሩ ይግብኣኩም ነይሩ።

Translation | Context
ምሳሌ 3:9 | 5 Helpful votes

ብጥሪትካን ብዅሉ በዅሪ ፍርያትካን፡ ንእግዚኣብሄር ኣኽብሮ።

Translation | Context
ሚልክያስ 3:8-10 | 5 Helpful votes

ሰብዶ ንኣምላኽ ኪሰርቆ ይዀነሉ እዩ፧ ንስኻትኩም ግና ሰሪቕኩምኒ። ብምንታይ እሞ ኢና ዝሰረቕናካ፧ ከኣ ትብሉ። ብዕሽርን ብመባእን ኢኹም። ንስኻትኩም፣ ህዝቢ ብምሏትኩም ሰሪቕኩምኒ ኢኹም እሞ፣ ብመርገም ተረገምኩም። ኣብ ቤተት ምግቢ ኪኸውንሲ፣ ዕሽር ዘበለ ዅሉ ናብ ቤት መዝገብ ኣምጽእዎ፣ ሽዑ መሳዅቲ ሰማይ እንተ ዘይከፊተልኩም፣ በረኸት ድማ ብዘይ ልክዕ እንተ ዘየፍሲሰልኩም፣ በዚ ተዐዘቡኒ፣ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።

Translation | Context
ማቴዎስ 6:1-4 | 5 Helpful votes

ጽድቅኹም፡ ኣብ ቅድሚ ሰብ ምእንቲ ኽትርአዩ፡ ከይትገብሩ ተጠንቀቑ። እንተ ዘይኰነስ፡ ኣብቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦኹም ዓስቢ የብልኩምን። እምብኣርከ ንስኻ ኽትምጽውት ከሎኻ፡ ከምቲ እቶም ግቡዛት፡ ብሰብ ምእንቲ ኺንአዱ፡ ኣብ ኣባይቲ ጸሎትን ኣብ ኣደባባያትን ዚገብርዎ፡ ኣብ ቅድሜኻ መለኸት ኣይተንፍሕ። ዓስቦም ከም ዝወሰዱ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ። ንስኻስ፡ ምጽዋትካ ብሕቡእ ኪኸውን፡ እቲ ብሕቡእ ዚርኢ ኣቦኻ ድማ ብግህዶ ኪኽሕሰካ፡ ክትምጽውት ከሎኻ የማነይትኻ እትገብሮ፡ ጸጋመይትኻ ኣይትፍለጦ።

Translation | Context
ዘፍጥረት 14:20 | 5 Helpful votes

እቲ ንጸላእትኻ ኣብ ኢድካ ኣሕሊፉ ዝሀበካ ልዑል ኣምላኽ ከኣ ብሩኽ ይኹን፡ ኢሉ ባረኾ። ኣብራም ድማ ካብ ኵሉ ዕሽር ሀቦ።

Translation | Context
እብራውያን 7:1-9 | 4 Helpful votes

እዚ መልከጼዴቅሲ፡ ንጉስ ሳሌም፡ ካህን ልዑል ኣምላኽ፡ ንኣብርሃም፡ ነቶም ነገስታት ስዒሩ ኺምለስ ከሎ፡ እተቐበሎ እሞ ዝባረኾ፡ ኣብርሃም ድማ ካብ ኵሉ ዕሽር ዝመቐሎ፡ ቀዳማይ ትርጕም ስሙ፡ ንጉስ ጽድቂ፡ ደሓር ከኣ፡ ንጉስ ሳሌም፡ ማለት ንጉስ ሰላም እዩ። ብዘይ ኣቦ፡ ብዘይ ኣደ፡ ብዘይ ቍጽሪ ወለዶ፡ መጀመርታ መዓልትታት ወይስ መወዳእታ ህይወት ዜብሉ፡ ግናኸ ንወዲ ኣምላኽ ተመሲሉ ንሓዋሩ ካህን ኰይኑ ይነብር አሎ። ኣብርሃም፡ እቲ ርእሲ ኣቦታት፡ ካብቲ ማል ዘመተ በብሉጹስ ዕሽር ዝሃቦ፡ ንሱ ኽንደይ ዓብዪ ምዃኑ፡ እስኪ ርኣዩ። ካብ ደቂ ሌዊ ድማ እቶም ክህነት ዚቕበሉ፡ ካብቲ ህዝቢ፡ ማለት ካብ ሕቘ ኣብርሃም እኳ ዝወጹ ኣሕዋቶም ክነሶምሲ፡ ዕሽር ኪወስዱ ብሕጊ ትእዛዝ አለዎም። እዚ ግና ካብ ዘይወለዶኦም ክነሱስ፡ ካብ ኣብርሃም ዕሽር ወሰደ፡ ነቲ ተስፋ ረኺቡ ዘሎውን መረቖ። ብዘይ ገለ ውልውል ድማ እቲ ዚንእስ በቲ ዚዓብዮ ይምረቕ እዩ። ኣብዝስ መወትቲ ሰብ ዕሽር ይወስዱ፡ ኣብቲ ግና እቲ ህያው ምዃኑ እተመስከረሉ እዩ ዕሽር ዚወስድ። እዚ ምባለይ ከኣ ከምዚ እዩ፡ ሌዊ፡ እቲ ተቐባል ዕሽር እኳ፡ ብኣብርሃም ገይሩ ዕሽር ሃበ፡

Translation | Context
ሉቃስ 18:12 | 3 Helpful votes

እቲ ፈሪሳዊ ደው ኢሉ ብልቡ፥ ዎ ኣምላኽ፡ ኣብ ሰሰሙን ክልተ መዓልቲ እጸውም፡ ካብ ኵሉ ገንዘበይ ከኣ ዕሽር ኤውጽእ፡ ከምቶም ካልኦት ሰባት፡ ከተርቲ፡ ዓመጽቲ፡ ዘመውቲ፡ ወይ ከምዚ ተጋዊ እዚ ስለ ዘይኰንኩ፡ ኤምስግነካ አሎኹ፡ ኢሉ ጸለየ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 16:1-2 | 3 Helpful votes

ብዛዕባ እቲ ነቶም ቅዱሳን ኪኸውን ዚዋጻእ ገንዘብ ግና፡ ከምቲ ንማሕበር ገላትያ ዝሰራዕክዎ፡ ንስኻትኩምውን ከምኡ ግበሩ። ኣነ ምስ መጻእኩ፡ ምውጻእ ገንዘብ ሽዑ ምእንቲ ኸይከውን፡ ኣብ ሰሰሙን በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ነፍሲ ወከፍኩም ከከም ዓቕሙ ኣዋህሊሉ ምስኡ የቐምጥ።

Translation | Context
ዘዳግም 14:22-29 | 3 Helpful votes

ካብቲ በብዓመት ካብ ግራትካ ዝወጸ ዅሉ እቶት ዘርእኻ ዕሽር ኣውጽእ። ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ምፍራህ ወርትግ ምእንቲ ኽትምሃርሲ፡ ነቲ ዕሽር ስርናካን ወይንኻን ዘይትኻን በዅሪ ኣሓኻን ኣባጊዕካን ኣብታ ንማሕደር ስሙ ዝሐረያ ቦታ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብልዓዮ። እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ምስ ዚባርኸካ፡ እታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ስሙ ኼንብረላ ዝሐረያ ቦታ እንተ ረሐቐትካ እሞ መገዲ ስለ ዝነውሓካ፡ ናብኣ ኸተምጽኦ እንተ ዘይተኻእለካ፡ ንገንዘብ ሽጦ፡ እቲ ገንዘብ ኣብ ኢድካ ሒዝካ ኸኣ፡ ናብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝሐረያ ቦታ ኺድ። በቲ ገንዘብ እቲ ነፍስኻ ዝፈተወቶ፡ ላምን በጊዕን ወይንን ዜስክር መስተን ወይ ነፍስካ ዝደለየቶ ዅሉ ትዕድግ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ድማ ኣብኡ ትበልዖ፡ ንስኻን ስድራ ቤትካን ከኣ ትሕጐሱ። ነቲ ኣብ ውሽጢ ደጌኻ ዘሎ ሌዋዊ ድማ፡ ምሳኻ ግደን ርስትን የብሉን እሞ፡ ኣይትሕደጎ። ኣብ መወዳእታ ሰሳልሰይቲ ዓመት ካብ ኵሉ ናይ እታ ዓመት እቲኣ እቶትካ ዕሽር ኣውጺእካ፡ ኣብ ውሽጢ ደጌታትካ ኣክቦ። እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብዅሉ እትገብሮ ግብሪ ኢድካ ምእንቲ ኺባርኸካስ፡ እቲ ምሳኻ ግደን ርስትን ዜብሉ ሌዋውን እቶም ኣብ ውሽጢ ደጌኻ ዘለዉ ስደተኛን ዘኽታምን መበለትን ይምጽኡ እሞ ይብልዑን ይጽገቡን።

Translation | Context
ዘሌዋውያን 27:30-34 | 2 Helpful votes

ኲሉ ዕሽር ምድሪ ድማ፡ ካብ ዘርኢ ምድሪ ዀነ፡ ካብ ፍረ ኦም ኰነ፡ ንሱ ናይ እግዚኣብሄር እዩ፡ ንእግዚኣብሄር እተቐደሰ እዩ። ሰብ ካብቲ ዕሽሩ ኺብጆ እንተ ደለየ፡ ኣብ ልዕሊኡ ሕምሻኡ ይወስኸሉ። ዕሽር ኲሉ ኣሓን ጤለ በጊዕን፡ ዕሽር እቲ ብትሕቲ በትሪ ዚሐልፍ ኲሉ፡ ንእግዚኣብሄር እተቐደሰ ይኹን። ጽቡቕ ምዃኑ ወይ ክፉእ ኣይመርምር ኣይለውጥ ድማ፡ እንተ ለወጠ ግና፡ ንሱን እቲ መላውጡን ቅዱሳት ይኹኑ፡ ኣይበጀዎ ኸኣ። እቲ እግዚብሄር ንደቂ እስራኤል ኢሉ ኣብ ከረን ሲና ንሙሴ ዝአዘዞ ትእዛዛት እዚ እዩ።

Translation | Context
ሉቃስ 14:12-14 | 2 Helpful votes

ነቲ ዝጸውዖ ሰብኣይ ድማ፥ ምሳሕ ወይስ ድራር እንተ ገበርካ፡ ንሳቶም ድማ ምናልባሽ መሊሶም ከይጽውዑኻ እሞ፡ ምፍዳይ ለቕሓ ኸይኰነካስ፡ ኣዕሩኽካ ዀነ ወይ ኣሕዋትካ፡ ወይ ኣዝማድካ፡ ወይ ሃብታማት ጐረባብትኻ ኣይትጸውዕ። ምሳሕ እንተ ገበርካስ፡ ድኻታትን ቈራያትን ሓንካሳትን ዕዉራትን ደኣ ጸውዕ። ዚፈድዩኻ የብሎምን እሞ ብጹእ ክትከውን፡ ብትንሳኤ ጻድቃንውን ክትፍደ ኢኻ፡ በሎ።

Translation | Context
ማቴዎስ 23:23 | 2 Helpful votes

ኣቱም ግቡዛት ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን፡ ካብ ጨና ኣዳም፡ ካብ ሽላን፡ ካብ ካሙን ዕሽር ተውጽኡ፡ እቲ ኣብ ሕጊ ዘሎ ኣውራ ነገር፡ ፍርዲ፡ ምሕረት፡ እምነት ግና ትሐድጉ አሎኹም እሞ፡ ወይለኹም። እዚ ምግባር እቲውን ዘይምግሕዳግ ይግባእ።

Translation | Context
ዘዳግም 26:12 | 2 Helpful votes

በታ ሳልሰይቲ ዓመት፡ ዓመት ዕሽር፡ ዕሽር ኵሉ እቶትካ ኣውጺእካ ምስ ፈጸምካ፡ ኣብ ውሽጢ ደጌታትካ በሊዖም ኪጸግቡስ፡ ንሌዋውን ንስደተኛን ንዘኽታምን ንመበለትን ሀቦም።

Translation | Context
ዘሌዋውያን 27:30 | 2 Helpful votes

ኲሉ ዕሽር ምድሪ ድማ፡ ካብ ዘርኢ ምድሪ ዀነ፡ ካብ ፍረ ኦም ኰነ፡ ንሱ ናይ እግዚኣብሄር እዩ፡ ንእግዚኣብሄር እተቐደሰ እዩ።

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 4:32-35 | 2 Helpful votes

እቶም ዝአመኑ ዂላቶም ሓንቲ ልብን ሓንቲ ነፍስን ነበሩ፡ ብዂሉ ብርኪ ነበሩ እምበር፡ ሓደ እኳ ኻብ ገንዘቡ፡ እዚ ናተይ እዩ፡ ዚብል ኣይነበሮምን። ሃዋርያት ከኣ ብብዙሕ ሓይሊ ብዛዕባ ትንሳኤ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ይምስክሩ ነበሩ፡ ኣብ ኲሎም ከኣ ዓብዪ ጸጋ ነበረ። ኲላቶም መሬት ወይስ ኣባይቲ ዘለዎም ዘበለ ሸይጦም፡ ንዋጋ እቲ እተሸጠ የምጽእዎ ነበሩ እሞ፡ ኣብ ጥቓ እግሪ ሃዋርያት የንብርዎ፡ ንነፍሲ ወከፍ ከኣ ከከም ዜድልዮ ይመቕልዎ ነበሩ፡ ስለዚ ሓደ ሽጉር እኳ ኣይነበሮምን።

Translation | Context