Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

18 bible verses about

paying the pastor


ገላትያ 6:6 | 15 Helpful votes

እቲ ቓል ዚምሀር ግና ነቲ ዚምህሮ ኻብ ጽቡቕ ነገር ዘበለ የማቕሎ።

Translation | Context
1ይ ጢሞቴዎስ 5:17-18 | 15 Helpful votes

እቲ ጽሑፍ፡ ኣፍ እቲ ዜኽይድ ብዕራይ ኣይትእሰር፡ ድማ፥ ንዓያዪ ውዕለቱ ይግብኦ እዩ፡ ይብል እዩ እሞ፡ ነቶም ጽቡቕ ዜገልግሉ ሽማግሌታት፡ ምናዳ ነቶም ብቓልን ብምህሮን ዚጽዕሩ፡ ዕጽፊ ኽብሪ ይግብኦም እዩ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 9:9-14 | 10 Helpful votes

ኣፍ እቲ ዜኽይድ ብዕራይ ኣይትእሰር፡ ዚብል ኣብ ሕጊ ሙሴ ጽሑፍ አሎ እሞ፡ ኣምላኽዶ ብዛዕባ ኣብዑር ሐልዩ እዩ፧ ወይስ ብሱሩ ምእንታናዶ ኣይኰነን ዚብሎ ዘሎ፧ እቲ ዚሐርስ ብተስፋ ኺሐርስ፡ እቲ ዜኽይድ ከኣ ግዲኡ ኺረክብ ብተስፋ ኬኽይድ ዚግብኦ ስለ ዝዀነ፡ ምእንታና እዩ እዚ ተጽሒፉ ዘሎ። ንሕና ንኣኻትኩም እቲ ናይ መንፈስ ካብ እንዘርኣልኩምከ፡ ነቲ ናይ ስጋኹም እንተ ዓጸድናዮዶ በዚሑና እዩ፧ ካልኦት ካብዚ መሰል እዚ ኣባኻትኩም ተማቐልቲ ኻብ ዚዀኑስ፡ ንሕናዶ ግዳ ዚዓዝዝ ኣየሎናን፧ ንሕና ግና ንወንጌል ክርስቶስ መዕገቲ ምእንቲ ኸይንገብርሲ፡ ንዂሉ ንዕገስ እምበር፡ ነዚ መሰል እዚ ኣይወሰድናዮን፡ እቶም ቅዱስ ኣገልግሎት ዜገልግሉ ኻብቲ ናይ ቤተ መቕደስ ከም ዚምገቡ፡ እቶም ኣብ መሰውኢ ዜገልግሉውን ምስቲ መሰውኢ ኸም ዚካፈሉዶ፡ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ከምኡ ድማ ጐይታ ነቶም ወንጌል ዚሰብኩ ብወንጌል ኪምገቡ ሰሪዑሎም አሎ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 9:14 | 10 Helpful votes

ከምኡ ድማ ጐይታ ነቶም ወንጌል ዚሰብኩ ብወንጌል ኪምገቡ ሰሪዑሎም አሎ።

Translation | Context
2ይ ተሰሎንቄ 3:7-10 | 8 Helpful votes

ኣብ ሓዴኹም እኳ ኸይነኽብድሲ፡ ለይትን መዓልትን ብጻዕርን ድኻምን እናዓየና እምበር፡ ካብ ሓደ እኳ ብኸምኡ እንጌራ ኣይበላዕናን፡ ኣባኻትኩም ብዘይ ስርዓት ኣይተመላለስናን እሞ፡ ከመይ ኢልኩም ክትመስሉና ኸም ዚግብኣኩም፡ ባዕላትኩም ትፈልጡ ኢኹም። ምሳኻትኩም ከሎናውን፡ ገለ ሰብ ኪዓዪ ዘይፈቱ እንተ ዀይኑስ ኣይብላዕውን፡ ኢልና ኣዘዝናኩም እሞ፡ ንኣና ምእንቲ ኽትመስሉ ደኣ፡ ንርእስና ኣርኣያ ጌርና ሃብናኩም እምበር፡ መሰል ስለ ዜብልና ኣይኰንናን።

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 20:33-35 | 6 Helpful votes

ብሩር ኰነ ወይ ወርቂ ወይ ክዳን ካብ ሓደ እኳ ኣይደሌኹን። ንኣይን ነቶም ምሳይ ዚነብሩን እዘን ኣእዳወይ ከም ዘገልግላ ባዕላትኩም ትፈልጡ ኢኹም። ነቲ ጐይታና የሱስ ባዕሉ፡ ካብ ምቕባልሲ ምሃብ ኣዝዩ ይባርኽ፡ ዝበሎ ቓል እናዘከርካ፡ ከምዚ ጌርካ፡ ምዕያይን ንድኹማት ምእላይን ከም ዚግባእ፡ ብዂሉ ኣርኤኹኹም።

Translation | Context
ሉቃስ 10:7 | 5 Helpful votes

ኣብታ ቤት ከኣ ንበሩ፡ ንዓያዪ ዓስቡ ይግብኦ እዩ እሞ፡ ኣባታቶም ካብ ዘሎ ብልዑን ስተዩን። ካብ ቤት ናብ ቤት ኣይትሕለፉ።

Translation | Context
1ይ ተሰሎንቄ 5:12-13 | 4 Helpful votes

ግናኸ፡ ኣቱም ኣሕዋትና፡ ነቶም ኣባኻትኩም ዚጽዕሩን ብጐይታውን ዚመርሑኹምን ዚምዕዱኹምን ክትፈልጥዎም፡ ንልምነኩም አሎና። ስለቲ ዕዮኦም ብብዙሕ ብሉጽ ፍቕሪ ኣኽብርዎም። ንሓድሕድኩምውን ብሰላም ንበሩ።

Translation | Context
ፊልጲ 4:16-19 | 3 Helpful votes

ኣብ ተሰሎንቄውን ሓደ ጊዜን ካልኣይ ጊዜን ዜድልየኒ ሰዲድኩምለይ። ኣነስ እቲ ፍረ ንኣኻትኩም ኪበዝሓልኩም ኢለ እየ እምበር፡ ውህበትኩም ደልየ ኣይኰንኩን። ሕጂ ግና ኵሉ አሎኒ፡ ምስ ትርፉውን አሎኒ። እቲ ካባኻትኩም ብኢድ ኤጳፍሮዲጦስ ዝመጸ ምዑዝ ሽታ፡ ስሙር ንኣምላኽ ዜሐጕስ መስዋእቲ፡ ምስ ተቐበልኩ ድማ፡ መሊኤ አሎኹ። ኣምላኸይ ከኣ፡ ከምቲ መጠን ሃብቱ ብኽብሪ ብክርስቶስ የሱስ ገይሩ፡ ድሌትኩም ዘበለ ኺመልኣልኩም እዩ።

Translation | Context
ሮሜ 4:4 | 3 Helpful votes

ነቲ ዚገብር ግና ዓስቡ ኸም ዕዳ ዀይኑ እዩ እምበር፡ ከም ጸጋ ኣይኰነን ዚቚጸረሉ።

Translation | Context
2ይ ቈረንቶስ 11:7-9 | 3 Helpful votes

ወይስ ንስኻትኩም ምእንቲ ልዕል ክትብሉ ኢለ ርእሰይ ኣትሒተ ወንጌል ኣምላኽ ብኸምኡ እንተ ሰበኽኩልኩምዶ ሓጢኣት ገይረ እየ፧ ንኣኻትኩም ምእንቲ ኸገልግል ኢለ እየ፡ ኻባታተን ዓስቢ እናተቐበልኩ፡ ነተን ካልኦት ማሕበራት ዝበዝበዝክወን። ምሳኻትኩም ከሎኹ ኸኣ ምስ ሰአንኩ፡ ካብ መቄዶንያ ዝመጹ ኣሕዋት መሊኦምለይ እሞ፡ ኣብ ሓደ እኳ ኣየኽበድኩን። ብዅሉ ድማ ርእሰይ ከየኽብደልኩም እጥንቀቕ አሎኹ ኽጥንቀቕውን እየ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 9:18-19 | 3 Helpful votes

እምብኣርሲ ዓስበይ ደኣ እንታይ እዩ፧ ወንጌል እናሰበኽኩስ፡ እቲ ብወንጌል ዘሎኒ መሰል ከይወሰድኩ፡ ወንጌል ብኸምኡ እንተ ነገርኩ እዩ። ካብ ኲሉ ሓራ ኽነሰይ፡ ኣነ ብዙሓት ምእንቲ ኽረብሕ፡ ንርእሰይ ባርያ ዂላቶም ገበርክዋ።

Translation | Context
ዘዳግም 25:4 | 3 Helpful votes

ኣፍ እቲ ዜኽይድ ብዕራይ ኣይትእሰር።

Translation | Context
ዘሁልቍ 18:24 | 2 Helpful votes

እቲ ደቂ እስራኤል ንእግዚኣብሄር ንዚልዐል መስዋእቲ ዚህብዎ ዕሽር ሌዋውያን ርስቲ ሂበዮም እየ እሞ፡ ስለዚ ኣብ ማእከል ደቂ እስራኤል ርስቲ ኣይሀልዎም፡ በልክዎም።

Translation | Context
ዘሁልቍ 18:8-32 | 2 Helpful votes

እግዚኣብሄር ድማ ንኣሮን ተዛረቦ፡ እንሆ፡ ኣነ ሓለዋ እቲ ዚልዐል መስዋእተይ፡ እቲ ናይ ደቂ እስራኤል እተቐደሰ ዅሉ ነገር ክትሕሉ ሂበካ አሎኹ። ንኣኻ ብምቕባእ መሰል ዘለኣለም ገይረ ንደቅኻ ሂበዮ አሎኹ። ካብቲ ኻብ ሓዊ ዝተረፈ ቅዱስ ቅዱሳን እዚ ንኣኻ ይኹን፡ እቲ ዜቕርቡለይ ኲሉ መባኦም፡ ኲሉ ናይ ብልዒ መስዋእቶምን ኲሉ ናይ ሓጢኣት መስዋእቶምን ኲሉ ናይ በደል መስዋእቶምን ንሱ ንኣኻን ንደቅኻን ቅዱስ ቅዱሳን ይኹን። ኣብ ቅዱስ ቅዱሳን ኴንካ ብልዓዮ፡ ኲሉ ተባዕታይ ይብልዓዮ፡ ቅዱስ ይኹነልካ። እዚ ንኣኻ እዩ፡ እቲ ኻብ መባኦም ዚልዐል መስዋእትን እቲ ደቂ እስራኤል ዜቕርብዎ ዚውዝወዝ መስዋእትን ንኣኻ፡ ነወዳትካን ነዋልድካን ድማ ምሳኻ፡ መሰል ዘለኣለም ገይረ ሂበካ አሎኹ። ኣብ ቤትካ ንጹህ ዘበለ ይብልዓዮ። ካብ ዘይቲ ዝበለጸ ዅሉን ካብ ወይንን ካብ ስርናይን ዝበለጸ ዅሉን ንእግዚኣብሄር ዚህብዎ በዅራት ንኣኻ ሂበካ አሎኹ። ኣብ ምድሮም ዘሎ ዅሉ በዅሪ ፍረ ናብ እግዚኣብሄር ዜምጽእዎ ንኣኻ ይኹን፡ ኣብ ቤትካ ንጹህ ዘበለ ኻብኡ ይብላዕ። ኣብ እስራኤል እተሐርመ ዅሉ ንኣኻ ይኹን። ካብ ኲሉ ስጋ፡ ማሕጸን ዚኸፍት ዘበለ፡ ሰብ ኰነ ሓደው እንስሳ፡ ናብ እግዚኣብሄር ዜቕርብዎ፡ ንኣኻ ይኹን። ንበዅሪ ሰብ ግና በጃ ሀበሉ፡ ንበዅሪ ርዅስ እንስሳ ኸኣ በጃ ሀበሉ። ነቶም እትብጀዎም ድማ ካብ ወዲ ወርሒ ዝዀነ ከም ገምጋምካ ብሲቃል መቕደስ፡ ንሱ ኸኣ ዕስራ ጌራ፡ ብሓሙሽተ ሲቃል ብሩር ተበጀዎም። በዅሪ ላምን በዅሪ በጊዕን በዅሪ ጤልን ግና፡ ቅዱሳት እዮም እሞ፡ ኣይትበጀዎም፡ ደሞም ኣብ መሰውኢ ንጸጎ፡ ስብሖም ከኣ ንእግዚኣብሄር ንጥዑም ጨና፡ ንመስዋእቲ ሓዊ ኣሕርሮ። ስጋኦም ከኣ ንኣኻ ይኹን፡ ከም ሓኸለ እቲ ዚውዝወዝ መስዋእትን ከም የማናይ እግርን ንኣኻ ይኹን። ናይቲ ቅዱስ ነገር ደቂ እስራኤል ንእግዚኣብሄር ዜቕርብዎ ዅሉ ዚልዐል መስዋእቲ ንኣኻ፡ ነወዳትካን ነዋልድካን ድማ ምሳኻ፡ መሰል ዘለኣለም ገይረ ሂበካ አሎኹ። ንሱ ንኣኻን ንዘርእኻ ድማ ምሳኻን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ንዘለኣለም ኪዳን ጨው እዩ። እግዚኣብሄር ድማ ንኣሮን በሎ፡ ኣብ ምድሮም ርስቲ ኣይሀሉኻ፡ ኣብ ማእከሎም ከኣ ግደ ኣይሀሉኻ፡ ኣብ ማእከል ደቂ እስራኤል ግዴኻን ርስትኻን ኣነ እየ። ንደቂ ሌዊ ድማ ኣብ ክንዲ እቲ ኣገልግሎቶም፡ ኣብ ድንኳን ምርኻብ ዜገልግልዎ ኣገልግሎት፡ እንሆ፡ ኲሉ ዕሽር እስራኤል ንርስቲ ሂበዮም አሎኹ። ድሕሪ ደጊም ደቂ እስራኤል ምእንቲ ሓጢኣት ከይጾሩን ከይሞቱን፡ ናብ ድንኳን ምርኻብ ኣይቕረቡ። ሌዋውያን ግና ኣብቲ ዕዮ ድንኳን ምርኻብ የገልግሉ፡ እቲ በደሎም ከኣ ንሳቶም ይጹርዎ፡ እዚ ንውሉድ ወለዶኹም ሕጊ ዘለኣለም ይኹን። ኣብ ማእከል ደቂ እስራኤል ድማ ርስቲ ኣይረስተዩ። እቲ ደቂ እስራኤል ንእግዚኣብሄር ንዚልዐል መስዋእቲ ዚህብዎ ዕሽር ሌዋውያን ርስቲ ሂበዮም እየ እሞ፡ ስለዚ ኣብ ማእከል ደቂ እስራኤል ርስቲ ኣይሀልዎም፡ በልክዎም። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ ንሌዋውያን ተዛረቦም በሎም ከኣ፡ እቲ ኻባታቶም ከም ርስትኹም ገይረ ዝሀብኩኹም ዕሽር ካብ ደቂ እስራኤል ምስ እትወስዱ፡ ካብኡ ንእግዚኣብሄር ዚልዐል መስዋእቲ፡ ካብቲ ዕሽርሲ ዕሽር ኣቕርቡ። እዚ ዚልዐል መስዋእትኹም ድማ ከም ስርናይ ካብ ዓውዲ፡ ከም ወሓዚ ኻብ መጽመቚ ይቚጸረልኩም። ከምኡ ንስኻትኩም ድማ ካብቲ ኻብ ደቂ እስራኤል እትወስድዎ ዅሉ ዕሽርኩም ንእግዚኣብሄር ዚልዐል መስዋእቲ ኣቕርቡ፡ ካብኡ እቲ ናይ እግዚኣብሄር ዚልዐል መስዋእቲ ንኻህን ኣሮን ሀቡ። ካብቲ እተዋህበኩም ኲሉ፡ ካብቲ እተቐደሰ ኻብ ኲሉ እቲ ብሉጹ፡ እቲ ናይ እግዚኣብሄር ዚልዐል መስዋእቱ ኣቕርቡ። በሎም ድማ፡ እቲ ዝበለጸ ኻብኡ ምስ እተቕርቡ፡ ንሌዋውያን ከምቲ እቶት ዓውድን ከም እቶት መጽመቚን ይቚጸረሎም። ናይቲ ኣብ ድንኳን ምርኻብ እተገልግልዎ ማሕድሮኹም እዩ እሞ፡ ንስኻትኩምን ስድራ ቤትኩምን ኣብ ዝዀነ ቦታ ብልዕዎ። ካብኡ እቲ ዝበለጸ ምስ ኣልዐልኩም፡ ብዛዕባኡ ሓጢኣት ኣይትጾሩን፡ እቲ ደቂ እስራኤል ዝቐደስዎ ኸኣ ኣይተርክሱን ኣይትሞቱን ከኣ።

Translation | Context
ማቴዎስ 10:8-10 | 2 Helpful votes

ሕሙማት ኣሕውዩ፡ ምዉታት ኣተንስኡ፡ ለምጻማት ኣንጽሁ፡ ኣጋንንቲ ኣውጽኡ። ብኸምኡ ተቐበልኩም፡ ብኸምኡ ሀቡ። ወርቂ ኰነ፡ ብሩር ኰነ ኣስራዚ ኣብ ቅናውትኹም ኣይትቛጽሩ። ንዓያዪ ምግቡ ይግብኦ እዩ እሞ፡ ስንቂ ንመገዲ፡ ወይስ ክልተ ኽዳን፡ ወይ ኣሳእን፡ ወይ በትሪ ኣይትምሀዙ።

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 4:32-35 | 2 Helpful votes

እቶም ዝአመኑ ዂላቶም ሓንቲ ልብን ሓንቲ ነፍስን ነበሩ፡ ብዂሉ ብርኪ ነበሩ እምበር፡ ሓደ እኳ ኻብ ገንዘቡ፡ እዚ ናተይ እዩ፡ ዚብል ኣይነበሮምን። ሃዋርያት ከኣ ብብዙሕ ሓይሊ ብዛዕባ ትንሳኤ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ይምስክሩ ነበሩ፡ ኣብ ኲሎም ከኣ ዓብዪ ጸጋ ነበረ። ኲላቶም መሬት ወይስ ኣባይቲ ዘለዎም ዘበለ ሸይጦም፡ ንዋጋ እቲ እተሸጠ የምጽእዎ ነበሩ እሞ፡ ኣብ ጥቓ እግሪ ሃዋርያት የንብርዎ፡ ንነፍሲ ወከፍ ከኣ ከከም ዜድልዮ ይመቕልዎ ነበሩ፡ ስለዚ ሓደ ሽጉር እኳ ኣይነበሮምን።

Translation | Context
ማርቆስ 10:43-45 | 2 Helpful votes

ኣባኻትኩም ግና ከምዚ ኣይኰነን። እቲ ዓብዪ ኪኸውን ዚደሊ ግዙእኩም ደኣ ይኹን። ካባኻትኩም ምርኡይ ኪኸውን ዚደሊ ኸኣ፡ ንሱ ባርያ ዅሉ ይኹን። ወዲ ሰብ ድማ ኬገልግል ህይወቱውን በጃ ብዙሓት ኪህብ እምበር፡ ኬገልግልዎ ኢሉ ኣይመጸን፡ በሎም።

Translation | Context