Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

12 bible verses about

paying taxes


ሮሜ 13:6-7 | 17 Helpful votes

ገላዉ ኣምላኽ እዮም እሞ፡ በዚ ተግባር እዚ ኸየብኰሩ የገልግሉ አለዉ። ስለዚውን ኢኹም ግብሪ እትህቡ ዘሎኹም። እምብኣርስ ግብሪ ንዚግብኦ ግብሪ፡ ተጎ ንዚግብኦ ተጎ፡ ፍርሃት ንዚግብኦ ፍርሃት፡ ክብረት ንዚግብኦ ኽብረት፡ ንዂሉ እቲ ዘዚግብኦ ሃብዎ።

Translation | Context
ማቴዎስ 22:17-21 | 13 Helpful votes

እንታይ ይመስለካ፡ ንቄሳር ግብሪ ምሃብሲ ተፈቒዱ ድዩ ወይስ ኣይፋሉን፧ እስኪ ንገረና። የሱስ ክፍኣቶም ፈሊጡ፡ ኣቱም ግቡዛት፡ ስለ ምንታይ ትፍትኑኒ አሎኹም፧ እቲ ወርቂ ግብሪ ኣርእዩኒ፡ በሎም። ንሳቶም ከኣ ዲናር ኣምጽኡሉ። ንሱ ድማ፡ እዚ መልክዑን ጽሕፈቱን ናይ መን እዩ፧ በሎም። ንሳቶም፡ ናይ ቄሳር፡ በልዎ። ሽዑ ንሱ፡ እምበኣርሲ ናይ ቄሳር ንቄሳር፡ ናይ ኣምላኽውን ንኣምላኽ ሀቡ፡ በሎም።

Translation | Context
ሮሜ 13:1-7 | 10 Helpful votes

ብኣምላኽ ዘይኰነስ ስልጣን የልቦን፡ እቶም ዘለዉ ስልጣናት ከኣ ብኣምላኽ እተሰርዑ እዮም እሞ፡ ነፍሲ ወከፍ ነቲ ኣብ ልዕሊኡ ስልጣን ዘለዎ ይገዝኣዮ። ስለዚ ኸኣ ነቲ ብዓል ስልጣን ዚቃወም ነቲ ስርዓት ኣምላኽ እዩ ዚቃወሞ። እቶም ዚቃወምዎ ድማ፡ ባዕላቶም ፍርዲ ኪቕበሉ እዮም። እቶም ገዛእቲ ንእኩይ ግብሪ እምበር፡ ንሰናይ ግብሪ ዜፍርሁ ኣይኰኑን። ነቲ ብዓል ስልጣን ከይትፈርሆዶ ትደሊ ኢኻ፧ ንሱ ንሰናይካ ኢሉ ኣገልጋሊ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ሰናይ ግበር ንሱውን ኪንእደካ እዩ። እኩይ እንተ ገበርካ ግና፡ ኣገልጋሊ ኣምላኽ፡ ነቲ ገባር እኩይሲ መቕጻዕቲ ዜምጽኣሉ ፈዳይ ሕነ ስለ ዝዀነ፡ ሰይፊ ንኸንቱ ኣይዕጠቕን እዩ እሞ፡ ፍራህ። ስለዚ ኸኣ ስለ ሕሊና ኢልኩም እምበር፡ ስለ መቕጻዕቲ ጥራይ ኣይኰነን፡ ክትግዝእዎም ዚግብኣኩም። ገላዉ ኣምላኽ እዮም እሞ፡ በዚ ተግባር እዚ ኸየብኰሩ የገልግሉ አለዉ። ስለዚውን ኢኹም ግብሪ እትህቡ ዘሎኹም። እምብኣርስ ግብሪ ንዚግብኦ ግብሪ፡ ተጎ ንዚግብኦ ተጎ፡ ፍርሃት ንዚግብኦ ፍርሃት፡ ክብረት ንዚግብኦ ኽብረት፡ ንዂሉ እቲ ዘዚግብኦ ሃብዎ።

Translation | Context
ሮሜ 13:7-8 | 6 Helpful votes

እምብኣርስ ግብሪ ንዚግብኦ ግብሪ፡ ተጎ ንዚግብኦ ተጎ፡ ፍርሃት ንዚግብኦ ፍርሃት፡ ክብረት ንዚግብኦ ኽብረት፡ ንዂሉ እቲ ዘዚግብኦ ሃብዎ። እቲ ንብጻዩ ዜፍቅር ንሕጊ ፈጺምዎ እዩ እሞ፡ እታ ንሓድሕድኩም ምፍቓር እንተ ዘይኰይና፡ ንገለ እኳ ዕዳ ኣይሃሉኹም።

Translation | Context
ሮሜ 13:5-7 | 5 Helpful votes

ስለዚ ኸኣ ስለ ሕሊና ኢልኩም እምበር፡ ስለ መቕጻዕቲ ጥራይ ኣይኰነን፡ ክትግዝእዎም ዚግብኣኩም። ገላዉ ኣምላኽ እዮም እሞ፡ በዚ ተግባር እዚ ኸየብኰሩ የገልግሉ አለዉ። ስለዚውን ኢኹም ግብሪ እትህቡ ዘሎኹም። እምብኣርስ ግብሪ ንዚግብኦ ግብሪ፡ ተጎ ንዚግብኦ ተጎ፡ ፍርሃት ንዚግብኦ ፍርሃት፡ ክብረት ንዚግብኦ ኽብረት፡ ንዂሉ እቲ ዘዚግብኦ ሃብዎ።

Translation | Context
ሮሜ 13:1 | 4 Helpful votes

ብኣምላኽ ዘይኰነስ ስልጣን የልቦን፡ እቶም ዘለዉ ስልጣናት ከኣ ብኣምላኽ እተሰርዑ እዮም እሞ፡ ነፍሲ ወከፍ ነቲ ኣብ ልዕሊኡ ስልጣን ዘለዎ ይገዝኣዮ።

Translation | Context
ማቴዎስ 22:17-29 | 4 Helpful votes

እንታይ ይመስለካ፡ ንቄሳር ግብሪ ምሃብሲ ተፈቒዱ ድዩ ወይስ ኣይፋሉን፧ እስኪ ንገረና። የሱስ ክፍኣቶም ፈሊጡ፡ ኣቱም ግቡዛት፡ ስለ ምንታይ ትፍትኑኒ አሎኹም፧ እቲ ወርቂ ግብሪ ኣርእዩኒ፡ በሎም። ንሳቶም ከኣ ዲናር ኣምጽኡሉ። ንሱ ድማ፡ እዚ መልክዑን ጽሕፈቱን ናይ መን እዩ፧ በሎም። ንሳቶም፡ ናይ ቄሳር፡ በልዎ። ሽዑ ንሱ፡ እምበኣርሲ ናይ ቄሳር ንቄሳር፡ ናይ ኣምላኽውን ንኣምላኽ ሀቡ፡ በሎም። እዚ ምስ ሰምዑ፡ ተገረሙ፡ ሐዲጎምዎ ድማ ሐለፉ። በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ትንሳኤ የልቦን፡ ዚብሉ ሰዱቃውያን ናብኡ መጹ። ከምዚ ኢሎም ድማ ሐተትዎ፡ መምህር፡ ሙሴ፡ ሰብኣይ ውሉድ ከይሐደገ እንተ ሞተ፡ ነታ ሰበይቱ እቲ ሓዉ ይውረሳ፡ ነቲ ሓዉ ኸኣ ዘርኢ የቑመሉ፡ በለ። ኣባናኸስ ሾብዓተ ኣሕዋት ነበሩ። እቲ ዓብዪ ሰበይቲ ምስ ኣእተወ፡ ሞተ፡ ውሉድ ኣይነበሮን እሞ፡ ነታ ሰበይቱ ንሓዉ ሐደጋ። ከምኡ ኸኣ ኻልኣይ፡ እቲ ሳልሳይውን፡ ክሳዕ እቲ ሳብዓይ። ድሕሪ ዅሎም ድማ እታ ሰበይቲ ሞተት። ኵሎም ኣእትዮምዋ ነይሮም እዮም እሞ፡ ብትንሳኤ ኻብዞም ሾብዓተ እዚኣቶ፡ ሰበይቲ መኖም ክትከውን እያ፧ የሱስ መለሰ በሎምውን፡ መጻሕፍቲ ወይስ ሓይሊ ኣምላኽ ሰኣን ምፍላጥኩም ትጋገዩ አሎኹም።

Translation | Context
ሮሜ 13:2 | 3 Helpful votes

ስለዚ ኸኣ ነቲ ብዓል ስልጣን ዚቃወም ነቲ ስርዓት ኣምላኽ እዩ ዚቃወሞ። እቶም ዚቃወምዎ ድማ፡ ባዕላቶም ፍርዲ ኪቕበሉ እዮም።

Translation | Context
ሉቃስ 3:12-13 | 2 Helpful votes

ተገውቲ ድማ ኪጥመቑ መጺኦም፥ መምህር፡ እንታይ ንግበር፧ በልዎ። ንሱ ኸኣ፥ ካብቲ እተኣዘዘልኩም ሓለፋ ኣይትውሰዱ፡ በሎም።

Translation | Context
ማቴዎስ 22:15-22 | 2 Helpful votes

ድሕርዚ ፈሪሳውያን ከይዶም ከመይ ገይሮም ብዘረባ ኸም ዚጠልፍዎ፡ ተማኸሩ። ደቀ መዛሙርቶም ምስ ሄሮድሳውያን ገይሮም ከምዚ ኢሎም ለአኹ፡ መምህር፡ ሓቀኛ ምዃንካ፡ መገዲ እግዚኣብሄርውን ብሓቂ ኸም እትምህር፡ ንፈልጥ አሎና፡ ገጽ ሰብ ርኢኻ ኣይተዳሉን ኢኻ እሞ፡ ነዝን ነትን እኳ ኣይትብልን ኢኻ። እንታይ ይመስለካ፡ ንቄሳር ግብሪ ምሃብሲ ተፈቒዱ ድዩ ወይስ ኣይፋሉን፧ እስኪ ንገረና። የሱስ ክፍኣቶም ፈሊጡ፡ ኣቱም ግቡዛት፡ ስለ ምንታይ ትፍትኑኒ አሎኹም፧ እቲ ወርቂ ግብሪ ኣርእዩኒ፡ በሎም። ንሳቶም ከኣ ዲናር ኣምጽኡሉ። ንሱ ድማ፡ እዚ መልክዑን ጽሕፈቱን ናይ መን እዩ፧ በሎም። ንሳቶም፡ ናይ ቄሳር፡ በልዎ። ሽዑ ንሱ፡ እምበኣርሲ ናይ ቄሳር ንቄሳር፡ ናይ ኣምላኽውን ንኣምላኽ ሀቡ፡ በሎም። እዚ ምስ ሰምዑ፡ ተገረሙ፡ ሐዲጎምዎ ድማ ሐለፉ።

Translation | Context
ሉቃስ 2:1-6 | 2 Helpful votes

ኰነ ድማ፡ በቲ ቕነ እቲ ዅሉ ዓለም ኪጸሐፍ፡ ካብ ቄሳር ኣውጉስጦስ ትእዛዝ ወጸ። እዚኣ እታ ቀሬኔዎስ ኣብ ሶርያ ተሸይሙ ኸሎ ዝዀነት ቀዳመይቲ ጽሕፈት እያ። ሽዑ ነፍሲ ወከፍ ኪጸሐፍ፡ ኵሉ ነናብ ዓዱ ኸደ። ዮሴፍ ድማ፡ ካብ ቤት ዳዊትን ካብ ዓሌቱን ስለ ዝነበረ፡ ካብ ገሊላ ኻብ ዓዲ ናዝሬት ምስታ ጠኒሳ ዘላ ማርያም ሕጽይቱ ናብ ቤት-ልሄም እትብሀል ዓዲ ዳዊት ናብ ይሁዳ ኪጸሐፍ ደየበ። ኰነ ድማ፡ ኣብኡ፡ ኸለዉ ጊዜ ሕርሳ በጽሔ።

Translation | Context
ማቴዎስ 17:27 | 2 Helpful votes

ከይንዕንቕፎም ግና፡ ናብ ባሕሪ ኼድካ መቓጥን ደርቢ፡ ነቲ ቕድም እትሕዞ ዓሳ ውሰድ፡ ኣፉ ምስ ከፈትካ፡ ኣብኡ ሓደ እስታቴር ክትረክብ ኢኻ። ንእኡ ወሲድካ፡ ኣብ ክንዳይን ኣብ ክንዳኻን ሀቦም፡ በሎ።

Translation | Context