Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

7 bible verses about

pastors authority in the church


እብራውያን 13:17 | 19 Helpful votes

ንመራሕትኹም ተኣዘዝዎምን ተገዝእዎምን። ንሳቶም ከምቶም ጸብጻብ ዚህቡ ዀይኖም፡ ምእንቲ ነፍሳትኩም ነቒሖም ይሕልዉ አለዉ እሞ፡ ነዚ ብታሕጓስ ኪገብርዎ እምበር፡ ብጓሂ እንተ ገበርዎ፡ እዚ ንኣካትኩም ኣይጠቅምን እዩ።

Translation | Context
1ይ ጢሞቴዎስ 3:1-7 | 14 Helpful votes

እዚ ቓል እዚ እሙን እዩ፡ ሓደ እኳ መዓርግ ኤጲስቆጶስ እንተ ደለየ፡ ሰናይ ግብሪ ይምነ አሎ። እምብኣርሲ እቲ ኤጲስቆጶስ መንቅብ ዜብሉ፡ ሰብኣይ ሓንቲ ሰበይቲ፡ ጥንቁቕ፡ ቀጻዕ ነፍሱ፡ ኣገባብ ዚፈልጥ፡ ተቐባል ጋሻ፡ ንምስትምሀር ብቑዕ ኪኸውን ይግባኦ። ዘይሰክር፡ ዘይዋቓዕ፡ ግናኸ ልኡም፡ ዘይብኣስ፡ ፈታው ገንዘብ ዘይኰነ። ነታ ቤቱ ኼስተናብራ ኻብ ዘይክእል ግና፡ ነታ ማሕበር ኣምላኽ ደኣ ኸመይ ገይሩ ኺኣልያ ይዀነሉ፧ ስለዚ ቤቱ ጽቡቕ ገይሩ ዜስተናብርን፡ ብዅሉ ምርዛን እዙዛት ውሉድ ዘለውዎን ይኹን። ተነፊሑ ናብ ፍርዲ ድያብሎስ ምእንቲ ኸይወድቕ፡ ሓድሽ ተኽሊ ኣይኹን። ኣብ ጸርፍን መፈንጠራ ድያብሎስን ምእንቲ ኸይወድቕ ከኣ፡ ካብቶም ኣብ ወጻኢ ዘለዉ ጽቡቕ ምስክር ኪህልዎ ይግባእ።

Translation | Context
1ይ ተሰሎንቄ 5:12 | 12 Helpful votes

ግናኸ፡ ኣቱም ኣሕዋትና፡ ነቶም ኣባኻትኩም ዚጽዕሩን ብጐይታውን ዚመርሑኹምን ዚምዕዱኹምን ክትፈልጥዎም፡ ንልምነኩም አሎና።

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 20:28 | 10 Helpful votes

ስለዚ ንርእስኹምን ነታ ብገዛእ ደሙ ዘጥረያ ማሕበር ጐይታን ክትጓስዩ፡ መንፈስ ቅዱስ ኤጲስቆጶሳት ገይሩ ኣብኣ ዝሸመኩም ኲሉ መጓሰ ሐልዉ።

Translation | Context
ቲቶስ 1:6-9 | 8 Helpful votes

እቲ ኤጶስቆጶስ ከኣ መንቅብ ዜብሉ፡ ሰብኣይ ሓንቲ ሰበይቲ፡ ብርኽሰት ወይስ ብዘይ ምእዛዝ ዘይሕመዩ ኣመንቲ ውሉድ ዘለውዎ፡ ተቐባል ጋሻ፡ ሰናይ ዚፈቱ፡ ለባም፡ ቅኑዕ፡ ቅዱስ፡ ይአኽለኒ በሃሊ፡ መንቅብ ዜብሉ፡ ከም ናይ ኣምላኽ መጋቢ እምበር፡ ፈታው ርእሱ ዘይኰነ፡ ዘይኵሪ፡ ናብ መስተ ዘየድህብ፡ ዘይዋቓዕ፡ ርኹስ ረብሓ ዘይደሊ ሰብ ኪኸውን ይግባእ። ንሱ በቲ ጥዑይ ትምህርቲ ምእንቲ ኺምዕድ፡ ነቶም ተቓናቐንቲውን ምግናሖም ምእንቲ ኺከአሎስ፡ በቲ እሙን ቃል ምህሮ ይጽናዕ።

Translation | Context
እብራውያን 13:7 | 5 Helpful votes

ነቶም ቃል ኣምላኽ ዝነገሩኹም መራሕቲኹም ዘክርዎም፡ መወዳእታ ንብረቶም እናተቛመትኩም፡ ኣሰኣሰር እምነቶም ስዓቡ።

Translation | Context
2ይ ጢሞቴዎስ 3:16 | 4 Helpful votes

እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ፈጺሙ ተዳልዩ፡ ፍጹም ምእንቲ ኪኸውንሲ፡ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ዘበለ ጽሑፍ ንትምህርቲ፡ ንተግሳጽ፡ ንምቕናዕ፡ ንጽድቂ ዚኸውን ምእዳብ ይጠቅም እዩ።

Translation | Context