Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

13 bible verses about

pastor appreciation


እብራውያን 13:17 | 15 Helpful votes

ንመራሕትኹም ተኣዘዝዎምን ተገዝእዎምን። ንሳቶም ከምቶም ጸብጻብ ዚህቡ ዀይኖም፡ ምእንቲ ነፍሳትኩም ነቒሖም ይሕልዉ አለዉ እሞ፡ ነዚ ብታሕጓስ ኪገብርዎ እምበር፡ ብጓሂ እንተ ገበርዎ፡ እዚ ንኣካትኩም ኣይጠቅምን እዩ።

Translation | Context
ኤርምያስ 3:15 | 12 Helpful votes

ኣቱም ጠለምቲ ደቂ፡ ኣነ ጐይታኹም እየ፡ ከካብ ከተማ ሓደ፡ ከካብ ስድራ ቤት ክልተ ኣምጺኤ ናብ ጽዮን ከእትወኩም እየ፡ በእምሮን ብምስትውዓልን ከም ልበይ ገይሮም ዚጓስዩኹም ጓሶት ከኣ ክህበኩም እየ እሞ፡ ተመለሱ፡ ይብል እግዚኣብሄር።

Translation | Context
1ይ ተሰሎንቄ 5:12-13 | 10 Helpful votes

ግናኸ፡ ኣቱም ኣሕዋትና፡ ነቶም ኣባኻትኩም ዚጽዕሩን ብጐይታውን ዚመርሑኹምን ዚምዕዱኹምን ክትፈልጥዎም፡ ንልምነኩም አሎና። ስለቲ ዕዮኦም ብብዙሕ ብሉጽ ፍቕሪ ኣኽብርዎም። ንሓድሕድኩምውን ብሰላም ንበሩ።

Translation | Context
1ይ ጢሞቴዎስ 5:17 | 9 Helpful votes

እቲ ጽሑፍ፡ ኣፍ እቲ ዜኽይድ ብዕራይ ኣይትእሰር፡ ድማ፥ ንዓያዪ ውዕለቱ ይግብኦ እዩ፡ ይብል እዩ እሞ፡ ነቶም ጽቡቕ ዜገልግሉ ሽማግሌታት፡ ምናዳ ነቶም ብቓልን ብምህሮን ዚጽዕሩ፡ ዕጽፊ ኽብሪ ይግብኦም እዩ።

Translation | Context
2ይ ጢሞቴዎስ 4:2 | 4 Helpful votes

ኣእዛኖም ኣስሕይዎም ደኣ፡ ብትምኒት ርእሶም መምህራን ኪእክቡ እምበር፡ ነቲ ጥዑይ ትምህርቲ ዘይዕገሱሉ ዘመን ኪመጽእ እዩ፡ ሽዑ ኣእዛኖም ካብ ሓቂ ኺመልሱ፡ ናብ ጽውጽዋያትውን ኪምለሱ እዮም እሞ፡ ብዅሉ ዓቕልን ብምህሮን እቲ ቓል ክትሰብኽ፡ ብጊዜኡን ብዘይጊዜኡን ከተስምዕ፡ ክትገንሕ፡ ክትቀጽዕ፡ ክትምዕድ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ኣብ ቅድሚ እቲ ንህያዋንን ምዉታንን ኪፈርድ ዘለዎ ክርስቶስ የሱስን በቲ ምግላጽ መንግስቱን ኤማሕጽነካ አሎኹ።

Translation | Context
ሮሜ 10:14 | 3 Helpful votes

ግናኸ ነቲ ብእኡ ዘይአመኑ ኸመይ ኢሎም ኪጽውዕዎ እዮም፧ ብዛዕባኡ ኸይሰምዑኻ፡ ከመይ ገይሮም ብእኡ ኺኣምኑ፡ ብዘይሰባኺኸ ኸመይ ገይሮም ኪሰምዑ፧

Translation | Context
1ይ ተሰሎንቄ 1:1-10 | 3 Helpful votes

ጳውሎስን ስልዋኖስን ጢሞቴዎስን ናብ ማሕበር ሰብ ተሰሎንቄ፡ ብእግዚኣብሄር ኣቦናን ብጐይታና የሱስ ክርስቶስን፡ ጸጋን ሰላምን ይውረድኩም። ኣብ ቅድሚ ኣምላኽናን ኣቦናን ነቲ ግብሪ እምነትኩምን ጻዕሪ ፍቕር ትዕግስቲ ተስፋኹምን ኣብ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ከየብኰርና ኣብ ጸሎትና ዅሉ ሳዕ እናዘከርናኩም፡ ብዛዕባ ዅላትኩም ንኣምላኽ ነመስግኖ አሎና። ኣቱም ብኣምላኽ ፍቁራት ኣሕዋትና፡ ምሕራይኩም ስለ ዝፈለጥና፡ ኣባኻትኩምን ምእንታኻትኩምን ከመይ ከም ዝነበርና፡ ከምቲ እትፈልጥዎ፡ እቲ ወንጌልና ብሓይልን ብመንፈስ ቅዱስን ብብዙሕ ምርዳእን ከኣ እዩ እምበር፡ ብቓል ጥራይ ኣይመጸኩምን። ንስኻትኩምውን ብብዙሕ ጭንቂ ብናይ መንፈስ ቅዱስ ሓጐስ ነቲ ቓል ብምቅባልኩም ሰዓብትናን ሰዓብቲ ጐይታናን ኰንኩም። ስለዚ ነቶም ኣብ መቄዶንያን ኣካይያን ዘልዉ ዅላቶም ኣመንቲ ኣርኣያ ዀንኩምዎም። እምነትኩም ብኣምላኽ ናብ ብዘሎ ስፍራ ወጺኣ አላ እምበር፡ እቲ ቓል ጐይታስ ካባኻትኩም ኣብ መቄዶንያን ኣካይያን ጥራይ ኣይኰነን እተሰምዔ እሞ፡ ክንዛረበሉ ኣየድልየናን እዩ። ነቲ ህያውን ናይ ሓቂ ኣምላኽን ከተገልግሉ፡ ነቲ ኻብ ምዉታት ዘተንስኦ እሞ ካብቲ ዚመጽእ ቍጥዓ ዜድሕነና ወዱ የሱስ ከኣ ካብ ሰማያት ክትጽበዩ፡ ካብ ጣኦታት ናብ ኣምላኽ ከመይ ጌርኩም ከም እተመለስኩምን፡ እቲ ናባኻትኩም ምእታውና ኸመይ ዝበለ ኸም ዝነበረን፡ ብዛዕባና ባዕላቶም ይነግሩ እዮም።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 9:14 | 3 Helpful votes

ከምኡ ድማ ጐይታ ነቶም ወንጌል ዚሰብኩ ብወንጌል ኪምገቡ ሰሪዑሎም አሎ።

Translation | Context
1ይ ተሰሎንቄ 1:3 | 3 Helpful votes

ኣብ ቅድሚ ኣምላኽናን ኣቦናን ነቲ ግብሪ እምነትኩምን ጻዕሪ ፍቕር ትዕግስቲ ተስፋኹምን ኣብ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ከየብኰርና ኣብ ጸሎትና ዅሉ ሳዕ እናዘከርናኩም፡ ብዛዕባ ዅላትኩም ንኣምላኽ ነመስግኖ አሎና።

Translation | Context
መዝሙር 37:23 | 2 Helpful votes

ስጕምቲ ሰብ ብእግዚኣብሄር ይጸንዕ፣ መገዱ ኸኣ ባህ የብሎ።

Translation | Context
ኤፌሶን 4:11 | 2 Helpful votes

ኵላትና ናብ ሕብረት እምነት፡ ናብ ፍልጠት ወዲ ኣምላኽ፡ ናብ እኹል ሰብኣይ፡ ናብ ልክዕ ምልኣት ብጽሕና ክርስቶስ ክሳዕ እንበጽሕ፡ እቶም ቅዱሳን ነቲ ግብሪ ኣገልግሎት ንምህናጽ ስጋ ክርስቶስ ምሉኣት ምእንቲ ኪዀኑ ኢሉ፡ ንሱ ገሊኦም ሃዋርያት ገሊኦም ድማ ነብያት፡ ገሊኦም ከኣ ወንጌላውያን፡ ገሊኦምውን ጓሶትን መምህራንን ኪዀኑ ሀበ።

Translation | Context
እብራውያን 13:7 | 2 Helpful votes

ነቶም ቃል ኣምላኽ ዝነገሩኹም መራሕቲኹም ዘክርዎም፡ መወዳእታ ንብረቶም እናተቛመትኩም፡ ኣሰኣሰር እምነቶም ስዓቡ።

Translation | Context
ኢሳይያስ 55:4 | 2 Helpful votes

እንሆ፡ ምስክር ንህዝብታት፡ መስፍንን ገዛእን ንህዝብታት ኪኸውን ሀብክዎ።

Translation | Context