Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

15 bible verses about

parenting


እያሱ 4:20-24 | 13 Helpful votes

እያሱ ድማ ነቲ ኻብ ዮርዳኖስ ዝወሰድዎ ዓሰርተው ክልተ እምኒ፡ ኣብ ጊልጋል ኣቘሞ። ንደቂ እስራኤል ድማ ከምዚ ኢሉ ተዛረቦም፡ ደቅኹም ጽባሕ፡ እዚ ኣእማን እዚ እንታይ እዩ፧ ኢሎም ነቦታቶም እንተ ጠየቑ፡ እስራኤል ነዚ ዮርዳኖስ እዚ ብንቑጽ ተሳገሮ። እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም፡ ከምቲ ንባሕሪ ኤርትራ ዝገበሮ፡ ክሳዕ እንሳገር ዘንቀጾ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ክሳዕ እትሳገሩ ንማይ ዮርዳኖስ ኣብ ቅድሜኹም ኣንቀጾ። ኵሎም ህዝብታት ምድሪ ኢድ እግዚኣብሄር ሓያል ምዃና ምእንቲ ኺፈልጡ፡ ንስኻትኩምውን ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ወርትግ ምእንቲ ክትፈርህዎ እዩ፡ ኢልኩም ንደቅኹም ኣፍልጥዎም።

Translation | Context
ምሳሌ 22:6 | 13 Helpful votes

ንቘልዓ እታ ኪኸደላ ዚግብኦ መገዲ ኣላምዶ እሞ ምስ ኣረገ ኻብኣ ኣይኬልግስን እዩ።

Translation | Context
ኤፌሶን 6:4 | 10 Helpful votes

ኣቱም ኣቦታትውን፡ ነቶም ውሉድኩም ብናይ ጐይታ ተግሳጽን ምዕዶን ደኣ ኣዕብይዎም እምበር፡ ኣይተዀርይዎም።

Translation | Context
ቲቶስ 2:7 | 8 Helpful votes

ካብቶም ተቓናቐንቲ ሓደ እኳ ብዛዕባና ዚብሎ ክፉእ ነገር ስኢኑ ምእንቲ ኺሐፍርሲ፡ ብንጹህ ትምህርቲ፡ ብምርዛን፡ መንቅብ ብዜብሉ ጥዑይ ዘረባ፡ ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ርእሰኻ ኣርኣያ ግበር።

Translation | Context
መዝሙር 127:3 | 7 Helpful votes

እንሆ፣ ውሉድ ውህበት እግዚኣብሄር እዮም። ፍረ ኸርሲ ኸኣ ዓስቢ እዩ።

Translation | Context
ምሳሌ 13:24 | 7 Helpful votes

ብሸቦጥ ዘይገርፍ ንውሉዱ ይጸልኦ፡ ዜፍቅሮ ግና ኣንጊሁ ይቐጽዖ።

Translation | Context
ምሳሌ 29:15 | 7 Helpful votes

ሸቦጥን ተግሳጽን ጥበብ ይህብ፡ ስዲ ዝኸደ ውሉድ ግና ንወላዲቱ የሕፍር።

Translation | Context
ቈሎሴ 3:21 | 6 Helpful votes

ኣቱም ኣቦታት፡ ሕሊናኦም ከይዓርብ፡ ነቶም ውሉድኩም ኣይተዀርይዎም።

Translation | Context
ዘዳግም 6:6-9 | 6 Helpful votes

እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ቓላት ኣብ ልብኻ ይኹን። ንደቅኻ ምሀሮም፡ ኣብ ቤትካ ኾፍ ምስ በልካን ኣብ መገዲ ኽትከይድ ከሎኻን ኣብ በጥ ምባልካን ኣብ ምትንሳእካን ብእኡ ተዛረብ። ንምልክት ኣብ ኢድካ እሰሮ፡ ኣብ መንጎ ኣዒንትኻ ድማ ክታብ ይኹን። ኣብ ልዳት ቤትካን ኣብ ማዕጾኻን ድማ ጽሐፎ።

Translation | Context
1ይ ጴጥሮስ 5:3 | 3 Helpful votes

ነቲ መጓሰ ኣርኣያ እናዀንኩምዎ እምበር፡ ኣብተን ማሕበራት ከም ጐይተት ኣይትኹኑ።

Translation | Context
ምሳሌ 29:17 | 3 Helpful votes

ንውሉድካ ቕጽዓዮ እሞ ኬዕርፈካ፡ ንነፍስኻውን ተድላ ኪዀና እዩ።

Translation | Context
ምሳሌ 23:13 | 3 Helpful votes

ንቘልዓ ብሸቦጥ እንተ ግረፍካዮ፡ ኣይመውትን እዩ እሞ፡ ብዘይ መቕጻዕቲ ኣይትግደፎ።

Translation | Context
እብራውያን 12:7-11 | 3 Helpful votes

ቅጽዓት እንተ ተዓገስኩም፡ ኣምላኽ ከም ውሉድ ገይሩ ይርእየኩም እዩ። ኣቦኡ ዘይቀጽዖኸ እንታዋይ ውሉድ እዩ፧ ብዘይ እታ ዅሎም ዝሐበሩላ ቕጽዓት እንተ ዀንኩም ግና፡ ደቓሉ እምበር፡ ውሉድ ኣይኰንኩምን። ኣብ ርእሲ እዚውን ዚቐጽዑና ኣቦታት ስጋና ኻብ ዚነብሩና እሞ ካብ እንሐፍሮም፡ ብህይወት ምእንቲ ኽንነብርሲ፡ ነቲ ኣቦ መናፍስቲ ኣዚና ኽንእዘዞዶ ኣይግብኣናን እዩ፧ እቲኣቶምሲ ንቕሩብ መዓልቲ ኸም እተራእዮም ገይሮም ቀጽዑና፡ ንሱ ግና፡ ካብ ቅድስናኡ ምእንቲ ኽንማቐል ኢሉ፡ ንጥቕምና እዩ ዚቐጽዓና። ቅጽዓት ዘበለስ ንጊዜኡ ንጓሂ እምበር፡ ንሓጐስ ከም ዚኸውን ኣይመስልን እዩ፡ ንዳሕራዩ ግና ነቶም ዝለመድዎ ናይ ሰላም ፍረ ጽድቂ እዩ ዚፈሪ።

Translation | Context
ምሳሌ 1:8-9 | 2 Helpful votes

ወደየ፡ እዚ ንርእስኻ ዘውዲ ጸጋ፡ ንኽሳድካ ኸኣ ስልማት ድሪ እዩ እሞ፡ ንተግሳጽ ኣቦኻ ስምዓዮ፡ ንትምህርቲ ወላዲትካ ድማ ኣይትሕደጎ።

Translation | Context
ምሳሌ 19:18-19 | 2 Helpful votes

ገና ተስፋ ኸሎ፡ ንወድኻ ቕጽዓዮ፡ ክሳዕ ንምቕታሉ ግና ኣይትናደድ። እንተ ኣናገፍካዮስ ከተንድዶ ኢኻ እሞ፡ ኰራዪ ሰብ ይዕደ።

Translation | Context