Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

17 bible verses about

parental love


ኤፌሶን 6:4 | 11 Helpful votes

ኣቱም ኣቦታትውን፡ ነቶም ውሉድኩም ብናይ ጐይታ ተግሳጽን ምዕዶን ደኣ ኣዕብይዎም እምበር፡ ኣይተዀርይዎም።

Translation | Context
ቈሎሴ 3:14 | 8 Helpful votes

ኣብ ልዕሊ እዚ ዅሉውን ፍቕሪ፡ ማእሰር ፍጻሜ እያ እሞ፡ ልበስዋ።

Translation | Context
ምሳሌ 22:6 | 6 Helpful votes

ንቘልዓ እታ ኪኸደላ ዚግብኦ መገዲ ኣላምዶ እሞ ምስ ኣረገ ኻብኣ ኣይኬልግስን እዩ።

Translation | Context
መዝሙር 103:13 | 5 Helpful votes

ከምቲ ወላዲ ንውሉዱ ዚርሕርሓሎም፣ ከምኡ እግዚኣብሄር ንዚፈርህዎ ይርሕርሓሎም እዩ።

Translation | Context
ዘጸአት 20:12 | 5 Helpful votes

ኣብቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚህበካ ምድሪ ዕድሜኻ ምእንቲ ኺነውሕሲ፡ ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር።

Translation | Context
1ይ ዮሃንስ 4:8 | 4 Helpful votes

ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ እሞ፡ እቲ ዘየፍቅር ንኣምላኽ ኣይፈልጦን እዩ።

Translation | Context
ሮሜ 5:8 | 4 Helpful votes

ግናኸ ንሕና ገና ሓጥኣን ከሎና፡ ክርስቶስ ኣብ ክንዳና ሞይቱ እዩ እሞ፡ ኣምላኽ እታ ፍቕሩ ንኣና በዚ የርኢ አሎ።

Translation | Context
ቈሎሴ 3:20 | 4 Helpful votes

ኣቱም ውሉድ፡ እዚ ኣብ ጐይታ ባህ ዜብል እዩ እሞ፡ ንወለድኹም ብዅሉ ተኣዘዝዎም።

Translation | Context
ምሳሌ 13:24 | 3 Helpful votes

ብሸቦጥ ዘይገርፍ ንውሉዱ ይጸልኦ፡ ዜፍቅሮ ግና ኣንጊሁ ይቐጽዖ።

Translation | Context
ምሳሌ 1:8 | 3 Helpful votes

ወደየ፡ እዚ ንርእስኻ ዘውዲ ጸጋ፡ ንኽሳድካ ኸኣ ስልማት ድሪ እዩ እሞ፡ ንተግሳጽ ኣቦኻ ስምዓዮ፡ ንትምህርቲ ወላዲትካ ድማ ኣይትሕደጎ።

Translation | Context
1ይ ዮሃንስ 4:10 | 2 Helpful votes

ኣምላኽ ባዕሉ ስለ ዘፍቀረና፡ ብናይ ሓጢኣትና መተዓረቒ ኪኸውን ኢሉ ድማ ወዱ ስለ ዝሰደደልና እዩ እምበር፡ ንሕና ንኣምላኽ ስለ ዘፍቀርናዮ ኣይኰነን፡ እታ ፍቕሪ በዚ እያ።

Translation | Context
ዮሃንስ 3:16 | 2 Helpful votes

ኣምላኽ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዝአመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ፡ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 13:1-13 | 2 Helpful votes

ብቛንቋታት ሰብን መላእኽትን እንተ ዝዛረብ፡ ፍቕሪ ኻብ ዘይትህልወኒ፡ ከም ዜድሂ ኣስራዚ ወይስ ጭልጭል ከም ዚብል ጸናጽል ምዀንኩ። ትንቢት እንተ ዚህልወኒ፡ ኲሉ ምስጢራትን ኲሉ ፍልጠትን እንተ ዝፈልጥ፡ ኣኽራን ክሳዕ ዘግዕዝ ከኣ ኲሉ እምነት እንተ ዚህልወኒ፡ ፍቕሪ ኻብ ዘይትህልወኒ፡ ከንቱ ምዀንኩ ነይረ። ኲሉ ገንዘበይ ከኣ ንድኻታት እንተ ዝዕድል፡ ስጋይውን ንምንዳድ ኣሕሊፈ እንተ ዝህብ፡ ፍቕሪ ኻብ ዘይትህልወኒ፡ ሓንቲ እኳ ኣይጠቕመንን እዩ። ፍቕሪ ዓቃል እያ፡ ፍቕሪ ለዋህ እያ፡ ፍቕሪ ኣይትቐንእን፡ ፍቕሪ ኣይትጀሃርን ኣይትንፋሕን፡ ኣይተስተሓፍርን፡ ናታ ኣይትደልን፡ ኣይትምረርን፡ ኣይትቕየምን እያ፡ ብሓቂ ትሕጐስ እምበር፡ ብዓመጽ ባህ ኣይብላን። ኲሉ ትጸውር፡ ኲሉ ትኣምን፡ ኲሉ ተስፋ ትገብር፡ ኲሉ ትዕገስ። ፍቕሪ ከቶ ኣይተቋርጽን እያ። ትንቢት እንተሎ ንሱ ኺሰዓር፡ ምዝራብ ቛንቋታት እንተሎ ንሱ ኺውዳእ፡ ፍልጠት ንእተሎውን ንሱ ኺሰዓር እዩ፡ ማለት፡ ሓደ ምቃል ንፈልጥ ኢና እሞ፡ ሓደ ምቃል ከኣ ንንበ። ግናኸ እቲ ምልኣት ምስ መጸ፡ እቲ ምቃል ኪሰዓር እዩ። ቈልዓ ኸሎኹ፡ ከም ቈልዓ ተዛረብኩ፡ ልቢ ቘልዓ ነበረኒ፡ ከም ቈልዓ ሐሰብኩ። ሰብኣይ ምስ ኰንኩ ግና፡ እቲ ነገር ቈልዓ ሐደግኩ። ሕጂስ ብመረጸን ዋግዋጎ ንርኢ አሎና፡ ሽዑ ግና ገጽ ንገጽ ክንርኢ ኢና እሞ፡ ሕጂ ምቃል እፈልጥ አሎኹ፡ ሽዑ ግና ከምቲ ኣነ እተፈለጥኩ ኽፈልጥ እየ። ሕጂ ግና እምነት፡ ተስፋ፡ ፍቕሪ፡ እዘን ሰለስተ እዚኣተን ይነብራ፡ ካብዚኣተን እትዐቢ ግና ፍቕሪ እያ።

Translation | Context
1ይ ዮሃንስ 3:1 | 2 Helpful votes

ርኣዩ፡ ውሉድ ኣምላኽ ክንብሀል፡ እቲ ኣቦ ኸመይ ዝበለ ፍቕሪ ሀበና፡ ከምእውን ኢና። ስለዚ ኸኣ ዓለም ንእኡ ኣይፈለጠቶን እሞ፡ ንኣና ኣይትፈልጠናን እያ።

Translation | Context
ኤርምያስ 31:3 | 2 Helpful votes

እግዚኣብሄር ካብ ርሑቕ ተራእየኒ፡ ብናይ ዘለኣለም ፍቕሪ ኣፍቀርኩኺ፡ ስለዚ ኸኣ ብምሕረት ሰሐብኩኺ።

Translation | Context
ዘዳግም 6:4-9 | 2 Helpful votes

ዎ እስራኤል፡ ስማዕ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ሓደ እግዚኣብሄር እዩ። ንስካ ድማ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብዅሉ ልብኻን ብዅሉ ነፍስኻን ብዅሉ ሓይልኻን ፍተዎ። እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ቓላት ኣብ ልብኻ ይኹን። ንደቅኻ ምሀሮም፡ ኣብ ቤትካ ኾፍ ምስ በልካን ኣብ መገዲ ኽትከይድ ከሎኻን ኣብ በጥ ምባልካን ኣብ ምትንሳእካን ብእኡ ተዛረብ። ንምልክት ኣብ ኢድካ እሰሮ፡ ኣብ መንጎ ኣዒንትኻ ድማ ክታብ ይኹን። ኣብ ልዳት ቤትካን ኣብ ማዕጾኻን ድማ ጽሐፎ።

Translation | Context
ምሳሌ 23:13-14 | 2 Helpful votes

ንቘልዓ ብሸቦጥ እንተ ግረፍካዮ፡ ኣይመውትን እዩ እሞ፡ ብዘይ መቕጻዕቲ ኣይትግደፎ። ብሸቦጥ ትገርፎ እሞ፡ ንነፍሱ ኻብ ሲኦል ተድሕና።

Translation | Context