Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

18 bible verses about

panic attacks


ኢሳይያስ 41:10 | 11 Helpful votes

ምሳኻ እየ እሞ፡ ኣይትፍራህ፡ ኣነ ኣምላኽካ እየ እሞ፡ ኣይትሸበር፡ ከበርትዓካ፡ ክረድኣካ፡ ብየማነይቲ ኢድ ጽድቀይውን ክድግፈካ እየ።

Translation | Context
ኢሳይያስ 43:1-2 | 8 Helpful votes

ሕጂ ግና ኣታ ያእቆብ፡ እቲ ዝፈጠርካ፡ ኣታ እስራኤል ድማ፡ እቲ ዝደኰነካ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል፡ ተበጅየካ እየ እሞ፡ ኣይትፍራህ፡ ብስምካ ጸዋዕኩኻ፡ ንስኻ ናተይ ኢኻ። ብማያት ምስ እትሐልፍ፡ ምሳኻ ክኸውን እየ፡ ብውሒዝ ምስ እትሳገር ከኣ፡ ኣይኬጥሕለካን እዩ፡ ብሓዊ ምስ እትኸይድ፡ ኣይክትነድድን ኢኻ፡ ሃልሃልታውን ኣይኪህምዀካን እዩ።

Translation | Context
ማቴዎስ 6:25-34 | 7 Helpful votes

ካብ መብልዕሲ ህይወትዶ ኣይትበልጽንን፧ ካብ ክዳንስ ስጋዶ ኣይበልጽን፧ ስለዚ ንህይወትኩም ብትበልዕዎን ብትሰትይዎን ወይስ ንስጋኹም ብትኽደንዋን ኣይትጨነቑ፡ እብለኩም አሎኹ። ንዕዋፍ ሰማይ ተመልከቱ፡ ናይ ሰማይ ኣቦኹም ደኣ ይምግበን እምበር፡ ኣይዘርኣ፡ ኣይዐጽዳ፡ ኣብ ማዕከንውን ኣይእክባን እየን። ንስኻትኩምዶ ግዳ ኻባታተን ብዙሕ ኣይትበልጹን፧ ካባኻትኩምከ ተጨኒቑ ኣብ ልዕሊ ቝመቱ ሓንቲ እመት ኪውስኽ ዚኽእል መን አሎ፧ ከመይከ ብናይ ክዳን እትጭነቑ፧ ንዕምባባታት መሮር ከመይ ኢሎም ከም ዚዐብዩ ተመልከቱ፡ ኣይደኽሙ፡ ኣይፈትሉ። ምስናይዚ ግና ሰሎሞን እኳ በቲ ዅሉ ኽብሩ ኸም ሓደ ኻባታቶም ከም ዘይተኸድነ፡ እብለኩም አለኹ። ኣምላኽ ነቲ ሎሚ ዘሎ፡ ጽባሕ ግና ናብ እቶን ዚድርበ ሳዕሪ መሮር ከምዚ ገይሩ ዚኸድኖ ኻብ ኰነ ደኣ፡ ኣቱም ጕዱላት እምነት፡ ንኣኻትኩምዶ ግዳ ኣብሊጹ ኣይከድነኩምን፧ እምበርከ እንታይ ንበልዕ፡ እንታይ ንሰቲ፡ እንታይ ንኽደን፡ ኢልኹም ኣይትጨነቑ። ነዚ ኹሉስ ኣህዛብ ይደልይዎ እዮም እሞ፡ ንኣኻትኩም እዚ ዅሉ ኸም ዜድልየኩም፡ ናይ ሰማይ ኣቦኹም ይፈልጥ እዩ። ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ድለዩ፡ እዚ ዅሉ ድማ ይውሰኸልኩም። ጽባሕ ንርእሳ ትጭነቕ እያ እሞ፡ ንጽባሕ ኢልኩም ኣይትጨነቑ። ንመዓልቲ ኽፍኣታ ይኣኽላ።

Translation | Context
እብራውያን 13:6 | 6 Helpful votes

ስለዚ ተቢዕና፡ እግዚኣብሄር ረዳእየይ እዩ እሞ፡ ኣይክፈርህን እየ፡ ሰብከ እንታይ ከይገብረኒ፧ ንበል።

Translation | Context
ፊልጲ 4:6 | 6 Helpful votes

ድሌትኩም ዘበለስ ብጸሎትን ልማኖን ምስናይ ምስጋና ኣብ ኣምላኽ ይፈለጥ ኣምበር፡ ብገለ እኳ ኣይትጨነቑ።

Translation | Context
2ይ ጢሞቴዎስ 1:7 | 5 Helpful votes

በዚ ምኽንያት እዚ፡ ኣምላኽሲ መንፈስ ሓይልን ፍቕር ቅጽዓትን እምበር፡ መንፈስ ፍርሃት ኣይሃበናን እሞ፡ ነቲ ብምንባር ኢደይ ኣባኻ ዘሎ ውህበት ኣምላኽ ክትሕድሶ ኤዘክረካ አሎኹ።

Translation | Context
ምሳሌ 3:5-6 | 5 Helpful votes

ብምሉእ ልብኻ ብእግዚኣብሄር ተኣመን፡ ኣብ ልቦናኻ ኣይትጸጋዕ። ኣብ ኵሉ መገድኻ ንእኡ ሕሰብ፡ ንሱ ኸኣ ኣኻይዳኻ ኬቕንዕ እዩ።

Translation | Context
ያእቆብ 1:2-4 | 4 Helpful votes

ኣሕዋተየ፡ በበይኑ ዝዀነ ፈተና እንተ በጽሓኩም፡ ንዅሉ ኸም ሓጐስ ቍጸርዎ። እቲ ምፍታን እምነትኩም ትዕግስቲ ኸም ዚገብር ፈሊጥኩምሲ፡ ብሓንቲ እኳ ኸይጐደልኩም ፍጹማትን ምሉኣትን ምእንቲ ኽትኰኑ፡ እታ ትዕግስቲ ፍጹም ግብሪ ይሀልዋ።

Translation | Context
መዝሙር 46:10 | 3 Helpful votes

ህድእ በሉ እሞ ኣነ ኣምላኽ ምዃነይ ኣስተብህሉ፣ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ልዕል ክብል፣ ኣብ ምድሪ ልዕል ክብል እየ።

Translation | Context
1ይ ዮሃንስ 4:4 | 3 Helpful votes

ኣቱም ደቀየ፡ ንስኻትኩም ካብ ኣምላኽ ኢኹም፡ ካብቲ ኣብ ዓለም ዘሎስ እቲ ኣባኻትኩም ዘሎ ዚዐቢ ስለ ዝዀነ፡ ንስኻትኩም ስዒርኩምዎም አሎኹም።

Translation | Context
ማቴዎስ 28:20 | 3 Helpful votes

ስለዚ ኺዱ ንዅሎም ኣህዛብ ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን እናኣጥመቕኩም፡ ዝኣዘዝኩኹም ኵሉ ኺሕልዉ ኸኣ እናመሀርኩም፡ ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም። እንሆ ድማ፡ ኣነ ኽሳዕ መወዳእታ ዓለም ኵሉ መዓልቲ ምሳኻትኩም እየ።

Translation | Context
መዝሙር 34:1-22 | 2 Helpful votes

ንእግዚኣብሄር ኵሉ ጊዜ እባርኾ፣ ውዳሴኡ ንሓዋሩ ኣብ ኣፈይ እዩ። ነፍሰይ ብእግዚኣብሄር ክትሕበን እያ፣ ትሑታት እዚ ሰሚዖም ኪሕጐሱ እዮም። ንእግዚኣብሄር ምሳይ ኣዕብይዎ፣ ንስሙ ሐቢርና ልዕል ነብሎ። ንእግዚኣብሄር ደሌኽዎ፣ ንሱውን መለሰለይ፣ ካብ ኵሉ ፍርሃተይ ኣናገፈኒ። ናብኡ ዚጥምቱ የንጸባርቑ፣ ገጾምውን ከቶ ኣይሐፍርን። እዚ መስኪን እዚ ኣእወየ፣ እግዚኣብሄርውን ሰምዖ፣ ካብ ኵሉ ጸበባኡ ኣድሐኖ። መልኣኽ እግዚኣብሄር ኣብ ዙርያ እቶም ዚፈርህዎ ይሰፍር የናግፎም ከኣ እዩ። እግዚኣብሄር ሰናይ ምዃኑ ጥዐሙን ርአዩን፣ ኣብኡ ዚውከል ሰብ ብጹእ እዩ። ነቶም ዚፈርህዎ ገለ ኣይጐድሎምን እዩ እሞ፣ ኣቱም ቅዱሳኑ፣ ንእግዚኣብሄር ፍርህዎ። ኰራኵር ኣናብስ ይስእኑን ይጠምዩን፣ ንእግዚኣብሄር ዚደልይዎ ግና ሰናይ ዘበለ ከቶ ኣይጐድሎምን። ደቀየ፣ ፍርሃት እግዚኣብሄር ክምህረኩምሲ፣ ንዑ ስምዑኒ። ህይወት ዚፈቱ፣ ጽቡቕ መዓልትታት ኪርኢ ዚደሊ ሰብ መን አሎ፧ መልሓስካ ኻብ እከይ፣ ከናፍርካውን ካብ ምዝራብ ጥልመት ሐሉ፣ ካብ እከይ ርሐቕ፣ ሰናይ ከኣ ግበር፣ ንሰላም ድለያ ስዐባውን። ኣዒንቲ እግዚኣብሄር ናብ ጻድቃን፣ ኣእዛኑ ኸኣ ናብ ኣውያቶም እየን። ንመዘከርታኦም ካብ ምድሪ ምእንቲ ኼጥፍኦስ፣ ገጽ እግዚኣብሄር ናብቶም ገበርቲ እከይ እዩ። ጻድቃን የእውዩ፣ እግዚኣብሄር ድማ ይሰምዖም፣ ካብ ኵሉ መከራኦምውን የናግፎም። እግዚኣብሄር ነቶም ስቡር ልቢ ዘለዎም ቀረባኦም እዩ፣ ነቶም ቅጥቁጥ መንፈስ ዘለዎም ድማ የድሕኖም። ናይ ጻድቕ መከራ ብዙሕ እዩ፣ እግዚኣብሄር ግና ካብ ኵሉ የናግፎ። ንሱ ንዅለን ኣዕጽምቱ ይባልሄን፣ ሓንቲ እኳ ኣይትስበርን። ክፍኣት ንረሲእ ይቐትሎ፣ ንጻድቕ ዚጸልኡ ኸኣ ኪዅነኑ እዮም። እግዚኣብሄር ንነፍሲ ባሮቱ ይብጀወን፣ ካብቶም ኣብኡ ዜዕቊቡ ኸኣ ሓደ እኳ ኣይኵነንን እዩ።

Translation | Context
ኢሳይያስ 41:13 | 2 Helpful votes

ኣነ ንየማነይቲ ኢድካ ዝሕዝ፡ ኣይትፍራህ፡ ክድግፈካ እየ፡ ዝብል እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እየ እሞ፡ ነቶም ዚወዳደሩኻ ኽትደልዮም ኣይክትረኽቦምን ከኣ ኢኻ፡ እቶም ዚዋግኡኻ ድማ ከንቱን ከም ገለ ዘይነበረን ኪዀኑ እዮም።

Translation | Context
መዝሙር 121:1-8 | 2 Helpful votes

ኣዒንተይ ናብ ኣኽራን ኤልዕል አሎኹ። ረዲኤተይ ካበይ እዩ ዚመጸኒ፧ ረዲኤተይሲ ኻብቲ ሰማይን ምድርን ዝገበረ እግዚኣብሄር እዩ ዚመጸኒ። ንሱ ንእግርኻ ኣየሰናኽልን፣ ሓላዊኻ ኣይታኸስን። እንሆ፣ እቲ ንእስራኤል ዚሕሉ ኣይታኸስን ኣይድቅስን እዩ። እግዚኣብሄር ሓላዊኻ እዩ፡ እግዚኣብሄር ኣብ የማነይቲ ኢድካ ጽላልካ እዩ። ጸሓይ ብመዓልቲ፣ ወርሒውን ብለይቲ ኣይኪወቕዓካን እዩ። እግዚኣብሄር ካብ እከይ ዘበለ ኺሕልወካ፣ ንነፍስኻ ኺሕልዋ እዩ። እግዚኣብሄር ካብ ሕጂ ንዘለአለም ምውጻእካን ምእታውካን ኪሕሉ እዩ።

Translation | Context
ማቴዎስ 10:28 | 2 Helpful votes

ነቲ ነፍስን ስጋን ኣብ ገሃነም ኬጥፍእ ዚከአሎ ደኣ ኣዚኹም ፍርህዎ እምበር፡ ነቶም ንስጋ ዚቐትሉ፡ ንነፍሲ ግና ምቕታላ ዘይከአሎም ኣይትፍርህዎም።

Translation | Context
መዝሙር 91:1-16 | 2 Helpful votes

አብ ጸግዒ እቲ ልዑል ዚሐድር፣ ኣብ ጽላል እቲ ዅሉ ዚኽእል ይነብር። ንእግዚኣብሄር፣ ጸግዔይን ዕርደይን ዝውከሎ ኣምላኸይን እዩ፣ እብሎ አሎኹ። ካብ መጻወድያ ሃዳናይ፣ ካብ ዜጥፍእ ፌራ ኼናግፈካ እዩ እሞ፣ ብግልግሌኡ ኼጐልብበካ፣ ኣብ ትሕቲ አኽናፉ ኸኣ መጸግዒ ኽትረክብ ኢኻ፣ ሓቁ ዋልታን ጸግዕን እዩ። ካብ ስምባድ ለይቲ፣ ካብቲ ብመዓልቲ ዚውርወር ፍላጻ፣ ካብቲ ብጸልማት ዚኸይድ ፌራ፣ ብቐትሪ ዜባድም ሕማም ኣይክትፈርህን ኢኻ። ኣብ ጥቓኻ ሽሕ፣ ኣብ የማንካውን እልፊ ኺወድቁ እዮም፣ ኣባኻ ግና ኣይኪበጽሕን እዩ። በዒንትኻ ጥራይ ክትጥምቶ፣ ረሲኣን ዚረኽብዎ መስጣውን ክትርኢ ኢኻ። ጐይታይ፣ ንስኻ መዕቈብየይ ኢኻ፣ ኢልካ ኢኻ እሞ፣ ንልዑልሲ መጸግዒኻ ስለ ዝገበርካዮ፣ እከይ ዘበለ ኣይኪረኽበካን፣ ስቓይውን ኣብ ድንኳንካ ኣይኪቐርብን እዩ። አብ ኵሉ መገድኻ ኺሕልዉኻ፣ ንመላእኽቱ ኺእዝዘልካ እዩ እሞ፣ እግርኻ ብእምኒ ኸይትዕንቀፍሲ፣ ኣብ ልዕሊ ኣእዳዎም ኪጾሩኻ እዮም። ኣብ ልዕሊ ኣንበሳን ተመንን ክትከይድ፣ ሽደን አንበሳን ገበልን ክትረግጽ ኢኻ። ኣጥቢቑ ስለ ዘፍቀረኒ፣ ከናግፎ፣ ንስመይ ስለ ዝፈለጦ፣ ከልዕሎ እየ። ኪጽውዓኒ ኣነውን ክመልሰሉ፣ ብጸበባ ምስኡ ክኸውን፣ ከናግፎን ከኽብሮን እየ። ነዊሕ ዕድመ ኸጽግቦ፣ ምድሓነይውን ከርእዮ እየ።

Translation | Context
1ይ ጴጥሮስ 5:8 | 2 Helpful votes

ድያብሎስ፡ እቲ መጻርርትኹም፡ ዚውሕጦ ደልዩ ኸም ዝጓዝም ኣንበሳ ዀይኑ ይዘውር አሎ እሞ፡ ተጠንቀቑ፡ ንቕሑ።

Translation | Context
ሮሜ 5:8 | 2 Helpful votes

ግናኸ ንሕና ገና ሓጥኣን ከሎና፡ ክርስቶስ ኣብ ክንዳና ሞይቱ እዩ እሞ፡ ኣምላኽ እታ ፍቕሩ ንኣና በዚ የርኢ አሎ።

Translation | Context