Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

4 bible verses about

pagan holidays


ኤርምያስ 10:1-4 | 13 Helpful votes

ኣቱም ቤት እስራኤል፡ እዚ ንኣኻትኩም እግዚኣብሄር ዚዛረቦ ዘሎ ቓል ስምዑ። እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፡ ብመገዲ ኣህዛብ ምኻድ ኣይትልመዱ። ብትእምርትታት ሰማይውን፡ ኣህዛብ ይፈርህዎም እዮም ኢልኩም፡ ኣይትፍርሁ። ባህሊ ኣህዛብ ከንቱነት እዩ እሞ፡ ኦም ካብ ዱር ይቘርጹ፡ ኢድ ጸራቢ ኸኣ ብምሳር ይጸርቦ። ብብሩርን ብወርቅን ይልብጥዎ፡ ሰንከልከል ከይብል ድማ ብሽንካርን ብሞደሻን የጋጥምዎ።

Translation | Context
ኤርምያስ 10:2-9 | 8 Helpful votes

እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፡ ብመገዲ ኣህዛብ ምኻድ ኣይትልመዱ። ብትእምርትታት ሰማይውን፡ ኣህዛብ ይፈርህዎም እዮም ኢልኩም፡ ኣይትፍርሁ። ባህሊ ኣህዛብ ከንቱነት እዩ እሞ፡ ኦም ካብ ዱር ይቘርጹ፡ ኢድ ጸራቢ ኸኣ ብምሳር ይጸርቦ። ብብሩርን ብወርቅን ይልብጥዎ፡ ሰንከልከል ከይብል ድማ ብሽንካርን ብሞደሻን የጋጥምዎ። ከም ኦም ስየ ትኽ ዝበሉን ዘይዛረቡን እዮም። ኪኸዱ ኣይኽእሉን እዮም እሞ፡ ሰብ እዩ ዚጾሮም። ጽቡቕ ዚገብርዎ የብሎምን፡ ክፉእ ድማ ኪገብሩ ኣይከኣሎምን እዩ እሞ፡ ኣይትፍርህዎም። ዎ እግዚኣብሄር፡ ከማኻ ሓደ እኳ የልቦን፡ ንስኻ ዓብዪ ኢኻ፡ ስምካ ድማ ብስልጣን ዓብዪ እዩ። ኣታ ንጉስ ህዝብታት፡ ካብ ኲላቶም ጠቢባን ህዝብታትን ካብ ኲሎም መንግስትታቶምን ሓደ እኳ ኸማኻ የልቦን እሞ፡ ይግብኣካ ስለ ዝዀነ፡ መን እዩ ዘይፈርሃካ፧ ኲላቶም ዕኑዳትን ዓያሱን እዮም፡ ትምህርቲ ኸንቱነትሲ ዕጨይቲ እዩ። ብስራሕ ኣንጠረኛን ብኢድ ብልሓተኛን እተገብረ ገላዕታ ብሩር ካብ ተርሲስ፡ ወርቂ ኸኣ ካብ ኡፉዝ ዘምጽእዎ እዩ። ክዳውንቶም ሰማያውን ጁኽን እዩ፡ ኲላቶም ግብሪ ብልሓተኛታት ሰብ እዮም።

Translation | Context
ቈሎሴ 2:8 | 7 Helpful votes

ከም ናይ ክርስቶስ ዘይኰነስ፡ ብልማድ ሰብ፡ ከም ምህሮ ቝልዕነት እዛ ዓለም እዚኣ፡ ብጥበብ ዓለምን ብኸንቱ ምጥባርን ሓደ እኳ ኸይማርኸኩምሲ፡ ተጠንቀቑ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 11:1-2 | 5 Helpful votes

ከምዚ ኣነ ንክርስቶስ ዝመስሎ ዘሎኹ፡ ንስኻትኩም ንኣይ ምሰሉ። ሕጂ ድማ ብዂሉ ስለ ዝዘከርኩምንን ከምቲ ዝመሃርኩኹም ጌርኩም፡ ነቲ ምህሮ ስለ ዝሐዝኩምዎን እንእደኩም አሎኹ።

Translation | Context