Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

7 bible verses about

overcoming greed


ሉቃስ 12:13-21 | 10 Helpful votes

ሓደ ኻብቶም ህዝቢ ድማ፥ መምህር፡ ንሓወይ ርስተይ ኪመቕለኒ በለለይ፡ በሎ። ንሱ ኸኣ፥ ኣታ ሰብኣይ፡ ኣባኻትኩምከ ዳኛን መማቐልን ገይሩ መን ሸይመኒ፧ በሎ። ንሱ ኸኣ፥ ህይወት ሰብ ብብዝሒ ገንዘብ ኣይኰነትን እሞ፡ ተጠንቀቑ፡ ካብ ኵሉ ስስዔ ኸኣ ርእስኹም ሐልዉ፡ በሎም። ከምዚ ኢሉ ኸኣ ምስላ ነገሮም፥ ሓደ ሃብታም ሰብኣይ ግርሁኡ ቐደወሉ። ብልቡ ኸኣ፥ እኽለይ ዝእክበላ ስፍራ የብለይን፡ እንታይ ደኣ እገብር እየ ኢሉ ሐሰበ። ንሱ ድማ፥ ከምዚ እገብር፥ ንማዕከነይ ኣፍሪሰ፡ ኣግፊሔ እሰርሖ፡ ኣብኡ ኸኣ ኵሉ እኽለይን ሃብተይን እእክብ። ንነፍሰይውን፥ ኣቲ ነፍሰይ፡ ብዙሕ እተደለበ ሃብቲ ንብዙሕ ዓመታት ዚኣኽለኪ አሎኪ እሞ ዕረፊ፡ ብልዒ፡ ስተዪ፡ ተሐጐሲ፡ እብላ፡ በለ። ኣምላኽ ግና፥ ኣታ ዓሻ፡ ንነፍስኻ ካባኻ ኺወስድዋ በዛ ለይቲ እዚኣ ይደልይዋ አለዉ። እዚ ዝደለብካዮ ደኣ ንመን ኪኸውን እዩ፧ በሎ። እቲ ንርእሱ መዝገብ ዚእክብ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሃብታም ዘይኰነ ከምኡ እዩ።

Translation | Context
ሉቃስ 12:15 | 9 Helpful votes

ንሱ ኸኣ፥ ህይወት ሰብ ብብዝሒ ገንዘብ ኣይኰነትን እሞ፡ ተጠንቀቑ፡ ካብ ኵሉ ስስዔ ኸኣ ርእስኹም ሐልዉ፡ በሎም።

Translation | Context
መክብብ 5:10 | 8 Helpful votes

ብሩር ዚፈቱ ብብሩር ኣይጸግብን። ሃብቲ ዚፈቱ ኸኣ ኣይረብሕን፡ እዚውን ከንቱነት እዩ።

Translation | Context
1ይ ጢሞቴዎስ 6:6 | 7 Helpful votes

ግናኸ ኣምልኾ ምስ ይአኽለኒ ምባል ዓብዪ ረብሓ እዩ።

Translation | Context
ሉቃስ 3:10-14 | 7 Helpful votes

እቶም ህዝቢ ድማ፥ እንታይ እሞ ንግበር፡ ኢሎም ሐተትዎ። ንሱ ኸኣ፥ ክልተ ቐምሽ ዘለዎ ነቲ ዜብሉ ይምቀሎ፡ ቀለብ ዘለዎ ድማ ከምኡ ይግበር፡ ኢሉ መለሰሎም። ተገውቲ ድማ ኪጥመቑ መጺኦም፥ መምህር፡ እንታይ ንግበር፧ በልዎ። ንሱ ኸኣ፥ ካብቲ እተኣዘዘልኩም ሓለፋ ኣይትውሰዱ፡ በሎም። ዓቀይቲውን፥ ንሕናኸ እንታይ ንግበር፧ ኢሎም ሐተትዎ። ንሱ ኸኣ፥ ንሓደ እኳ ኣይትግፍዑ፡ ብሓሶትውን ኣይትኽሰሱ፡ ደደመወዝኩም ከኣ ይእከልኩም፡ በሎም።

Translation | Context
ቈሎሴ 3:5 | 6 Helpful votes

ስለዚ ነቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ኣካላትኩም ቅተሉ፡ ምንዝር፡ ርኽሰት፡ ፍትወት ስጋ፡ ክፉእ ትምኒት፡ ስስዔ፡ እዚ ድማ ኣምልኾ ጣኦት እዩ፡

Translation | Context
1ይ ጢሞቴዎስ 6:18 | 6 Helpful votes

ገበርቲ ሰናይ ኪዀኑ፡ ብሰናይ ግብሪ ኺህብትሙ፡ ለጋሳትን መማቐልትን ኪዀኑ፡

Translation | Context