Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

13 bible verses about

overcoming disappointment


ፊልጲ 4:6-7 | 18 Helpful votes

ድሌትኩም ዘበለስ ብጸሎትን ልማኖን ምስናይ ምስጋና ኣብ ኣምላኽ ይፈለጥ ኣምበር፡ ብገለ እኳ ኣይትጨነቑ። እቲ ኻብ ኵሉ ኣእምሮ ዚበልጽ ሰላም ኣምላኽ ድማ ንልብኹምን ሓሳብኩምን ብክርስቶስ የሱስ ኪሕልዎ እዩ።

Translation | Context
ሮሜ 8:28 | 12 Helpful votes

ነቶም ንኣምላኽ ዜፍቅሩ፡ ከም ምኽሩውን እተጸውዑ ግና ኵሉ ንሰናዮም ከም ዚድግፎም፡ ንፈልጥ ኢና።

Translation | Context
ኤርምያስ 29:11 | 10 Helpful votes

ኣነ ዝሐስበልኩም ዘሎኹ ሓሳብ እፈልጦ እየ፡ መፈጸምታን ተስፋን ክህበኩምሲ፡ ሓሳብ ደሓን እምበር፡ ናይ ክፉእ ኣይኰነን፡ ይብል እግዚኣብሄር።

Translation | Context
ቈሎሴ 3:23-25 | 9 Helpful votes

ነቲ ዓስቢ ርስቲ ኻብ ጐይታ ኸም እትቕበልዎ እናፈለጥኩም፡ እትገብርዎ ዘበለ ንሰብ ዘይኰነስ ንጐይታ ኸም እትገብርዎ ጌርኩም፡ ካብ ልቢ ግበርዎ፥ ንጐይታና ክርስቶስ ኢኹም እትግዝእዎ ዘሎኹም። እቲ ዝዓመጸስ ኣብ ክንዲ እቲ ዝዓመጾ ኺፍደ እዩ፡ ኣድልዎ ገጽውን የብሉን።

Translation | Context
መዝሙር 121:1-8 | 5 Helpful votes

ኣዒንተይ ናብ ኣኽራን ኤልዕል አሎኹ። ረዲኤተይ ካበይ እዩ ዚመጸኒ፧ ረዲኤተይሲ ኻብቲ ሰማይን ምድርን ዝገበረ እግዚኣብሄር እዩ ዚመጸኒ። ንሱ ንእግርኻ ኣየሰናኽልን፣ ሓላዊኻ ኣይታኸስን። እንሆ፣ እቲ ንእስራኤል ዚሕሉ ኣይታኸስን ኣይድቅስን እዩ። እግዚኣብሄር ሓላዊኻ እዩ፡ እግዚኣብሄር ኣብ የማነይቲ ኢድካ ጽላልካ እዩ። ጸሓይ ብመዓልቲ፣ ወርሒውን ብለይቲ ኣይኪወቕዓካን እዩ። እግዚኣብሄር ካብ እከይ ዘበለ ኺሕልወካ፣ ንነፍስኻ ኺሕልዋ እዩ። እግዚኣብሄር ካብ ሕጂ ንዘለአለም ምውጻእካን ምእታውካን ኪሕሉ እዩ።

Translation | Context
ኢሳይያስ 40:28-31 | 4 Helpful votes

እቲ ንወሰናት ምድሪ ዝፈጠረ እግዚኣብሄር ዘለኣለማዊ ኣምላኽ ከም ዝዀነ፡ ከም ዘይደክምን ከም ዘይሕለልን፡ ኣእምሮኡ ኸም ዘይምርመርን፡ ኣይትፈልጥንዶ ኣይሰማዕካንዶኸ ኢኻ፧ ንድኹም ሓይሊ ይህብ፡ ንስኑፍ ከኣ ብርታዔ ይውስኽ። ኣጒባዝ ይደኽሙን ይሕለሉን፡ ኣባጽሕ ድማ ሰንከልከል ኢሎም ይወድቁ፡ እቶም ንእግዚኣብሄር ዚጽበዩ ግና ሓይሎም ይሕደስ። ከም ንስሪ በኽናፍ ይድይቡ፡ ይጐዩ እሞ ኣይሕለሉን፡ ይኸዱ እሞ ኣይደኽሙን።

Translation | Context
መዝሙር 23:1-6 | 4 Helpful votes

እግዚኣብሄር ጓሳይየይ እዩ፣ ዚጐድለኒ የብለይን። ኣብ ልሙዕ ሸኻ የውዕለኒ፣ ናብ ዝዐርፈሉ ማይ ይመርሓኒ። ንሱ ንነፍሰይ የህድኣ፣ ምእንቲ ስሙ ኢሉ ብመገዲ ጽድቂ ይመርሓኒ። በርትኻን ምርኵስካን የጸናንዓኒ እዩ፣ ንስኻ ምሳይ ኢኻ እሞ፣ ብርባርባ ድነ ሞት እኳ እንተ ኸድኩ፣ ክፉእ ኣይፈርህን እየ። ንስኻ ኣብ ቅድሚ ገጽ ጸላእተይ መአዲ ትሰርዓለይ፣ ንርእሰይ ብዘይቲ ትለኽዮ፣ ጽውኤይ ይጅርብብ አሎ። ብሓቂ ሳህልን ምሕረትን ብዅሉ ዕድመይ ኪስዕባኒ እየን፣ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ከኣ ንዘለአለም ክነብር እየ።

Translation | Context
እብራውያን 4:14-16 | 3 Helpful votes

ደጊም ብዘይ ሓጢኣትሲ፡ ብዅሉ ኸምዚ ኸማና እተፈተነ እዩ እምበር፡ ብድኻምና ኺድንግጸልና ዘይኽእል ሊቀ ኻህናት የብልናን እሞ፡ ብሰማያት ዝሐለፈ ዓብዪ ሊቀ ኻህናት፡ የሱስ ወዲ ኣምላኽ ካብ ዚህልወናስ፡ ምእማንና ነጽንዕ። ስለዚ ምሕረት ምእንቲ ኽንቕበል፡ ብጊዜ ጸበባውን ንረዲኤትና ዚኸውን ጸጋ ኽንረክብ፡ ብትብዓት ናብ ዝፋን ጸጋ ንቕረብ።

Translation | Context
መዝሙር 73:1-28 | 2 Helpful votes

ብሓቂ ኣምላኽ ንእስራኤል፣ ነቶም ንጹህ ልቢ ዘለዎም ሰናይ እዩ። ኣነ ግና ኣእጋረይ ሰንከልከል ንምባል፣ ስጕምተይ ንምንድልሃጽ ቀሪበ ነበርኩ። ራህዋ ረሲአን ምስ ርኤኹ፣ ንደፋራት ቀናእኩሎም፣ ክሳዕ ሞቶም ስቓይ የብሎምን፣ ስጋኦምውን ስቡሕ እዩ እሞ፣ ጸገማ መወትቲ የብሎምን፣ ከም ሰብውን ኣይተሰቀዩን። ስለዚ ትዕቢት ከም ስልማት ክሳድ ይኸቦም፣ ግፍዒ ኸም ክዳን ይጕልብቦም። ኣዒንቶም ካብ ስብሒ ይወጻ፣ ሓሳባት ልቦም ይግንፍል። የላግጹ፣ ብኽፍኣቶም ግፍዒ ይዛረቡ፣ ካብ ላዕሊ ይዛረቡ አለዉ። ኣፎም ናብ ሰማይ የልዕሉ፣ መልሓሶም ከኣ ኣብ ምድሪ ይመላለስ። ስለዚ ህዝቡ ናብዚ ይምለስ፣ ካብኦምውን ብዙሕ ማይ ይሰቲ። ኣምላኽ ከመይ ገይሩ ይፈልጥ፧ ልዑልከ ፍልጠትዶ አለዎ እዩ፧ ይብሉ አለዉ። እንሆ፣ ረሲኣን እዚኣቶም እዮም፣ ኵሉ ጊዜ ሀዲኦም፣ ሃብቲ ይውስኹ አለዉ። ምሉእ መዓልቲ ተሰቅየ፣ ንግሆ ንግሆውን ተቐጺዔ እየ እሞ፣ እምበአርሲ ንልበይ ብኸንቱ ኣንጺሄ፣ ኣእዳወይውን ብንጽህና ሐጺበ። ከምኦም ክዛረብ እየ፣ ኢለ እንተ ዝኸውንሲ፣ ንወለዶ ውሉድካ ምጠለምኩ ነይረ። ነዚ ኸስተውዕል ምስ ሐሰብኩ፣ ናብ መቕደስ ኣምላኽ ክሳዕ ዝአቱ፣ መወዳእታኦምውን ክሳዕ ዘስተብህልሲ፣ ኣዝዩ ይሽግረኒ ነበረ። ብርግጽ ኣብ መንደልሃጺ ስፍራ ደው ተብሎም፣ ናብ ጥፍኣት ተውድቖም። ከመይከ ብድንገት ባደሙ፣ ጸነቱ፣ ብስምባድውን ተወድኡ። ከም ሕልሚ ድሕሪ ምንቃሕ፣ ንስኻ፣ ዎ እግዚኣብሄር፣ ምስ ነቓሕካ፣ ንምስሎም ከምኡ ኽትንዕቖ ኢኻ። ልበይ ምስ መረረ፣ ኣብ ኰላሊተይ ምስ ተወጋእኩ፣ ዐሾኹ፣ ደንቈሮውን ነበርኩ፣ ኣብ ቅድሜኻ ኸም እንስሳ ዀንኩ። ግናኸ ኣነ ዅሉ ጊዜ ምሳኻ እየ፣ ንስኻ ብየማነይቲ ኢደይ ሒዝካኒ፣ ብምኽርኻ ኽትመርሓኒ፣ ድሓርውን ናብ ክብሪ ኽትቅበለኒ ኢኻ። ኣብ ሰማይ ብጀካኻ መን አሎኒ፧ ንኣኻ ካብ ረኸብኩስ፣ ኣብ ምድሪ ዝደልዮ የብለይን። ስጋይን ልበይን እንተ ማህመነ እኳ፣ ኣምላኽ ንዘለአለም ከውሒ ልበይን ክፍለይን እዩ። እንሆ፣ ካባኻ ዚርሕቁ ኺጠፍኡ እዮም እሞ፣ ካባኻ ብምንዝርና ዚዐልዉ ዘበሉ ተጽንቶም። ንኣይ ግና ናብ ኣምላኽ ምቕራብ ይሔሸኒ፣ ኵሉ ተግባርካ ምእንቲ ኸዘንቱስ፣ እሙንቶይ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ገበርኩ።

Translation | Context
1ይ ዮሃንስ 5:13-14 | 2 Helpful votes

ንኣካትኩም ብስም ወዲ ኣምላኽ እትኣምኑ ዘሎኹም፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ከም ዘላትኩም ምእንቲ ኽትፈልጡ ኢለ እየ እዚ ጽሒፈልኩም ዘሎኹ። ከምቲ ፍቓዱ ጌርና ሓደ ነገር እንተ ለመንናዮ፡ ይሰምዓና እዩ፡ እቲ ኣብኡ ዘሎና ትብዓት ድማ እዚ እዩ።

Translation | Context
ዮሃንስ 10:10 | 2 Helpful votes

ሰራቒ፡ ብጀካ ኺሰርቕን ኪሐርድን ኬጥፍእን ኢሉ ኣይመጽእን እዩ። ኣነ ግና ህይወት ምስ ተረፉ ምእንቲ ኺረክባ እየ ዝመጻእኩ።

Translation | Context
ማቴዎስ 10:29-31 | 2 Helpful votes

ክልተ ዑፍዶ ብኣሳርዮን ይሽየጣ ኣይኰናን፧ ሓንቲ ኻባታተን ብዘይ ፍቓድ ኣቦኹም ኣብ ምድሪ ኣይትወድቕን። ጸጉሪ ርእስኹም ኵለን እኳ ቝጹራት እየን። እምበኣርሰ ንስኻትኩም ካብ ብዙሓት ኣዕዋፍ ትበልጹ ኢኹም እሞ፡ ኣይትፍርሁ።

Translation | Context
ማቴዎስ 6:6 | 2 Helpful votes

ንስኻስ ክትጽሊ ኸሎኻ፡ ናብ ቤትካ እቶ፡ ማዕጾኻ ዕጾ፡ ነቲ ብሕቡእ ዘሎ ኣቦኻ ለምኖ። እቲ ብሕቡእ ዚርኢ ኣቦኻ ድማ ብግህዶ ኪኽሕሰካ እዩ።

Translation | Context