Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

14 bible verses about

other religions


1ይ ዮሃንስ 4:5-8 | 12 Helpful votes

ንሳቶምሲ ኻብ ዓለም እዮም፡ ስለዚ ኻብ ዓለም ይዛረቡ አለዉ፡ ዓለምውን ትሰምዖም አላ። ንሕና ኻብ ኣምላኽ ኢና፡ ንኣምላኽ ዚፈልጥ ይሰምዓና፡ እቲ ኻብ ኣምላኽ ዘይኰነ ኣይሰምዓናን እዩ። ንመንፈስ ሓቅን ንመንፈስ ስሕተትን ከኣ በዚ ኢና እንፈልጦ። ኣቱም ፍቁራተይ፡ ፍቕሪ ኻብ ኣምላኽ እያ እሞ፡ ንሓድሕድና ንፋቐር። ዜፍቅር ዘበለ ዅሉ ኻብ ኣምላኽ እተወልደ እዩ፡ ንኣምላኽውን ይፈልጦ እዩ። ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ እሞ፡ እቲ ዘየፍቅር ንኣምላኽ ኣይፈልጦን እዩ።

Translation | Context
ዮሃንስ 14:6 | 9 Helpful votes

የሱስ ከኣ፥ መገድን ሓቅን ህይወትን ኣነ እየ። ብዘይ ብኣይ ሓደ እኳ ናብ ኣቦ ዚመጽእ የልቦን።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 8:5-6 | 7 Helpful votes

ኣብ ሰማይ ወይስ ኣብ ምድሪ ኣማልኽቲ ዚብሃሉ እንተለዉስ፡ ከምቲ ብዙሓት ኣማልኽትን ብዙሓት ጐይተትን ዘለዉ፡ ንኣናስ ኲሉ ኻብኡ ዚኸውን ንሕናውን ንእኡ እንኸውን ሓደ ኣምላኽ ጥራይ፡ ኣቦ፡ አሎና፡ ኲሉ ብእኡ ዚኸውን ንሕና ኸኣ ብእኡ እንኸውን ሓደ ጐይታውን፡ የሱስ ክርስቶስ፡ አሎና።

Translation | Context
ገላትያ 1:6-10 | 5 Helpful votes

ካብቲ ብጸጋ ክርስቶስ ዝጸውዓኩም ከምዚ ቐልጢፍኩም ናብ ካልእ ወንጌል ምግልባጥኩም ይገርመኒ አሎ። እዚውን ገለ ዜዕገርግሩኹምን ነቲ ወንጌል ክርስቶስ ኪልውጥዎ ዚደልዩን ከም ዘለዉ ማለት እዩ እምበር፡ ካልእ ወንጌልሲ ኣይኰነን። ግናኸ ንሕና እኳ እንተ ዀንና ወይስ መልኣኽ ካብ ሰማይ፡ ብዘይ እዚ ንሕና ዝሰበኽናልኩም ወንጌል ካልእ ወንጌል እንተ ሰበኸልኩም፡ ንሱ ውጉዝ ይኹን። ከምቲ ቕድም ዝበልናዮ፡ ሕጂውን ከም ብሓድሽ፥ ብዘይ እቲ እተቐበልኩምዎስ ካልእ ወንጌል ዚሰብኽ እንተሎ፡ ንሱ ውጉዝ ይኹን፡ እብል አሎኹ። ሕጂኸ ንስብዶ ወይስ ንኣምላኽ እየ ባህ ዘብል ዘሎኹ፡ ወይስ ንሰብ ከሐጕስ ድየ ዝደሊ ዘሎኹ፡ ገና ንሰብ ከሐጕስ እንተ ዝብልሲ፡ ባርያ ክርስቶስ ኣይምዀንኩን ነይረ።

Translation | Context
ዮሃንስ 13:34-35 | 5 Helpful votes

ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ፡ ከምቲ ኣነ ዘፍቀርኩኹም፡ ከምኡ ጌርኩም ከኣ ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ፡ ሓድሽ ትእዛዝ እህበኩም አሎኹ። ነንሓድሕድኩም ፍቕሪ እንተ ላትኩም፡ በዚ ደቀ መዛሙርተይ ምዃንኩም ኵሉ ኺፈልጥ እዩ።

Translation | Context
ዮሃንስ 3:16-18 | 4 Helpful votes

ኣምላኽ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዝአመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ፡ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ። ኣምላኽ ንወዱ፡ ዓለም ብእኡ ኽትድሕን እምበር፡ ንዓለም ኪፈርዳስ ኣይለኣኾን። ብእኡ ንዚኣምን ኣይፍረዶን። ነቲ ዘይኣምን ግና፡ ብስም ሓደ ወዲ ኣምላኽ ስለ ዘይኣመነ፡ ድሮ ተፈሪድዎ አሎ።

Translation | Context
ዘዳግም 12:29-31 | 4 Helpful votes

ነዞም ክትወርሶም እትኸዶም ዘሎኻ ህዝብታት እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኻብ ቅድሜካ ምስ ኣጥፍኦም፡ ንስኻ ኸኣ ንኣታቶም ወሪስካ ኣብ ምድሮም ምስ ተቐመጥካ፡ ካብ ቅድሜካ ምስ ጠፍኡ፡ ደድሕሪኦም ብምስዓብካ ኸይትሕንኰል፡ ብዛዕባ ኣማልኽቶም ከኣ፡ እዞም ህዝብታት እዚኣቶም ከመይ ገይሮም ኣማልኽቶም የገልግሉ ነበሩ፧ ኣነ ድማ ከምኡ ኽገብር፡ ኢልካ ኸይትሐትት ተጠንቀቕ። ንኣማልኽቶም እቲ እግዚኣብሄር ዚጸልኦ ዘበለ ዅሉ ፍንፉን ነገር ይገብሩሎም ነበሩ፡ ንኣማልኽቶምሲ ኣወዳቶምን ኣዋልዶምን እኳ ብሓዊ የንድዱሎም ነይሮም እዮም እሞ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኸምኡ ኣይትግበረሉ።

Translation | Context
ዘዳግም 13:6-10 | 3 Helpful votes

ሓውካ፡ ወዲ እኖኻ፡ ወይ ወድኻ ወይ ጓልካ ወይ ኣብ ሕቚፍኻ ዘላ ሰበይትኻ ወይ ከም ነፍስኻ ዝዀነ ፈታዊኻ፡ ንኺድ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ነምልኽ፡ ኢሉ ብሕቡእ እንተ ሐበለካ፡ ንስኻ ዀነ ኣቦታትካ ዘይትፈልጥዎም፡ ካብ ኣማልኽቲ እቶም ካብ ወሰን ክሳዕ ወሰን ምድሪ፡ ኣብ ጥቓኻ ዀነ ወይ ኣብ ርሑቕካ፡ ኣብ ዙርያኹም ዘለዉ ህዝብታት፡ ሕራይ ኣይትበሎ፡ ኣይትስምዓዮ፡ ዓይንኻውን ኣይትራሕርሓሉ፡ ኣይትንሐፎ ኸኣ፡ ኣይትሕብኣዮውን። ርግጽ ቅተሎ ደኣ፡ ንምቕታሉ ኢድካ ትቐድም፡ ደሓር ኢድ ኲሉ ህዝቢ። ካብቲ ኻብ ምድሪ ግብጺ፡ ካብ ቤት ባርነት ዘውጽኣካ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኼግልሰካ ደልዩ እዩ እሞ፡ ኣብ ማእከልካ ኸምዚ ዝበለ ኽፉእ ከይድገምሲ፡ ኲሎም እስራኤል ሰሚዖም ኪፈርሁ፡ ኪመውት ብዳርባ እምኒ ቕተሎ።

Translation | Context
2ይ ተሰሎንቄ 2:9-12 | 2 Helpful votes

እቶም ዚጠፍኡስ ንምድሓኖም ዚኸውን ፍቕሪ ሓቂ ስለ ዘይተቐበሉ፡ ንኣታቶም ናይ እዚ ኣመጻጽኣ ብዅሉ ጥበራ ዓመጻ፡ ብዅሉ ሓይልን ትእምርትን ተኣምራት ሓሶትን ብሓይሊ ስይጣን እዩ ዚኸውን። ስለዚ ኸኣ እቶም ብዓመጻ ባህ ዚብሎም እምበር፡ ንሓቂ ዘይኣምኑ ዅሎም ምእንቲ ኺፍረዱ፡ ኣምላኽ፡ ነቲ ሓሶት ክሳዕ ዚአምኑ፡ ብርቱዕ ስሕተት ይሰደሎም።

Translation | Context
ዮሃንስ 15:16 | 2 Helpful votes

ኣነ ሐሬኹኹም እምበር፡ ንስኻትኩም ኣይሐሬኹምንን። ክትከዱን ፍረ ኽትፈርዩን ፍሬኹምውን ነባሪ ኪኽውን፡ ነቦ ብስመይ ዝለመንኩምዎ ዘበለ ምእንቲ ኺህበኩም፡ ነዚ መደብኩኹም።

Translation | Context
ዮሃንስ 6:44 | 2 Helpful votes

እቲ ዝለአኸኒ ኣቦይ ዝሰሐቦ እንተ ዘይኰይኑ፡ ናባይ ኪመጽእ ዚኽእል የልቦን። ኣነ ድማ በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ኸተንስኦ እየ።

Translation | Context
ሚክያስ 4:1-13 | 2 Helpful votes

በተን ዳሕሮት መዓልትታት ኪኸውን እዩ፡ እቲ ደብሪ ቤት እግዚኣብሄር ኣብ ርእሲ ኣኽራን ኪጸኖ፡ ኣብ ልዕሊ ዅድኵዶታት ከኣ ልዕል ኪብል እዩ። ህዝብታት ድማ ናብኡ ኺውሕዙ እዮም። ሕጊ ካብ ጽዮን፣ ቃል እግዚኣብሄር ከኣ ካብ የሩሳሌም ኪወጽእ እዩ እሞ፣ ብዙሓት ህዝብታት ኪኸዱ፣ ንዑናይ ናብ ከረን እግዚኣብሄር ናብ ቤት ኣምላኽ ያእቆብን ንደይብ፣ ንሱ ኸኣ ጐደናታቱ ኺምህረና እዩ፣ ንሕናውን ብመገድታቱ ኽንመላለስ ኢና፣ ከኣ ኪብሉ እዮም። ኣብ መንጎ ብዙሓት ህዝብታት ኪፈርዱ፣ ንብርቱዓት ህዝብታት ድማ ክሳዕ ርሑቕ ኪዳንዮም እዩ። ንሳቶም ከኣ ኣስያፎም ንማሕረሻታት፣ ኵናውቶም ድማ ንገዘሞታት ኪሰርሕዎ እዮም፣ ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ሰይፊ ኣይኬልዕልን እዩ፣ ደጊምሲ ውግእ ኣይኪምህሩን እዮም። ኣፍ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ተዛሪብዎ እዩ እሞ፡ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ትሕቲ ተኽሊ ወይኑን ኣብ ትሕቲ ኦም ሰለሱን ኪቕመጥ እዩ፡ ዜፍርሆም ከኣ የልቦን። ኵሎም እቶም ህዝብታት ነፍሲ ወከፎም በብስም ኣምላኾም ኪመላለሱ እዮም፣ ንሕናውን ንዘለኣለም ብስም እግዚኣብሄር ኣምላኽና ክንመላለስ ኢና። በታ መዓልቲ እቲኣ ነታ ሓንካስ ክእክባ፡ ነታ እተስጐትን ነታ ኣነ ዘጨነቕክዋን ክሕብረን እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር። ነታ ሓንካስ ንተረፍ፣ ነታ ናብ ርሑቕ እተሰጐት ከኣ ብርቱዕ ህዝቢ ኽገብረን እዩ። እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ሎሊኦም ኣብ ከረን ጽዮን ካብ ሕጂ ንዘለኣለም ኪነግስ እዩ። ኣታ ግምቢ መጓሰ፣ ኣታ ዅርባ ጓል ጽዮን፣ ናባኻ ኽትመጽእ፣ እወ፣ እታ ጥንታዊት ግዝኣት፣ እታ መንግስቲ ጓል የሩሳሌም ክትመጻካ እያ። እምብኣርሲ ስለምንታይ ደኣ ዓው ኢልኪ እትጭድሪ፧ ከም እትሐርስ ሰብይቲ ቕልውላው ዚሕዘክስ፡ ንጉስዶ ኣብ ማእከልኪ የሎን፡ መኻሪኺዶ ጠፊኡ እዩ፧ ኣቲ ጓል ጽዮን፡ ሕጂ ካብታ ኸተማ ኽትወጺ፡ ኣብ መሮር ከኣ ክትስፍሪ፡ ክሳዕ ባቢሎን ድማ ክትመጺ ኢኺ። ኣብኡ ኽትድሕኒ ኢኺ፡ ኣብኡ እግዚእብሄር ካብ ኢድ ጸላእትኺ ኺብጀወኪ እዩ እሞ፡ ከም እትሐርስ ሰበይቲ ኣቕለልውን ተጨነቕን። ሕጂ ኸኣ፣ ትርከስ፣ ኣዒንትና ድማ ናብ ጽዮን ይጥምታ፣ ዚብሎ ብዙሓት ህዝብታት ተኣከቡኺ። ንሳቶም ግና ሓሳብ እግዚኣብሄር ኣይፈለጡን ምኽሩውን ኣየስተውዐሉን፣ ንሱስ ከም እንዳእቲ ናብ ዓውዲ ይእክቦም አሎ። ኣቲ ጓል ጽዮን ቀርንኺ ሓጺን፣ ሸኾናኺ ድማ ነሓሲ ክገብሮ እየ እሞ፣ ተንስኢ፣ ኣኺዲ፣ ብዙሓት ህዝብታት ከኣ ክትሰባብሪ ኢኺ፣ ኣነውን ዘመቲኦም ንእግዚኣብሄር፣ ሃብቶም ድማ ንጐይታ ዅላ ምድሪ ክቕድሶ እየ።

Translation | Context
ዘዳግም 10:17 | 2 Helpful votes

እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም፡ ንሱ ኣምላኽ ኣማልኽቲ፡ ጐይታ ጐይተት፡ እቲ ዓብዪ፡ እቲ ሓያል፡ እቲ ዜፍርህ ኣምላኽ፡ ገጽ ርእዩ ዘየዳሉ፡ መማለዲ ኸኣ ዘይቅበል እዩ።

Translation | Context
ገላትያ 1:8-9 | 2 Helpful votes

ግናኸ ንሕና እኳ እንተ ዀንና ወይስ መልኣኽ ካብ ሰማይ፡ ብዘይ እዚ ንሕና ዝሰበኽናልኩም ወንጌል ካልእ ወንጌል እንተ ሰበኸልኩም፡ ንሱ ውጉዝ ይኹን። ከምቲ ቕድም ዝበልናዮ፡ ሕጂውን ከም ብሓድሽ፥ ብዘይ እቲ እተቐበልኩምዎስ ካልእ ወንጌል ዚሰብኽ እንተሎ፡ ንሱ ውጉዝ ይኹን፡ እብል አሎኹ።

Translation | Context