Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

17 bible verses about

other gods


ዘጸአት 23:13 | 10 Helpful votes

እቲ ዝበልኩኹም ኵሉ ሐልው። ስም ካልኦት ኣማልኽቲ ኣይትስመዩ፡ ካብ ኣፍካ ኣይሰማዕ።

Translation | Context
ዘዳግም 6:14 | 10 Helpful votes

እቲ ኣብ ማእከልካ ዘሎ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ቀናእ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ኵራ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣባኻ ኸይነድድ ካብ ገጽ ምድሪውን ከየብርሰካስ፡ እቶም ኣብ ዙርያኻ ዚነብሩ ህዝብታት ንዜምልኽዎም ካልኦት ኣማልኽቲ ኣይትስዐቡ።

Translation | Context
ኢሳይያስ 44:6 | 8 Helpful votes

እግዚኣብሄር፡ ንጉስ እስራኤልን ተበጃዊኡን፡ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል፡ ቀዳማይን ዳሕራይን ኣነ እየ፡ ብጀካይ ኣምላኽ የልቦን።

Translation | Context
ዮሃንስ 14:6 | 7 Helpful votes

የሱስ ከኣ፥ መገድን ሓቅን ህይወትን ኣነ እየ። ብዘይ ብኣይ ሓደ እኳ ናብ ኣቦ ዚመጽእ የልቦን።

Translation | Context
ዘዳግም 32:17 | 5 Helpful votes

ኣምላኽ ንዘይኰኑ ኣጋንንቲ፣ ንዘይፈልጥዎም ኣማልኽቲ፣ ኣቦታትኩም ንዘይፈርህዎም፣ ሕጂ ቕሩብ ንዝመጹ ሓደስቲ ኣማልኽቲ ሰውኡ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 8:1-8 | 4 Helpful votes

ብዛዕባቲ ንጣኦታት እተሰውኤ ግና ኲላትና ፍልጠት ከም ዘሎና፡ ንፈልጥ ኢና። ፍልጠት ይነፍሕ፡ ፍቕሪ ግና ይሃንጽ። ሓደ እኳ ገለ ኸም ዚፈልጥ ዚመስሎ እንተሎ፡ ነቲ ዚፈልጦ ገና ኸምቲ ዝግብኦ ገይሩ ኣይፈልጦን እዩ። ንኣምላኽ ዜፍቅሮ እንተሎ ግና፡ ንሱ ብእኡ ፍሉጥ እዩ። ደጊም ብዛዕባ እቲ ንጣኦታት እተሰውኤ ምብላዕ፡ ጣኦት ኣብ ዓለም ግዛዕ ከም ዘይኰነን ብዘይ እቲ ሓደ በይኑ ኸኣ ካልእ ኣምላኽ ከም ዜልቦን፡ ንፈልጥ ኢና። ኣብ ሰማይ ወይስ ኣብ ምድሪ ኣማልኽቲ ዚብሃሉ እንተለዉስ፡ ከምቲ ብዙሓት ኣማልኽትን ብዙሓት ጐይተትን ዘለዉ፡ ንኣናስ ኲሉ ኻብኡ ዚኸውን ንሕናውን ንእኡ እንኸውን ሓደ ኣምላኽ ጥራይ፡ ኣቦ፡ አሎና፡ ኲሉ ብእኡ ዚኸውን ንሕና ኸኣ ብእኡ እንኸውን ሓደ ጐይታውን፡ የሱስ ክርስቶስ፡ አሎና። እዚ ፍልጠት እዚ ግና ኣብ ኲሉ ሰብ ኣይርከብን እዩ። ሓያሎ ነቲ ጣኦት ክሳዕ ሎሚ ልማድ ገይሮምዎ፡ ንጣኦት ከም እተሰውኤ ገይሮም እዮም ዚበልዑ ዘለዉ እሞ፡ ሕሊናኦም ድኹም ኰይኑስ ይረክስ። ብልዒ ግና ኣብ ኣምላኽ ኣየብጽሓናን እዩ፡ እንተ በላዕና፡ ኣይንውስኽ፡ እንተ ዘይበላዕናውን ኣይንንክን ኢና።

Translation | Context
እያሱ 24:2 | 3 Helpful votes

እያሱ ድማ ንብዘሎ ህዝቢ በሎ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል፡ ካብ ጥንቲ ኣቦታትኩም፡ ታራ ኣቦ ኣብርሃምን ኣቦ ናሆርን፡ ኣብ ክንየው ርባ ይቕመጡ ነበሩ፡ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ድማ የገልግሉ ነበሩ።

Translation | Context
ዘጸአት 20:1-5 | 3 Helpful votes

እግዚኣብሄር ድማ እዚ ቓላት እዚ ዅሉ ኸምዚ ኢሉ ተዛረበ፡ ካብ ምድሪ ግብጺ፡ ካብ ቤት ባርነት ዘውጻእኩኻ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እየ። ካልኦት ኣማልኽቲ ኣብ ቅድመይ ኣይሀልዉኻ። ኣብ ላዕሊ ኣብ ሰማይ ካብ ዘለዉ፡ ኣብ ታሕቲ ድማ ኣብ ምድሪ ኻብ ዘለዉ፡ ኣብ ማይ ከኣ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ኻብ ዘለዉ፡ ምስልን ስእሊ ዘበለን ንኣኻ ኣይትግበር። ኣይትስገድሎም ኣይተገልግሎምን ድማ። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ፡ ቀናእ ኣምላኽ እየ እሞ፡ ንዚጸልኡኒ ሓጢኣት ኣቦታት ኣብ ደቂ ኽሳዕ ሳልሳይ ክሳዕ ራብዓይን ወለዶ ዝቐጽዕ፡

Translation | Context
ዮሃንስ 3:19 | 2 Helpful votes

እቲ ፍርዲ እዚ እዩ፥ ብርሃን ናብ ዓለም መጸ፡ ሰብ ግና፡ ግብሮም ክፉእ እዩ እሞ፡ ካብ ብርሃንሲ ጸልማት ፈተዉ።

Translation | Context
ዘዳግም 13:1-18 | 2 Helpful votes

ኣብ ማእከል ነብዪ ወይ ሓላም ሕልምታት እንተ ተንስኡ እሞ ምልክት ወይስ ተኣምራት እንተ ሀበካ፡ እቲ ምልክት ወይ ተኣምራት ከኣ ከምቲ ዝበለካ እንተ ዀነ፡ ደድሕሪ ዘይትፈልጦም ካልኦት ኣማልኽቲ ንኺድ እሞ ነገልግሎም፡ እንተ በለካ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ብዂሉ ልብኹምን ብዂሉ ነፍስኹምን እንተፍቅርዎ እንተ ዄንኩም ምእንቲ ኺፈልጥ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኪፍትነኩም እዩ እሞ ነቲ ነብዪ እቲ ወይ ነቲ ሓላም ሕልምታት እቲ ቓሉ ኣይትስማዕ። ደድሕሪ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ስዐቡ፡ ብእኡ ድማ ፍርሁ፡ ትእዛዛቱውን ሐልዉ፡ ቃሉ ድማ ስምዑ፡ ንእኡ ኸኣ ኣገልግሉ ምስኡውን ልገቡ። ካብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኽትከዳ ዝአዘዘካ መገዲ ኼግልሰካ፡ ካብቲ ኻብ ምድሪ ግብጺ ዘውጽኣኩም፡ ካብ ቤት ባርነት ድማ ዘድሐነኩም እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኬዕልወኩም ተዛሪቡ እዩ እሞ፡ እቲ ነብዪ እቲ ወይ እቲ ሓላም ሕልምታት እቲ ይሙት። በዚ ኸምዚ ነቲ ኽፉእ ካብ ማእከልካ ኣርሕቆ። ሓውካ፡ ወዲ እኖኻ፡ ወይ ወድኻ ወይ ጓልካ ወይ ኣብ ሕቚፍኻ ዘላ ሰበይትኻ ወይ ከም ነፍስኻ ዝዀነ ፈታዊኻ፡ ንኺድ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ነምልኽ፡ ኢሉ ብሕቡእ እንተ ሐበለካ፡ ንስኻ ዀነ ኣቦታትካ ዘይትፈልጥዎም፡ ካብ ኣማልኽቲ እቶም ካብ ወሰን ክሳዕ ወሰን ምድሪ፡ ኣብ ጥቓኻ ዀነ ወይ ኣብ ርሑቕካ፡ ኣብ ዙርያኹም ዘለዉ ህዝብታት፡ ሕራይ ኣይትበሎ፡ ኣይትስምዓዮ፡ ዓይንኻውን ኣይትራሕርሓሉ፡ ኣይትንሐፎ ኸኣ፡ ኣይትሕብኣዮውን። ርግጽ ቅተሎ ደኣ፡ ንምቕታሉ ኢድካ ትቐድም፡ ደሓር ኢድ ኲሉ ህዝቢ። ካብቲ ኻብ ምድሪ ግብጺ፡ ካብ ቤት ባርነት ዘውጽኣካ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኼግልሰካ ደልዩ እዩ እሞ፡ ኣብ ማእከልካ ኸምዚ ዝበለ ኽፉእ ከይድገምሲ፡ ኲሎም እስራኤል ሰሚዖም ኪፈርሁ፡ ኪመውት ብዳርባ እምኒ ቕተሎ። ብዛዕባ ሓንቲ ኻብተን ክትነብረለን እግዚኣብሄር ዚሀበካ ኸተማታት፡ ሕሱማት ሰባት ደቂ ቢልያል ካብ ማእከልካ ወጺኦም፡ ንዘይትፈልጥዎም ካልኦት ኣማልኽቲ ኸነምልኽ ንኺድ፡ ኢሎም፡ ንደቂ ዓዶም ኣስሐቱ፡ ኪብሉ እንተ ሰማዕካ፡ ሽዑ ድለ፡ መርምር ኣጸቢቕካ ኸኣ ጠይቕ፡ እንሆ ድማ፡ እዚ ፍንፉን ነገር እዚ ኣብ ማእከልካ ኸም እተገብረ፡ ሓቅን ርግጽን እንተ ዀይኑ፡ ኣብታ ኸተማ ንዚነብሩ ብስሕለት ሴፍ ኣበርቲዕካ ውቓዕ፡ ንእኣን ኣብኣ ንዘሎ ዂሉን ፈጺምካ ኣጥፍእ፡ ንኸብታውን ብስሕለት ሴፍ ኣጥፍእ። ካብኣ እተዘምተ ዘበለ ዂሉ ኣብ ማእከል ኣደባባያ ኣክቦ፡ ነታ ኸተማን ንዂሉ ኻብኣ እተዘምተን ብመላኡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብሓዊ ኣንድድ። ንዘለኣለም ዑና ትኹን፡ መሊሳ ኸኣ ኣይትሰራሕ። እግዚኣብሄር ካብ ንደት ኲራኡ ምእንቲ ኺምለስን ምሕረት ኪገብረልካን ኪድንግጸልካን፡ ከምቲ ነቦታትካ ዝመሐለሎም ከኣ ኬብዝሓካስ፡ እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ትእዛዛቱ ክትሕሉ፡ እቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ቕኑዕ ዝዀነ ድማ ክትገብር፡ ቃል እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እንተ ሰሚዕካስ፡ ካብቲ ሕሩም ነገር ገለ እኳ ኣብ ኢድካ ኣይልገብ።

Translation | Context
ዘጸአት 15:11 | 2 Helpful votes

ዎ እግዚኣብሄር፡ ኣብ መንጎ ኣማልኽቲ ከማኻ ዝበለ መን እዩ፧ ብምስጋና እተፈራህካ፡ ገባር ተኣምራት፡ ብቕድስናኸ ኸማኻ ዝኸበረ መን እዩ፧

Translation | Context
ኤርምያስ 7:9 | 2 Helpful votes

ኣየ፡ ንስኻትኩም ትሰርቁ፡ ትቐትሉ፡ ትዝምው፡ ብሓሶት ትምሕሉ፡ ንበዓል ትዐጥኑ፡ ንዘይትፈልጥዎም ካልኦት ኣማልኽቲውን ትስዕቡ፡

Translation | Context
እያሱ 23:7-16 | 2 Helpful votes

ናብዞም ዝተረፉ እሞ ምሳኻትኩም ዘለዉ ህዝብታት እዚኣቶም ከይትኣትዉ፡ ስም ኣማልኽቶምውን ከይትዝክሩ፡ ከይትምሕሉሎምን ከይተገልግልዎምን ከይትሰግዱሎምውን፡ ከምዚ ኽሳዕ ሎሚ ዝገበርኩምዎ ደኣ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ልገቡ። እግዚኣብሄር ድማ ንዓበይትን ንሓያላትን ህዝብታት ካብ ቅድሜኹም ሰጒጒዎም እዩ እሞ። ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ሓደ እኳ ኣብ ቅድሜኹም ደው ኣይበለን። እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከምቲ እተዛረበኩም፡ ንሱ እዩ ዚዋግኣልኩም እሞ፡ ካባኻትኩም ሓደ ሰብኣይ ንሽሕ ኪሰጎም እዩ። ስለዚ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ክትፈትውዎ፡ ንነፍስኹም ኣዚኹም ተሐለዉ። ንድሕሪት እንተ ተመለስኩም እሞ፡ ናብዞም ተረፍ፡ ናብዞም ምሳኻትኩም ዝተረፉ ህዝብታት እዚኣቶም እንተ ለገብኩም፡ ምሳታቶም ድማ እንተ ተዋሰብኩም፡ ናባታቶም እንተ ኣቶኹም፡ ንሳቶም ድማ ናባኻትኩም እንተ ኣተዉ፡ ካብዛ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝሀበኩም ጽብቕቲ ምድሪ ኽሳዕ እትጸንቱ፡ ንኣኻትኩም መሓንኰልን መጻወድያን ንጐድንኹም መግረፊ ነዒንትኹም ከኣ እሾኽ ኪዀኑኹም እዮም እምበር፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ነዞም ህዝብታት እዚኣቶም ደጊም ካብ ቅድሜኹም ከም ዘየውጽኦም፡ ብርግጽ ፍለጡ። እንሆ ኸኣ፡ ኣነ ሎሚ መገዲ ዅላ ዓለም እኸይድ አሎኹ እሞ ካብቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ብዛዕባኹም እተዛረቦ ዅሉ ጽቡቕ ነገር፡ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይወደቐ፡ ብዅሉ ልብኹምን ብዅሉ ነፍስኹምን ፍለጡ። ኵሉ በጽሓኩም እምበር፡ ካብኡስ ሓደ ነገር እኳ ኣይወደቐን። ኪኸውን ድማ እዩ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እተዛረበኩም ኵሉ ጽቡቕ ነገር ዝመጸኩም፡ ከምኡ ድማ ካብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝሀበኩም ጽብቕቲ ምድሪ ኽሳዕ ዜጽንተኩም፡ እግዚኣብሄር ኵሉ ኽፉእ ነገር ኬምጽኣልኩም እዩ። ነቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝአዘዘኩም ኪዳን ምስ እትተሓላለፉ፡ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኸተገልግሉን ክትሰግዱሎምን እንተ ኸድኩም፡ ሽዑ ዅራ እግዚኣብሄር ኣባኻትኩም ኪነድድ እዩ፡ ካብታ ዝሀበኩም ጽብቕቲ ምድሪ ድማ ሽዓ ኢልኩም ክትበርሱ ኢኹም።

Translation | Context
ዘዳግም 28:14 | 2 Helpful votes

ነዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ትእዛዛት እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኽትሕልዎን ክትገብሮን እንተ ሰማዕካዮ፡ ካብዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘኩም ዘሎኹ ዅሉ ነገር ንየማን ወይ ንጸጋም እንተ ዘየግለስካ፡ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኸተገልግሎም ደድሕሪኦም እንተ ዘይሰዐብካ ድማ፡ እግዚኣብሄር ርእሲ እምበር፡ ጭራ ኣይገብረካን፡ ብላዕሊ ጥራይ ትኸውን እምበር፡ ብታሕቲ ኣይትኸውንን።

Translation | Context
1ይ ሳሙኤል 5:2-7 | 2 Helpful votes

ፍልስጥኤማውያን ከኣ ንታቦት ኣምላኽ ወሲዶም ናብ ቤት ዳጎን ኣእተውዎ፡ ኣብ ጥቓ ዳጎን ኣቐመጥዎ። ኣሽዶዳውያን ድማ ንጽብሒቱ ኣንጊሆም ምስ ተንስኡ፡ እንሆ፡ ዳጎን ኣብ ቅድሚ ታቦት እግዚኣብሄር ብግምባሩ ናብ ምድሪ ወዲቑ ነበረ። ንዳጎን ወሲዶም ከኣ ናብ ስፍራኡ መለስዎ። ንጽብሒቱ ወጋሕታ ኣንጊሆም ምስ ተንስኡ ድማ፡ እንሆ፡ ዳጎን ኣብ ቅድሚ ታቦት እግዚኣብሄር ብግምባሩ ናብ ምድሪ ወዲቑ ነበረ፡ ርእሲ ዳጎንን ክልቲኤን ግናዕ ኢዱን ከኣ ተቘሪጸን ኣብ ልዳት ወዲቐን ነበራ። ዳጎን እቲ ማእከሉ ጥራይ ተሪፍዎ ነበረ። ስለዚ ነታ ኣብ ኣሽዶድ ዘላ ልዳት ዳጎን ካህናት ዳጎን ኰኑ ወይ ናብ ቤት ዳጎን ዚአትዉ ዅሎም ክሳዕ ሎሚ ኣይረግጽዋን እዮም። ኢድ እግዚኣብሄር ድማ ንኣሽዶዳውያን ከበደቶም፡ ንኣሽዶድን ንዶባታን ብሕበጥ ወቒዑ ኣጥፍኦም። እቶም ሰብ ኣሽዶድ ከኣ ከምኡ ኸም ዝዀነ ምስ ረአዩ፡ ኢዱ ኣብ ልዕሌናን ኣብ ልዕሊ ዳጎን ኣምላኽናን ጸኒዓ እያ እሞ፡ ታቦት ኣምላኽ እስራኤል ምሳና ኣይንበር፡ በሉ።

Translation | Context
ዘዳግም 10:17 | 2 Helpful votes

እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም፡ ንሱ ኣምላኽ ኣማልኽቲ፡ ጐይታ ጐይተት፡ እቲ ዓብዪ፡ እቲ ሓያል፡ እቲ ዜፍርህ ኣምላኽ፡ ገጽ ርእዩ ዘየዳሉ፡ መማለዲ ኸኣ ዘይቅበል እዩ።

Translation | Context
ዘፍጥረት 3:22 | 2 Helpful votes

እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ፥ እንሆ፡ ኣዳም ከም ሓደ ኻባና፡ ጽቡቕን ክፉእን ዚፈልጥ ኰይኑ አሎ። ሕጂ ኸኣ ኢዱ ኸይዝርግሕ፡ ካብ ኦም ህይወት ወሲዱ ድማ ኸይበልዕ፡ ንዘለኣለም ከኣ ህያው ኰይኑ ኸይነብር፡ ኢሉ፡

Translation | Context