Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

16 bible verses about

omnipresence


ምሳሌ 15:3 | 19 Helpful votes

ኣዒንቲ እግዚኣብሄር ኣብ ኵሉ ስፍራ እየን፡ ንእኩያትን ንሰናያትን ከኣ ይቋመታኦም።

Translation | Context
ኤርምያስ 23:24 | 18 Helpful votes

ኣነ ኸይርእዮስ ሰብዶ ኣብ ስዉር ስፍራ ኺሕባእ ይከኣሎ እዩ፧ ይብል እግዚኣብሄር። ሰማይን ምድርን ዝመልእዶ ኣነ ኣይኰንኩን፧ ይብል እግዚኣብሄር።

Translation | Context
መዝሙር 139:7-10 | 14 Helpful votes

ካብ መንፈስካ ናበይ ክኸይድ፣ ካብ ገጽካስ ናበይ ክሀድም እየ፧ ንሰማይ እንተ ደይብኩ፣ ንስኻ ኣብኡ አሎኻ፣ መንጸፈይ ኣብ ሲኦል እንተ ኣንጸፍኩ፣ እንሆ፣ ንስኻ ኣብኡ ኢኻ። ኣኽናፍ ወጋሕታ እንተ ወሰድኩ፣ ኣብ ወሰን ባሕሪ እንተ ተቐመጥኩ፣ ኣብኡ ኸኣ ኢድካ ኽትመርሓኒ፣ የማነይቲ ኢድካውን ክትሕዘኒ እያ።

Translation | Context
መዝሙር 139:1-24 | 6 Helpful votes

ጐይታየ፣ ንስኻ መርመርካኒ ፈለጥካኒውን። ንምቕማጠይን ምትንሳኤይን ትፈልጦ፣ ንሓሳበይ ካብ ርሑቕ ተስተውዕሎ። ጐይታየ፣ ሓንቲ ቓል ኣብ መልሓሰይ ከየላስ፣ እንሆ፣ ኵሉ ትፈልጥ ኢኻ እሞ፣ ምኻደይን ምድቃሰይን ትምርምር፣ ንብዘሎ መገደይውን ኣጸቢቕካ ትፈልጦ ኢኻ። ብድሕሪትን ብቕድሚትን ከበብካኒ፣ ኢድካውን ኣንበርካለይ። እዚ ፍልጠት እዚ ኣዝዩ ይገርመኒ፣ ልዑል እዩ፣ ከርክቦ ኣይክእልን። ካብ መንፈስካ ናበይ ክኸይድ፣ ካብ ገጽካስ ናበይ ክሀድም እየ፧ ንሰማይ እንተ ደይብኩ፣ ንስኻ ኣብኡ አሎኻ፣ መንጸፈይ ኣብ ሲኦል እንተ ኣንጸፍኩ፣ እንሆ፣ ንስኻ ኣብኡ ኢኻ። ኣኽናፍ ወጋሕታ እንተ ወሰድኩ፣ ኣብ ወሰን ባሕሪ እንተ ተቐመጥኩ፣ ኣብኡ ኸኣ ኢድካ ኽትመርሓኒ፣ የማነይቲ ኢድካውን ክትሕዘኒ እያ። ጸልማት ይኸውለኒ፣ ኣብ ዙርያይ ዘሎ ብርሃን ከኣ ለይቲ ይኹን፣ እንተ በልኩ፣ ንኣኻስ ጸልማት እኳ ኣይጽልምተካን፣ ለይቲ ኸኣ ከም መዓልቲ ትበርህ፣ ጸልማትን ብርሃንን ንኣኻ ሓደ እዮም። ንዀላሊተይ ንስኻ ፈጢርካየን፣ ኣብ ከርሲ ወላዲተይ ኣሊምካኒ፣ መስተንክርን ድንቅን ጌርካ ፈጢርካኒ ኢኻ እሞ፣ ከማስወካ እየ፣ ግብርታትካ መስተንክር እዩ፣ ነፍሰይውን ኣጸቢቓ ትፈልጦ። ብሕቡእ ምስ ተፈጠርኩ፣ ኣብ ከርሲ ምድሪ ምስ ተአለምኩ፣ ኣዕጽምተይ ኣይተኸወላኻን። ኣዒንትኻ፣ ድቂ ኸሎኹ፣ ረኣያኒ፣ እተን ምዱባት መዓልትታተይ፣ ሓንቲ እኳ ኸይነበረት፣ ኵለን ኣብ መጽሓፍካ ተጻሕፋ። ዎ ኣምላኽ፣ ሓሳባትካ ንኣይ ክንደይ ክቡር እዩ፣ ቊጽሩስ ክንደይ ዓብዪ እዩ። እንተ ቘጸርክዎ፣ ካብ ሑጻ ይበዝሕ፣ እንተ ነቓሕኩ፣ ገና ምሳኻ እየ። ዎ ኣምላኽ ንረሲእ ኰታ እንተትቐትሎ፣ ኣቱም ደመኛታት፣ ካባይ ርሓቑ። ስምካ ብተንኰል ይሰምዩ፣ ጸላእትኻ ከንቱ ይዛረቡ። ዎ እግዚኣብሄር፣ ነቶም ጸላእትኻዶ ኣይጽልኣዮም፧ ነቶም ዚትንስኡኻስ ኣይፈንፍኖም፧ ፍጹም ጽልኢ እጸልኦም፣ ጸላእተይ እዮም። ዎ ኣምላኽ፣ መርምረኒ፣ ልበይ ከኣ ፍለጥ፣ ፈትነኒ፣ ሓሳበይውን ፍለጥ። መገዲ ዓመጻ እንተ አልዩኒ፣ ርኤ፣ ኣብቲ ናይ ዘለአለም መገዲ ምርሓኒ።

Translation | Context
ዮሃንስ 1:3-5 | 5 Helpful votes

ብእኡ ዅሉ ዀነ፡ ካብቲ ዝዀነ ዘበለ ድማ ብዘይ ብእኡ ዝዀነ የልቦን። ህይወት ኣብኡ ነበረት፡ እታ ህይወት ከኣ ብርሃን ሰብ ነበረት። ብርሃንውን ኣብ ጸልማት የብርህ፡ ጸልማት ግና ኣይሐዞን።

Translation | Context
ሉቃስ 17:21 | 4 Helpful votes

ፈሪሳውያን፥ መንግስቲ ኣምላኽ ምኣዝ ትመጽእ፧ ኢሎም ምስ ሓተትዎ ኸኣ፡ ንሱ፥ መንግስቲ ኣምላኽ እንሃ፡ ኣብ ውሽጥኹም አላ እሞ፡ መንግስቲ ኣምላኽሲ ብምትሕልላው ኣይትመጽእን እያ፡ እንሃ ኣብዚ ወይስ ኣብቲ ዚብላውን የልቦን፡ ኢሉ መለሰሎም።

Translation | Context
እዮብ 34:21 | 4 Helpful votes

ኣዒንቱ ኣብ መገዲ ሰብ እየን እሞ፡ ንዂሉ ስጒምቶም ይርእዮ እዩ።

Translation | Context
ቈሎሴ 1:17 | 4 Helpful votes

ንሱ ኸኣ ቅድሚ ዅሉ እዩ፡ ኵሉውን ብእኡ ቘይሙ አሎ።

Translation | Context
ማቴዎስ 18:20 | 3 Helpful votes

ክልተ ወይ ሰለስተ ዀይኖም ብስመይ ኣብ እተኣከቡሉ ኣነ ኸኣ ኣብኡ ኣብ ማእከሎም እየ እሞ፡ ክልተ ኻባኻትኩም ኣብ ምድሪ ብዚልምንዎ ነገር ኵሉ እንተ ተሳማምዑ፡ ካብቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ኪውሀቦም እዩ፡ ኢለ ኸም ብሓድሽ እብለኩም አሎኹ።

Translation | Context
ዘዳግም 31:6 | 3 Helpful votes

እግዚኣብሄር ኣምላኽካ፡ ንሱ እዩ ምሳኻ ዚኸይድ እሞ፡ ኣይጠልመካን ኣይሐድገካን እዩ፡ ስለዚ ጽናዑ፡ ትብዑ፡ ኣይትፍርሁ፡ ብኣታቶም ኣይትሸበሩ።

Translation | Context
ኢሳይያስ 43:2 | 2 Helpful votes

ብማያት ምስ እትሐልፍ፡ ምሳኻ ክኸውን እየ፡ ብውሒዝ ምስ እትሳገር ከኣ፡ ኣይኬጥሕለካን እዩ፡ ብሓዊ ምስ እትኸይድ፡ ኣይክትነድድን ኢኻ፡ ሃልሃልታውን ኣይኪህምዀካን እዩ።

Translation | Context
ማቴዎስ 28:19-20 | 2 Helpful votes

ስለዚ ኺዱ ንዅሎም ኣህዛብ ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን እናኣጥመቕኩም፡ ዝኣዘዝኩኹም ኵሉ ኺሕልዉ ኸኣ እናመሀርኩም፡ ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም። እንሆ ድማ፡ ኣነ ኽሳዕ መወዳእታ ዓለም ኵሉ መዓልቲ ምሳኻትኩም እየ።

Translation | Context
ኢሳይያስ 57:15 | 2 Helpful votes

ስለዚ እቲ ንዘለኣለም ዚነብር ልዑልን ዕዙዝን ቅዱስ ዝስሙን ከምዚ ይብል አሎ፡ ኣብቲ ልዑልን ቅዱስን ስፍራ እነብር አሎኹ፡ ግናኸ ንመንፈስ ትሑታት ህያው ክገብሮ፡ ንልቢ ድቑሳት ከኣ ህያው ክገብሮስ፡ ምስቲ ድቑስን ትሑትን መንፈስ ዘለዎ ሰብ ድማ እነብር አሎኹ።

Translation | Context
ሮሜ 8:38-39 | 2 Helpful votes

ሞት ኰነ ወይ ህይወት፡ መላእኽቲ ዀኑ ወይ ገዛእቲ፡ ዘሎ ዀነ ወይ ዚመጽእ፡ ወይ ሓይልታት፡ ልዕል ዝበለ ዀነ ወይ ትሕት ዝበለ፡ ካልእ ፍጥረትውን እንተ ዀነ፡ ካብታ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ጐይታና ዘላ ፍቕሪ ኣምላኽ ከቶ ኺፈልየና ኸም ዘይኰነሉ፡ ኣርጊጸ አሎኹ እሞ፡ በዚ ዂሉ በቲ ዘፍቀረና ኣጸቢቕና ንስዕር ኢና።

Translation | Context
እዮብ 11:7-9 | 2 Helpful votes

ንመዓሙቚ ኣምላኽዶ ኸተቚሮ፡ ንምልኣት እቲ ዂሉ ዚኽእልሲ ኸተቚሮ ትኽእል ኢኻ፧ ካብ ሰማይ ልዕል ይብል፡ እንታይ ክትገብር ኢኻ፧ ካብ ሲኦል ይዐምቚ፡ እንታይ ክትፈልጥ ኢኻ፧ ስፍሩ ኻብ ምድሪ ይነውሕ፡ ካብ ባሕሪውን ይሰፍሕ እዩ።

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 17:27 | 2 Helpful votes

ካብቶም ተቐነይትኹም ድማ ሓያሎ፡ ንሕና ኻብ ዓሌት ኣምላኽ ኢና፡ ኢሎም ከም ዘለዉ፡ ብእኡ ኢና እንነብርን እንዋሳወስን ብእኡ ኸኣ ኢና ዘሎና እሞ፡ ንሱ ኻብ ሓደ ሰብ ኣብ ርእሲ ዂላ ምድሪ ኺነብሩ ዂሉ ዓሌት ሰብ ፈጠረ። ንሱ ኻብ ነፍሲ ወከፍና ዘይረሐቐ ኽነሱ፡ ምናልባሽ ሃሰስ ኢሎም እንተ ረኸብዎ፡ ንኣምላኽ ምእንቲ ኺደልዩ፡ ንመናበሪኦም ድማ ውሱን ዘመናትን ድዉብ ደረትን ሐገገሎም።

Translation | Context