Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

17 bible verses about

oil


ምሳሌ 21:20 | 11 Helpful votes

ኣብ ቤት ጥበበኛ ኽቡር መዝገብን ዘይትን አሎ፡ ዓሻ ሰብ ግና ይውሕጦ።

Translation | Context
ያእቆብ 5:14-15 | 6 Helpful votes

ኣብ ማእከልኩምከ ዝሐመመዶ አሎ፧ ንሽማግሌታት ማሕበር ይጸውዕ፡ ንሳቶም ከኣ ብስም እግዚኣብሄር፡ ዘይቲ እናለኸይዎ፡ ኣብ ልዕሊኡ ይጸልዩ። እታ ናይ እምነት ጸሎት ድማ ነቲ ሕሙም ከተድሕኖ እያ፡ ጐይታውን ከተንስኦ እዩ። ሓጢኣት ገይሩ እንተ ዀይኑውን ኪሕደገሉ እዩ።

Translation | Context
ሉቃስ 7:46 | 5 Helpful votes

ንስኻ ርእሰይ ብዘይቲ ኣይለኼኻንን፡ እዚኣ ግና ኣእጋረይ ብቕዱይ ቅብኢ ለኸየት።

Translation | Context
መዝሙር 23:5 | 5 Helpful votes

ንስኻ ኣብ ቅድሚ ገጽ ጸላእተይ መአዲ ትሰርዓለይ፣ ንርእሰይ ብዘይቲ ትለኽዮ፣ ጽውኤይ ይጅርብብ አሎ።

Translation | Context
2ይ ነገስት 4:1-7 | 5 Helpful votes

ካብ ኣንስቲ ደቂ ነብያት ድማ ሓንቲ ሰበይቲ ናብ ኤልሳእ፡ ሰብአየይ ጊልያኻ ሞይቱ እዩ፡ ጊልያኻ ኸኣ ፈራህ እግዚኣብሄር ከም ዝነበረ ትፈልጥ ኢኻ፡ በዓል ዕዳ ኸኣ ንኽልቲኦም ደቀይ ወሲዱ ባሮቱ ኺገብሮም መጺኡ አሎ፡ ኢላ ጠርዔት። ኤልሳእ ድማ፡ እንታይ እሞ ኽገብረልኪ፧ ኣብ ቤትኪ ዘሎኪ ንገርኒ፡ በላ። ንሳ ኸኣ፡ ገረድካ ብጀካ መቐርሰሚቶ ዘይቲ ኣብ ቤት ገለ እኳ የብላን፡ በለት። ሽዑ ንሱ በላ፡ ኪዲ እሞ ካብ ወጻኢ፡ ካብ ኲለን ጐረባብትኺ ጥራይ ዝዀነ ጐይብታት ለምኒ፡ ኣይተውሕድዮ ድማ። እተዊ። ድሕሬኽን ድሕሪ ደቅኽን ከኣ ማዕጾ ሸጒሪ፡ ናብ ኲሉ እዚ ገይብታት እዚ ኸኣ ኣዕርቕዮ፡ ዘዝመልኤ ድማ ኣግልስዮ። ካብኡ ኸኣ ከደት እሞ። ድሕሪኣን ድሕሪ ደቃን ነታ ማዕጾ ሸጐረቶ። ንሳቶም ድማ ጐይብታት የምጽኡላ ነበሩ፡ ንሳ ኸኣ ተዕርቕ ነበረት። ኰነ ድማ፡ እቲ ጐይብታት ምስ መልኤ፡ ንወዳ፡ ገና ኸኣ ጐይቢ የልቦን፡ በላ። እቲ ዘይቲ ኸኣ ቈመ። ሽዑ ናብቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ መጺኣ ነገረቶ። ንሱ ድማ። ኪዲ፡ እቲ ዘይቲ ሽጢ እሞ ዕዳኺ ኽፈሊ፡ በቲ ዝተረፈ ኸኣ ንስኽን ደቅኽን ተናበሩ፡ በላ።

Translation | Context
ምሳሌ 21:17 | 4 Helpful votes

ጣዕሚ ንብረት ዚፈቱ ይደኪ፡ ወይንን ዘይትን ዚፈቱ ኸኣ ኣይህብትምን።

Translation | Context
ዘጸአት 30:23-25 | 4 Helpful votes

ካብ ዝበለጸ ጥዑም ጨና ንኣኻ ወሰድ፡ ሓሙሽተ ሚእቲ ሲቃል ዚነጥብ ከርበ፡ ፈረቓኡ ኸኣ፡ ማለት ክልተ ሚእትን ሓምሳን ሲቃል፡ ካብ ጥዑም ዝጨናኡ ቓርፋ፡ ካብ ጥዑም ዝጨናኡ ቓንጫ ዶሪራ ድማ ክልተ ሚእትን ሓምሳን ሲቃል። ሓሙሽተ ሚእቲ ሲቃል ብሲቃል መቕደስ ከኣ ካብ ሳናመኪ፡ ሓደ ሂን ዘይቲ ኣውልዕ ድማ። ንእኡ ኸም ብብልሓት ገባር ቅብኢ እተገበረ ቕብኢ፡ ቅዱስ ዘይቲ ቕብኣት ግበሮ። ንሱ ቅዱስ ዘይቲ ቕብኣት ይኹን።

Translation | Context
ማቴዎስ 25:3 | 3 Helpful votes

እተን ዓያሱ፡ ቀቀንዴለን ወሲደን፡ ዘይቲ ኣይተማልኣን።

Translation | Context
መዝሙር 105:15 | 3 Helpful votes

ንሱ ሰብ ኪጠቕዖም ኣይሐደገን፣ ንቕቡኣተይ ኣይትተንክይዎም፣ ነብያተይ ድማ ክፉእ ኣይትግበርዎም፣ ኢሉ ምእንትኦም ንነገስታት ገሰጾም።

Translation | Context
1ይ ሳሙኤል 10:1 | 3 Helpful votes

ሽዑ ሳሙኤል ብልቃጥ ዘይቲ ወሲዱ ናብ ልዕሊ ርእሱ ኣፍሰሰሉ እሞ ሰዐሞ በሎውን፡ እግዚኣብሄር ዝቐብኣካስ ኣብ ርስቱ ሹም ክትከውንዶ ኣይኰነን፧

Translation | Context
1ይ ነገስት 17:12-16 | 3 Helpful votes

ንሳ ኸኣ፡ ህያው እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እዩ፡ ኢለ ብጀካ ሸልገት ሓርጭ ኣብ ዕትሮ፡ ሒደት ዘይት ኣብ መቐርሰሚቶ፡ እንጌራስ የብለይን፡ እኔኹ ኸኣ ክልተ ዕጨይቲ እአሪ አሎኹ፡ ኣትየ ድማ ንኣይን ንወደይን ክስንክቶ እሞ በሊዕናዮስ ክንመውት ኢና፡ በለት። ኤልያስ ከኣ፡ ኣይትፍርሂ፡ ኪዲ፡ ከምቲ ዝበልክዮ ግበሪ፡ ቅድም ግና ካብኡ ንኣይ ንእሽቶ ቕጫ ሰንኪትኪ ኣምጽእለይ፡ ድሕሪኡ ድማ ንኣኽን ንወድክን ሰንክቲ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል አሎ እሞ፡ ክሳዕ እታ እግዚኣብሄር ንምድሪ ዝናም ዜዝንመላ መዓልቲ ሓርጭ ካብ ዕትሮ ኣይውዳእን፡ እቲ ዘይቲውን ካብ መቐርሰሚቶ ኣይጐድልን፡ በላ። ከይዳ ኸኣ ከምቲ ኤልያስ ዝበላ ገበረት። ንሳን ንሱን ቤታን ድማ ብዙሕ መዓልቲ በልዑ፡ ከምቲ ቓል እግዚኣብሄር ብኤልያስ እተዛረቦ፡ እቲ ሓርጭ ካብ ዕትሮ፡ እቲ ዘይቲውን ካብ መቐርሰሚቶ ኣይጐደለን።

Translation | Context
እዮብ 29:6 | 3 Helpful votes

ስጒምተይ ኣብ ጠስሚ ኽሐጽብ ከሎኹ፡ ርባታት ዘይቲ ኻብቲ ኸውሒ ኺውሕዘለይ ከሎ፡ ከምተን መዓልትታት እቲኤን እሞ መን ምሀበኒ።

Translation | Context
መዝሙር 45:7 | 3 Helpful votes

ጽድቂ ትፈቱ፣ ረሲእነት ትጸልእ። ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ሓለፋ ብጾትካ ብዘይቲ ሓጐስ ቀብአካ።

Translation | Context
ዘጸአት 27:20 | 3 Helpful votes

ንስኻ ድማ፡ እቲ መብራህትታት ወርትግ ምእንቲ ኺበርህሲ፡ ካብ እተጐድኤ ኣውልዕ ንመብራህቲ ዚኸውን ጽሩይ ዘይቲ ኼምጽኡልካ፡ ንደቂ እስራኤል ኣዝዞም።

Translation | Context
ዘዳግም 32:13 | 3 Helpful votes

ኣወጢሑ ብበረኽቲ ምድሪ ኣሕለፎ፣ እቶት ግራሁ በልዔ፣ ካብ ከውሒ መዓር ኣምጸዮ፣ ካብ ተሪር ከውሒ ኸኣ ዘይቲ።

Translation | Context
ኢሳይያስ 61:3 | 3 Helpful votes

ኣእዋም ጽድቂ፡ ንኽብሩ ዚኸውን ተኽሊ እግዚኣብሄር፡ ተብሂሎም ምእንቲ ኺስመዩ ድማ፡ ንሕዙናት ጽዮን ኣብ ክንዲ ሓመዂስቲ ዘውዲ ኽደፍኣሎም፡ ኣብ ክንዲ ሓዘን ከኣ ዘይቲ ሓጐስ፡ ኣብ ክንዲ መንፈስ ጓሂውን ክዳን ምስጋና ኽህቦም ለኣኸኒ።

Translation | Context
ዘጸአት 35:28 | 2 Helpful votes

ቀመማትን ዘይቲ ንምብራህ ንዘይቲ ቅብኣትን ንምኡዝ ዕጣንን ዚኸውን ኣምጽኡ።

Translation | Context