Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

9 bible verses about

ocean


መዝሙር 136:6 | 21 Helpful votes

ምሕረቱ ንዘለአለም ይነብር እዩ እሞ፣ ነቲ ንምድሪ ኣብ ልዕሊ ማያት ዝዘርግሓ፣

Translation | Context
ኤርምያስ 31:35 | 11 Helpful votes

እቲ ጸሓይ ንብርሃን መዓልቲ፡ ሕጋጋት ወርሕን ከዋኽብትን ከኣ ንብርሃን ለይቲ ክኸውን ዘቘመ፡ እቲ ንባሕሪውን ማዕበሉ ኺሀምም ዘናወጸ ጐይታ ሰራዊት ዝስሙ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፡

Translation | Context
እዮብ 12:7-10 | 5 Helpful votes

ግናኸ ንእንስሳ ጠይቀን እሞ፡ ኪምህራኻ፡ ነዕዋፍ ሰማይውን፡ ኪገልጻልካ እየን። ወይስ ንምድሪ ተዛረባ፡ ክትምህረካ እያ፡ ዓሳታት ባሕሪውን ኪነግሩኻ እዮም። በዚኣቶም ኲሎምሲ ኢድ እግዚኣብሄር ከም ዝገበረቶ ዘይፈልጥከ መን እዩ፧ ህያው ነፍሲ ዘበለን፡ መንፈስ ኲሉ ሰብን ኣብ ኢዱ ደይኰነን፡

Translation | Context
መዝሙር 8:8 | 5 Helpful votes

ነዕዋፍ ሰማይን ንዓሳታት ባሕርን ነቲ ብመገድታት ባሕሪ ዚሐልፍ ዘበለን።

Translation | Context
ዘፍጥረት 1:26 | 4 Helpful votes

ኣምላኽ ከኣ፥ ብመልክዕና ኸም ምስልና ሰብ ንግበር፡ ንዓሳ ባሕርን ነዕዋፍ ሰማይን ንእንስሳን ንብዘላ ምድርን ኣብ ምድሪ ለመም ንዚብል ኵሉ ለመምታን ይግዝኡ፡ በለ።

Translation | Context
መዝሙር 89:9 | 4 Helpful votes

ንትዕቢት ባሕሪ ትገዝኦ፣ ማዕበላቱ እንተ ተንስኤ፣ ንስኻ ተህድኦ።

Translation | Context
ማቴዎስ 14:22-26 | 4 Helpful votes

ሽዑ ንሱ ንደቀ መዛሙርቱ ናብ ጃልባ ኺኣትዉ እሞ፡ ነቶም ሰብ ክሳዕ ዜሳናብቶም፡ ናብ ማዕዶ ኪቕድምዎ፡ ብግዲ በሎም። ነቶም ሰብ ኣሳናቢቱ፡ ኪጽሊ ናብ ብሕት ዝበለ ኸረን ደየበ። ምድሪ ምስ መሰየ ኸኣ፡ ኣብኡ በይኑ ነበረ። እታ ጃልባ ኣብ ማእከል ባሕሪ ምስ በጽሔት ግና፡ ንፋስ ብቕድሚኣ ነበረ እሞ፡ ብማዕበል ትጭነቕ ነበረት። የሱስ ባሕረ ባሕሪ እናኸደ፡ ብራብዓይ ምቃል ለይቲ መጾም። እቶም ደቀ መዛሙርቲ፡ ባሕረ ባሕሪ ኪኸይድ ምስ ረአይዎ፡ ምትሃት እዩ፡ ኢሎም ሰምበዱ፡ ፈሪሆም ከኣ ጨርሑ።

Translation | Context
መዝሙር 148:1-14 | 4 Helpful votes

ሃሌሉያ። ንእግዚኣብሄር ካብ ሰማያት አመስግንዎ፣ ኣብ ኣርያም ኣመስግንዎ። ኵሉኹም መላእኽቱ፣ አመስግንዎ፣ ብዘሎኹም ሰራዊቱ፣ አመስግንዎ። ኣትን ጸሓይን ወርሕን፣ አመስግናኦ፣ ኣቱም ብሩሃት ከዋኽብቲ፣ አመስግንዎ። ኣቱም ናይ ሰማየ ሰማያትን ኣብ ልዕሊ ሰማያት ዘሎኹም ማያትን፣ አመስግንዎ። ንሱ ኣዚዙ፣ ተፈጢሮም እዮም እሞ፣ ንስም እግዚኣብሄር የመስግንዎ። ንዘለአለመ ኣለም ኣቘሞም፣ ዘይሐልፍ ሕጊ ኸኣ ሀቦም። ንእግዚኣብሄር ካብ ምድሪ አመስግንዎ፣ ኣቱም ገበላት ባሕርን መዓሙቚን ኵልኹም፣ ኣቱም ሓውን በረድን ኣስሓይታን ግመን ቃሉ እተስልጥ ህቦብላን፡ ኣቱም ኣኽራንን ኰረቢትን ኵልኹም፣ ፈረይቲ ኣእዋምን ጽሕድታትን ኵልኹም፣ ኣራዊትን ኵላትኩም እንስሳን ለመም እትብሉን ነፈርቲ ኣዕዋፍን፣ ነገስታት ምድርን ኵላትኩም ኣህዛብን፣ መሳፍንትን ኵላትኩም ፈረድቲ ምድርን፣ ኣጕባዝን ጐራዙትን፣ ዓበይቲ ምስ ናኣሽቱ። ስሙ በይኑ ልዑል እዩ፣ ግርማኡ ኣብ ልዕሊ ሰማይን ምድርን እዩ እሞ፣ ንስም እግዚኣብሄር የመስግንዎ። ንህዝቡውን ቀርኒ ኣልዐለ፣ ስለዚ ዅሎም ቅዱሳኑ፣ ደቂ እስራኤል፣ እቲ ዚቐርቦ ህዝቢ፣ የመስግኖ አሎ። ሃሌሉያ።

Translation | Context
እዮብ 26:10 | 3 Helpful votes

ብርሃንን ጸልማትን ክሳዕ ዚፋላለ፡ ንማይ ብኽቢ ወሰኖ።

Translation | Context