Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

14 bible verses about

ocd


1ይ ጴጥሮስ 5:7 | 16 Helpful votes

ንሱ ይሐልየልኩም እዩ እሞ፡ ንዅሉ ሓልዮትኩም ኣብኡ ኣውድቕዎ።

Translation | Context
2ይ ጢሞቴዎስ 1:7 | 13 Helpful votes

በዚ ምኽንያት እዚ፡ ኣምላኽሲ መንፈስ ሓይልን ፍቕር ቅጽዓትን እምበር፡ መንፈስ ፍርሃት ኣይሃበናን እሞ፡ ነቲ ብምንባር ኢደይ ኣባኻ ዘሎ ውህበት ኣምላኽ ክትሕድሶ ኤዘክረካ አሎኹ።

Translation | Context
መዝሙር 4:8 | 10 Helpful votes

ዎ እግዚኣብሄር፣ ንስኻ በይንኻ ኢኻ ብደሓን እተሕድረኒ እሞ፣ ብሰላም እግምሰስን እድቅስን አሎኹ።

Translation | Context
ማቴዎስ 6:34 | 10 Helpful votes

ጽባሕ ንርእሳ ትጭነቕ እያ እሞ፡ ንጽባሕ ኢልኩም ኣይትጨነቑ። ንመዓልቲ ኽፍኣታ ይኣኽላ።

Translation | Context
ፊልጲ 4:4-8 | 8 Helpful votes

ብጐይታ ዅሉ ሳዕ ተሐጐሱ፡ ደጊመ፤ ተሐጐሱ፡ እብል አሎኹ። እቲ ለውሃትኩም ኣብ ኵሉ ሰብ ይፈለጥ፡ እግዚኣብሄር ቀረባ እዩ። ድሌትኩም ዘበለስ ብጸሎትን ልማኖን ምስናይ ምስጋና ኣብ ኣምላኽ ይፈለጥ ኣምበር፡ ብገለ እኳ ኣይትጨነቑ። እቲ ኻብ ኵሉ ኣእምሮ ዚበልጽ ሰላም ኣምላኽ ድማ ንልብኹምን ሓሳብኩምን ብክርስቶስ የሱስ ኪሕልዎ እዩ። ብዝተረፈስ፡ ኣሕዋተየ፡ ሓቂ ዘበለ፡ ርዝነት ዘለዎ ዘበለ፡ ቅኑዕ ዘበለ፡ ንጹህ ዘበለ፡ ተፈታዊ ዘበለ፡ ጽቡቕ ወረ ዘለዎ ዘበለ፡ ገለ ደግነት እንተ ዀይኑ፡ ገለ ንእዶውን እንተ ዀይኑ፡ ብእኡ ሕሰቡ።

Translation | Context
ዮሃንስ 14:27 | 7 Helpful votes

ሰላም እሐድገልኩም፡ ሰላመይውን እህበኩም አሎኹ። እቲ ኣነ ዝህበኩም ዘሎኹስ፡ ከምቲ ዓለም እትህቦ ኣይኰነን። ልብኹም ኣይሸበርን ኣይሰምብድን።

Translation | Context
1ይ ዮሃንስ 4:1-5 | 6 Helpful votes

ኣቱም ፍቁራተይ፡ ብዙሓት ነብያት ሓሶት ናብ ዓለም ወጺኦም አለዉ እሞ፡ እቶም መናፍስቲ ኻብ ኣምላኽ እንተ ዀይኖም መርምሩ እምበር፡ ንመንፈስ ዘበለ ዅሉ ኣይትእመንዎ። ንመንፈስ ኣምላኽ በዚ ኢኹም እትፈልጥዎ፡ የሱስ ክርስቶስ ብስጋ ኸም ዝመጸ ዚእመን ዘበለ ዅሉ መንፈስ ካብ ኣምላኽ እዩ፡ የሱስ ክርስቶስ ብስጋ ኸም ዝመጸ ዘይእመን ዘበለ ዅሉ መንፈስ ድማ ካብ ኣምላኽ ኣይኰነን። እዚ ኸኣ እቲ ኸም ዚመጽእ ሰሚዕኩምዎ ዘሎኹም ናይ ጸረ ክርስቶስ መንፈስ እዩ፡ ሕጂውን ድሮ ኣብ ዓለም አሎ። ኣቱም ደቀየ፡ ንስኻትኩም ካብ ኣምላኽ ኢኹም፡ ካብቲ ኣብ ዓለም ዘሎስ እቲ ኣባኻትኩም ዘሎ ዚዐቢ ስለ ዝዀነ፡ ንስኻትኩም ስዒርኩምዎም አሎኹም። ንሳቶምሲ ኻብ ዓለም እዮም፡ ስለዚ ኻብ ዓለም ይዛረቡ አለዉ፡ ዓለምውን ትሰምዖም አላ።

Translation | Context
ያእቆብ 1:5-8 | 5 Helpful votes

ሓደ ኻባኻትኩም ጥበብ እንተ ጐደለቶ ግና፡ ነቲ ኸየስተሐፈረ ንዅሉ ብልግሲ ዚህብ ኣምላኽ ይለምኖ፡ ኪውሀቦውን እዩ። እቲ ዚጣራጠርሲ ኸምቲ ንፋስ ዚደፍኦን ዚመልሶን ማዕበል ባሕሪ እዩ ዚመስል እሞ፡ ከይተጣራጠረ ደኣ ብእምነት ይለምን። ክልተ ዝልቡ ሰብኣይ ብዅሉ መገዱ ጽኑዕ ኣይኰነን እሞ፡ እቲ ኸምዚ ዘመሰለ ሰብ ካብ ጐይታ ገለ ዚቕበል ኣይምሰሎ።

Translation | Context
ማቴዎስ 11:29 | 4 Helpful votes

ኣነ ለዋህ እየ፡ ልበይውን ትሑት፡ ኣርዑተይ ፈኵሽ፡ ጾረይውን ቀሊል እዩ እሞ፡ ኣርዑተይ ጹሩ ኻባይውን ተምሀሩ፡ ንነፍስኹም ከኣ ዕረፍቲ ኽትረኽቡ ኢኹም።

Translation | Context
መዝሙር 13:1-6 | 4 Helpful votes

ዎ እግዚኣብሄር፣ ክሳዕ መአዝ ኢኻ ፈጺምካ እትርስዓኒ፧ ክሳዕ መአዝከ ኢኻ ገጽካ ትኽውለለይ፧ ክሳዕ መአዝ ብነፍሰይ ክጭነቕ፣ ዕለተ ዕለትሲ ብልበይ ክሐዝን እየ፧ ጸላእየይከ ኽሳዕ መአዝ እዩ ዚዕብልለኒ፧ ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፣ ጠምት እሞ ምለሰለይ። ኣነ ድቃስ ሞት ከይድቅስ፣ ጸላእየይ፣ ስዒረዮ፣ ከይብል፣ እንተ ተናወጽኩ፣ ተጻረርተይ ከይፍስሁስ፣ ነዒንተይ ኣብርሃየን። ኣነ ግና ብምሕረትካ እውከል አሎኹ፣ ልበይ ብምድሓንካ ይሕጐስ አሎ። እግዚኣብሄር ሰናይ ገይሩለይ እዩ እሞ፣ ምስጋናኡ ኽዝምር እየ።

Translation | Context
ሮሜ 12:2 | 3 Helpful votes

እቲ ሰናይን ባህ ዜብልን ምሉእን ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ምእንቲ ኽትምርምሩስ፡ ብምሕዳስ ሓሳብኩም ተለወጡ እምበር፡ ነዛ ዓለም እዚኣ ኣይትምሰልዋ።

Translation | Context
መዝሙር 77:1-12 | 3 Helpful votes

ድምጸይ ናብ ኣምላኽ ኣልዒለ ኤእዊ፣ ድምጸይ ናብ ኣምላኽ ኤልዕል አሎኹ፣ ንሱውን ይሰምዓኒ እዩ። ብመዓልቲ ጸበባይ ንእግዚኣብሄር ደሌኽዎ፣ ብለይቲ ኢደይ ተዘርግሔት ኣይሰልከየትን ከኣ፣ ነፍሰይ ምጽንናዕ ኣበየት። ንኣምላኽ እዝክሮን እቚዝምን አሎኹ፣ ኤስተንትንን መንፈሰይ ከኣ ይሕለልን አሎ። ነዒንተይ ቈላሕላሕ ተብለን፣ እሽገር ምዝራብውን እስእን አሎኹ። ናይ ቀደም መዓልትታት፣ ናይ ጥንቲ ዓመታት እዝክር አሎኹ። ብለይቲ ንበገናይ እሐስብ፣ ምስ ልበይ ኤስተንትን አሎኹ፣ መንፈሰይውን ይምርምር አሎ፣ እግዚኣብሄርሲ ንዘለአለምዶ ይድርቢ፧ ድሕርዚኸ ጸጋኡዶ ኣየርእን እዩ፧ ጸጋኡስ ንዘለአለምዶ ፈጺሙ ተወዲኡ፧ ተስፋኡኸ ንውሉድ ወለዶዶ ተሪፉ እዩ፧ ኣምላኽሲ ሳህሉዶ ርሲዕዎ፧ ንምሕረቱስ ብዅራዶ ዐጽይዎ እዩ፧ [ሴላ።] ኣነ በልኩ፣ እዚ እዩ ድኻመይ፣ ዓመታት የማነይቲ እቲ ልዑል እዝክር አሎኹ። ናይ ቀደም ተአምራትካ ኽሐስብ እየ እሞ፣ ንግብርታት እግዚኣብሄር ክዝክሮ እየ፣ ንብዘሎ ግብርታትካ ድማ ከስተንትኖ፣ ንዕዮኻውን ክምርምሮ እየ።

Translation | Context
እብራውያን 13:5 | 3 Helpful votes

ንሱ ባዕሉ፡ ኣይክሐድገካን ዕሽሽውን ከቶ ኣይብለካን እዩ፡ ኢሉ እዩ እሞ፡ ንብረትኩም ብዘይ ፍቕሪ ገንዘብ ይኹን፡ በቲ ዘሎኹም ዕገቡ።

Translation | Context
ፊልጲ 4:8 | 2 Helpful votes

ብዝተረፈስ፡ ኣሕዋተየ፡ ሓቂ ዘበለ፡ ርዝነት ዘለዎ ዘበለ፡ ቅኑዕ ዘበለ፡ ንጹህ ዘበለ፡ ተፈታዊ ዘበለ፡ ጽቡቕ ወረ ዘለዎ ዘበለ፡ ገለ ደግነት እንተ ዀይኑ፡ ገለ ንእዶውን እንተ ዀይኑ፡ ብእኡ ሕሰቡ።

Translation | Context