Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

25 bible verses about

nudity


ዘፍጥረት 2:25 | 9 Helpful votes

እቲ ሰብኣይን ሰበይቱን ድማ ኽልቲኦም ጥራዮም ነበሩ፡ ኣይሓንኩን ከኣ ነበሩ።

Translation | Context
ዘጸአት 28:42 | 7 Helpful votes

ንሕፍረቶም ዚኸድን ስረ ድማ ካብ ልሕጺ እንጣጢዕ ግበረሎም፡ ካብ ሕቝኦም ክሳዕ ብርኮም ዚበጽሕ ይኹን።

Translation | Context
1ይ ጢሞቴዎስ 2:9 | 7 Helpful votes

ኣንስቲውን ከምኡ ብስሩሕ ርእስን ብወርቂ ወይስ በዕናቝ ወይስ ብብዙሕ ዝዋጋኡ ኽዳውንቲ ዘይኰነስ፡ ብግቡእ ክዳውንትን ብሕንክን ብምቕጻዕ ነፍስንን፡ ፍርሃት እግዚኣብሄር ንዘለወን ኣንስቲ ኸም ዚግባእ፡ ብሰናይ ግብሪ ኺስለማ፡ እደሊ አሎኹ።

Translation | Context
እዮብ 24:7 | 5 Helpful votes

ብዘይ ክዳን ጥራዮም ይሐድሩ፡ ኣብቲ ቚሪ ዚኽደንዎ የብሎምን።

Translation | Context
ማቴዎስ 5:28 | 4 Helpful votes

ኣነ ግና ንሰበይቲ ኺብህጋ ዚጥምታ ዅሉ ብልቡ ፈጺሙ ኣብኣ ዘመወ፡ እብለኩም አሎኹ።

Translation | Context
ኢሳይያስ 47:1-15 | 4 Helpful votes

ድሕሪ ደጊምሲ ሕንቅቕቲ ስውንቲ ኣይክትበሀልን ኢኺ እሞ፡ ኣቲ ድንግል ጓል ባቢሎን፡ ውረዲ ኣብ ሓመድ ከኣ ተቐመጢ፡ ኣቲ ጓል ከለዳውያን፡ ብዘይ ዝፋን ኣብ ምድሪ ተቐመጢ። መጥሓን ሐዚ እሞ ሓርጭ ጥሐኒ፡ ጒልባብኪ ቕልዒ፡ ነቲ ወለል ዚብል ዘፈር ክዳንኪ ሰብስቢ፡ ደናጉኺ ጥራዩ ጌርኪ ውሓይዝ ተሳገሪ። ዕርቃንኪ ይቀላዕ፡ ነውርኺ ኸኣ ይረኤ፡ ሕነ ኽፈዲ እየ፡ ዚገጥመለይ ከኣ ሓደ እኳ የልቦን። ስም እቲ ተበጃዊናስ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፡ ናይ እስራኤል ቅዱስ እዩ። ኣቲ ጓል ከለዳውያን፡ ድሕሪ ደጊም እትየ መንግስትታት ኣይክትበሀልን ኢኺ እሞ፡ ስቕ ኢልኪ ተቐመጢ፡ ናብ ጸልማት ኣግልሲ። ኣብ ህዝበይ ኰሬኹ፡ ርስተይ ፈንፈንኩ፡ ኣብ ኢድኪ ኸኣ ኣሕሊፈ ሀብክዎም። ንስኺ ኣይምሐርክዮምን፡ ኣርዑትኪ ኣብቶም ኣረገውቲ ኣዚኺ ኣኽበድኪ። ነዚ ኣብ ልብኺ ኸየንበርኪ፡ ብናይ መወዳእታውን ከይሐሰብኪ፡ ኣነስ ኰታ ንዂሉ ጊዜ እትየ እየ፡ በልኪ። እምበኣርሲ ኣቲ ግዲ ዂሉ ዜብልኪ፡ ብልብኺ ኸኣ፡ ኣነ ጥራይ እየ እምበር፡ ብጀካይ ካልእ የልቦን፡ ኣነስ ከቶ ኣይክምብሉን፡ ስእነት ውሉድውን ኣይክፈልጥን እየ፡ እትብሊ ተሰዋኒት፡ ነዚ ስምዒ፡ ክልቲኣተን፡ ስእነት ውሉድን ምብልውናን፡ ብሓንቲ መዓልቲ ድንገት ኪመጻኺ እየን። ምንም እኳ ጥንቊልናኺ እንተ በዝሔ፡ ምዕዛምኪውን እንተ በርትዔ፡ ብምሉእ መስፈር ኪመጻኺ እየን። ብኽፍኣትኪ ተወከልኪ እሞ፡ ዚርኣየኒ የልቦን፡ በልኪ፡ ጥበብክን ፍልጠትክን ኣስሐተኪ፡ ብልብኺውን፡ ኣነ እምበር፡ ብጀካይ ካልእ የልቦን፡ በልኪ። ስለዚ ኽትዕዝምዮ ዘይከኣለኪ መዓት ኪመጻኪ፡ ከተዝብልዮ ዘይኰነልኪ መከራ ኸኣ ኪወርደኪ እዩ፡ ዘይፈለጥክዮ ጥፍኣት ድማ ብድንገት ኪወርደኪ እዩ። ምናልባሽ እንተ ጠቐመኪ፡ ምናልባሽ እንተ ኣሰምበደክስ፡ ነቲ ኻብ ንእስነትኪ ጀሚርኪ ዝጸዐርክሉ ጥንቈላን ብዝሒ ኣስማትክን ሒዝኪ፡ ቕረቢ። ብብዝሒ ምኽርታትኪ ደኸምኪ፡ እቶም ፈለጥቲ ትእምርቲ ሰማይን እቶም ቈጸርቲ ኸዋኽብትን እቶም ነቲ ኣብ ሰሰርቂ ወርሒ ዚረኽበኪ ዚነግሩኽን ይተንስኡ እሞ የድሕኑኺ። እንሆ፡ ንሳቶም ከም ሓሰር እዮም፡ ሓዊ የንድዶም፡ ካብ ሓይሊ ሃልሃልታ ንነፍሶም ኣየድሕንዋን። ጓህሪ ንምስሓን ዚኸውን፡ ሓዊ ኸኣ ኣብ ቅድሚኡ ኾፍ ንምባል ዚኸውን ኣይኪህሉን እዩ። ዕድል እቶም ዝጸዐርክሎም ከምዚ ኪኸውን እዩ። እቶም ካብ ንእስነትኪ ጀሚሮም መናግድትኺ ዝነበሩ መመገዶም ጸው ኪብሉ እዮም፡ ሓደ እኳ ዜድሕነኪ የልቦን።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 12:23 | 4 Helpful votes

ነቲ ኣብ ስጋ ዘሎ ሕሱር ዚመስለና ኸኣ፡ ብዚበዝሕ ክብሪ ንኸድኖ፡ ንሓፍረትናውን ኣዚና ብኽብሪ ንኽውሎ።

Translation | Context
ዘሌዋውያን 18:6-23 | 4 Helpful votes

ሓደ ሰብ እኳ ቀረባ ዘመዱ ናብ ዘበለት ሕፍረታ ኪቐልዕ ኢሉ ኣይቕረባ። ኣነ እግዚኣብሄር እየ። ሕፍረት ኣቦኻን ሕፍረት ኣዴኻን ኣይትቕላዕ፡ ኣዴኻ እያ እሞ፡ ሕፍረታ ኣይትቕላዕ። ሕፍረት ሰበይቲ ኣቦኻ ኣይትቕላዕ፡ ሕፍረት ኣቦኻ እዩ። ሕፍረት ሓብትኻ ኣይትቕላዕ፡ ጓል ኣቦካ ወይ ጓል ኣዴኻ፡ ኣብ ቤት እተወልደት ወይ ኣብ ግዳም እተወልደት፡ ሕፍረት ኣይትቕላዕ። ሕፍረት ጓል ወድኻ ወይ ጓል ጓልካ፡ ሕፍረትካ እዩ እሞ፡ ሕፍረተን ኣይትቕላዕ። ሕፍረት ጓል ሰበይቲ ኣቦኻ፡ ካብ ኣቦኻ እተወልደት ሓብትኻ እያ እሞ፡ ሕፍረታ ኣይትቕላዕ። ሕፍረት ኣሞኻ ኣይትቕላዕ፡ ንሳ ቐረባ ዘመድ ኣቦኻ እያ፡ ቀረባ ዘመድ ኣዴኻ እያ እሞ፡ ሕፍረት ሓትኖኻ ኣይትቕላዕ፡ ሕፍረት ሓው ኣቦኻ ኣይትቕላዕ፡ ናብ ሰበይቱ ኣይትቕረብ፡ ሓብቲ ኣቦኻ እያ። ሕፍረት ሰበይቲ ወድኻ ኣይትቕላዕ፡ ሰበይቲ ወድኻ እያ፡ ሕፍረታ ኣይትቕላዕ። ሕፍረት ሰበይቲ ሓውካ ኣይትቕላዕ፡ ሕፍረት ሓውካ እዩ። ሕፍረት ሰበይትን ጓላን ኣይትቕላዕ፡ ጓል ወዳ ወይ ጓል ጓላ ድማ ሕፍረታ ንምቕላዕ ኣይትውሰድ፡ ንሳተን ቀረባ ዘመድ እየን እሞ፡ ገበን እዩ። ብህይወታ ኸላ ሕፍረታ ብምቕላዕ ከተቕንኣ ሰበይቲ ምስናይ ሓብታ ኣይተእቱ። ሰበይቲ ብጻግኒአ ረኺሳ ኸላ፡ ሕፍረታ ኽትቀልዕ ኣይትቕረባ። ሰበይቲ ብጻይካ፡ ብእኣ ኸይትረክስ፡ ብስጋ ምስኣ ንምርኻብ ኣይትደቅስ። ካብ ዘርእኻ ንሞሎኽ ብሓዊ ንምሕላፍ ኣይትሀብ። ስም ኣምላኽካ ኣይተርክስ። ኣነ እግዚኣብሄር እየ። ከም ምስ ሰበይቲ ምድቃስ ምስ ሰብአይ ኣይትደቅስ፡ እዚ ጽያፍ እዩ። ብእኣ ኸይትረክስ፡ ምስ ገለ እንስሳ ብስጋ ኣይትራኸብ። ሰበይቲ ድማ ብስጋ ኽትራኸብ ኢላ ኣብ ቅድሚ እንስሳ ደው ኣይትበል፡ እዚ ጉድ ነገር እዩ።

Translation | Context
ዘፍጥረት 9:20-29 | 3 Helpful votes

ኖህ ድማ ሓረስታይ ምድሪ ኪኸውን ጀመረ፡ ወይኒ ኸኣ ተኸለ። ካብ ወይኒ ሰትዩ ድማ ሰኸረ፡ ኣብ ማእከል ድንኳኑ ኸኣ ጥራዩ ዀነ። ካም፡ ኣቦ ኸነኣን ከኣ ሕፍረት ኣቦኡ ርእዩ፡ ናብ ግዳም ወጺኡ ንኽልቲኦም ኣሕዋቱ ነገሮም። ሴምን ያፌትን ድማ ክዳን ወሲዶም ኣብ መንኩቦም ገይሮም እናኣድሓርሓሩ፡ ሕፍረት ኣቦኦም ከደኑ። ገጾም ንድሕሪት ገይሮም፡ ሕፍረት ኣቦም ኣይረኣዩን። ኖህ ከኣ ካብ ስኽራኑ ናብ ልቡ ተመልሰ፡ እቲ ንእሽቶ ወዱ ዝገበሮ ድማ ፈለጠ። በለ ኸኣ፡ ከነኣን ርጉም፡ ነሕዋቱ ባርያ ባሮት ይኹን። በለ ድማ፡ እግዚኣብሄር፡ ኣምላኽ ሴም፡ ይባረኽ። ከነኣን ድማ ባርያኡ ይኹን። ኣምላኽ ንያፌት የስፍሕ። ኣብ ድንኳውንቲ ሴም ከኣ ይንበር። ከነኣን ድማ ባርያኡ ይኹን። ኖህ ከኣ ድሕሪ ማይ ኣይሂ ሰለስተ ሚእትን ሓምሳን ዓመት ገበረ። ኵሉ ዕድመ ኖህ ትሽዓተ ሚእትን ሓምሳን ዓመት ኰነ። ሞተ ድማ።

Translation | Context
ዘጸአት 20:26 | 3 Helpful votes

ናብ መሰውእየይ፡ ኣብ ልዕሊኡ ሕፍረትካ ኸይቅላዕሲ፡ ብመሳልል ኣይትደይብ።

Translation | Context
ዘፍጥረት 3:21 | 3 Helpful votes

እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ ንኣዳምን ንሰበይቱን ደበሎ ገይሩ ኸደኖም።

Translation | Context
ዘፍጥረት 3:10-11 | 3 Helpful votes

ንሱ ኸኣ፥ ድምጽኻ ኣብ ገነት ሰሚዔ ፈራህኩ፡ ጥራየይ ከኣ እየ እሞ፡ ተሓባእኩ፡ በለ። ንሱ ድማ፥ ጥራይካ ምዃንካ ደኣ መን ነገረካ፧ ካብታ፡ ካብኣ ኣይትብላዕ፡ ኢለ ዝኣዘዝኩኻ ኦምዶ በሊዕካ ኢኻ፧ በሎ።

Translation | Context
እዮብ 24:10 | 3 Helpful votes

ብዘይ ክዳን ጥራዮም ይኸዱ፡ ብጥሙያቶም እንዳእቲ ይጾሩ።

Translation | Context
ኢሳይያስ 20:2 | 3 Helpful votes

በቲ ጊዜ እቲ እግዚኣብሄር፡ ብኢሳይያስ ወዲ ኣሞጽ ገይሩ፡ ኪድ እሞ ነቲ ማቕ ካብ ሕቜኻ ፍትሓዮ፡ ኣሳእንካ ድማ ካብ ኣእጋርካ ኣውጽእ፡ ኢሉ ተዛረቦ። ንሱውን ከምኡ ገበረ እሞ ጥራይ ዝባኑን ጥራይ እግሩን ከደ።

Translation | Context
1ይ ሳሙኤል 19:24 | 2 Helpful votes

ንሱ ድማ ክዳውንቱ ደርብዩ ኣብ ቅድሚ ሳሙኤል ተነበየ፡ ጥራዩ ዀይኑ ኸኣ መዓልቲ መላእን ለይቲ መላእን ወዲቑ ነበረ። ስለዚ ድማ፡ ሳኦልውንንዶ ምስ ነብያት እዩ፧ ይብሉ አለዉ።

Translation | Context
ኢሳይያስ 20:2-4 | 2 Helpful votes

በቲ ጊዜ እቲ እግዚኣብሄር፡ ብኢሳይያስ ወዲ ኣሞጽ ገይሩ፡ ኪድ እሞ ነቲ ማቕ ካብ ሕቜኻ ፍትሓዮ፡ ኣሳእንካ ድማ ካብ ኣእጋርካ ኣውጽእ፡ ኢሉ ተዛረቦ። ንሱውን ከምኡ ገበረ እሞ ጥራይ ዝባኑን ጥራይ እግሩን ከደ። እግዚኣብሄር ድማ በለ፡ ከምቲ ኢሳይያስ ባርያይ ኣብ ልዕሊ ግብጺን ኢትዮጵያን ምልክትን ትእምርትን ኪኸውንሲ፡ ሰለስተ ዓመት ጥራይ ዝባንን ጥራይ እግርን ዝኸደ፡ ከምኡ ንጉስ ኣሶር ንእሱራት ግብጺን ንምሩኻት ኢትዮጵያን፡ ናእሽቱን ኣረገውትን፡ ጥራይ ዝባኖምን ጥራይ እግሮምን፡ ስጋኦም ተቐሊዑ ንነውሪ ግብጺ ኺወስዶም እዩ።

Translation | Context
ዘፍጥረት 3:7 | 2 Helpful votes

ሽዑ ኣዒንቲ ኽልቲኦም ተኸፍታ፡ ጥራዮም ምዃኖም ድማ ፈለጡ። ቈጽሊ በለስ ኣላጋጊቦም ከኣ ተዐጥቁ።

Translation | Context
ኢሳይያስ 58:7 | 2 Helpful votes

እንጌራኻ ንጥሙይ ክትመቅል፡ ነቶም እተሰዱ ድኻታት ናብ ቤትካ ኸተእቱ፡ ዕሩቕ እንተ ርኤኻ ኽትከድኖ፡ ካብ ስጋካውን ከይትሕባእዶ ኣይኰነን፧

Translation | Context
ራእይ 16:15 | 2 Helpful votes

እንሆ፡ ከም ሰራቒ እመጽእ አሎኹ። ጥራዩ ምእንቲ ኸይከይድ ንሕፍረቱውን ከይርእይዎ፡ እቲ ዚነቅሕ ክዳኑውን ዚእርንብ ብጹእ እዩ።

Translation | Context
እዮብ 1:21 | 2 Helpful votes

ሽዑ እዮብ ተንሲኡ ኽዳኑ ቐደደ ርእሱውን ላጸየ እሞ፡ ጥራየይ እየ ኻብ ከርሲ ወላዲተይ ዝወጻእኩ፡ ጥራየይ ከኣ ናብኣ ኽምለስ እየ። እግዚኣብሄር ሀበ፡ እግዚኣብሄር ድማ ወሰደ። ስም እግዚኣብሄር ይባረኽ፡ ኢሉ ናብ ምድሪ ተደፊኡ ሰገደ።

Translation | Context
1ይ ሳሙኤል 19:20-24 | 2 Helpful votes

ሳኦል ንዳዊት ኪሕዙ ልኡኻት ሰደደ። ንሳቶም ከኣ፡ ሳሙኤል ደው ኢሉ ዚመርሖም፡ ጉባኤ ነብያት ኪንበዩ ምስ ረአዩ፡ መንፈስ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ እቶም ልኡኻት ሳኦል ድማ መጸ፡ ንሳቶም ከኣ ተነበዩ። እዚ ንሳኦል ምስ ነገርዎ ድማ፡ ንሱ ኻልኦት ልኡኻት ሰደደ፡ ንሳቶምውን ተነበዩ። ሳኦል ከኣ መሊሱ ሳልሳይ ጊዜ ልኡኻት ሰደደ፡ ንሳቶም ድማ ተነበዩ። ሽዑ ንሱ ናብ ራማ ኸደ፡ ናብቲ ኣብ ሴኩ ዘሎ ዓብዪ ዔላ ምስ መጸ ድማ፡ ሳሙኤልን ዳዊትን ኣበይ እዮም ዘለዉ፧ ኢሉ ጠየቐ። እነሆ ኣብ ናዮት ናይ ራማ አሎ በሎ። ንሱ ኸኣ ናብኡ፡ ናብ ናዮት ናይ ራማ ኸደ፡ ኣብ ልዕሊኡ ድማ መንፈስ ኣምላኽ መጸ፡ ኣብ ናዮት ናይ ራማ ኽሳዕ ዚመጽእ ከኣ እናተነበየ ኸደ። ንሱ ድማ ክዳውንቱ ደርብዩ ኣብ ቅድሚ ሳሙኤል ተነበየ፡ ጥራዩ ዀይኑ ኸኣ መዓልቲ መላእን ለይቲ መላእን ወዲቑ ነበረ። ስለዚ ድማ፡ ሳኦልውንንዶ ምስ ነብያት እዩ፧ ይብሉ አለዉ።

Translation | Context
ኢሳይያስ 20:3 | 2 Helpful votes

እግዚኣብሄር ድማ በለ፡ ከምቲ ኢሳይያስ ባርያይ ኣብ ልዕሊ ግብጺን ኢትዮጵያን ምልክትን ትእምርትን ኪኸውንሲ፡ ሰለስተ ዓመት ጥራይ ዝባንን ጥራይ እግርን ዝኸደ፡

Translation | Context
እዮብ 22:6 | 2 Helpful votes

ካብ ሓውካ ብኸምኡ ታሕዚ ኣልዒልካ፡ ክዳን እቶም ዕሩቓት ገፊፍካ፡

Translation | Context
ዮሃንስ 21:7 | 2 Helpful votes

እቲ የሱስ ዜፍቅሮ ወደ መዝሙር ከኣ ንጴጥሮስ ጐይታና እምበር እዩ፡ በሎ። ስምኦን ጴጥሮስ ድማ ጐይታ ምዃኑ ምስ ሰምዔ፡ ጥራዩ ነበረ እሞ፡ ክዳኑ ተዐጢቑ ናብ ባሕሪ ዘለለ።

Translation | Context
2ይ ቈረንቶስ 5:1-5 | 2 Helpful votes

እዛ ምድራዊት ናይ ድንኳን ቤትና እንተ ፈረሰት እኳ፡ ሓንቲ ህንጻ ካብ ኣምላኽ፡ ብኢድ ዘይተገብረት ናይ ዘለኣለም ቤት ኣብ ሰማያት ከም ዘላትና፡ ንፈልጥ ኢና። ምንም እኳ ልቡሳት እንተ ዀንና፡ ዕሩቓት ኴንና ኸይንርከብ፡ እታ ሰማያዊት ቤትና ኽንለብስ እናናፈቕና፡ ኣብዚ ንደፋነቕ አሎና። ንሕና ኣብዚ ድንኳን እዚ ኸሎናስ፡ እቲ መዋቲ ብህይወት ምእንቲ ኺውሐጥ፡ ኣብ ልዕሊኡ ኽንለብስ እምበር፡ ክንቅንጠጥ ስለ ዘይንፈቱ፡ ከቢዱና ነስቈርቍር አሎና። ግናኸ እቲ ነዚ ዘዳለወና፡ ዕርቡን መንፈስ ከኣ ዝሃበና፡ ኣምላኽ እዩ።

Translation | Context