Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

5 bible verses about

nuclear war


ዘካርያስ 14:12 | 27 Helpful votes

እዚ ኸኣ እቲ እግዚኣብሄር ነቶም ንየሩሳሌም ዚወግእዋ ዅላቶም ህዝብታት ዝወቕዓሉ መዓት እዩ፣ በእጋሮም ደው ኢሎም ከለዉ ስጋኦም ኪምሽምሽ እዩ፣ ኣዒንቶም ኣብ ጕድጓደን ኪምሽምሻ እየን፣ ልሳኖም ድማ ኣብ ኣፎም ክትምሽምሽ እያ።

Translation | Context
ማቴዎስ 24:22 | 7 Helpful votes

እተን መዓልትታት እቲኤን እንተ ዘይሐጽራስ፡ ስጋ ዝለበሰ ዅሉ ኣይምደሐነን። ምእንቲ እቶም ሕሩያት ግና እተን መዓልትታት እቲኤን ኪሐጽራ እየን።

Translation | Context
2ይ ጴጥሮስ 3:10-13 | 6 Helpful votes

መዓልቲ ጐይታ ግና ከም ሰራቒ ዀይና ኽትመጽእ እያ፡ ብእኣ ሰማያት ጥዋዕዋዕ እናበለ ኺሐልፍ እዩ፡ ፍጥረት ሰማይ ብረስኒ ኺመክኽ፡ ምድርን ኣብኣ ዘሎ ግብርታትን ኪነድድ እዩ። ደጊም እዚ ዅሉ ዘፈላለ ኻብ ኰነ፡ ስሊኡ ሰማያት ብሓዊ መኺኹ ዚፈላለየሉ፡ ፍጥረት ሰማያት ከኣ ብረስኒ ዚመከሉ፡ ነቲ ምጽኣት መዓልቲ ኣምላኽ እናተጸቤኹምዎን እናኣቐልጠፍኩምዎን ብቕዱስ ንብረትን ብፍርሃት እግዚኣብሄርን ከመይ ዝበሉ ኽትኰኑ እዩ ዚግብኣኩም። ንሕና ግና፡ ከምቲ ተስፋኡ፡ ጽድቂ ዚነብረሉ ሓድሽ ሰማያትን ሓድሽ ምድርን ንጽበ አሎና።

Translation | Context
ኢሳይያስ 24:19-20 | 5 Helpful votes

ምድሪ ጥዋዕ ኢላ ትስበር፡ ምድሪ ተረር ኢላ ትትርተር፡ ምድሪ ነነይ ኢላ ትናወጽ። ምድሪ ኸም ስኹር ሰንከልከል ትብል፡ ከም ዳስ ከኣ ሰሰው ትብል፡ ኣበሳኣ ኸቢድዋ ትወድቕ፡ መሊሳውን ኣይትትንስእን።

Translation | Context
ራእይ 8:10-11 | 5 Helpful votes

እቲ ሳልሳይ መልኣኽ ከኣ መለኸት ነፍሔ፡ ዓብዪ ኰዀብ ከም መብራህቲ እናነደደ ኻብ ሰማይ ወደቐ፡ ኣብ ሲሶ ርባታትን ዓይኒ ማያትን ከኣ ወደቐ። ስም እቲ ኰዀብ ድማ ምረት እዩ ዚብሀል፡ ሲሶ እቲ ማያት ከኣ መረረ፡ መሪር ብምዃኑውን ብሰሪ እቲ ማይ ብዙሓት ሰብ ሞቱ።

Translation | Context