Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

17 bible verses about

nightmares


ምሳሌ 3:24 | 16 Helpful votes

እንተ ተገምሰስካ ኣይክትብህርርን ኢኻ፡ በጥ ክትብል ኢኻ፡ ድቃስካውን ኪጥዕም እዩ።

Translation | Context
መዝሙር 4:8 | 13 Helpful votes

ዎ እግዚኣብሄር፣ ንስኻ በይንኻ ኢኻ ብደሓን እተሕድረኒ እሞ፣ ብሰላም እግምሰስን እድቅስን አሎኹ።

Translation | Context
መዝሙር 91:5 | 10 Helpful votes

ካብ ስምባድ ለይቲ፣ ካብቲ ብመዓልቲ ዚውርወር ፍላጻ፣

Translation | Context
ያእቆብ 4:7 | 9 Helpful votes

እምብኣርስሲ ንኣምላኽ ተገዝእዎ። ንድያብሎስ ግና ተጻረርዎ እሞ፡ ንሱ ካባኻትኩም ኪሀድም እዩ።

Translation | Context
2ይ ጢሞቴዎስ 1:7 | 9 Helpful votes

በዚ ምኽንያት እዚ፡ ኣምላኽሲ መንፈስ ሓይልን ፍቕር ቅጽዓትን እምበር፡ መንፈስ ፍርሃት ኣይሃበናን እሞ፡ ነቲ ብምንባር ኢደይ ኣባኻ ዘሎ ውህበት ኣምላኽ ክትሕድሶ ኤዘክረካ አሎኹ።

Translation | Context
መዝሙር 91:1-4 | 6 Helpful votes

አብ ጸግዒ እቲ ልዑል ዚሐድር፣ ኣብ ጽላል እቲ ዅሉ ዚኽእል ይነብር። ንእግዚኣብሄር፣ ጸግዔይን ዕርደይን ዝውከሎ ኣምላኸይን እዩ፣ እብሎ አሎኹ። ካብ መጻወድያ ሃዳናይ፣ ካብ ዜጥፍእ ፌራ ኼናግፈካ እዩ እሞ፣ ብግልግሌኡ ኼጐልብበካ፣ ኣብ ትሕቲ አኽናፉ ኸኣ መጸግዒ ኽትረክብ ኢኻ፣ ሓቁ ዋልታን ጸግዕን እዩ።

Translation | Context
ምሳሌ 19:23 | 5 Helpful votes

ፍርሃት እግዚኣብሄር ናብ ህይወት የብጽሕ፡ ሳላኡ ሰብ ጸጊቡ ይሐድር፡ ክፉእ ከኣ ኣይረኽቦን።

Translation | Context
ምሳሌ 6:22 | 5 Helpful votes

ካብታ እክይቲ ሰበይቲ፡ ካብታ ልዙብ ዝመልሓሳ ኣመንዝራ ኺባልሃካስ፡ ትእዛዝ መብራህቲ እዩ፡ ሕጊ ኸኣ ብርሃን እዩ፡ ተግሳጽ ትምህርቲ ድማ መገዲ ህይወት እዩ እሞ፡ እንተ ኸድካ፡ ይመርሓካ፡ በጥ እንተ በልካ፡ ይሕልወካ፡ እንተ ነቓሕካ ድማ፡ የዛርበካ።

Translation | Context
ኤርምያስ 31:26 | 3 Helpful votes

ድሕርዚ ተበራበርኩ እሞ ጠመትኩ፡ ድቃሰይ ከኣ ጠዐመኒ።

Translation | Context
መዝሙር 127:2 | 3 Helpful votes

ኣንጊህኩም ምትንሳእኩም፣ ኣምሲኹም ምድቃስኩም፣ እንጌራ ጻዕሪ ምብላዕኩም ከንቱ እዩ፣ እዝስ ንፍቁራቱ ደቂሶም ከለዉ ይህቦም እዩ።

Translation | Context
መዝሙር 121:5-6 | 2 Helpful votes

እግዚኣብሄር ሓላዊኻ እዩ፡ እግዚኣብሄር ኣብ የማነይቲ ኢድካ ጽላልካ እዩ። ጸሓይ ብመዓልቲ፣ ወርሒውን ብለይቲ ኣይኪወቕዓካን እዩ።

Translation | Context
ማርቆስ 9:23 | 2 Helpful votes

የሱስ ከኣ፡ እትኽእል እንተ ዄንካ፡ ትብል አሎኻ። ንዚኣምን ኵሉ ይክኣል እዩ፡ በሎ።

Translation | Context
2ይ ቈረንቶስ 7:1 | 2 Helpful votes

እምብኣርከ፡ ኣቱም ፍቁራተይ፡ እዚ ተስፋታት እዚ ካብ ዚህልወናስ፡ ብፍርሃት ኣምላኽ ቅድስና እናመላእና፡ ካብቲ ስጋን መንፈስን ዜርክስ ዘበለ ዅሉ ርእስና ነንጽህ።

Translation | Context
ዮሃንስ 10:10 | 2 Helpful votes

ሰራቒ፡ ብጀካ ኺሰርቕን ኪሐርድን ኬጥፍእን ኢሉ ኣይመጽእን እዩ። ኣነ ግና ህይወት ምስ ተረፉ ምእንቲ ኺረክባ እየ ዝመጻእኩ።

Translation | Context
መዝሙር 91:1-16 | 2 Helpful votes

አብ ጸግዒ እቲ ልዑል ዚሐድር፣ ኣብ ጽላል እቲ ዅሉ ዚኽእል ይነብር። ንእግዚኣብሄር፣ ጸግዔይን ዕርደይን ዝውከሎ ኣምላኸይን እዩ፣ እብሎ አሎኹ። ካብ መጻወድያ ሃዳናይ፣ ካብ ዜጥፍእ ፌራ ኼናግፈካ እዩ እሞ፣ ብግልግሌኡ ኼጐልብበካ፣ ኣብ ትሕቲ አኽናፉ ኸኣ መጸግዒ ኽትረክብ ኢኻ፣ ሓቁ ዋልታን ጸግዕን እዩ። ካብ ስምባድ ለይቲ፣ ካብቲ ብመዓልቲ ዚውርወር ፍላጻ፣ ካብቲ ብጸልማት ዚኸይድ ፌራ፣ ብቐትሪ ዜባድም ሕማም ኣይክትፈርህን ኢኻ። ኣብ ጥቓኻ ሽሕ፣ ኣብ የማንካውን እልፊ ኺወድቁ እዮም፣ ኣባኻ ግና ኣይኪበጽሕን እዩ። በዒንትኻ ጥራይ ክትጥምቶ፣ ረሲኣን ዚረኽብዎ መስጣውን ክትርኢ ኢኻ። ጐይታይ፣ ንስኻ መዕቈብየይ ኢኻ፣ ኢልካ ኢኻ እሞ፣ ንልዑልሲ መጸግዒኻ ስለ ዝገበርካዮ፣ እከይ ዘበለ ኣይኪረኽበካን፣ ስቓይውን ኣብ ድንኳንካ ኣይኪቐርብን እዩ። አብ ኵሉ መገድኻ ኺሕልዉኻ፣ ንመላእኽቱ ኺእዝዘልካ እዩ እሞ፣ እግርኻ ብእምኒ ኸይትዕንቀፍሲ፣ ኣብ ልዕሊ ኣእዳዎም ኪጾሩኻ እዮም። ኣብ ልዕሊ ኣንበሳን ተመንን ክትከይድ፣ ሽደን አንበሳን ገበልን ክትረግጽ ኢኻ። ኣጥቢቑ ስለ ዘፍቀረኒ፣ ከናግፎ፣ ንስመይ ስለ ዝፈለጦ፣ ከልዕሎ እየ። ኪጽውዓኒ ኣነውን ክመልሰሉ፣ ብጸበባ ምስኡ ክኸውን፣ ከናግፎን ከኽብሮን እየ። ነዊሕ ዕድመ ኸጽግቦ፣ ምድሓነይውን ከርእዮ እየ።

Translation | Context
መክብብ 5:3 | 2 Helpful votes

ሕልሚ ብምዛሕ ጉዳይ እዩ ዝመጽእ፡ ድምጺ ዓሻ ኸኣ ብምብዛሕ ቃላት እዩ ዚስማዕ እሞ፡ ብኣፍካ ኣይትተሃወኽ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንምዝራብ ልብኻ ኣይቐልጥፍ። ኣምላኽ ኣብ ሰማይ እዩ፡ ንስኻ ኣብ ምድሪ ኢኻ እሞ፡ ስለዚ ቓላትካ ሒደት ይኹን።

Translation | Context
ኤርምያስ 29:11 | 2 Helpful votes

ኣነ ዝሐስበልኩም ዘሎኹ ሓሳብ እፈልጦ እየ፡ መፈጸምታን ተስፋን ክህበኩምሲ፡ ሓሳብ ደሓን እምበር፡ ናይ ክፉእ ኣይኰነን፡ ይብል እግዚኣብሄር።

Translation | Context