Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

18 bible verses about

neighbors


ያእቆብ 2:8 | 9 Helpful votes

ሕጂ ግና ከምቲ ጽሑፍ፡ ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ጌርካ ኣፍቅሮ፡ ዚብል፡ ነቲ ንጉሳዊ ሕጊ ብሓቂ እንተ ፈጸምኩምዎ፡ ሰናይ ትገብሩ አሎኹም።

Translation | Context
ምሳሌ 3:29 | 7 Helpful votes

ንብጻይካ፡ ኣሚኑካ ምሳኻ ኺነብር ከሎ፡ ኣይትተናዀለሉ።

Translation | Context
ማርቆስ 12:31 | 7 Helpful votes

እታ ኻልአይታ እትመልሳ ድማ፥ ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቕሮ፡ እያ። ካብ እዚኣተን እትዐቢ ኻልእ ትእዛዝ የልቦን።

Translation | Context
ሮሜ 15:2 | 6 Helpful votes

ከምቲ ጽሑፍ፡ ጸርፊ እቶም ዝጸረፉኻ ኣባይ ወደቐ፡ ዚብል፡ ክርስቶስ ድማ ንርእሱ ባህ ዜብል ኣይደለየን እሞ፡ ነፍሲ ወከፍና፡ ንብጻዩ ምእንቲ ኺሃንጾ፡ ብሰናይ ነገር ባህ የብሎ።

Translation | Context
ገላትያ 5:14 | 5 Helpful votes

ማለት ኵሉ እቲ ሕጊ፡ ብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅር፡ ብትብል ሓንቲ ቓል ይፍጸም እዩ።

Translation | Context
ምሳሌ 25:17-18 | 5 Helpful votes

ብጻይካ ኸይመንወካ እሞ ከይጸልኣካስ፡ ናብ ቤቱ እግርኻ ኣይተዘውትር። እቲ ኣብ ብጻዩ ሓሶት ዚምስክርሲ ሞደሻን ሰይፍን በሊሕ ፍላጻን እዩ።

Translation | Context
ማቴዎስ 7:12 | 4 Helpful votes

እምበኣርሲ ኦሪትን ነብያትን እዚ እዩ እሞ፡ ከምቲ ሰብ ኪገብረልኩም እትደልይዎ ዘበለ ዅሉ ንስኻትኩምውን ከምኡ ግበሩሎም።

Translation | Context
ሉቃስ 10:27 | 3 Helpful votes

ንሱ ኸኣ፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብዅሉ ነፍስኻን ብዅሉ ሓይልኻን ብዅሉ ሓሳብካን ኣፍቅሮ፡ ንብጻይካ ድማ ከም ነፍስኻ፡ ኢሉ መለሰሉ።

Translation | Context
ሉቃስ 6:31 | 3 Helpful votes

ከምቲ ሰብ ኪገብሩልኩም እትደልይዎ፡ ንስኻትኩም ድማ ከምኡ ግበሩሎም።

Translation | Context
ሮሜ 13:10 | 3 Helpful votes

ፍቕሪ ንብጻያ እከይ ኣይገብሮን፡ እምብኣርሲ ፍቕሪ መደምደምታ ሕጊ እያ።

Translation | Context
ማቴዎስ 19:19 | 2 Helpful votes

ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር፡ ብጻይካውን ከም ነፍስኻ ፍቶ፡ በሎ።

Translation | Context
ዘሌዋውያን 19:16-18 | 2 Helpful votes

ክትሐሚ ኢልካ ኣብ ህዝብኻ ኣይትዙር፡ ናብ ደም ብጻይካ ኣይትለዐል። ኣነ እግዚኣብሄር እየ። ንሓውካ ብልብኻ ኣይትጽልኣዮ፡ ንብጻይካስ፡ ብዛዕባኡ ሓጢኣት ከይትጸውር፡ ኣጸቢቕካ ግንሓዮ። ንደቂ ህዝብኻ ሕነ ኣይትፍደን ኣይትቀየምን፡ ንብጻይካስ ከም ርእስኻ ደኣ ፍተዎ። ኣነ እግዚኣብሄር እየ።

Translation | Context
ገላትያ 6:10 | 2 Helpful votes

እምበኣርሲ ጊዜ ኸሎና፡ ንዅሉ ሰብ፡ ምናዳ ግና ነቶም ኣመንቲ ስድራ ቤት ሰናይ ንግበር።

Translation | Context
ኢሳይያስ 58:6-14 | 2 Helpful votes

እቲ ኣነ ዝፈትዎ ጾምሲ ንመኣሰር እከይ ምፍታሕ፡ ንማእሰርቲ ኣርዑት ምዝላቕ፡ ንጥቑዓት ምውጻእ ሓራ፡ ኣርዑት ዘበለ ዂሉውን ምስባርዶ ኣይኰነን፧ እንጌራኻ ንጥሙይ ክትመቅል፡ ነቶም እተሰዱ ድኻታት ናብ ቤትካ ኸተእቱ፡ ዕሩቕ እንተ ርኤኻ ኽትከድኖ፡ ካብ ስጋካውን ከይትሕባእዶ ኣይኰነን፧ ሽዑ ብርሃንካ ኸም ወጋሕታ ዀይኑ ኺወጽእ፡ ምሕዋይካ ኸኣ ቀልጢፉ ኺበቊል፡ ጽድቅኻ ድማ ቀቅድሜኻ ኪኸይድ፡ ክብሪ እግዚኣብሄርውን ደጀንካ ኪኸውን እዩ። ሽዑ ኽትጽውዕ፡ እግዚኣብሄር ከኣ ኪመልሰልካ፡ ከተእዊ፡ ንሱ ድማ፡ እኔኹ፡ ኪብል እዩ። ነርዑት፡ ንምውጥዋጥ ኣጻብዕ፡ ንሕማቕ ዘረባ ኸኣ ካብ ማእከልካ እንተ ኣርሐቕካ፡ ካብ ናብ ነፍስኻ ንጥሙይ እንተ መቐልካ፡ ንጭንቕቲ ነፍሲ እንት ኣጽገብካ፡ ሽዑ ብርሃንካ ኣብ ጸልማት ኪወጽእ፡ ጸልማትካውን ከም ቀትሪ ኪኸውን እዩ። እግዚኣብሄር ንዂሉ ጊዜ ኺመርሓካ፡ ኣብ ምድሪ ኣጻምእ ንነፍስኻ ኼጽግባ፡ ነዕጽምትኻ ድማ ኬበርትዖ እዩ። ንስኻ ኸኣ ከም ዝሰተየ ኣታኽልትን ከምቲ ማዩ ዘይነጽፍ ዓይኒ ማይን ክትከውን ኢኻ። ደቅኻ ነቲ ቐደም ዝዐነወ ኺነድቁ እዮም፡ ንመሰረት ብዙሓት ወለዶ ኸተቕውም ኢኻ። ነዳቕ ፍሩስን፡ መሳፍሮ ዚኸውን መገዲ መዓረይን ተብሂልካ ኽትስመ ኢኻ። ብሰንበት፡ በታ ቅድስቲ መዓልተይ ከም ፍቓድ ርእስኻ ኸይትገብር፡ እግርኻ እንተ ዘሐጥካ፡ ንሰንበት ከኣ ደስታ፡ ነታ ቅድስቲ መዓልቲ እግዚኣብሄር ድማ ክብርቲ ኢልካ እንተ ሰሜኻያ፡ እንተ ኣኽበርካየ፡ መገዲ ርእስኻ ድማ እንተ ዘይከድካ፡ ፍቓድ ርእስኻ እንተ ዘይገበርካ፡ ከንቱ ዘረባውን እንተ ዘይተዛረብካ፡ ኣፍ እግዚኣብሄር ተዛሪቡ እዩ እሞ፡ ሽዑ ብእግዚኣብሄር ደስ ኪብለካ እዩ፡ ኣነ ድማ ናብቲ በረኽቲ ምድሪ ኸደይበካ፡ ርስቲ ኣቦኻ ያእቆብውን ከብልዓካ እየ።

Translation | Context
መዝሙር 15:1-3 | 2 Helpful votes

ዎ እግዚኣብሄር፣ ኣብ ድንኳንካ ዚሐድር መን እዩ፧ ኣብቲ ኸረን ቅድስናኻ ዚነብርከ መን እዩ፧ እቲ ብቕንዕና ዚመላለስን ጽድቂ ዚገብርን ብልቡ ሓቂ ዚዛረብን፣ ብልሳኑ ዘይሐሚ፣ ንመሓዛኡ ገለ ኽፉእ ዘይገብሮ፣ ንብጻዩ ዘይጸርፎ፣

Translation | Context
ዘካርያስ 8:16 | 2 Helpful votes

እቲ ኽትገብርዎ ዝግብኣኩም ነገርሲ እዚ እዩ፣ ነፍሲ ወከፍኩም ነንብጻዩ ሓቂ ተዛረቡ፣ ኣብ ደጌታትኩም ፍርዲ ሓቅን ሰላምን ፍረዱ።

Translation | Context
ዘካርያስ 8:17 | 2 Helpful votes

ካባኽትኩምውን ሓደ እኳ ብልቡ ንሓዉ እከይ ኣይሕሰበሉ፣ ማሕላ ሓሶት ኣይትፍትወኡ፣ ነዚ ዅሉ እጸልኦ እየ፣ ይብል እግዚኣብሄር።

Translation | Context
ዘሌዋውያን 6:2-5 | 2 Helpful votes

ሰብ ንእግዚኣብሄር በደል ብምብዳሉ ሓጢኣት እንተ ገበረ፡ ብጻዩ ዘንበረሉ ሕድሪ ብምጥላሙ፡ ወይ ኣብ ኢዱ ብዘትሓዞ፡ ወይ ገለ ብዝኸተሮ ወይ ብዝዐመጾ፡ ወይ ገለ ጥፉእ ረኺቡ ኸሎ ኣሉ ኢሉ ብሓሶት ብምምሓሉ፡ ብሓደ ኻብ ዝዀነ ነገር ሰብ ሓጢኣት ብዝገበረሉ፡ ይኸውን ድማ፡ ሓጢኣት ብምግባሩ በዳሊ ምስ ኰነ፡ ንሱ እቲ ኸትሪ ዝኸተሮ፡ ወይ እቲ ዓመጽ ዝዓመጾ፡ ወይ ሕድሪ ዘንበረሉ፡ ወይ ጠፊኡ ዝረኸቦ፡ ወይ ብዝዀነ ነገር ሐስዩ ዝመሐለሉ ይምለሶ፡ ብምሉኡ ይምለሶ፡ ኣብ ልዕሊኡ ኸኣ ሕምሻኡ ይወስኸሉ። በታ መስዋእቲ በደሉ ዜቕርበላ መዓልቲ ነቲ ዋናኡ ይምለሰሉ።

Translation | Context