Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

12 bible verses about

natural disasters


ማርቆስ 13:7-9 | 22 Helpful votes

ውግእን ወረ ውግእን እንተ ሰማዕኩም፡ ኣይትሸበሩ። እዚ ኪኸውን ብግዲ እዩ፡ ግናኸ መወዳእታ ገና እዩ። ህዝቢ ናብ ህዝቢ፡ መንግስቲውን ናብ መንግስቲ ኺለዓል እዩ እሞ፡ በብቦታኡ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኪኸውን፡ ጥሜት ኪኸውን እዩ። እዚ መጀመርያ ቕልውላው እዩ። ንኣታቶም ንምስክር ግና ምእንታይ ንዋዕላ ኣሕሊፎም ኪህብኹም፡ ኣብ ቤት ጸሎቶምውን ኪገርፉኹም፡ ኣብ ቅድሚ መኳንንትን ነገስታትን ከኣ ደው ኬብሉኹም እዮም እሞ፡ ንርእስኹም ተጠንቀቑ።

Translation | Context
ኢሳይያስ 45:7 | 15 Helpful votes

ብርሃን እገብር፡ ጸልማት ከኣ እፈጥር፡ ደሓን እገብር፡ መዓት ድማ እፈጥር፡ እዚ ዂሉ ዝገብር ኣነ እግዚኣብሄር እየ።

Translation | Context
ኢሳይያስ 54:11 | 4 Helpful votes

ኣቲ ህቦብላ ዝደፍኣኪ፡ ዘይተጸናናዕኪ፡ ሕዝንቲ፡ እንሆ፡ ነእማንኪ ሰሊመ ኽነድቆ፡ ብሰጲሮስ ከኣ ክስርተኪ፡

Translation | Context
ሮሜ 12:12 | 4 Helpful votes

ብተስፋ ተሐጐሱ፡ ብጸበባ ተዓገሱ፡ ጸሎት ኣዘውትሩ።

Translation | Context
መዝሙር 18:6-7 | 3 Helpful votes

ብጸበባይ ናብ እግዚኣብሄር ተማህለልኩ፣ ናብ ኣምላኸይ ኣእዌኹ፣ ንድምጸይ ካብ መቕደሱ ሰምዖ፣ ኣውያተይውን ናብ ቅድሚኡ ኣብ ኣእዛኑ በጽሔ። ሽዑ ምድሪ ተናወጸት ራዕራዕ ድማ በለት፣ መሰረታት ኣኽራን ከኣ ኣንደቕደቑ፣ ንሱ ነዲሩ እዩ እሞ፣ ኣንቀጥቀጡ።

Translation | Context
ማቴዎስ 24:7 | 3 Helpful votes

ህዝቢ ናብ ህዝቢ፡ መንግስቲውን ናብ መንግስቲ ኺለዐል እዩ። ኣብ በቦታኡ ድማ ጥሜትን ፌራን ምንቅጥቃጥ ምድርን ኪኸውን እዩ።

Translation | Context
እዮብ 1:8-22 | 2 Helpful votes

እግዚኣብሄር ከኣ ንሰይጣን፡ ከም እዮብ ገይሩ ንኣምላኽ ዚፈርህን ካብ ክፋእ ዚርሕቕን ፍጹምን ቅኑዕን ሰብ ኣብ ምድሪ የልቦን እሞ፡ ንባርያይ እዮብስ ኣስተብሂልካዮዶ፧ በሎ። ሰይጣን ከኣ ንእግዚኣብሄር መለሰሉ በሎውን፡ እዮብ ንኣምላኽ ዚፈርሆስ ብኸምኡ ድዩ፧ ንስኻ ንእኡ ምስ ቤቱን ኣብ ዙርያኡ ዘለዎ ዂሉንዶ ሐጺርካዮ ኣየሎኻን፧ ንተግባር ኢዱ ባረኽካዮ፡ ጥሪቱ ድማ ንምድሪ መሊእዎ አሎ። ግናኸ፡ ኣብታ ገጽካ እንተ ዘይክሒዱካስ፡ ኢድካ ዘርጊሕካ ደሞ ንዂሉ ጥሪቱ ሃሰስ ኣይትብሎን፡ ኢሉ መለሰሉ። ሽዑ እግዚኣብሄር ንሰይጣን፡ በሎ እስኪ፡ ሓንትስ ናብኡ ደኣ ኢድካ ኣይትዘርግሕ እምበር፡ ዘለዎ ዂሉ ኣብ አድካ ሂበካ እኔኹ፡ በሎ። ሰይጣን ከኣ ካብ ገጽ እግዚኣብሄር ወጸ። ኰነ ድማ፡ ሓደ መዓልቲ እቶም ኣወዳቱን ኣዋልዱን ኣብ ቤት እቲ ዓብዪ ሓዎም ኪበልዑን ወይኒ ኺሰትዩን ከለው፡ መእወዪ ናብ እዮብ መጺኡ፡ እቶም ኣብዑር ይሕረሱ፡ እተን ኣእዱግ ድማ ኣብ ጥቓኣቶም ይበልዓ ነበራ፡ ሽዑ ሰብ ሳባ መጺኦም ዘሚቶምዎም። ነቶም ግዙኣት ብስሕለት ሴፍ ቀቲሎምዎም። ኣነ በይነይ ጥራይ እየ ነዚኣ ኽነግረካ ዘምለጥኩ፡ በሎ። እዚ ገና ኺዛረብ ከሎ ኸኣ፡ ካልእ መጺኡ፡ ናይ ኣምላኽ ሓዊ ኻብ ሰማይ ወሪዳ፡ ነተን ጤለ በጊዕን ንግዙኣትን ኣንደደቶምን በልዓቶምን። ኣነ በይነይ ጥራይ እየ ነዚኣ ኽነግረካ ዘምላጥኩ፡ በሎ። እዚ ገና ኺዛረብ ከሎ ኸኣ፡ ካልእ መጺኡ፡ ከልዳውያን ብሰለስተ ሰልፊ ዀይኖም፡ ኣብተን ኣግማል ሓደጋ ወዲቖም ዘሚቶምወን፡ ነቶም ግዙኣውን ብስሕለት ሴፍ ቀቲሎምዎም። ኣነ በይነይ ጥራይ እየ ነዚኣ ኽነግረካ ዘምለጥኩ፡ በሎ። እዚ ገና ኺዛረብ ከሎ ኸኣ፡ ካልእ መጹኡ፡ ኣወዳትካን ኣዋልድካን ኣብ እንዳ እቲ ዓብዪ ሓዎም ይበልዑን ወይኑ ይሰትዩን ነበሩ፡ ሽዑ ብርቱዕ ህቦብላ ንፋስ ካብ በረኻ መጺኡ፡ ነታ ቤት በርባዕተ መኣዝና፡ ወቕዓ፡ ናብ ርእሲ እቶም ደቂ ድማ ወደቐት፡ ንሳቶም ከኣ ሞይቶም። ኣነ በይነይ ጥራይ እየ ነዚኣ ኽነግረካ ዘምለጥኩ፡ በሎ። ሽዑ እዮብ ተንሲኡ ኽዳኑ ቐደደ ርእሱውን ላጸየ እሞ፡ ጥራየይ እየ ኻብ ከርሲ ወላዲተይ ዝወጻእኩ፡ ጥራየይ ከኣ ናብኣ ኽምለስ እየ። እግዚኣብሄር ሀበ፡ እግዚኣብሄር ድማ ወሰደ። ስም እግዚኣብሄር ይባረኽ፡ ኢሉ ናብ ምድሪ ተደፊኡ ሰገደ። በዚ ዂሉ እዮብ ኣይበደለን፡ ንኣምላኽውን ኣይነቐፎን።

Translation | Context
ሉቃስ 21:11 | 2 Helpful votes

ኣብ በቦታኡ ድማ ጥሜትን ፌራን ዓብዪ ምንቅጥቃጥ ምድርን ኪኸውን፡ ካብ ሰማይውን መፍርህን ዓብዪ ትእምርትን ኪኸውን እዩ።

Translation | Context
ዘፍጥረት 6:6-7 | 2 Helpful votes

እግዚኣብሄር ከኣ ንሰብ ኣብ ምድሪ ብምግባሩ ተጣዕሰ፡ ብልቡ ድማ ጐሀየ። እግዚኣብሄር ከኣ፥ ንሰብ ስለ ዝገበርክዎ ተጣዒሰ እየ እሞ፡ ንዝፈጠርክዎ ሰብ፡ ካብ ሰብ ክሳዕ እንስሳ፡ ክሳዕ ለመምታ፡ ክሳዕ ኣዕዋፍ ሰማይ ድማ ካብ ዝባን ምድሪ ኽድምስሶም እየ፡ በለ።

Translation | Context
ዘጸአት 9:22-27 | 2 Helpful votes

እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኢድካ ናብ ሰማይ ኣቢልካ ዘርግሕ እሞ፡ ናብ ኵላ ምድሪ ግብጺ፡ ናብ ልዕሊ ሰብን ናብ ልዕሊ ማልን ናብ ልዕሊ ዅሉ ብቝሊ ግራሁ ኣብ ምድሪ ግብጽን በረድ ኪወርድ እዩ፡ በሎ። ሙሴ ኸኣ በትሩ ናብ ሰማይ ዘርግሔ፡ እግዚኣብሄር ድማ ነጕድን በረድን ሰደደ፡ ሓዊ ኸኣ ናብ ምድሪ ወረደ። እግዚኣብሄር ድማ ናብ ምድሪ ግብጺ በረድ ኣዝነመ። በረድ ከኣ ዀነ፡ ኣብ ማእከል እቲ በረድ ድማ ሓዊ ይዋናጨፍ ነበረ። ሰብ ካብ ዚቕመጣ ኣብ ኵላ ምድሪ ግብጺ ኸምዚ ዝበለ ዘይኰነ ኣዝዩ ብርቱዕ ነበረ። እቲ በረድ ከኣ ኣብ ብዘላ ምድሪ ግብጺ ኣብ መሮር ንዘሎ ዅሉ፡ ካብ ሰብ ክሳዕ እንስሳ ወቕዔ እቲ በረድ ድማ ንዅሉ ብቝሊ ግራት ወቕዔ፡ ንዅሉ ኣእዋም መሮርውን ሰባበሮ። ኣብታ ደቂ እስራኤል ዝነበርዋ ምድሪ ጎሼን ጥራይ በረድ ኣይነበረን። ፈርኦን ከኣ ልኢኹ ንሙሴን ንኣሮንን ጸዊዑ፡ ሕጂ ሓጣእኩ። እግዚኣብሄር ጻድቕ እዩ። ኣነን ህዝበይን ከኣ በደልቲ ኢና።

Translation | Context
2ይ ዜና መዋእል 7:13-14 | 2 Helpful votes

ንሰማይ ዝናም ከየውርድ እንተ ዐጾኽዎ፡ ነንበጣውን ንምድሪ ኺበልዓ እንተ ኣዘዝክዎ፡ ወይ ኣብ መንጎ ህዝበይ ፌራ እንተ ሰደድኩ፡ እዚ ብስመይ እተሰምየ ህዝበይ ከኣ ትሕት እንተ በለ፡ እንተ ለመነ፡ ገጸይውን እንተ ደለየ፡ ካብ ክፉእ መገዱ ድማ እንተ ተመልሰ፡ ሽዑ ኣነ ኻብ ሰማይ ክሰምዕ እየ፡ ሓጢኣቶም ከኣ ይቕረ ኽብለሎም፡ ምድሮምውን ክፍውሰሎም እየ።

Translation | Context
ሮሜ 8:19-21 | 2 Helpful votes

ሃረርታ ፍጥረት ነቲ ምግላጽ ደቂ ኣምላኽ ይጽበዮ አሎ እሞ፡ ከምኡ ኸኣ ኣነ ንስቓይ እዚ ዘመንዚ ነቲ ኣባና ኺግለጽ ዚመጽእ ዘሎ ኽብሪ ኸም ዘይመዓራረዮ፡ እኣምን አሎኹ። እቲ ፍጥረት ንኸንቱ ተገዚኡ አሎ፡ ስለቲ ብተስፋ ዘግዝኦ እዩ እምበር፡ ብፍቓዱስ ኣይኰነን እሞ፡ እቲ ፍጥረት ንርእሱ ድማ ካብ ባርነት ጥፍኣት ናብ ሓርነት ክብሪ ደቂ ኣምላኽ ሓራ ኺወጽእ እዩ።

Translation | Context