Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

7 bible verses about

name in vain


ዘጸአት 20:7 | 9 Helpful votes

እግዚኣብሄር ስሙ ብኸንቱ ንዘልዐለ ኸይቀጽዔ ኣይሐድጎን እዩ እሞ፡ ስም እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብኸንቱ ኣይተልዕል።

Translation | Context
ዘሌዋውያን 19:12 | 6 Helpful votes

ንስም ኣምላኽካ ኽይተርክስ፡ ብስመይ ብሓሶት ኣይትምሐሉ። ኣነ እግዚኣብሄር እየ።

Translation | Context
ህዝቅኤል 39:7 | 4 Helpful votes

እቲ ቅዱስ ስመይ ኣብ ማእከል ህዝበይ እስራኤል ከፍልጦ ኣየ። ድሕርዚ ድማ እቲ ቅዱስ ስመይ ኣይከርክሶን እየ። እቶም ህዝብታት ከኣ ኣነ እግዚኣብሄር እቲ ኣብ እስራኤል ቅዱስ ምዃነይ ኪፈልጡ እዮም።

Translation | Context
ሚልክያስ 1:6 | 3 Helpful votes

ንስኻትኩም ስመይ እትንዕቁ እሞ፡ ብምንታይ ንስምካ ነዐቕናዮ፧ እትብሉ ኻህናት፡ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል አሎ፡ ውሉድ ንወላዲኡ፡ ባርያ ኸኣ ንጐይታኡ የኽብር። እምብኣርሲ ኣቦ እንተ ደኣ ዀይነ፡ ክብረተይ ኣበይ አሎ፧ ጐይታ እንተ ዀይነስ፡ ምፍርሄይ ኣበይ አሎ፧

Translation | Context
ኢሳይያስ 9:6 | 2 Helpful votes

ሕጻን ተወሊዱልና፡ ወዲ ተውሂቡና እዩ እሞ፡ እቲ ግዝኣት ከኣ ኣብ መንኲቡ እዩ፡ ስሙውን ግሩም፡ መካር፡ ብርቱዕ ኣምላኽ፡ ኣቦ ዘለኣለም፡ መስፍን ሰላም ኪስመ እዩ።

Translation | Context
ዘጸአት 6:2-3 | 2 Helpful votes

ኣምላኽ ድማ ንሙሴ ተዛረቦ፡ በሎ ኸኣ፡ ኣነ እግዚኣብሄር እየ፡ ንኣብርሃምን ንይስሃቅን ንያእቆብን ከምቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ተገለጽኩሎም፡ ብስመይ እግዚኣብሄር ግና ኣይተፈለጥኵሎምን።

Translation | Context
ፊልጲ 2:9-11 | 2 Helpful votes

ስለዚ ኸኣ ኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን ኣብ ትሕቲ ምድርን ዘሎ ዅሉ ብርኪ ብስም የሱስ ምእንቲ ኺምብርከኽ፡ ልሳን ዘበለውን ንኽብሪ እግዚኣብሄር ኣቦ ኢሉ የሱስ ክርስቶስ ጐይታ ምኻኑ ኺእመን እዩ ኣምላኽ ናብ ልዕሊ ዅሉ ልዕል ዘበሎ፡ ካብ ኵሉ ስም ልዕል ዝበለ ስምውን ዝሀቦ።

Translation | Context