Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

16 bible verses about

nagging wife


ምሳሌ 21:9 | 16 Helpful votes

ካብ ምስ ናግራም ሰበይቲ ኣብ ሓደ ቤትሲ ኣብ ዝባን ናሕሲ ብሓደ ወገን ምቕማጥ ይሐይሽ።

Translation | Context
ምሳሌ 21:19 | 10 Helpful votes

ካብ ምስ ናግራም መሰቀቒትን ሰበይትስ ኣብ በረኻ ምቕማጥ ይሐይሽ።

Translation | Context
ምሳሌ 27:15 | 10 Helpful votes

ብመዓልቲ ጥሚቕ ከየቛረጸ ዚነጥብ ቤትን ናግራም ሰበይትን ሓደ እዮም።

Translation | Context
ምሳሌ 25:24 | 8 Helpful votes

ካብ ምስ ናግራም ሰበይቲ ኣብ ሓደ ቤትሲ፡ ኣብ ዝባን ናሕሲ ብሓደ ወገን ምቕማጥ ይሐይሽ።

Translation | Context
1ይ ጴጥሮስ 3:1-2 | 6 Helpful votes

ኣትን ኣንስቲ፡ ገለ ነቲ ቓል ዘይእዘዙ እንተ አለዉ፡ ነቲ ፍርሃት ዘለዎ ንጹህ ኣኻይዳኽን ምስ ረአዩ፡ በኻይዳ ኣንስቶም ብዘይ ቃል ከም ረብሓ ዀይኖም ምእንቲ ኺርከቡስ፡ ከምኡ ንሰብኡትክን ተኣዘዛኦም።

Translation | Context
ኤፌሶን 5:21-33 | 6 Helpful votes

ንሓድሕድኩም ብፍርሃት ክርስቶስ እዙዛት ኩኑ። ከምቲ ክርስቶስ ርእሲ ማሕበሩ ዝዀነ፡ ንሱ ምድሓን ስጋኡ ኸኣ እዩ፡ ሰብኣይ ከኣ ርእሲ ሰበይቱ እዩ እሞ፡ ኣትን ኣንስቲ፡ ከም ንጐይታ ጌርክን ንሰብኡትክን ተኣዘዛኦም። ከምቲ እታ ማሕበር ንክርስቶስ እትእዘዞ፡ ከምኡ ድማ ኣንስቲ ንሰብኡተን ብዅሉ ይተኣዘዛኦም። ከምቲ ክርስቶስ ንማሕበሩ ዘፍቀራ፡ ኣቱም ሰብኡት፡ ኣንስትኹም ኣፍቅሩ። ክርስቶስ ብቓሉ ገይሩ ብምሕጻብ ማይ ምስ ኣጽረያ ምእንቲ ኪቕድሳ፡ ርስሓት ወይስ ዕጣር ወይስ ገለ ነዚ ዚመስል ዜብላ፡ ብዘይ መንቅብ ቅድስትን ክብርትን ማሕበር ገይሩ ንእኡ ምእንቲ ኬቕውማ ኢሉ፡ ርእሱ በጃኣ ሃበ። ሰብኡትውን ከምኡ፡ ነተን ኣንስቶም ከም ስጋኦም ገይሮም ኬፍቅርወን ይግባኦም እዩ። ሰብ ንስጋኡ ይምግቦን ይካናኸኖን እምበር፡ ሓደ እኳ ዚጸልኦ የልቦን። ኣካላት ስጋኡ ስለ ዝዀንና፡ ክርስቶስ ከምኡ ንማሕበሩ ይካናኸና አሎ። ስለዚ ሰብኣይ ኣቦኡን ኣዲኡን ሐዲጉ ምስ ሰበይቱ ይለግብ፡ ክልቲኦምውን ሓደ ስጋ እዮም ዚዀኑ። እዚ ምስጢር እዚ ዓብዪ እዩ፡ ኣነ ግና ብናይ ክርስቶስን ማሕበሩን እብሎ አሎኹ። ንስኻትኩምውን ከምኡ ነፍሲ ወከፍኩም ነታ ሰበይቱ ኸም ነፍሱ ገይሩ የፍቅራ፡ እታ ሰበይቲውን ንሰብኣያ ትፍርሃዮ።

Translation | Context
ምሳሌ 19:13 | 5 Helpful votes

ዓሻ ውሉድ ነቦኡ መከራ እዩ፡ ቈየቛ ሰበይቲ ኸኣ ከየቋረጸ ዚነጥብ ናሕሲ እዩ።

Translation | Context
ምሳሌ 12:4 | 4 Helpful votes

ደጊ ሰበይቲ ዘውዲ ሰብኣያ እያ፡ እታ እተነውር ግና ኣብ ኣዕጽምቱ ኸም ቍንቍነ እያ።

Translation | Context
ምሳሌ 27:15-16 | 3 Helpful votes

ብመዓልቲ ጥሚቕ ከየቛረጸ ዚነጥብ ቤትን ናግራም ሰበይትን ሓደ እዮም። ንእኣ ምዕጋትሲ ንንፋስ ምዕጋትን ብየማነይትኻ ዘይቲ ምዕማዅን እዩ።

Translation | Context
ምሳሌ 31:10-31 | 3 Helpful votes

ደገኛ ሰበይትስ መን ይረክባ፡ ዋጋኣ ኻብ ብኩር ዕንቍ ኣዝዮ ይከብር። ልቢ ሰብኣያ ይእመና፡ እቶቱ ከቶ ኣየቋርጽን። ንሳ ምሉእ ዕድሚኣ ሰናይ እምበር፡ ክፉእ ኣይትገብሮን። ጸጕርን ልሕጺ እንታጢዕን ትደሊ፡ ተሐጕሳ ኸኣ ብኢዳ ትዐዪ። ንሳ ኸም መርከብ ነጋዶ እያ፡ ካብ ርሑቕ ምግባ ተምጽእ። ገና ለይቲ ኸሎ፡ ትትንስእ እሞ፡ ንስድራ ቤታ ምግቦም ትህቦም፡ ነግራዳ ኸኣ ሰስርሔን ተትሕዘን። ግራት ትምልከት እሞ ትዕድጎ፡ ብፍረ ኣእዳዋ ኸኣ ኣታኽልቲ ወይኒ ትተክል። ሕቝኣ ብሓይሊ ይዕጠቕ፡ ቀላጽማ ኸኣ ተበርትዕ። ኣቓሑ ንግዳ ጽቡቕ ዝዀነ ትርኢ፡ መብራህታ ብለይቲ ኣይጠፍእን። ኣእዳዋ መፍተል የልዕላ፡ ኣጻብዓውን ቍኒን ይሕዛ። ንሽጉራት ኢዳ ትዝርግሓሎም፡ ንጹጉማት ከኣ ኣእዳዋ ትሰደሎም። ኵሎም ስድራኣ ሰብ ደርብ ክዳን እዮም እሞ፡ ስለ ስድራኣ ብወርጪ ኣይትፈርህን። ንርእሳ ምንጻፋት ትገብር፡ ክዳውንታውን በፍታን ጁዅን እዩ። ሰብኣያ ኣብ ደገ ኣብ ማእከል ዓበይቲ ዓዲ ምስ ዚቕመጥ ምርኡይ እዩ። ጽቡቕ ቀሚሽ ኣእሊማ ትሸይጥ፡ መቐነት ነጋዳይ ትህቦ። ሓይልን ክብረትን ልብሳ እዩ፡ ነቲ ዚመጽእ መዓልቲ ትስሕቆ። ኣፋ ብጥበብ ትኸፍት፡ ትምህርቲ ለውሃት ድማ ኣብ ልሳና እዩ። ንብረት ቤታ ትሕሉ፡ እንጌራ ትህኪት ኣይትበልዕን። ደቃ ይትንስኡ ብርኽቲ ኸኣ ይብልዋ፡ ሰብኣያ ድማ፡ ብዙሓት ኣንስቲ ጽቡቕ ዝገበራ ኣለዋ፡ ንስኺ ግና ንዅላተን ትበልጽየን፡ ኢሉ ይንእዳ። ጽባቐ መልክዕ ጠባሪ እዩ፡ ውቃበ ኸኣ ከንቱ እዩ፡ ንእግዚኣብሄር እትፈርህ ሰበይቲ ግና ትንኣድ። ካብ ፍረ ኣእዳዋ ሀብዋ፡ ኣብ ደጌታትውን ተግባራ ይንኣዳ።

Translation | Context
1ይ ጴጥሮስ 3:5-6 | 2 Helpful votes

ቀደም ድማ እተን ተስፋኤን ናብ ኣምላኽ ዝገበራ ቅዱሳት ኣንስቲ፡ ንሰብኡተን እናተኣዘዛ፡ ከምዚ እየን እተሰለማ። ከምቲ ሳራ ንኣብርሃም ጐይታይ እናበለት እተኣዘዘቶ፡ ንስኻትክን ከኣ ሰናይ እንተ ገበርክን፡ ብሓደ ዜሰምብድ ነገርውን እንተ ዘይፈራህክንሲ፡ ኣዋልዳ ኢኽን።

Translation | Context
ምሳሌ 11:22 | 2 Helpful votes

መልክዔኛ ሰበይቲ ብዘይ ኣእምሮስ፡ ከም ኣብ ኣፍንጫ ሓሰማ እተሰቝረ ቐለቤት ወርቂ እያ።

Translation | Context
1ይ ጴጥሮስ 5:3 | 2 Helpful votes

ነቲ መጓሰ ኣርኣያ እናዀንኩምዎ እምበር፡ ኣብተን ማሕበራት ከም ጐይተት ኣይትኹኑ።

Translation | Context
ኤፌሶን 5:24 | 2 Helpful votes

ከምቲ እታ ማሕበር ንክርስቶስ እትእዘዞ፡ ከምኡ ድማ ኣንስቲ ንሰብኡተን ብዅሉ ይተኣዘዛኦም።

Translation | Context
ምሳሌ 18:22 | 2 Helpful votes

እቲ ሰበይቲ ዚረክብ ሰናይ ይረክብ፡ ካብ እግዚኣብሄር ከኣ ሞገስ ይቕበል።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 7:10-11 | 2 Helpful votes

ነቶም እተመርዓዉ ግና፡ ዚእዝዝ ዘሎ ጐይታ እዩ እምበር፡ ኣነ ኣይኰንኩን፡ እታ ሰበይቲ ኻብ ሰብኣያ ኣይትፈታሕ፡ እንተ ተፈትሔት ከኣ፡ በኪ ትንበር ወይስ ምስ ሰብኣያ ትተዓረቕ፡ ሰብኣይውን ሰበይቱ ኣይፍታሕ፡ ኢለ እእዝዝ አሎኹ።

Translation | Context